መእተዊ 2ይ ክፋል
የሆዋ ነታ ሽዑ ዝነበረት ዓለም ዚድምስስ ማይ ኣይሂ ዘምጽአ ስለምንታይ እዩ፧ ኣብ ኣጋ መጀመርታ ታሪኽ ወዲ ሰብ፡ ኣብ መንጎ ሰናይን እከይን ቃልሲ ተፈጢሩ ነይሩ። ከም ኣዳምን ሄዋንን ቃየልን ዝኣመሰሉ ገሊኦም ሰባት፡ ብወገን እከይ ኪዀኑ መረጹ። ከም ኣቤልን ኖህን ዝኣመሰሉ ሒደት ሰባት ከኣ፡ ብወገን ሰናይ ኪዀኑ መረጹ። ብዙሓት ሰባት ኣመና ኽፉኣት ስለ ዝዀኑ፡ የሆዋ ነታ እክይቲ ዓለም ኣጥፍኣ። እዚ ኽፋል እዚ፡ የሆዋ ነቲ ምስ መን ከም እንውግን እንገብሮ ምርጫ ኸም ዚርእዮ፡ እከይ ንሰናይ ኪስዕሮ ድማ ከቶ ኸም ዘይፈቅድ ይምህረና።