ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • bm ክፋል 2 ገጽ 5
  • ገነት ካብ ምድሪ ጠፍአት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ገነት ካብ ምድሪ ጠፍአት
  • መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መልእኽቲ ሒዙ ኣሎ፧
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብ ገነት፡ ህይወት ከመይ ይመስል ነበረ፧
    ንኣምላኽ ስምዓዮ እሞ ንዘለኣለም ክትነብር ኢኻ
  • ካባና ንላዕሊ ኣለዉ
    ካብቲ ዓብዪ መምህር ተምሃር
  • ኣዳምን ሄዋንን ንኣምላኽ ኣይተኣዘዝዎን
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ካብቶም ናይ መጀመርታ ሰብኣይን ሰበይትን ትምህርቲ ክንወስድ ንኽእል ኢና
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
ዝያዳ ርአ
መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መልእኽቲ ሒዙ ኣሎ፧
bm ክፋል 2 ገጽ 5
ሄዋን ነታ እተኸልከለት ፍረ ትትንክፋ

ክፋል 2

ገነት ካብ ምድሪ ጠፍአት

ሓደ ዓለወኛ መልኣኽ ነቶም ኣዳምን ሄዋንን ዝስሞም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ብምጽላው፡ ንግዝኣት ኣምላኽ ከም ዚነጽግዎ ገበሮም። ከም ውጽኢቱ፡ ሓጢኣትን ሞትን ናብ ዓለም ኣተወ

ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ቅድሚ ምፍጣሩ፡ መላእኽቲ ዚበሃሉ ብዓይኒ ዘይረኣዩ ብዙሓት መንፈሳውያን ፍጡራት ፈጢሩ ነይሩ እዩ። ጸኒሑ ሰይጣን ድያብሎስ እተባህለ ዓለወኛ መልኣኽ፡ ኣብ ኤድን ንሄዋን ፍረ እታ ኣምላኽ ዝኸልከሎም ኦም ንኽትበልዕ ብተንኰል ፈተና።

ሰይጣን ብተመን ገይሩ፡ ኣምላኽ ነታ ሰበይትን ንሰብኣያን ሓደ ተበሃጊ ነገር ይሓብኣሎም ከም ዘሎ ኣመተ። ንሳን ሰብኣያን ካብታ እተኸልከለት ፍረ እንተ በሊዖም፡ ከም ዘይሞቱ ነገራ። በዚ ኸምዚ፡ ሰይጣን ንኣምላኽ፡ ንሰብኣውያን ደቁ ኸም ዝሓሰዎም ገይሩ ኸሰሶ። እዚ መታለሊ እዚ፡ ንዘይተኣዛዝነት ናብ ፍሉይ ፍልጠትን ናጽነትን ዚመርሕ ጽቡቕ መገዲ ኸም ዝዀነ ገይሩ ኣቕረቦ። እዚ ዅሉ ግን ሓሶት እዩ ነይሩ፣ ከም ሓቂ እኳ ደኣስ፡ ኣብ ምድሪ እተዘርበ ናይ መጀመርታ ሓሶት እዚ እዩ ነይሩ። እቲ ቐንዲ ጕዳይ ንልዑላውነት ኣምላኽ፡ ማለት ኣምላኽ ንኺገዝእ መሰል እንተ ኣልይዎን ነዚ ብጽድቅን ንተገዛእቱ ብዚጠቅምን መገዲ ይጥቀመሉ እንተ ዀይኑን ዚምልከት እዩ ነይሩ።

ሄዋን ነቲ ሰይጣን ዘቕረበላ ሓሶት ኣመነቶ። ነታ ፍረ ኽትብህጋ ጀመረት፣ ካብኣ ድማ በልዐት። ጸኒሓ ንሰብኣያ ሃበቶ፣ ንሱ እውን በልዐ። በዚ ኸምዚ ኽልቲኦም ሓጥኣን ኰኑ። እቲ ቐሊል ዚመስል ተግባሮም፡ መግለጺ ዕልወቶም እዩ ነይሩ። ኣዳምን ሄዋንን ደይ መደይ ኢሎም ትእዛዝ ኣምላኽ ብምጥሓሶም፡ በቲ ፍጹም ህይወትን ኵሉ ኻልእ ነገራትን ዝሃቦም ፈጣሪኦም ከይግዝኡ እዮም ኣብዮም።

እቲ ዘርኢ “ርእስኻ ኪጭፍልቕ እዩ፡ ንስኻ ድማ ሸዀናኡ ኽትነክስ ኢኻ።”—ዘፍጥረት 3:15

ኣምላኽ ነቶም ዓለወኛታት ፈረዶም። ነቲ ብተመን እተመሰለ ሰይጣን ዜጥፍእ ዘርኢ ወይ መድሓኒ ኸም ዚመጽእ ከኣ መብጽዓ ኣተወ። ንኣዳምን ሄዋንን ንሞት እኳ እንተ ፈረዶም፡ ነዚ ግን ንእተወሰነ ግዜ ስለ ዘደናጐዮ፡ ነቶም ገና ዘይተወልዱ ዘርኦም ምሕረት ኣርኣዮም። እቲ ኻብ ኣምላኽ ተላኢኹ ዚመጽእ መድሓኒ ነቲ ኣብ ኤድን ብእተገብረ ዕልወት ዝሰዓበ ዜሕዝን ሳዕቤናት ስለ ዜዐርዮ፡ ደቂ ኣዳምን ሄዋንን ተስፋ ኺህልዎም ከኣለ። ኣምላኽ ብዛዕባ እቲ እተላእከ መድሓኒ ዘለዎ ዕላማ ብኸመይ ከም ዚፍጸም፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ በብቝሩብ ተገሊጹ ኣሎ።

ኣምላኽ ንኣዳምን ሄዋንን ካብ ገነት ሰጐጎም። ካብ ገነት ኤድን ወጻኢ ድራር ዕለቶም ንምምእራር፡ ይጽዕሩን ይርህጹን ነበሩ። ድሕሪኡ፡ ሄዋን ጠነሰት፡ ነቲ ቃየል ዚበሃል ቀዳማይ ወዶም ድማ ወለደት። ድሕርዚ፡ ካልኦት ኣወዳትን ኣዋልድን ወለደት፣ ካብዚኣቶም ኣቤልን ሴትን ይርከብዎም፣ ካብ ዘርኢ ሴት ድማ ኖህ ተወልደ።

—ኣብ ዘፍጥረት ምዕራፍ 3 ኽሳዕ 5፣ ራእይ 12:9 እተመስረተ።

  • ቀዳማይ ሓሶት እንታይ እዩ ነይሩ፧ መንከ እዩ ተዛሪብዎ፧

  • ኣዳምን ሄዋንን ካብ ገነት እተሰጐጉ ብኸመይ እዮም፧

  • ኣምላኽ ነቶም ዓለወኛታት ኪፈርዶም ከሎ፡ እንታይ ተስፋ እዩ ዝሃበ፧

ዘይፍጽምናን ሞትን

ኣምላኽ ንኣዳምን ሄዋንን ፍጹማት ገይሩ፡ ማለት ንዘለኣለም ኣብ ገነት ከም ዚነብሩ ገይሩ እዩ ፈጢርዎም። ካብ ኣምላኽ ምስ ዓለዉ ግን ሓጥኡ። ኣዳምን ሄዋንን ፍጽምናኦም ኣጥፍኡ፡ ምስቲ ምንጪ ህይወት ዝዀነ የሆዋ ዝነበሮም ርክብ ድማ ኣበላሸዉ። ካብቲ ግዜ እቲ ንደሓር፡ ንሳቶምን ኵሎም ዘይፍጹማት ዘርኦምን ካብ ሓጢኣትን ሞትን ኬምልጡ ኣይከኣሉን።—ሮሜ 5:12።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ