ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • bm ክፋል 1 ገጽ 4
  • ፈጣሪ ንሰብ ኣብ ገነት ኣንበሮ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ፈጣሪ ንሰብ ኣብ ገነት ኣንበሮ
  • መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መልእኽቲ ሒዙ ኣሎ፧
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መን ፈጠረካ?
    ኣብ ምድሪ ብምንባር ተሐጎሱ!
  • ካብቶም ናይ መጀመርታ ሰብኣይን ሰበይትን ትምህርቲ ክንወስድ ንኽእል ኢና
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
  • ኣብ ገነት፡ ህይወት ከመይ ይመስል ነበረ፧
    ንኣምላኽ ስምዓዮ እሞ ንዘለኣለም ክትነብር ኢኻ
  • ገነት ካብ ምድሪ ጠፍአት
    መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መልእኽቲ ሒዙ ኣሎ፧
ዝያዳ ርአ
መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መልእኽቲ ሒዙ ኣሎ፧
bm ክፋል 1 ገጽ 4
ኣዳምን ሄዋንን ኣብ ገነት ኤደን፡ ብእንስሳታት ተኸቢቦም

ክፋል 1

ፈጣሪ ንሰብ ኣብ ገነት ኣንበሮ

ኣምላኽ ንግኡዝ ዩኒቨርስን ኣብ ምድሪ ንዚርከብ ህይወትን ፈጠረ፣ ፍጹማት ዝዀኑ ሰብኣይን ሰበይትን ፈጢሩ ኣብ ጽብቕቲ ስፍራ ኣታኽልቲ ኣንበሮም፡ ትእዛዛቱ እውን ሃቦም

ኣናብስ፡ ኣዕዋፍ፡ እራብ ኣብ ገነት ኤደን

“ኣምላኽ ብመጀመርታ ሰማይን ምድርን ፈጠረ።” (ዘፍጥረት 1:1) እዘን ቃላት እዚኣተን፡ ክሳዕ ሕጂ ኻብ እተጻሕፈ ዝዀነ ይኹን መኽፈቲ ቓላት፡ ልዕሊ ዅሉ ዚፍለጣ ተባሂለን ተጸዊዐን እየን። መጽሓፍ ቅዱስ በዛ ቐላልን እተደንቕን ምሉእ ሓሳብ ገይሩ፡ ምስቲ ኣብ ምሉእ ቕዱሳት ጽሑፋት ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዝዀነ ዅሉ ዚኽእል የሆዋ ኣምላኽ የላልየና። እዛ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ ቐዳመይቲ ቝጽሪ፡ ኣምላኽ ነቲ ኣዝዩ ሰፊሕ ግኡዝ ዩኒቨርስ፡ እንተላይ ንምድርና ኸም ዝፈጠረ ትነግረና። እተን ቀጺለን ዘለዋ ቝጽርታት፡ ብምሳልያዊ ኣዘራርባ መዓልትታት ተባሂሉ ኣብ እተጸውዐ ተኸታታሊ ነዊሕ እዋናት፡ ኣምላኽ ንምድሪ ኸም ዘዳለዋን ንዅሉ እቲ ኣብዛ ዓለምና ዘሎ ድንቂ ነገራት ከም ዝገበረን ይነግራና።

ሰብ ካብ ኵሎም እቶም ኣምላኽ ዝፈጠሮም ምድራውያን ፍጥረታት ዝኸበረ እዩ ነይሩ። ብመልክዕ ኣምላኽ ስለ እተፈጥረ፡ ከም ፍቕርን ጥበብን ዝኣመሰለ ባህርያት የሆዋ ኼንጸባርቕ ይኽእል ነይሩ እዩ። ኣምላኽ ንሰብ ካብ ሓመድ ምድሪ ገበሮ። ኣዳም ኢሉ ድሕሪ ምስማይ ከኣ፡ ኣብ ገነት ኤድን ኣንበሮ። ነታ ብጽቡቕን ፍርያምን ኣእዋም ዝመልአት ስፍራ ኣታኽልቲ፡ ኣምላኽ ባዕሉ እዩ ተኺልዋ።

ንሰብ ደጋፊት ከም እተድልዮ፡ ኣምላኽ ተገንዘበ። ስለዚ ድማ፡ ብሓንቲ ኻብ መሰንገለ ኣዳም ገይሩ፡ ሰበይቲ ሰርሐ። ንዓኣ ኸኣ ነቲ ሰብኣይ ሰበይቱ ኽትኰኖ ናብኡ ኣምጸኣ፣ እታ ሰበይቲ እውን ጸኒሓ ሄዋን ተባህለት። ኣዳም በዚ ስለ እተሓጐሰ፡ “እዚኣ ዓጽሚ ኻብ ኣዕጽምተይ ስጋ ኸኣ ካብ ስጋይ እያ” ኢሉ ገጠመ። ኣምላኽ እውን፡ “ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ይሐድግ፡ ምስ ሰበይቱ ኸኣ ይጠብቕ። ሓደ ስጋ ድማ ይዀኑ” በለ።—ዘፍጥረት 2:22-24፣ 3:20።

ኣምላኽ ንኣዳምን ሄዋንን ክልተ ትእዛዛት ሃቦም። ቀዳማይ፡ ንምድሪ ኪዅስኵስዋን ኪከናኸንዋን፡ በብቝሩብ ድማ ብዘርኦም ኪመልእዋ እዩ ነይሩ። ካልኣይ፡ ካብ ኵሉ ኦም ገነት ዝደለዩ ኺበልዑ ዚኽእሉ እኳ እንተ ዀኑ፡ ካብታ “ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም” ጥራይ ግን ከይበልዑ እዩ ነይሩ። (ዘፍጥረት 2:17) እንተ ዘይተኣዚዞም፡ ከም ዚሞቱ ተነግሮም። ኣምላኽ በዚ ትእዛዛት እዚ ኣቢሉ፡ እቲ ሰብኣይን እታ ሰበይትን ንዕኡ ኸም ገዛኢኦም ከም እተቐበልዎ ዜርእዩሉ ኣጋጣሚ ኸፈተሎም። ብተወሳኺ እውን፡ ብተኣዛዝነቶም ኣቢሎም ፍቕሮምን ምስጋናኦምን መርኣዩ ነይሮም። ነቲ ጽቡቕ ኣገዛዝኣኡ ንኪቕበሉ እኹል ምኽንያት ነይርዎም እዩ። እቶም ፍጹማት ሰባት ዋላ ሓንቲ ኣበር ኣይነበሮምን። ብዛዕባ እዚ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣምላኽ ከኣ ዝገበሮ ዘበለ ዅሉ ረአየ፡ እንሆ፡ ብዙሕ ጽቡቕ ኰነ” ይብል።—ዘፍጥረት 1:31።

​—ኣብ ዘፍጥረት ምዕራፍ 1ን 2ን እተመስረተ።

  • መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣፈጣጥራ ሰባትን ምድራዊት መንበሪቶምን እንታይ ይገልጽ፧

  • ኣምላኽ ነቲ ሰብኣይን ነታ ሰበይትን እንታይ ዓይነት ህይወት ንኺህልዎም እዩ መገዲ ኸፊቱሎም፧

  • ኣምላኽ ነቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን እንታይ ትእዛዛት እዩ ሂብዎም፧

ስም ኣምላኽ

ቅዱሳት ጽሑፋት ንኣምላኽ ብእተፈላለየ መዓርጋት ይጽውዖ እዩ፣ ንኣብነት፡ ፈጣሪ፡ ኵሉ ዚኽእል ኣምላኽ ኢሉ ይጽውዖ እዩ። ገሊኡ መዓርጋት ንኸም ቅድስናኡን ሓይሉን ፍትሑን ጥበቡን ፍቕሩን ዝኣመሰለ ባህርያቱ የጕልሕ። ኰይኑ ግን፡ ኣምላኽ ንርእሱ ፍሉይ ብሕታዊ ስም ኣውጺኡ እዩ፣ እዚ ኸኣ የሆዋ ዚብል እዩ። ኣብቲ ብበዅሪ ቛንቋታት እተዳለወ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እዚ ስም ኣምላኽ እዚ፡ ካብ ዘፍጥረት 2:4 ጀሚሩ፡ 7,000 ሳዕ ኣቢሉ ይርከብ። እቲ የሆዋ ዚብል ስም፡ “ዚኸውን” ማለት እዩ። እዚ ስም እዚ፡ ኣምላኽ ዝዀነ ይኹን ዝዓለሞ ዕላማ ዀነ ዝኣተዎ መብጽዓ ኺፍጽም ከም ዚኽእል ዜመልክት ስለ ዝዀነ፡ ነዚ ምፍላጥና የጸናንዓና እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ