ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • jy ምዕ. 76 ገጽ 178-ገጽ 179 ሕ.ጽ. 1
  • ምስ ሓደ ፈሪሳዊ በልዐ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ምስ ሓደ ፈሪሳዊ በልዐ
  • የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ምስ ሓደ ፈሪሳዊ ምብላዕ
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
  • ‘ካባይ ተምሃሩ’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
  • የሱስ ነቶም ተጻረርቱ ይዅንኖም
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
  • ‘ካብ ማይ ብሑቝ ፈሪሳውያን ርእስኹም ሓልዉ’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
ዝያዳ ርአ
የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
jy ምዕ. 76 ገጽ 178-ገጽ 179 ሕ.ጽ. 1
የሱስ ንፈሪሳውያን ስለቲ ሃይማኖታዊ ስርዓታቶምን ግብዝናኦምን ይዅንኖም

ምዕራፍ 76

ምስ ሓደ ፈሪሳዊ በልዐ

ሉቃስ 11:37-54

  • የሱስ ንግቡዛት ፈሪሳውያን ኰነኖም

የሱስ ኣብ ይሁዳ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ሓደ ፈሪሳዊ ዓደሞ። (ሉቃስ 11:37, 38) ፈሪሳውያን ቅድሚ ምብልዖም ክሳዕ ኵርናዕ ኢዶም ይሕጸቡ ነይሮም እዮም። የሱስ ግና ከምኡ ኣይገበረን። (ማቴዎስ 15:1, 2) ከምኡ ጌርካ ምሕጻብ፡ ሕጊ ኣምላኽ ዚጥሕስ እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ኣምላኽ ኪማላእ ዚደልዮ ግና ኣይኰነን።

እቲ ፈሪሳዊ፡ የሱስ ነቲ ስርዓት እቲ ኸም ዘይስዕቦ ምስ ረኣየ፡ ተገረመ። የሱስ ድማ ነዚ ተገንዚቡ፡ “ሕጂ ኣቱም ፈሪሳውያን፡ ዝባን ዋንጫን ጻሕልን ትሓጽቡ፣ ውሽጥኹም ግና ስስዐን እከይን ዝመላእኩም ኢኹም። ኣቱም ዓያሹ፡ እቲ ንዝባኑ ዝገበረ፡ ንውሽጡስ ኣይገበረንዶ፧” በለ።—ሉቃስ 11:39, 40።

ቅድሚ ምብላዕካ ኣእዳውካ ምጽራይ ጌጋ ኣይኰነን፣ ሃይማኖታዊ ግብዝና ግና ጌጋ እዩ። ፈሪሳውያንን ካልኦትን ኣእዳዎም ዚሕጸቡ እኳ እንተ ዀኑ፡ ልቦም ግና ካብ እከይ ኣየንጽሁን። ስለዚ፡ የሱስ፡ “እቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ኸም ምጽዋት ሃቡ፣ እንሆ ድማ፡ ኵሉ ጽሩይ ይዀነልኩም” ኢሉ መዓዶም። (ሉቃስ 11:41) ሓቁ እዩ! ምሃብ ካብ ፈቃር ልቢ ተላዒልካ እምበር፡ ንኻልኦት ብኣምሰሉ ጽድቂ ኽትምስጥ ተባሂሉ ኺግበር የብሉን።

እቶም ሰባት እቲኦም ዘይህቡ ኣይኰኑን ነይሮም። የሱስ ቀጺሉ፡ “ኣቱም ፈሪሳውያን፡ ካብ ናዕናዕን ካብ ጨና ኣዳምን ካብ ኵሉ ኣሕምልትን ዕሽር ትህቡ፣ ፍትሕን ፍቕሪ ኣምላኽን ግና ሸለል ትብሉ ኣለኹም እሞ፡ ወይለኹም! እዚ ኽትገብሩ ይግባእ፡ እቲ እውን ሸለል ክትብሉ ኣይግባእን” በሎም። (ሉቃስ 11:42) ዕሽር (ዓስራይ ኣፍ) ፍርያት ንኣምላኽ ኪውሃብ ከም ዚግባእ ሕጊ ኣምላኽ ይእዝዝ ነይሩ እዩ። (ዘዳግም 14:22) እዚ ድማ ነቲ ንምግቢ መማቕርቲ ዀይኑ ዜገልግል ናዕናዕን ጨና ኣዳምን ዜጠቓልል ነበረ። ፈሪሳውያን ካብዚ ኣትክልቲ እዚ ተጠንቂቖም ዕሽር ይኸፍሉ ነይሮም እዮም። ፍትሒ ኸም ምግባርን ምስ ኣምላኽ ብትሕትና ኸም ምምልላስን ኣብ ዝኣመሰለ ብዝያዳ ኺሕልውዎ ዚግብኦም እቲ ሕጊ ዚእዝዞም ነገራት ግና ከመይ እዮም ነይሮም፧—ሚክያስ 6:8።

የሱስ ቀጺሉ፡ “ኣቱም ፈሪሳውያን፡ ኣብ ምኵራባት ቀዳሞት መናብር፡ ኣብ ዕዳጋ ድማ ሰላምታ ትፈትዉ ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም! ከምቲ ሰባት ከይፈለጡ ረጊጾምዎ ዚሓልፉ ብንጹር ዘይርአ መቓብራት ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም!” በሎም። (ሉቃስ 11:43, 44) እወ፡ ሰባት ከይፈለጡ ብመቓብራት ኪሓልፉ እሞ ኺረኽሱ ይኽእሉ ነይሮም እዮም። የሱስ በዚ ገይሩ ኸኣ ርኽሰት ፈሪሳውያን ብግህዶ ዚርአ ዘይምዃኑ ኣጕልሐ።—ማቴዎስ 23:27።

ሽዑ፡ ሓደ ፈላጥ ሕጊ ኣምላኽ፡ “መምህር፡ ከምዚ ኽትብል ከለኻስ፡ ትጸርፈና ኣለኻ” ኢሉ ኣማረረ። እቶም ሰባት እቲኦም ግና ነቲ ህዝቢ እቲ ይሕግዝዎ ኸም ዘይነበሩ ኺፈልጡ ነበሮም። ስለዚ፡ የሱስ፡ “ኣቱም ፈለጥቲ ሕጊ እውን፡ ንሰባት ከቢድ ጾር ተሰክሙ፡ ንስኻትኩም ባዕላትኩም ግና ነቲ ጾር ብኣጻብዕኩም ኣይትትንክይዎን ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም! መቓብር ነብያት ትሰርሑ ኢኹም፣ ግናኸ ኣቦታትኩም ቀቲሎምዎም እዮም እሞ፡ ወይለኹም” በሎም።—ሉቃስ 11:45-47።

እቲ የሱስ ዝጠቐሶ ጾር፡ እቲ ብቓል ዚመሓላለፍ ዝነበረ ስርዓታትን ፈሪሳውያን ነቲ ሕጊ ዚህብዎ ዝነበሩ ትርጉምን እዩ ነይሩ። እቶም ሰባት እቲኦም ነቶም ህዝቢ ህይወቶም ኣየፍኵሱሎምን እዮም ነይሮም። የግዳስ፡ ከቢድ ጾር ኪስከሙ ግዲ ይብልዎም እዮም ነይሮም። ኣቦታቶም ካብ ኣቤል ኣትሒዞም ንነብያት ኣምላኽ ቀቲሎምዎም እዮም። ንሳቶም ድማ ንነብያት ከም ዘኽበሩ ኣምሲሎም መቓብር እኳ እንተ ሰርሑ፡ ኣረኣእያን ተግባራትን ኣቦታቶም እዮም ዚቐድሑ ነይሮም። ነቲ ቐንዲ ነብዪ ኣምላኽ እኳ ኪቐትልዎ ይደልዩ ነይሮም እዮም። ስለዚ፡ የሱስ፡ ኣምላኽ ነቲ ወለዶ እቲ ኸም ዚጸባጸቦ ገለጸ። እዚ ኸኣ ድሕሪኡ 38 ዓመት ጸኒሑ፡ ብ70 ድ.ክ. ኰነ።

የሱስ ቀጺሉ፡ “ኣቱም ፈለጥቲ ሕጊ፡ መፍትሕ ፍልጠት ወሲድኩምሲ፡ ንስኻትኩም ኣይኣቶኹምን። ነቶም ኪኣትዉ ዚደልዩ እውን ከልኪልኩምዎም ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም!” በለ። (ሉቃስ 11:52) እዞም ትርጉም ቃል ኣምላኽ ኪኸፍቱ ዝነበሮም ሰባት እዚኦም፡ ነቲ ሰባት ኪፈልጡን ኪርድኡን ዝነበሮም ኣጋጣሚ ይዓጽዉሎም ነበሩ።

እሞ ደኣ እቶም ፈሪሳውያንን ጸሓፍትን እንታይ ገበሩ፧ የሱስ ኪኸይድ ምስ ነቐለ፡ ተቘጢዖም ኪጻረርዎን ሕቶታት ኬብዝሑሉን ጀመሩ። ኪምሃሩ ደልዮም ኣይኰኑን ሓቲቶምዎ። የግዳስ፡ ብዘረባኡ ጠሊፎም ኬትሕዝዎ እዮም ደልዮም ነይሮም።

  • የሱስ ንፈሪሳውያንን ንጸሓፍትን ዝዀነኖም ስለምንታይ እዩ፧

  • እቶም ህዝቢ እንታይ ጾር እዮም ዚስከሙ ነይሮም፧

  • ነቶም ንየሱስ ዚጻረርዎን ኪቐትልዎ ዚደልዩን እንታይ ይጽበዮም ነበረ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ