ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • hf ክፋል 4 ክፋል 1-2
  • ገንዘብ ብኸመይ ከም እተካውን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ገንዘብ ብኸመይ ከም እተካውን
  • ስድራ ቤትካ ሕጕስቲ ኽትከውን ትኽእል እያ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • 1 ተጠንቂቕካ መደብ ኣውጽእ
  • 2 ብግህዶ ተዛራረብ፡ ዓቕምኻ ድማ ፍለጥ
  • ገንዘብ ምክዋን
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ብዛዕባ ገንዘብ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ይሃሉኻ
    ንቕሑ!—2015
  • ገንዘብ
    ንቕሑ!—2014
  • ገንዘብ ሱር ኵሉ ኽፍኣት ድዩ፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
ዝያዳ ርአ
ስድራ ቤትካ ሕጕስቲ ኽትከውን ትኽእል እያ
hf ክፋል 4 ክፋል 1-2
ሰብ ሓዳር፡ ገንዘቦም ብኸመይ ከም ዜካውኑ ተጠንቂቖም መደብ የውጽኡ

4ይ ክፋል

ገንዘብ ብኸመይ ከም እተካውን

“ውጥናት ብምኽሪ ይሰልጥ።”—ምሳሌ 20:18

ኵላትና ንስድራ ቤትና ዜድልዮም ዘበለ ምእንቲ ኸነማልኣሎም፡ ገንዘብ የድልየና እዩ። (ምሳሌ 30:8) ከመይሲ፡ ‘ገንዘብ ዕቝባ ይኸውን እዩ።’ (መክብብ 7:12) ከም ሰብ ሓዳር መጠን ብዛዕባ ገንዘብ ምዝርራብ ኣጸጋሚ ኪኸውን ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ጕዳይ ገንዘብ ኣብ ሓዳርኩም ጸገማት ኬምጽእ ኣይትፍቀዱሉ። (ኤፌሶን 4:32) ሰብ ሓዳር ብዛዕባ ኣጠቓቕማ ገንዘብ ኪውስኑ ኸለዉ፡ ንሓድሕዶም ኪተኣማመኑን ሓቢሮም ኪዓይዩን ኣለዎም።

1 ተጠንቂቕካ መደብ ኣውጽእ

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧ “መን ካባኻትኩምከ እዩ ግምቢ ኺሃንጽ ዚደሊ እሞ፡ ንምውዳኡ ዚኣክል እንተ ኣልይዎ፡ ቅድም ተቐሚጡ ዘይጽብጽብ፧” (ሉቃስ 14:28) ንኣጠቓቕማ ገንዘብ ብዚምልከት፡ ምስ መጻምድትኻ ብሓባር ኴንኩም መደብ ከተውጽኡ ኣገዳሲ እዩ። (ኣሞጽ 3:3) እንታይ ክትዕድጉ ኸም ዜድልየኩምን ክንደይ ከተውጽኡ ኸም እትኽእሉን ወስኑ። (ምሳሌ 31:16) ገለ ነገር ንምዕዳግ ዚኣክል ገንዘብ ስለ ዘሎኩም ጥራይ ኣይትዓድጉ። ኣብ ዕዳን ዕንዲዳን ከይትኣትዉ ተጠንቀቑ። ዓቕምኹም ርኢኹም ገንዘብ ኣውጽኡ።—ምሳሌ 21:5፣ 22:7።

እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

  • ኣብ መወዳእታ ወርሒ፡ ገንዘብ እንተ ተሪፉኩም፡ እንታይ ከም እትገብርዎ ብሓባር ኴንኩም ወስኑ

  • ገንዘብ እንተ ሓጺሩኩም፡ ወጻኢታትኩም ክትንክዩ ዜኽእለኩም ንጹር መደብ ግበሩ። ንኣብነት፡ ኣብ ቤት ምግቢ ኣብ ክንዲ እትበልዑ፡ ኣብ ቤትኩም ክትክሽኑ ትኽእሉ ኢኹም

ሰብ ሓዳር ብዛዕባ ኣገዳሲ ወጻኢታቶም ይሓስቡ

2 ብግህዶ ተዛራረብ፡ ዓቕምኻ ድማ ፍለጥ

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧ “ኣብ ቅድሚ የሆዋ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ቅድሚ ሰብ እውን ብቕንዕና ንሓሊ ኣለና።” (2 ቈረንቶስ 8:21) ስለዚ፡ ምስ መጻምድትኻ ብዛዕባ ኣታዊኻን ወጻኢኻን ብቕንዕና ተዛራረብ።

ምስ ገንዘብ ዚተሓሓዝ ዓበይቲ ውሳነታት ክትገብር ከለኻ፡ ወትሩ ንመጻምድትኻ ኣማኽሮ። (ምሳሌ 13:10) እሂን ምሂን ትባሃሃሉ እንተ ዄንኩም፡ ሰላም ዘለዎ ሓዳር ኪህልወኩም እዩ። ብዘይካዚ፡ ንኣታዊኻ ኸም ናይ ውልቅኻ ገንዘብ ዘይኰነስ፡ ከም ናይ ስድራ ቤት ገንዘብ ጌርካ ርኣዮ።—1 ጢሞቴዎስ 5:8።

ሰብ ሓዳር ናብ ዕዳጋ ምስ ከዱ ነቲ ዝጸሓፍዎ ዝርዝር ይርእዩ

እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

  • ንሓድሕድኩም ከይተመያየጥኩም፡ በብውልቅኹም ከተውጽእዎ ብዛዕባ እትኽእሉ መጠን ገንዘብ ተሰማምዑ

  • ብዛዕባ ገንዘብ ንምዝርራብ፡ ጸገም ክሳዕ ዚልዓል ኣይትጽናሕ

ብዛዕባ ገንዘብ ዘሎካ ኣረኣእያ

ገንዘብ ኣገዳሲ እኳ እንተ ዀነ፡ ንሓዳርካ ንፋስ ኬእትወሉ ወይ ኣብ ዘየድሊ ጭንቀት ኬእትወካ ኣይትፍቀደሉ። (ማቴዎስ 6:25-34) ሕጉስ ክትከውን፡ ናይ ግድን ብዙሕ ገንዘብ ኣየድልየካን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ካብ ኵሉ ስስዐ . . . ተሓለዉ” ይብል። (ሉቃስ 12:15) እቲ ገንዘብ ኪዕድጎ ዚኽእል ነገራት፡ ካብ ሓዳርካ ኣይበልጽን እዩ። ስለዚ፡ በቲ ዘሎካ ዕገብ፣ ነቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎካ ርክብ ድማ ዕሽሽ ኣይትበሎ። እዚ ኣብ ሓጐስ ስድራ ቤትካ ኣበርክቶ ኺገብር እዩ፣ ስምረት የሆዋ ኸኣ ክትረክብ ኢኻ።—እብራውያን 13:5።

ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተታ፦

  • ኣብ ዕዳ ምእንቲ ኸይንኣቱ፡ ብደረጃ ስድራ ቤት እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

  • ኣነን መጻምድተይን ብዛዕባ ገንዘብ ብግህዶ ኻብ እንዘራረብ ክንደይ ጌርና ኣለና፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ