ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • lfb ትምህርቲ 102 ገጽ 236-ገጽ 237 ሕ.ጽ. 2
  • ራእይ ዮሃንስ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ራእይ ዮሃንስ
  • ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ዕቤት ናይቲ ሰማያዊ ዝፋን የሆዋ
    ራእይ እቲ ዓቢ ፍጻሜኡ ቀሪቡ!
  • ራእያት እቶም ኣብቲ ዘይርአ ሰማያት ዚነብሩ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2016
  • ነቲ ናይ ስዕረት ሓድሽ መዝሙር ምዝማር
    ራእይ እቲ ዓቢ ፍጻሜኡ ቀሪቡ!
  • ዮሃንስ ነቲ ክብሪ ዝለበሰ የሱስ ይርእዮ
    ራእይ እቲ ዓቢ ፍጻሜኡ ቀሪቡ!
ዝያዳ ርአ
ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
lfb ትምህርቲ 102 ገጽ 236-ገጽ 237 ሕ.ጽ. 2
ሃዋርያ ዮሃንስ መጽሓፍ ራእይ ይጽሕፍ

ትምህርቲ 102

ራእይ ዮሃንስ

ሃዋርያ ዮሃንስ ኣብ ደሴት ጳጥሞስ ተኣሲሩ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ የሱስ ብዛዕባ መጻኢ ዚገልጽ 16 ተኸታታሊ ራእያት ወይ ምርኢታት ኣርኣዮ። እዚ ራእያት እዚ ኸኣ፡ ስም የሆዋ ብኸመይ ከም ዚቕደስ፡ መንግስቱ ብኸመይ ከም እትመጽእ፡ ፍቓዱ ኸምቲ ኣብ ሰማይ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ብኸመይ ከም ዚኸውን ዚገልጽ ነበረ።

ኣብ ሓደ ራእይ፡ ዮሃንስ ንየሆዋ ኣብ ግርማዊ ዝፋኑ ኣብ ሰማይ ተቐሚጡ ረኣዮ፣ ኣብ ዙርያኡ ድማ ጻዕዳ ኽዳውንቲ እተኸድኑን ኣብ ረርእሶም ኣኽሊል ወርቂ ዝደፍኡን 24 ሽማግለታት ነበሩ። ካብቲ ዝፋን ከኣ በርቅታትን ደሃይ ነጐዳታትን ይወጽእ ነበረ። እቶም 24 ሽማግለታት ድማ ንየሆዋ ፍግም ኢሎም ሰገዱሉ። ኣብ ካልእ ራእይ፡ ዮሃንስ ካብ ኵሎም ኣህዛብን ህዝብታትን ቋንቋታትን እተኣከቡ ንየሆዋ ዜምልኹ ብዙሓት ህዝቢ ረኣየ። እቲ ገንሸል፡ ማለት የሱስ ድማ ይጓስዮምን ናብ ማያት ህይወት ይመርሖምን ነበረ። ኣብ ካልእ ራእይ ከኣ፡ የሱስ ኣብ ሰማይ ንጉስ ኰይኑ ምስቶም 24 ሽማግለታት ኪገዝእ ጀመረ። ኣብቲ ዚስዕብ ራእይ ድማ፡ ዮሃንስ ንየሱስ ምስቲ ንሰይጣን ዜመልክት ገበልን ምስ ኣጋንንቱን ኪዋጋእ ረኣዮ። የሱስ ከኣ ንዓታቶም ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ ደርበዮም።

የሱስን እቶም 144,000ን ኣብ ከረን ጽዮን

ድሕሪኡ፡ ዮሃንስ፡ እቲ ገንሸልን እቶም 144,000ን ኣብ ከረን ጽዮን ደው ኢሎም ዜርኢ ጽቡቕ ምርኢት ረኣየ። ኣብ ዙርያ ምድሪ እናነፈረ፡ “ንኣምላኽ ፍርህዎ፡ ክብሪ እውን ሃብዎ” ኢሉ ንሰባት ዚነግሮም መልኣኽ እውን ረኣየ።

ኣብቲ ዚቕጽል ራእይ፡ ውግእ ኣርማጌዶን ኰነ። ኣብቲ ውግእ ከኣ የሱስን ሰራዊቱን ንእኩይ ስርዓት ሰይጣን ሰዓርዎ። ኣብ ናይ መወዳእታ ራእይ ድማ፡ ዮሃንስ ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ፍጹም ስኒት ኰይኑ ረኣየ። ሰይጣንን ዘርኡን ምሉእ ብምሉእ ጠፊኦም እውን ረኣየ። ኣብቲ ግዜ እቲ ድማ፡ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ዘሎ ዅሉ፡ ንስም የሆዋ ቕዱስ ገይሮም ይሕዝዎን ንየሆዋ የምልኽዎን ነበሩ።

“ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እታ ሰበይትን፡ ኣብ መንጎ ዘርእኻን ኣብ መንጎ ዘርኣን ጽልኢ እተክል ኣለኹ። ንሱ ርእስኻ ኺጭፍልቕ እዩ፣ ንስኻ ድማ ሸዀናኡ ኽትነክስ ኢኻ።”—ዘፍጥረት 3:15

ሕቶታት፦ ዮሃንስ ክንደይ ራእያት እዩ ርእዩ፧ የሱስ ኣብ ውግእ ኣርማጌዶን እንታይ ኪገብር እዩ፧

ራእይ 1:1-3፣ 4:1-11፣ 7:4, 9-17፣ 11:15-18፣ 12:5-12፣ 14:6, 7፣ 16:14, 16፣ 21:5

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ