ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • hf ክፋል 3 ክፋል 1-3
  • ንጸገማት ብኸመይ ከም እትፈትሖ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንጸገማት ብኸመይ ከም እትፈትሖ
  • ስድራ ቤትካ ሕጕስቲ ኽትከውን ትኽእል እያ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • 1 ነቲ ጸገም ተመያየጠሉ
  • 2 ስማዕን ተረዳእን
  • 3 ንውሳነኹም ተግብሮ
  • ጸገማት ምፍታሕ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ንመጻምድትኻ ኣኽብሮ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ንሓድሕድኩም እሙናት ኩኑ
    ስድራ ቤትካ ሕጕስቲ ኽትከውን ትኽእል እያ
  • ብሓዳርካ ንኽትሕጐስ፡ መምርሒ ኣምላኽ ድለ
    ስድራ ቤትካ ሕጕስቲ ኽትከውን ትኽእል እያ
ዝያዳ ርአ
ስድራ ቤትካ ሕጕስቲ ኽትከውን ትኽእል እያ
hf ክፋል 3 ክፋል 1-3
ሓደ ሰብኣይ ንሰበይቱ ጽን ኢሉ ይሰምዓ

3ይ ክፋል

ንጸገማት ብኸመይ ከም እትፈትሖ

“ፍቕሪ ብዙሕ ሓጢኣት ትኸድን እያ እሞ፡ ቅድሚ ዅሉ ንሓድሕድኩም ሓያል ፍቕሪ ትሃሉኹም።”—1 ጴጥሮስ 4:8

ንስኻን መጻምድትኻን ሓዳር ክትጅምሩ ኸለኹም፡ ብዙሕ ጸገማት የጋጥመኩም ይኸውን። እዚ ኸኣ፡ ኣተሓሳስባኹምን ስምዒታትኩምን ኣተዓባብያኹምን እተፈላለየ ስለ ዝዀነ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ወይ ከኣ፡ ካብ ሓዳርኩም ወጻእን ብሰንኪ ሃንደበታዊ ፍጻመን ጸገም ኬጋጥም ይኽእል እዩ።

ጸገም ኬጋጥመካ ኸሎ፡ ካብኡ ኽትሃድም ትፍተን ትኸውን፣ ግናኸ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ጸገም ክትፈትሖ እዩ ዚመኽረካ። (ማቴዎስ 5:23, 24) ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ብምትግባር፡ ንጸገማትካ ዝበለጸ መፍትሒ ኽትረኽበሉ ትኽእል ኢኻ።

1 ነቲ ጸገም ተመያየጠሉ

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧ “ንምዝራብ . . . ግዜ ኣለዎ።” (መክብብ 3:7) ንመጻምድትኻ፡ ግዜ ወሲድካ ብዛዕባ እቲ ጸገም ኣዘራርቦ። ብዛዕባ ስምዒትካን ርእይቶኻን ድማ ብቕንዕና ንገሮ። ኵሉ ሳዕ ‘ሓቂ ተዛረብ።’ (ኤፌሶን 4:25) ሕማቕ እኳ እንተ ተሰምዓካ፡ ከይትቋየቝ ተጠንቀቕ። ህዱእ ምላሽ፡ ምይይጥኩም ናብ ባእሲ ምእንቲ ኸይልወጥ ይሕግዝ እዩ።—ምሳሌ 15:4፣ 26:20።

ዋላ እውን እንተ ዘይተሰማማዕኩም፡ ንመጻምድትኻ ፍቕርን ኣኽብሮትን ከተርእዮ ኸም ዘሎካ ኣይትረስዕ፣ ዘረባኻ ድማ ጥዑም ይኹን። (ቈሎሴ 4:6) ውዓል ሕደር ከይበልካ ነቲ ጕዳይ ክትፈትሖ ጽዓር፣ ምስ መጻምድትኻ እሂን ምሂን ካብ ምብህሃል ድማ ዓዲ ኣይትውዓል።—ኤፌሶን 4:26።

መጻምድቲ ብዛዕባ ዜጋጠሞም ጸገም ይመያየጡ

እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

  • ምስ መጻምድትኻ ብዛዕባ ዘጋጠመኩም ጸገም እትዘራረቡሉ ግዜ መድብ

  • ክትሰምዕ ተራኻ እንተ ዀይኑ፡ ንመጻምድትኻ ኸይተቋርጾ ተጠንቀቕ። ተራኻ ምስ ኣኸለ ተዛረብ

2 ስማዕን ተረዳእን

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧ “ንሓድሕድኩም ካብ ልቢ ተፋቐሩ። ንሓድሕድኩም ኣብ ምክብባር ቀዳሞት ኩኑ።” (ሮሜ 12:10) እትሰምዓሉ መገዲ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ንኣረኣእያ መጻምድትኻ ‘ብድንጋጽን ብትሕትናን’ ክትርድኦ ፈትን። (1 ጴጥሮስ 3:8፣ ያእቆብ 1:19) ዘይትሰምዕ ክነስኻ፡ ትሰምዕ ከም ዘለኻ ኣይተምስል። ዚከኣል እንተ ዀይኑ፡ ነቲ እትገብሮ ዝነበርካ ዕዮ ኣቋሪጽካ፡ ምሉእ ኣቓልቦኻ ኣብ መጻምድትኻ ግበር፣ ወይ ከኣ፡ ንመጻምድትኻ፡ ነቲ ጕዳይ ጸኒሕኩም ክትዘራረቡሉ ትኽእሉ እንተ ዄንኩም ሕተቶ። ንመጻምድትኻ ኸም ተጻራሪኻ ዘይኰነስ፡ ከም ብጻይካ ጌርካ ትርእዮ እንተ ዄንካ፡ ‘ንዅራ ኣይክትህወኽን’ ኢኻ።—መክብብ 7:9።

እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

  • ዋላ እውን እቲ እትሰምዖ ዘለኻ ነገር ባህ እንተ ዘይበለካ፡ ጽን ኢልካ ብኽፉት ኣእምሮ ስማዕ

  • መጻምድትኻ ንዚዛረቦ ቓላት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኬመሓላልፎ ንዝደለዮ መልእኽቲ እውን ኣስተብህለሉ። ንኣካላዊ ምንቅስቓሱን ንቓና ድምጹን እውን ኣቕልበሉ

3 ንውሳነኹም ተግብሮ

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧ “ኣብ ኵሉ ዓይነት ከቢድ ዕዮ ጥቕሚ ኣሎ፣ ዘረባ ጥራይ ግና ናብ ስእነት ይመርሕ።” (ምሳሌ 14:23) ጽቡቕ መፍትሒ ምርካብ ጥራይ እኹል ኣይኰነን። ነቲ ኽልቴኹም ዝወሰንኩምዎ ኽትትግብርዎ ኣሎኩም። እዚ ኸኣ ከቢድ ዕዮን ጻዕርን ዚሓትት እኳ እንተ ዀነ፡ ጻማ ኣለዎ። (ምሳሌ 10:4) ምስ መጻምድትኻ ብሓባር ኴንኩም ትዓይዩ እንተ ዄንኩም፡ ካብ ጻዕርኹም “ጽቡቕ ጻማ” ኽትረኽቡ ኢኹም።—መክብብ 4:9።

እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

  • ነፍሲ ወከፍኩም ነቲ ጸገም ንምፍታሕ እንታይ ተግባራዊ ስጕምቲ ኸም እትወስዱ ወስኑ

  • ሓሓሊፍኩም ነቲ ዝገበርኩምዎ ምምሕያሽ ገምግምዎ

ንጸገማት ሓቢርኩም ፍትሕዎ

ሓቢርኩም ምስ እትዓይዩ፡ ንሓዳርኩም ኣብ ክንዲ ሕማቕን ከርፋሕን፡ ድልዱልን ሓጐስ ዝመልኦን ክትገብርዎ ትኽእሉ ኢኹም። (ምሳሌ 24:3) ንዝሓለፈ ጸገማት ኣብ ክንዲ እተልዕሉ፡ ንመጻኢ ጠምቱ። (ምሳሌ 17:9) ንሓድሕድኩም ብምትሕብባር ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ትትግብርዎ እንተ ዄንኩም፡ ንዝዀነ ይኹን ጸገም ክትፈትሕዎ ትኽእሉ ኢኹም።

ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተታ፦

  • ምስ መጻምድተይ ክዘራረበሉ ዘሎኒ ኣዝዩ ህጹጽ ጸገም እንታይ እዩ፧

  • መጻምድተይ ብዛዕባ ሓደ ጸገም እተሰምዖ ስምዒት ምእንቲ ኽርድኦ፡ እንታይ ክገብር እኽእል፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ