ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • jy ምዕ. 77 ገጽ 180-ገጽ 181 ሕ.ጽ. 1
  • የሱስ ብዛዕባ ሃብቲ ምኽሪ ሃበ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • የሱስ ብዛዕባ ሃብቲ ምኽሪ ሃበ
  • የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንርስቲ ዝምልከት ሕቶ
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
  • እቲ ኣዝዩ ፍሉጥ ስብከት
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
  • “ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሃብታም” ዲኻ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
  • እቲ ውሩይ ኣብ ከረን እተዋህበ ስብከት
    የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
ዝያዳ ርአ
የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
jy ምዕ. 77 ገጽ 180-ገጽ 181 ሕ.ጽ. 1
ሓደ ሃብታም ሰብኣይ ብዛዕባ እቲ ዝደለቦ ሃብቲ እናሓሰበ ይሕጐስ

ምዕራፍ 77

የሱስ ብዛዕባ ሃብቲ ምኽሪ ሃበ

ሉቃስ 12:1-34

  • ምሳሌ እቲ ሃብታም ሰብኣይ

  • የሱስ ብዛዕባ ኳዃትን ዕምባባታትን ተዛረበ

  • “ሒደት መጓሰ” መንግስቲ ይውሃቦ

የሱስ ኣብ ቤት እቲ ፈሪሳዊ ኺበልዕ ከሎ፡ ኣሽሓት ኣብ ደገ ይጽበይዎ ነበሩ። ኣብ ገሊላ እውን ከምኡ ኣጋጢምዎ ነይሩ እዩ። (ማርቆስ 1:33፣ 2:2፣ 3:9) ኣብ ይሁዳ ድማ፡ እቶም ህዝቢ ኺርእይዎን ኪሰምዕዎን ይደልዩ ብምንባሮም፡ ካብቶም ኣብ መኣዲ ዝነበሩ ፈሪሳውያን እተፈልየ ኣረኣእያ እዩ ነይርዎም።

እቲ የሱስ ኣብ ፈለማ፡ “ካብ ማይ ብሑቝ ፈሪሳውያን፡ ንሱ ድማ ግብዝና፡ ተሓለዉ” ኢሉ እተዛረቦ ንደቀ መዛሙርቱ ፍሉይ ትርጉም እዩ ነይርዎ። የሱስ ነዚ መጠንቀቕታ እዚ ኣቐዲሙ ሂቡ ነይሩ እዩ፣ ኣብቲ መኣዲ ዝረኣዮ ነገር ግና እዚ ምኽሪ እዚ ብህጹጽ ኪውሃብ ከም ዜድሊ ኣጕልሓሉ። (ሉቃስ 12:1፣ ማርቆስ 8:15) እቶም ፈሪሳውያን ሃይማኖታውያን ብምምሳል እከዮም ኪሓብኡ ይፍትኑ ነይሮም ይዀኑ፣ ግናኸ፡ ሓደገኛታት ብምንባሮም ኪቃልዑ ነበሮም። ስለዚ፡ የሱስ፡ “ዘይግለጽ ስዉር፡ ዘይፍለጥ ከኣ ሕቡእ የልቦን” በለ።—ሉቃስ 12:2።

ምናልባት ብዙሓት ካብቶም ንየሱስ ዝዓጐጕዎ ሰብ ይሁዳ፡ ኣብ ገሊላ ኺሰብኽ ከሎ ዘይሰምዕዎ እዮም ነይሮም ዚዀኑ። ስለዚ፡ ኣቐዲሙ ዝጠቐሶ ቐንዲ ነጥብታት ደገመ። ንዅሎም ዚሰምዕዎ ዘበሉ፡ “ነቶም ንስጋ ዚቐትሉ፡ ድሕሪኡ ግና ዚገብርዎ ዘይብሎም ኣይትፍርህዎም” በሎም። (ሉቃስ 12:4) ንሰዓብቱ ድማ ከምቲ ኣቐዲሙ ዝገበሮ፡ ኣምላኽ ከም ዚሓልየሎም ኣረጋገጸሎም። ንወዲ ሰብ ኪእመኑሉ፡ ኣምላኽ ከም ዚሕግዞም ድማ ኪፈልጡ ነበሮም።—ማቴዎስ 10:19, 20, 26-33፣ 12:31, 32።

ሽዑ፡ ሓደ ኻብቶም ህዝቢ፡ “መምህር፡ ንሓወይ ርስቲ ኺመቕለኒ ንገረለይ” ኢሉ ዜተሓሳስቦ ዝነበረ ነገር ኣልዓለ። (ሉቃስ 12:13) ባእሲ ምእንቲ ኸይፍጠር፡ በዅሪ ውሉድ ክልተ ኢድ ከም ዚወርስ ኣብ ሕጊ ሙሴ ተጠቒሱ ይርከብ። (ዘዳግም 21:17) እቲ ሰብኣይ ግና፡ ካብቲ ብሕጊ ዚግብኦ ንላዕሊ ዝደለየ እዩ ዚመስል። የሱስ ከኣ ወገን ብዘይምሓዝ ጥበባዊ ስጕምቲ ወሰደ። ነቲ ሰብኣይ እውን፡ “ኣታ ሰብኣይ፡ ኣብ መንጎኹም ፈራዲ ወይስ ዳኛ ገይሩ መን ሸይሙኒ፧” በሎ።—ሉቃስ 12:14።

ሽዑ የሱስ፡ “ሰብ ብዙሕ እኳ እንተ ኣለዎ፡ ብገንዘቡ ህይወት ኣይረክብን እዩ እሞ፡ ተጠንቀቑ፡ ካብ ኵሉ ስስዐ ድማ ተሓለዉ” ኢሉ ንዅሎም መዓዶም። (ሉቃስ 12:15) እወ፡ ሓደ ሰብ ዘለዎ ሃብቲ ብዘየገድስ ይመውት፡ ንዅሉ ኸኣ ሓዲግዎ ይኸይድ። የሱስ ብሓንቲ ዘይትርሳዕ ምሳሌ ገይሩ ነዚ ሓቂ እዝን ምስ ኣምላኽ ጽቡቕ ርክብ ምግባር ዘለዎ ጥቕምን ኣጕልሐ፦

“ሓደ ሃብታም ሰብኣይ ግራውቱ ቐደወሉ። ብልቡ ኸኣ፡ ‘እኽለይ ዝእክበሉ ቦታ የብለይን፡ እንታይ ደኣ ኽገብር እየ፧’ ኢሉ ሓሰበ። ‘ከምዚ ኽገብር እየ፦ ማዕከናተይ ኣፍሪሰ፡ ኣግፊሐ ኽሃንጾ እየ፣ ኣብኡ ኸኣ ኵሉ እኽለይን ሃብተይን ክእክቦ እየ፣ ንርእሰይ እውን፡ “ንብዙሕ ዓመታት ዚኣኽለኪ ብዙሕ እተደለበ ሃብቲ ኣሎኪ፣ ኣዕርፊ፡ ብልዒ፡ ስተዪ፡ ተሓጐሲ” ኽብላ እየ’ ድማ በለ። ኣምላኽ ግና፡ ‘ኣታ ዓሻ፡ በዛ ለይቲ እዚኣ፡ ንህይወትካ ኻባኻ ኺወስድዋ ይደልይዋ ኣለዉ። እቲ ዝደለብካዮ ደኣ ንመን ኪኸውን እዩ፧’ በሎ። እቲ ንርእሱ መዝገብ ዚእክብ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ግና ሃብታም ዘይኰነ፡ ከምኡ እዩ።”—ሉቃስ 12:16-21።

ደቀ መዛሙርቲ የሱስን ካልኦት ዚሰምዕዎ ዝነበሩን ደድሕሪ ሃብቲ ብምጕያይ ወይ ሃብቲ ብምድላብ፡ ኣብ መጻወድያ ኪኣትዉ ይኽእሉ ነይሮም እዮም። ወይ ሓልዮት ናብራ ንየሆዋ ኻብ ምግልጋል ናብ ካልእ ከም ዜስግሉ ኺገብሮም ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ የሱስ ነቲ ቕድሚ ዓመትን መንፈቕን ኣብቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከቱ ጠቒስዎ ዝነበረ ሰናይ ምኽሪ ደገሞ፦

“ብዛዕባ ህይወትኩም ብእትበልዕዎ ወይስ ብዛዕባ ሰብነትኩም ብእትኽደንዎ ደጊም ኣይትጨነቑ። . . . ንኳዃት እሞ ኣስተብህሉሎም፦ ኣምላኽ ይምግቦም እምበር፡ ኣይዘርኡ፡ ኣይዓጽዱ፣ ቆፎ ወይስ ማዕከን እውን የብሎምን። ካብ ኣዕዋፍሲ ንስኻትኩምዶ ኣዚኹም ኣይትበልጹን፧ . . . ዕምባባታት ከመይ ኢሎም ከም ዚዓብዩ ኣስተብህሉ፦ ኣይጽዕሩ፡ ኣይፈትሉ፣ ኣነ ግና፡ ሰሎሞን እኳ በቲ ዅሉ ኽብሩ ኸም ሓደ ኻባታቶም ኣየጌጸን፡ እብለኩም ኣለኹ። . . . እምበኣር፡ እትበልዕዎን እትሰትይዎን ደጊም ኣይትድለዩ፡ ደጊም እውን ኣይትጨነቑ፣ . . . እዚ ዅሉ ኸም ዜድልየኩም ግና ኣቦኹም ይፈልጥ እዩ። መንግስቱ ደኣ ብቐጻሊ ድለዩ፣ እዚ ድማ ይውሰኸልኩም።”—ሉቃስ 12:22-31፣ ማቴዎስ 6:25-33።

መንግስቲ ኣምላኽ ዚደልዩ መን እዮም፧ የሱስ ብተዛማዲ ሒደት ዝቝጽሮም እሙናት ዝዀኑ “ሒደት መጓሰ” ኸምኡ ኸም ዚገብሩ ገለጸ። ጸኒሑ፡ ቍጽሮም 144,000 ጥራይ ምዃኑ ተገሊጹ ኣሎ። እንታይከ እዩ ዚጽበዮም፧ የሱስ፡ “መንግስቲ ኺህበኩም ኣቦኹም ሰሚርዎ እዩ” ኢሉ ኣረጋገጸሎም። ንሳቶም፡ ሰረቕቲ ኣብ ዚሰርቅዎ፡ ኣብ ምድሪ መዛግብቲ ኣብ ምግባር ኣየተኵሩን እዮም። ኣብ ክንዳኡስ፡ ልቦም ኣብቲ ምስ ክርስቶስ ዚነግሱሉ ‘ዘይጐድል መዝገብ ኣብ ሰማያት’ እዩ።—ሉቃስ 12:32-34።

  • የሱስ ነቲ ብዛዕባ ርስቲ እተላዕለ ሕቶ እንታይ ምላሽ ሃበሉ፧

  • ነቲ የሱስ ኣብ ዝመሰሎ ምሳሌ ዘሎ ሓሳባት ኣርዚንና ኽንርእዮ ዚግብኣና ስለምንታይ ኢና፧

  • የሱስ ብዛዕባ እቶም ምስኡ ኣብ መንግስቱ ዚዀኑ እንታይ እዩ ዝገለጸ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ