ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • hf ክፋል 6 ክፋል 1-3
  • ውሉድ ንሓዳር ብኸመይ ከም ዚጸልዎ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ውሉድ ንሓዳር ብኸመይ ከም ዚጸልዎ
  • ስድራ ቤትካ ሕጕስቲ ኽትከውን ትኽእል እያ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • 1 ውሉድ ንህይወትካ ብኸመይ ከም ዚጸልዎ ተረዳእ
  • 2 ንርክብኩም ኣደልድሎ
  • 3 ንውሉድካ ኣሰልጥኖ
  • ውሉዳት ኣብ ሓዳር ዘለዎም ጽልዋ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ብሓዳርካ ንኽትሕጐስ፡ መምርሒ ኣምላኽ ድለ
    ስድራ ቤትካ ሕጕስቲ ኽትከውን ትኽእል እያ
ስድራ ቤትካ ሕጕስቲ ኽትከውን ትኽእል እያ
hf ክፋል 6 ክፋል 1-3
ሓንቲ ኣላዪት ሕሙማት ንሓደ ሕጻን ንወለዱ ትህቦም

6ይ ክፋል

ውሉድ ንሓዳር ብኸመይ ከም ዚጸልዎ

“ውሉዳት ካብ የሆዋ እተዋህቡ ርስቲ እዮም።”—መዝሙር 127:3

ንሰብ ሓዳር፡ ውሉድ ምውላድ ኣዝዩ ዜሐጕሶም እኳ እንተ ዀነ፡ ኪኸብዶም ይኽእል እዩ። ንስኻን መጻምድትኻን በዅሪ ውሉድኩም ምስ ወለድኩም፡ መብዛሕትኡ ግዜኹምን ጕልበትኩምን ነቲ ሕጻን ኣብ ምክንኻን ከም ዚሓልፍ ምፍላጥኩም ኬገርመኩም ይኽእል እዩ። ድቃስ ምስኣንን ስምዒታዊ ለውጥታትን፡ ኣብ ሓዳርኩም ዘይምስምማዕ ከም ዚፍጠር ኪገብር ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ንውሉድኩም ንምክንኻንን ኣብ ሓዳርኩም ንፋስ ከይኣቱ ንምክልኻልን፡ ክልቴኹም ምትዕርራይ ክትገብሩ ኣሎኩም። እሞኸ ምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ኪሕግዘኩም ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

1 ውሉድ ንህይወትካ ብኸመይ ከም ዚጸልዎ ተረዳእ

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧ “ፍቕሪ ዓቃልን ለዋህን እያ።” ብዘይካዚ፡ “ጥቕሚ ርእሳ ኣይትደልን፡ ኣይትቝጣዕን” እውን እያ። (1 ቈረንቶስ 13:4, 5) እተበኰረት ኣደ እንተ ዄንኪ፡ ብዝያዳ ኣብ ውሉድኪ ኢኺ እተተኵሪ። ይኹን እምበር፡ ሰብኣይኪ ዕሽሽ እተባህለ ዀይኑ ኺስምዖ ስለ ዚኽእል፡ ንዕኡ እውን ኣትኵሮ ኽትገብርሉ ኣሎኪ። ዓቕልን ለውሃትን ብምርኣይ፡ ንሰብኣይኪ፡ ዚድለ ዀይኑ ኸም ዚስምዖ ኽትገብርን ኣብ ክንክን ውሉድኩም ኪሳተፍ ክትሕግዝዮን ትኽእሊ ኢኺ።

ሓደ ኣቦ ንውሉዱ ይምግቦ፣ ለይቲ ድማ ይሓቝፎ

“ኣቱም ሰብኡት፡ . . . ምስ ኣንስትኹም ብፍልጠት ንበሩ።” (1 ጴጥሮስ 3:7) ሰበይትኻ ንመብዛሕትኡ ጕልበታ ኣብ ክንክን ውሉድኩም ከም እተሕልፎ ኽትርዳእ ኣሎካ። ሓድሽ ሓላፍነት ስለ ዝዀነ ድማ፡ ውጥረት ኪስምዓ፡ ክትደክም፡ ወይ እውን ክትጭነቕ ትኽእል እያ። ሓድሓደ ግዜ እሞ ኸኣ ክትቋየቘካ እውን ትኽእል እያ፣ ንስኻ ግና ህድእ በል፣ ከመይሲ፡ “ንቝጥዓ ደንጓዪ፡ ካብ ጅግና . . . ይበልጽ” እዩ። (ምሳሌ 16:32) ኣስተውዓሊ ኹን፣ ንሰበይትኻ ድማ ዜድልያ ደገፍ ግበረላ።—ምሳሌ 14:29።

እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

  • ኣቦ፦ ንሰበይትኻ፡ ለይቲ እውን እንተ ዀነ፡ ኣብ ክንክን ውሉድኩም ሓግዛ። ምስ ሰበይትኻን ምስ ውሉድካን ዝያዳ ግዜ ምእንቲ ኸተሕልፍ፡ ነቲ ኣብ ካልእ ንጥፈታት እተሕልፎ ግዜ ነክዮ

  • ኣደ፦ ሰብኣይኪ ኺሕግዘኪ እንተ ደልዩ፡ ፍቐድሉ። ነቲ ዕዮ ዘይክእለሉ እንተ መሲሉ፡ ኣብ ክንዲ እትነቕፍዮ፡ ብኸመይ ኪገብሮ ኸም ዘለዎ ብለውሃት ኣርእይዮ

2 ንርክብኩም ኣደልድሎ

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧ “ሓደ ስጋ ድማ ይዀኑ።” (ዘፍጥረት 2:24) ንስድራ ቤትኩም ሓድሽ ኣባል እኳ እንተ ተወሰኻ፡ ንስኻን መጻምድትኻን “ሓደ ስጋ” ምዃንኩም ኣይትረስዕ። ስለዚ፡ ርክብኩም ንምድልዳል ብዚከኣለካ ዓቕሚ ጽዓር።

ሰበይቲ እንተ ዄንኪ፡ ነቲ ሰብኣይኪ ዚገብረልኪ ሓገዝን ደገፍን ኣማስውሉ። ሞሳኺ ምግላጽኪ፡ ‘ዜሕዊ’ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ምሳሌ 12:18) ሰብኣይ እንተ ዄንካ፡ ንሰበይትኻ ኸም እተፍቅራን ኣኽቢርካ ኸም እትርእያን ንገራ። በቲ ንስድራ ቤትኩም ንምክንኻን እትገብሮ ዘላ ጻዕሪ ንኣዳ።—ምሳሌ 31:10, 28።

“ነፍሲ ወከፍ፡ ጥቕሚ ኻልእ ደኣ እምበር፡ ጥቕሚ ርእሱ ኣይድለ።” (1 ቈረንቶስ 10:24) ወትሩ ንመጻምድትኻ ዚጠቕሞ ነገር ግበር። ከም ሰብ ሓዳር መጠን፡ ግዜ ወሲድኩም ኣዕልሉን ሞሳኹም ግለጹን፣ ሓሳብ ንሓሳብ ድማ ተለዋወጡ። ምስ ጾታዊ ጕዳያት ብዚተሓሓዝ፡ ኣብ ጥቕሚ ርእስኻ ጥራይ ኣይተተኵር። ንመጻምድትኻ እውን ኣብ ግምት ኣእቱ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ብስምምዕ ክልቴኹም እምበር፡ ሓደ ነቲ ሓደ ኣይከልክሎ” ይብል። (1 ቈረንቶስ 7:3-5) ስለዚ፡ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ብቕንዕና ተዘራረቡ። እቲ እተርእይዎ ዓቕልን ምርዳእን ድማ ንርክብኩም ኬደልድሎ እዩ።

ሕጻን ምስ ደቀሰ፡ ሰብኣይን ሰበይትን ብሓደ ግዜ የሕልፉ

እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

  • ምስ መጻምድትኻ ንበይንኹም ኴንኩም እተሕልፍዎ ግዜ መድቡ

  • ኣብ ንእሽቶ ወረቐት ብምጽሓፍ ወይ ንእሽቶ ህያብ ብምሃብ፡ ንመጻምድትኻ ኸም እተፍቅሮ ግለጸሉ

3 ንውሉድካ ኣሰልጥኖ

ሓንቲ ኣደ ንውሉዳ ተንብበሉ

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧ “ካብ ሕጻንነትካ ኣትሒዝካ . . . ንድሕነት ዜለብመካ ቕዱሳት ጽሑፋት ትፈልጦ ኢኻ።” (2 ጢሞቴዎስ 3:15) ንውሉድካ ኽትምህሮ እንታይ ከም እትገብር መደብ ግበር። ከይተወልደ ኸሎ እውን ከይተረፈ፡ ትምህርቲ ናይ ምቕሳም ዜደንቕ ክእለት ኣለዎ። ኣብ ማሕጸን ከሎ፡ ንድምጽኻ ኼለልዮን ንስምዒትካ ምላሽ ኪህበሉን ይኽእል እዩ። ገና ሕጻን ከሎ ኣንብበሉ። ነቲ እተንብቦ ዘለኻ እኳ እንተ ዘይተረድኦ፡ ምስ ዓበየ ንባብ ኪፈቱ ኺሕግዞ ይኽእል እዩ።

ንውሉድካ ኻብ ሕጻንነቱ ኣትሒዝካ፡ ብዛዕባ ኣምላኽ ንገሮ። ናብ የሆዋ ኽትጽሊ ኸለኻ ኸም ዚሰምዓካ ግበር። (ዘዳግም 11:19) ብሓባር ክትጻወቱ ኸለኹም እውን እንተ ዀነ፡ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ዝገበሮ ነገራት ተዛረብ። (መዝሙር 78:3, 4) ውሉድካ ኺዓቢ ኸሎ፡ ነታ ንየሆዋ ዘላትካ ፍቕሪ ኼስተብህለላ እዩ፣ ንሱ እውን ንየሆዋ ኼፍቅሮ ኺድረኽ እዩ።

እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

  • ንውሉድካ ኸተሰልጥኖ ዜድልየካ ጥበብ ምእንቲ ኽትረክብ፡ ኣነጺርካ ጸሊ

  • ገና ኻብ ሕጻንነቱ ምእንቲ ኺምሃር፡ ቀንዲ ቓላትን ሓሳባትን ደጋጊምካ ንገሮ

ውሉድ ኣብ ሓዳር ዘለዎ ጽቡቕ ጽልዋ

ውዒልኩም ሓዲርኩም፡ ንስኻን መጻምድትኻን ከም ወለዲ መጠን ሕጉሳት ክትኰኑን ምትእምማን ከተጥርዩን ኢኹም። ቈልዓ ምዕባይ፡ ብዝያዳ ፈቃራትን ዓቃላትን ለዋሃትን ክትኰኑ ኺሕግዘኩም ይኽእል እዩ። ብሓባር ትዓይዩን ንሓድሕድኩም ትደጋገፉን እንተ ዄንኩም፡ ቈልዓ ምውላድ ንርክብኩም ኬደልድሎ እዩ። በዚ ኸምዚ፡ እተን ኣብ መዝሙር 127:3 ዚርከባ፡ “ፍረ ኸርሲ ኸኣ ዓስቢ እዩ” ዚብላ ቓላት ኣባኻትኩም ኪፍጸማ እየን።

ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተታ፦

  • ኣብ ዝሓለፈት ሰሙን፡ ንመጻምድተይ ስለቲ ኣብ ስድራ ቤትና ዚገብሮ ነገር ከመስግኖ እንታይ ገይረ፧

  • ምስ መጻምድተይ፡ ብዛዕባ ውሉድና ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ ሓድሕድና ናይ ልብና ኻብ እንዛራረብ ክንደይ ጌርና፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ