ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • lfb ትምህርቲ 2 ገጽ 10-ገጽ 11 ሕ.ጽ. 1
  • ኣምላኽ ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ፈጠረ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣምላኽ ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ፈጠረ
  • ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • እቶም ናይ መጀመርታ ሰብኣይን ሰበይትን
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ስለምንታይ ኢና እንኣርግን እንመውትን፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2019
  • እቲ ዚሰዓር ናይ መወዳእታ ጸላኢ፡ ሞት እዩ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
  • ሞትን ትንሳኤን የሱስ—ንዓኻ እንታይ ትርጕም ኣለዎ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
ዝያዳ ርአ
ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
lfb ትምህርቲ 2 ገጽ 10-ገጽ 11 ሕ.ጽ. 1
ኣዳምን ሄዋንን ኣብ ገነት ኤደን

ትምህርቲ 2

ኣምላኽ ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ፈጠረ

የሆዋ፡ ኤደን ኣብ እትብሃል ስፍራ ገነት ተኸለ። እታ ገነት ከኣ ዕምባባታትን ኣእዋምን እንስሳታትን ዝመልኣ እያ ነይራ። ድሕሪኡ፡ ኣምላኽ ነቲ ቐዳማይ ሰብኣይ፡ ማለት ንኣዳም ካብ ሓመድ ገበሮ፡ ኣብ ኣፍንጫኡ ድማ ኡፍ በለሉ። ሽዑ እንታይ ከም ዝዀነ ትፈልጥዶ፧ እቲ ሰብ ህያው ኰነ! የሆዋ ንኣዳም፡ ነታ ገነት ኪከናኸናን ንዅሎም እንስሳታት ስም ኬውጽኣሎምን ሓላፍነት ሃቦ።

የሆዋ ንኣዳም ሓንቲ ኣገዳሲት ሕጊ ሃቦ። ‘ካብ ኵሉ ኣእዋም ክትበልዕ ትኽእል ኢኻ፣ ካብ ሓንቲ ፍልይቲ ኦም ግና ኣይትብላዕ። ካብታ ኦም እቲኣ እንተ በሊዕካ፡ ክትመውት ኢኻ’ በሎ።

ጸኒሑ፡ የሆዋ፡ ‘ንኣዳም ሓጋዚት ክገብረሉ እየ’ በለ። ድሕሪኡ፡ ንኣዳም ከቢድ ድቃስ ኣደቀሶ። ቀጺሉ፡ ኣምላኽ ብሓንቲ ኻብ መሰናግለ ኣዳም ገይሩ ንኣዳም ሰበይቲ ፈጠረሉ። ስም እታ ሰበይቲ ኸኣ ሄዋን እዩ። ኣዳምን ሄዋንን ቀዳመይቲ ስድራ ቤት መስረቱ። እሞኸ ኣዳም ብዛዕባ እታ ሓዳስ ሰበይቱ ኸመይ ተሰሚዕዎ፧ ብዙሕ ስለ እተሓጐሰ፡ ‘እዛ የሆዋ ኻብ መሰንገለይ ዝፈጠራ ኽትጽብቕ! ኣብ መወዳእታኡ፡ ከማይ ዝኣመሰለት ረኺበ’ በለ።

የሆዋ ንኣዳምን ንሄዋንን፡ ውሉዳት ኪወልዱን ንምድሪ ኺመልእዋን ኣዘዞም። ብሓባር እናዓየዩ ንምልእቲ ምድሪ ኸም ገነት ኤደን ዝኣመሰለት ገነት ወይ ጽብቕቲ ስፍራ ኣታኽልቲ ኺገብርዋ እዩ ዚደልዮም ነይሩ። ኰይኑ ግና፡ ከምቲ እተሓስበ ኣይኰነን። ስለምንታይ፧ ነዚ ኣብ እትቕጽል ምዕራፍ ክንምሃሮ ኢና።

“እቲ ኻብ መጀመርታ ዝፈጠሮም፡ ተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሩ [ፈጠሮም]።”—ማቴዎስ 19:4

ሕቶታት፦ የሆዋ ንኣዳም እንታይ ስራሕ እዩ ሂብዎ፧ ኣዳምን ሄዋንን ካብታ ኣምላኽ ከይበልዕዋ ዝኣዘዞም ኦም እንተ በሊዖም፡ እንታይ ከም ዚዀኑ እዩ እተነግሮም፧

ዘፍጥረት 1:27-31፣ 2:7-9, 15-23፣ መዝሙር 115:16፣ ማቴዎስ 19:4-6

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ