ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • lfb ትምህርቲ 5 ገጽ 18-ገጽ 19 ሕ.ጽ. 5
  • መርከብ ኖህ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መርከብ ኖህ
  • ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኖህ መርከብ ይሰርሕ
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ማይ ኣይሂ—መን ሰሚዖም፧ መንከ ኣይሰምዑን፧
    ንኣምላኽ ስምዓዮ እሞ ንዘለኣለም ክትነብር ኢኻ
  • “ምስ ኣምላኽ ተማላለሰ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
  • “ምስቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ተመላለሰ”
    ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ
ዝያዳ ርአ
ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
lfb ትምህርቲ 5 ገጽ 18-ገጽ 19 ሕ.ጽ. 5
ኖህን ስድራ ቤቱን መርከብ ይሰርሑ

ትምህርቲ 5

መርከብ ኖህ

ድሕሪ ግዜ፡ ሰባት ኣብ ምድሪ በዝሑ። መብዛሕትኦም ከኣ ክፉኣት ነበሩ። ገሊኦም ኣብ ሰማይ ዝነበሩ መላእኽቲ እውን ከይተረፉ ኽፉኣት ኰኑ። ነቲ ኣብ ሰማይ ዝነበረ መንበሪኦም ሓዲጎም፡ ናብ ምድሪ ወረዱ። ስለምንታይ ከምኡ ኸም ዝገበሩስ ትፈልጥዶ፧ ስጋ ሰብ ለቢሶም ኣንስቲ ምእንቲ ኺምርዓዉ ኢሎም እዮም።

እቶም መላእኽቲ ድማ ካብተን ኣንስቲ ውሉዳት ወለዱ። እቶም ውሉዳቶም ምስ ዓበዩ ኸኣ፡ ኣዝዮም ብርቱዓትን ዓመጽትን ኰኑ። ንሰባት ድማ ይጐድኡ ነበሩ። የሆዋ ኸኣ ነቲ ዅነታት ኪቕጽል ኣይፈቐደን። ስለዚ፡ ነቶም ክፉኣት ሰባት ብማይ ኣይሂ፡ ማለት ብምዕልቕላቕ ማይ ኬጥፍኦም ወሰነ።

ኖህን ስድራ ቤቱን መርከብ ይሰርሑ፡ ስንቂ እውን የዳልዉ

ሓደ ሰብኣይ ግና ካብ ካልኦት እተፈልየ ነበረ። ንሱ ንየሆዋ የፍቅሮ ነበረ። ስሙ ኖህ ይብሃል ነበረ። ንሱን ሰበይቱን፡ ሴምን ካምን ያፌትን ዚብሃሉ ሰለስተ ኣወዳት ነበርዎም። ንሰለስቲኦም ከኣ ሰለስተ ኣንስቲ ነበራኦም። የሆዋ ንኖህ፡ ንሱን ስድራ ቤቱን ካብ ማይ ኣይሂ ምእንቲ ኺድሕኑ፡ ዓባይ መርከብ ኪሰርሕ ነገሮ። እታ መርከብ ከኣ ኣብ ማይ ጸምበለል እትብል ዓባይ ሳጹን እያ እትመስል ነይራ። የሆዋ ንኖህ፡ ብዙሓት እንስሳታት ምእንቲ ኺድሕኑ፡ ናብታ መርከብ ኬእትዎም ነገሮ።

ኖህ ብኡብኡ መርከብ ኪሰርሕ ጀመረ። ኖህን ስድራ ቤቱን ነታ መርከብ ንምስራሕ፡ 50 ዓመት ዚኸውን ወሰደሎም። ነታ መርከብ ልክዕ ከምቲ የሆዋ ዝበሎም ገይሮም ሰርሕዋ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኖህ ንሰባት ብዛዕባ ማይ ኣይሂ የጠንቅቖም ነበረ። ግናኸ፡ ዋላ ሓደ ኣይሰምዖን።

ኣብ መወዳእታ፡ ናብታ መርከብ ዚኣትዉሉ ግዜ ኣኸለ። ሽዑ እንታይ ከም ዝዀነ ቐጺልና ንርአ።

“ከምቲ ብዘመን ኖህ ዝዀነ፡ ወዲ ሰብ ኣብዚ ኣብ ዚህልወሉ እዋን ከኣ ከምኡ ኪኸውን እዩ።”—ማቴዎስ 24:37

ሕቶታት፦ ስለምንታይ እዩ የሆዋ ማይ ኣይሂ ኼዝንም ዝወሰነ፧ የሆዋ ንኖህ እንታይ ኪገብር እዩ ኣዚዝዎ፧

ዘፍጥረት 6:1-22፣ ማቴዎስ 24:37-41፣ 2 ጴጥሮስ 2:5፣ ይሁዳ 6

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ