ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g 6/13 ገጽ 10-11
  • ንወጻኢታትካ ብኸመይ ከም እትቈጻጸሮ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንወጻኢታትካ ብኸመይ ከም እትቈጻጸሮ
  • ንቕሑ!—2013
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንገንዘበይ ብኸመይ ከካውኖ እኽእል፧
    መንእሰያት ዚሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን፡ 2ይ ጥራዝ
  • ወጻኢታተይ ክቈጻጸር ዝኽእል ብኸመይ እየ፧
    መንእሰያት ዚሓትትዎ
  • ገንዘብካ ኣካውን
    ንቕሑ!—2025
  • ቈጢብካ ምንባር
    ተወሳኺ ርእሰ ነገራት
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2013
g 6/13 ገጽ 10-11

ንወጻኢታትካ ብኸመይ ከም እትቈጻጸሮ

ኣብ ርእሲ እቲ ነጋዶ ንኽንዕድግ ዚገብሩልና ጸቕጢ፡ ምስ ናይ ገዛእ ርእስና ስምዒትን ልምድን እውን ክንቃለስ ኣሎና። ቀጺልና እስከ ንወጻኢታትና ብኸመይ ክንቈጻጸሮ ኸም እንኽእል ዚገልጽ ሽዱሽተ ነጥብታት ንርአ።

  1. ብሃውሪ ኣይትዓድግ። ዕዳጋ ምኻድን ተዋጊኻ ብሕሱር ምዕዳግን የሐጕሰካዶ፧ ዜሐጕሰካ እንተ ዀይኑ፡ ብሃውሪ ኽትዕድግ ትፍተን ትኸውን። ነዚ ስምዒት እዚ ኽትቃወሞ እንተ ደሊኻ፡ ህድእ በል፣ ነቲ ምስ ምዕዳግን ምውናንን ምጽጋንን እቲ ኣቕሓ ዚተሓሓዝ ነገራት ከኣ ሕሰበሉ። ነቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ብሃውሪ ምስ ዓደግካ ዘጠዓሰካ ነገራት ዘክሮ። ናይ መወዳእታ ውሳነ ቕድሚ ምግባርካ፡ ግዜ ወሲድካ ሕሰብ።

  2. ካብ ኣሉታዊ ስምዒት ንምንጋፍ ኢልካ ጥራይ ኣይትዓድግ። ናብ ዕዳጋ ኼድካ ምዕዳግ ንግዜኡ ንኣሉታዊ ስምዒትካ ኼጥፍኦ ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግና፡ እቲ ኣሉታዊ ስምዒት ካልእ እዋን ኪምለስ ከሎ፡ ናብ ዕዳጋ ኼድካ ንኽትዕድግ ዝያዳ ድፍኢት ይሓድረካ ይኸውን። ስምዒትካ ንምምሕያሽ፡ ክትዕድግ ዘይኰነስ፡ ዚድግፉኻ ፈተውቲ ኸተናዲ ወይ ከኣ ከም ብእግሪ ምጕዓዝ ዝኣመሰለ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ክትገብር እዩ ዘሎካ።

  3. ንምዝንጋዕ ኢልካ ኣይትዓድግ። ሎሚ ሎሚ፡ ዓበይቲ ቦታታት ዕዳጋ፡ ንሸመታ ናብ ምዝንጋዕ እየን ቀይረናኦ ዘለዋ። ንምዝንጋዕ ኢልካ ናብ ቦታታት ዕዳጋ ኽትከይድ ወይ ኣብ ኢንተርነት ሃሰውሰው ክትብል ከለኻ፡ እቲ ኣብኡ እትርእዮ ነገራት፡ ንኽትዕድግ ዚዕድም እዩ። ስለዚ፡ ንዕዳጋ ኽትከይድ ከለኻ፡ ነቲ ኽትዕድጎ ዝሓሰብካ ጥራይ ዓድግ።

  4. ኣዕሩኽካ ብጥበብ ምረጽ። ኣነባብራን ዕላልን ኣዕሩኽካ ንባህግታትካ ኣዝዩ ኺጸልዎ ይኽእል እዩ። ከም ኣዕሩኽካ ምእንቲ ኽትከውን ኢልካ ብዙሕ ገንዘብ ተውጽእ እንተ ኣሊኻ፡ ኣብ ገንዘብን ኣብ ጥሪትን ብዙሕ ትዅረት ዘይገብሩ ኣዕሩኽ ምረጽ።

  5. ንክረዲት ካርድኻ ብጥበብ ተጠቐመሉ። ክረዲት ካርድ ብሸለልትነት ከም እትዕድግ እዩ ዚገብረካ። ንስኻ ግና ነቲ ምስ ክረዲት ካርድ ዚተሓሓዝ ክትከፍሎ ዘሎካ መጠን ገንዘብ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ምሉእ ብምሉእ ክትከፍሎ ጽዓር። ንመጠን ወለድን ንኽፍሊትን ክረዲት ካርድኻ ፍለጦ፣ ነቲ ዝሓሰረ ካርድ ምእንቲ ኽትረክብ ድማ፡ እተፈላለየ ክረዲት ካርድ ኣረኣኢ። ነቲ ዝለዓለ መጠን ልቓሕ ዘለዎን መኽሰብ ከም እትረክብ ዚመባጻዕን ዓይነት ክቡር ክረዲት ካርድ ተጠንቀቐሉ። ብክረዲት ካርድ ኣብ ክንዲ እትዕድግ፡ ገንዘብ ብምውህላል፡ ጥረ ገንዘብ ተጠቐም።

  6. ኵነታት ገንዘብካ ፍለጥ። ብዛዕባ ዅነታት ገንዘብካ ዘይትፈልጥ እንተ ዄንካ፡ ብዙሕ ገንዘብ ከተውጽእ ትኽእል ኢኻ። ስለዚ፡ እዋናዊ መዝገብ ይሃሉኻ፣ ኵነታት ገንዘብካ ድማ ፍለጥ። ኣብ ኣታዊኻን ኣብ ሕሉፍ ተመክሮኻን ተመርኲስካ፡ ባጀት ኣውጽእ። ነቲ ዘውጻእካዮ መጠን ገንዘብ ድማ ምስቲ ባጀት ኣነጻጽሮ። ምስ ገንዘብ ዚተሓሓዝ ዘይተረድኣካ ነገር እንተ ኣልዩ፡ ምእንቲ ኺሕግዘካ ንእትኣምኖ ፈታዊኻ ሕተቶ።

ደቅኻ ኣብ ምዕዳግ ጥራይ ንኸየተኵሩ ተኸላኸለሎም

ቈልዑ ቐንዲ ግዳይ መወዓዋዕቲ እዮም፣ ከምኡ ምዃኑ ኸኣ ኣየገርምን እዩ። ከመይሲ፡ ካብ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ ይዕድጉን ገንዘብ የውጽኡን እዮም ዘለዉ። ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ፡ መንእሰያት ኣብ ዓመት ብቢልዮናት ዶላራት ዚቝጸር ገንዘብ የውጽኡ እዮም።

ይኹን እምበር፡ ጁልየት ሾር ዝስማ ተመራማሪት ከም ዝገለጸቶ፡ ኣብ ምዕዳግ ጥራይ ዜተኵሩ ቘልዑ፡ ንጭንቀት ኪቃልዑ ይኽእሉ እዮም፣ ምስ ወለዶም ዘለዎም ርክብ እውን ኪበላሾ ይኽእል እዩ። እሞኸ ንደቅኻ ኽትከላኸለሎም እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ እዞም ዚስዕቡ ወለዲ ንደቆም ዘዕቈቡሉ ግብራዊ መገድታት እስከ ርአ።

ምሃሮም፦ “ኣብ ዝኸድካዮ ዘበለ መወዓውዒ ስለ ዘሎ፡ ንደቅኻ ምሉእ ብምሉእ ክትከላኸለሎም ኣይትኽእልን ኢኻ። ስለዚ፡ ነተን ክልተ ደቅና፡ መወዓዋዕቲ ስሱዓት ከም ዝዀኑ፡ ብዘይካዚ፡ ገንዘብ ኪረኽቡ ደኣ እምበር፡ ብዛዕባአን ፈጺሙ ኸም ዘይዓጅቦም ገለጽናለን።”—ጄምስን ጀሲካን።

ኢድካ ኣይትሃብ፦ “ቈልዑ ንኽትዕድገሎም ኪደፋፍኡኻ፡ ኢድካ ኸም እትህብ ድማ ንኺገብሩኻ ሒዅ ይብሉ እዮም። ኰይኑ ግና፡ ኢድካ ኽትህብ የብልካን። ኣብ መወዳእታኡ፡ ዝደለይዎ ዅሉ ኸም ዘይረኽቡ ኺምሃሩ እዮም። ጓልና ኽትዓቢ ኸላ፡ ንሕና ብኸመይ ሚዛንና ኽንሕሉ ኸም እንኽእልን ንዓኣ እንታይ ደረት ክንገብረላ ኸም ዘሎናን ንዘራረብ ነበርና።”—ስኮትን ኬሊን።

መወዓውዒ ምርኣይ ኣይተብዝሕ፦ “ስድራ ቤትና ብዙሕ ተለቪዥን ኣይትርእን እያ። ናይ ምርኣይ ልምዲ እውን የብልናን። ነቲ ብተለቪዥን ዚጠፍእ ግዜ ድማ ኣብ ካልእ ንጥፈታት ኢና እነሕልፎ። ብሓባር ምግቢ ሰሪሕና ንበልዕ፣ ደቅና ኸኣ ንፉዓት ኣንበብቲ እዮም።”—ጆንን ጀኒፈርን።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ