ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g 6/13 ገጽ 8-10
  • ስለምንታይ ኢና እንዕድግ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ስለምንታይ ኢና እንዕድግ፧
  • ንቕሑ!—2013
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንወጻኢታትካ ብኸመይ ከም እትቈጻጸሮ
    ንቕሑ!—2013
  • ገንዘብ ኪዕድጎ ዘይክእል ሰለስተ ነገራት
    ንቕሑ!—2013
  • ህይወትካ ዝበለጸ ትርጕም ክህልዎዶ ይኽእል፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
  • ንውሉድካ ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ምምሃር
    ንቕሑ!—2016
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2013
g 6/13 ገጽ 8-10

ገበር፦ እምብዛ ብዙሕ ዲና እንዕድግ ዘለና፧

ስለምንታይ ኢና እንዕድግ፧

ብ2012 ኣብ ዝወጸ ዓለምለኻዊ መጽናዕቲ፡ ካብቶም ኣብቲ መጽናዕቲ እተኻፈሉ ፍርቆም፡ ዘየድልዮም ነገራት ከም ዝዓደጉ ተኣሚኖም እዮም። ክልተ ሲሶ ዚዀኑ ኸኣ፡ ሰባት ኣዝዮም ብዙሕ ዚዕድጉ ዘለዉ ዀይኑ እዩ ዚስምዖም። እዚ ርትዓዊ ኺመስል ይኽእል እዩ። ከመይሲ፡ ብዙሓት ዓደግቲ፡ መወዳእታ ኣብ ዘይብሉ ዕዳን ዕንዲዳን እዮም ጥሒሎም ዘለዉ። ተመራመርቲ ኸም ዚገልጽዎ፡ ብዙሕ ብዝዓደግና መጠን፡ ዝያዳ ዕግበት ዘይኰነስ፡ ዝያዳ ውጥረትን ጓህን እዩ ዜስዕበልና። ከምኡ እንተ ዀይኑ ደኣ እሞ ስለምንታይ ኢና እምብዛ ብዙሕ እንዕድግ ዘለና፧

ምእንቲ ኽንዕድግ ተባሂሉ ዚግበር መወዓውዒ ማእለያ የብሉን። ዕላማ ነጋዶ እንታይ እዩ፧ ነቲ እንብህጎ ጥራይ ዝነበርና ነገራት፡ ናይ ግድን ከም ዜድልየና ዀይኑ ኸም ዚስምዓና እዮም ዚገብሩ። ነጋዶ፡ ዓደግቲ ብቐሊሉ ብስምዒት ከም ዚድፍኡ ይፈልጡ እዮም። በዚ ምኽንያት እዚ እዩ መወዓውዒታት፡ ስምዒት ሰባት ኬለዓዕል ብዚኽእል መገዲ ዚዳሎ።

እታ ዋይ ፒፕል ባይ ቲንግስ ዘይ ዶንት ኒድ (ሰባት ዘየድልዮም ነገራት ዚዕድጉሉ ምኽንያት) ዘርእስታ መጽሓፍ፡ “ዓደግቲ፡ ሓድሽ ኣቕሓ ንኺዕድጉ ኺሓስቡ ኸለዉ ዚረኣዮም፡ ነቲ ኣቕሓ ምንዳይን ኣናዲኻ ምርካብን ኣብ መወዳእታኡ ነቲ ኣቕሓ ምውናንን እዩ” በለት። ገሊኦም ምሁራት ከም ዚገልጽዎ እሞ ኸኣ፡ ዓደግቲ ንዕዳጋ ኪኸዱ ኸለዉ ኣዝዮም ስለ ዚሕጐሱ፡ ኣብ ሰብነቶም ዘሎ መጠን ኣድረናሊን ይውስኽ እዩ። ጂም ፑለር ዝስሙ ኽኢላ ዕዳጋ፡ “እቲ ሸያጢ፡ ስምዒት ዓማዊሉ ኣዝዩ ኸም ዝወሰኸ፡ ብቐሊሉ ኸኣ ኬእምኖም ከም ዚኽእል እንተ ተገንዚቡ፡ ዓይኑ ኸይሓሰየ ንስምዒት ዓማዊሉ ኺምዝምዞ እዩ ዚጽዕር” በለ።

እሞኸ ኣደዳ በላሕቲ ነጋዶ ምእንቲ ኸይትኸውን፡ ንገዛእ ርእስኻ ብኸመይ ከተዕቍባ ትኽእል፧ ስምዒታዊ ኣይትኹን፣ ነቲ ነጋዶ ዚህብዎ መብጽዓታት ድማ ምስ ህሉው ኵነታት ኣወዳድሮ።

መብጽዓ፦ “ደረጃ ናብራኻ ኣመሓይሽ”

ዝሓሸ ናብራ ኺህልወካ ምድላይ ባህርያዊ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ እዮም ነጋዶ፡ ኵሉ ባህግታትና ኺዓግብ ዚኽእል፡ ማለት ዝሓሸ ጥዕና ኺህልወና፡ ድሕንነት ኪስምዓና፡ ካብ ውጥረት ናጻ ዝዀነ ህይወት ክንመርሕ፡ ከምኡውን ጥብቂ ርክብ ክንምስርት እንኽእል፡ ነቲ እንደልዮ ምስ እንዕድግ ጥራይ ምዃኑ ዚገልጽ መልእኽትታት ዜውሕዙልና።

ህሉው ኵነታት፦

መጠን ጥሪትና እናወሰኸ ኪኸይድ ከሎ፡ ደረጃ ናብራና ኺንኪ ይኽእል እዩ። ዝያዳ ስጋዊ ሃብቲ፡ ዝያዳ ግዜን ገንዘብን እዩ ዚሓትት። እቲ ዕዳ ዜስዕቦ ውጥረት ይውስኽ፡ ምስ ስድራ ቤትካን ምስ ፈተውትኻን እተሕልፎ ግዜ ድማ ይንኪ እዩ።

ስርዓት፦ “ሰብ ብዙሕ እኳ እንተ ኣለዎ፡ ብገንዘቡ ህይወት ኣይረክብን እዩ።”—ሉቃስ 12:15።

መብጽዓ፦ “ነቲ ኣብ ቅድሚ ሰብ ዘሎካ ኽብርን ዝናን ክብ ኣብሎ”

መብዛሕትኦም ሰባት፡ ንኻልኦት ኪምስጡ ኢሎም እዮም ዚዕድጉ። ጂም ፑለር፡ “ሰባት ምስ ፈተውቶምን ምስ ጐረባብቶምን ምስ መሳርሕቶምን ምስ ኣዝማዶምን ንኺወዳደሩ ኢሎም እዮም ዚዕድጉ” በለ። በዚ ምኽንያት እዚ እዩ መብዛሕትኡ እዋን ኣብ መወዓውዒ፡ ዕዉታትን ሃብታማትን ዚብሃሉ ሰባት ብሓደ ኣቕሓ ተሓጒሶም ኪጥቀሙ ኸለዉ ዚርአ። ከምዚ ዝበለ መወዓውዒ ንዓዳጋይ፡ “ንስኻ እውን ከምኡ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ” ዚብል መልእኽቲ እዩ ዜመሓላልፈሉ።

ህሉው ኵነታት፦

ንርእስና ዘሎና ግምት ምስ ካልኦት ብምውድዳር ክንግምግሞ እንተ ፈቲንና፡ መወዳእታ ኣብ ዘይብሉ ናይ ጓሂ ዓንኬል ኢና እንኣቱ። ከመይሲ፡ ንሓደ እንብህጎ ዝነበርና ነገር ምስ ረኸብና፡ ካልእ ነገር እውን ምብሃግና ዘይተርፍ እዩ።

ስርዓት፦ “ብሩር ዚፈቱ ብብሩር ኣይጸግብን።”—መክብብ 5:10።

መብጽዓ፦ “ብንብረትካ ኣቢልካ መንነትካ ኣርኢ”

እታ ሻይኒ ኦብጀክትስ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ “ንኻልኦት ሰባት መንነትና (ወይ ከኣ መን ክንከውን ከም እንደሊ) እነርእዮም፡ ንጥሪትና ብእንጥቀመሉን ብእነርእየሉን መገዲ እዩ” በለት። ነጋዶ ነዚ ስለ ዚፈልጡ፡ ንኣቕሑ፡ ብፍላይ ከኣ ንኽቡር ኣቕሑ፡ ፍሉይ ናብራ ህይወት ምስ ዚነብሩ ሰባትን እቶም ሰባት ኣኽቢሮም ምስ ዚርእይዎ ነገራትን ኬተሓሕዝዎ እዮም ዚጽዕሩ።

ንገዛእ ርእስኻ ብኸመይ ኢኻ እትርእያ፧ ካልኦትከ ብኸመይ ኪርእዩኻ ኢኻ እትደሊ፧ ከም ፋሽን ዚስዕብ፡ ወይ ከም ድልዱል ሰብ ገይሮም ኪርእዩኻ ዲኻ እትደሊ፧ ነጋዶ፡ ንገለ ዓይነት ኣቕሑ ብምዕዳግ፡ መንነትካ ኸተርኢ፡ ከምቲ ዝደለኻዮ ድማ ክትከውን ከም እትኽእል እዮም ዚመባጽዑልካ።

ህሉው ኵነታት፦

እቲ እትዕድጎ ኣቕሑ፡ ንመንነትካ ኪቕይሮ ወይ ከኣ ከም ሓቀኛነት ዝኣመሰለ ኽቡር ባህርያት ኬውህበካ ኣይክእልን እዩ።

ስርዓት፦ ‘ስልማትክን፡ ስልማት ወርቅን ምኽዳን ክዳውንትን ኣይኹን፣ የግዳስ፡ እቲ ኣብ ልቢ ዘሎ ሕቡእ ሰብ ይኹን።’—1 ጴጥሮስ 3:3, 4።

ብዛዕባ ጥሪት ሚዛናዊ ኣረኣእያ ይሃሉኻ

ነጋዶ ዚህብዎ መብጽዓታት ምስ ህሉው ኵነታት ማዕረ ኣይኰነን። ይኹን እምበር፡ ሚዛናውን ሕጉስን ህይወት ንኽትነብር ኪሕግዘካ ዚኽእል ዜተኣማምን መምርሒ ኣሎ። ኵሉ እቲ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ተጠቒሱ ዘሎ ስርዓታት፡ ኣብቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ ዚርከብ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሃብቲ ምጥራይ ዘይኵንን እኳ እንተ ዀነ፡ ዝበለጸ ሓጐስ ካብቲ ኻብ ‘ፍቕሪ ገንዘብ ናጻ ዝዀነ’ መገዲ ህይወት ከም ዚርከብ እዩ ዚምህር።—እብራውያን 13:5።

ዘመናዊ መገድታት መወዓውዒ

ዘመናውያን ነጋዶ፡ ኣብ ርእሲ እቲ ብተለቪዥንን ብጽሑፋትን ብኢንተርነትን ዚገብርዎ መወዓውዒ፡ ብኻልእ ሓያሎ እተራቐቐ መገዲ እውን የወዓውዑ እዮም።

ኣብ ተለቪዥንን ኣብ ፊልምታትን ኣብ ጸወታታት ቪድዮን፡ ሰባት ከም መወዓውዒ ገይሮም ብዘይሓስብዎ መገዲ፡ ገሊኡ ኣቕሑን እቲ ኣቕሑ ዚጽውዓሉ ስምን ከም ዚርአ ይግበር።

ገንዘብ እተኸፍሎም ተወከልቲ ሓደ ትካል፡ የወዓውዑ ኸም ዘየለዉ ብዚመስል መገዲ፡ ኣብ መዓልታዊ ንጥፈታቶም ምስ ካልኦት ሰባት ኣብ ዚዀኑሉ እዋን፡ ንሓደ ኣቕሓ ብውዕዉዕ ስምዒት ይጥቀሙሉ ወይ ብዛዕባኡ ይዛረቡ።

ኣብ ምውዕዋዕ ዚሰርሑ ሰባት፡ ንፈተውቶም ብዛዕባ ሓደ ዓይነት ኣቕሓ ንኼዕልልዎምን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብዛዕባኡ ሓሳብ ንኺህቡን ይተባብዑ እዮም። ነዞም ሰባት እዚኦም፡ ተሳትፎኦም ምእንቲ ኼሐይሉ፡ ናይቲ ኣቕሓ መርኣዪ ወይ ከኣ ካልእ ሽልማት ይወሃቦም እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ