ጭብጥታት ብዛዕባ ሓሶት
“ሓሳዊ!” ሓደ ሰብ በዛ እተሕምም ጸርፊ እዚኣ ገይሩ ጸሪፉካዶ ይፈልጥ፧ ከምዚ ኣጋጢሙካ ዝፈልጥ እንተድኣ ዀይኑ: ነቲ እዛ ቓል እዚኣ እተስዕቦ ስምዒታዊ ቃንዛ ከም እትግንዘቦ ኣየጠራጥርን ኢዩ።
ልክዕ ከምቲ ክቡር ሳርማ ናብ ምድሪ እንተድኣ ወዲቑ ክሕምሸሽ ዝኽእል: ክቡር ርክብ እውን ብዘረባ ሓሶት ክብተኽ ይኽእል ኢዩ። ሓቂ ኢዩ: ድሕሪ ገለ ግዜ ነቲ ዕንወት ከተዐርዮ ትኽእል ትኸውን: እቲ ርክብ ግን ፈጺሙ ከምቲ ናይ ቀደሙ ከይከውን ይኽእል ኢዩ።
እታ ላዪን—ሞራል ቾይስ ኢን ፓብሊክ ኤንድ ፕራይቨት ላይፍ እትበሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ከምዚ ትብል:- “እቶም ሓሶት ከም እተነግሮም ዝፈለጡ ሰባት: ነቲ እቲ ዝሓሰወ ሰብ ርክብ ንምምሕያሽ ዝገብሮ ጻዕሪ ተጠንቂቖም ኢዮም ዝዕዘብዎ። ነቲ ዝፈለጥዎ ሓሶት ኣብ ግምት ብምእታው ከኣ ነቲ ቅድም ዘርኣይዎ እምነትን ዝገበርዎ ተግባራትን ምልስ ኢሎም ክሓስብዎ ይጅምሩ።” እቲ ምትላል ምስ ተቓልዐ: እቲ ሓደ ግዜ ብኽፉት ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥን ትውክልትን ዓንቢቡ ዝነበረ ርክብ ብጥርጠራ ክትካእ ይኽእል ኢዩ።
ንዅሉ እቲ ሓሶት ዘስዕቦ ኣሉታዊ ስምዒታት ብምዝካር: ‘እዚ ሕማቕ ግብሪ እዚ ብኸመይ ኢዩ ጀሚሩ፧’ ኢልና ክንሓትት ኣሎና።
ናይ መጀመርታ ሓሶት
የሆዋ ኣምላኽ ነቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ዝዀኑ ኣዳምን ሄዋንን ምስ ፈጠሮም: ኣብ ሓንቲ ምልክዕቲ መንበሪት ገነት ኣቐመጦም። ኣብታ መንበሪቶም ዝዀነ ይኹን ዓይነት ምትላል ወይ ምድንጋር ኣይነበረን። ናይ ብሓቂ ገነት ነበረት!
ሄዋን ምስ ተፈጥረት ድሕሪ ገለ ግዜ ግን ሰይጣን ድያብሎስ ፈታኒ ዕድመ ሒዙ ናብኣ መጸ። ምንም እኳ ኣምላኽ ካብታ ዝኸልከላ “ፍረ ኦም” ምስ እትበልዕ ክትመውት ምዃና ነጊርዋ እንተ ነበረ: ሄዋን ከም ዘይትመውት ተነግራ። ‘ከም ኣምላኽ ከም እትኸውን: ጽቡቕን ክፉእን ክትፈልጥ’ ከም ዝዀነት ድማ ተነግራ። (ዘፍጥረት 2:17፣ 3:1-5) ሄዋን ንሰይጣን ኣመነቶ። ካብታ ፍረ ወሲዳ በልዐት: ንሰብኣያ እውን ሃበቶ። ኣዳምን ሄዋንን ከምቲ ሰይጣን እተመባጽዓሎም ከም ኣምላኽ ኣብ ክንዲ ዝዀኑ: ዘይእዙዛት ሓጥኣንን ባሮት ጥፍኣትን ኰኑ። (2 ጴጥሮስ 2:19) ሰይጣን ነዛ ናይ መጀመርታ ሓሶት እዚኣ ብምዝራብ ከኣ “ኣቦ ዅሉ ሓሶት” ኰነ። (ዮሃንስ 8:44 ቱደይስ ኢንግሊሽ ቨርሽን ) ድሕሪ ገለ ግዜ: እዞም ሰለስተ ሓጥኣን ፍጡራት እዚኣቶም እቲ ሓሳዊ ይኹን እቲ ኣብ ሓሶት ዝውከል ሰብ ከም ዘይጥቀም ተማህሩ።
ሞት ዘምጽእ ሳዕቤናት
የሆዋ ንዅሎም እቶም ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ዘለዉ ፍጡራቱ ፈትዮም ትእዛዝ እንተድኣ ጥሒሶም ከይተቐጽዑ ከም ዘይተርፉ ከፍልጦም ደለየ። ነቲ ዓለወኛ መንፈሳዊ ፍጡር ኣብቲ ዝተረፈ ህይወቱ ካብታ ቅድስቲ ማሕበር ኣምላኽ ወጺኡ ክነብር ብምፍራድ ብኡንብኡ ስጕምቲ ወሰደ። ብተወሳኺውን: ኣብ መወዳእታ ሰይጣን ምሉእ ብምሉእ ከም ዝጠፍእ ክገብር ኢዩ። እዚ ድማ እቲ ኣምላኽ መብጽዓ ዝገበረሉ ‘ዘርኢ’ ንርእሲ ሰይጣን ምስ ጨፍለቖ ክፍጸም ኢዩ።—ዘፍጥረት 3:14, 15፣ ገላትያ 3:16
ኣዳምን ሄዋንን ድማ ካብ ገነት ኤደን ተሰጉ። ኣምላኽ ንኣዳም ከምዚ ብምባል ፈረዶ:- “ናብታ እተፈጠርካላ ምድሪ ኽሳዕ እትምለስ: እንጌራ ብረሃጽ ገጽካ ኽትበልዕ ኢኻ። መሬት ኢኻ እሞ: ናብ መሬት ድማ ትምለስ።” ድሕሪ ገለ ግዜ: ከምቲ ኣምላኽ ዝበሎ ኣዳምን ሄዋንን ሞቱ።—ዘፍጥረት 3:19
ኵሎም ሰብኣውያን ስድራቤት ዘርኢ ኣዳም ከም ምዃኖም መጠን: ‘ኣብ ትሕቲ ሓጢኣት ተሸይጦም’ ኢዮም። ኵሎም ሰባት ናብ ሞት ዝመርሕ ዘይፍጽምና ወሪሶም ኢዮም። (ሮሜ 5:12፣ 6:23፣ 7:14) እታ ናይ መጀመርታ ሓሶት ዘምጽኣቶ ሳዕቤናት ክሳዕ ክንደይ ዘስካሕክሕ ኰን ኢዩ!—ሮሜ 8:22
ኣዕሚቑ ሱር ዝሰደደ ተግባር
ሰይጣን ከምኡውን እቶም ኣብቲ ኣንጻር ኣምላኽ ኣብ ዝገበሮ ዕልወት ዝሓበርዎ መላእኽቲ ገና ስለ ዘይጠፍኡ: ሰባት ‘ሓሶት ንኽዛረቡ’ እንተ ደረኽዎም ክገርመና የብሉን። (1 ጢሞቴዎስ 4:1-3) ከም ሳዕቤን ናይዚ ድማ: ሓሶት ኣብ ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ዓሚቝ ሱር ሰዲዱ ኣሎ። ጋዜጣ ሎስ ኣንጀለስ ታይምስ “ሓሶት ኣብ ሰባት ኣዝዩ ልሙድ ስለ ዝዀነ: ሕጂ እቲ ሕብረተሰብ ሓሶት ምዝራብ ዋላ ሓንቲ ኣይመስሎን ኢዩ” ብምባል ኣፍልጦ ሃበት። ሎሚ ብዙሓት ሰባት ንሓሶት ምስ ፖለቲካን ፖለቲካውያንን ኢዮም ዘዛምድዎ: እንተዀነ ግን መራሕቲ ሃይማኖት ካብ መንጎ እቶም ዕሉላት ሓሰውቲ ምዃኖም ትፈልጥዶ ነይርካ ኢኻ፧
እቶም ንየሱስ ዝቃወምዎ ዝነበሩ ሃይማኖታውያን ሰባት: ኣብ እዋን ምድራዊ ኣገልግሎቱ ብዛዕብኡ ሓሶት ነዝሑ። (ዮሃንስ 8:48, 54, 55) ከምዚ ብምባል ድማ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኰነኖም:- “ንስኻትኩም ካብቲ ኣቦኹም ድያብሎስ ኢኹም: እታ ትምኒት ኣቦኹም ክትገብሩውን ትደልዩ አሎኹም። . . . ሓሶት ኪዛረብ ከሎ: ካብ ርእሱ እዩ ዚዛረብ። ሓሳዊ እዩ እሞ: ንሓሶትውን ኣቦኣ እዩ።”—ዮሃንስ 8:44
የሱስ ካብ ምዉታት ተንሲኡ እቲ መቓብር ጥራዩ ምስ ተረፈ እተነዝሐ ሓሶት ትዝክሮዶ፧ መጽሓፍ ቅዱስ: እቶም ሊቃውንቲ ኻህናት “ነቶም ዓቀይቲ . . . ብዙሕ ወርቂ ሀብዎም እሞ: ብለይቲ ደቂስና ኸሎና: ደቀ መዛሙርቱ መጺኦም ሰሪቖምዎ: ኢልኩም ንገሩ” ከም ዝበልዎም ይሕብር። እዚ ሓሶት እዚ ብሰፊሑ ተነዝሐ: ብዙሓት ድማ ብእኡ ተታለሉ። እዞም መራሕቲ ሃይማኖት እዚኣቶም ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዮም እኩያት ዝነበሩ!—ማቴዎስ 28:11-15
ሎሚ ዘሎ ሃይማኖታዊ ሓሶት
ሎሚ መራሕቲ ሃይማኖት ዝዛረብዎ ፍሉጥ ሓሶት እንታይ ኢዩ፧ ምስቲ ሰይጣን ንሄዋን “ከቶ ኣይትሞቱን ኢኹም ” ዝበላ ሓሶት ዝመሳሰል ኢዩ። (ዘፍጥረት 3:4 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ሄዋን ግን ሞይታ ኢያ: ናብ መሬት: እወ ናብቲ እተፈጥረትሉ ሓመድ እውን ተመልሰት።
ይኹን እምበር: ሄዋን ብሓቂ ብኻልእ መልክዕ ምንባር ንኽትቅጽል ጥራይ ድያ ክትመውት ነይርዋ፧ ሞት ናብ ካልእ ህይወት ዘእቱ ኣፍ ደገ ጥራይ ድዩ፧ ገለ ህያው ዝዀነ ክፍሊ ኣካላት ሄዋን ብህይወት ከም ዝቐጸለ መጽሓፍ ቅዱስ ሓበሬታ ኣይህብን ኢዩ። ነፍሳ ሞይቱ ኢዩ። ንኣምላኽ ስለ ዘይተኣዘዘት: ሓጥአት: መጽሓፍ ቅዱስ ድማ “እታ ሓጢኣት እትገብር ነፍሲ ንሳ ኽትመውት እያ” ይብል። (ህዝቅኤል 18:4) ሄዋን ልክዕ ከም ሰብኣያ ህያው ነፍሲ ዀይና ኢያ ተፈጢራ: እቲ ህያው ነፍሲ ዝነበረ ህይወታ ድማ ካብ ምንባር ኣቋረጸ። (ዘፍጥረት 2:7) መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኵነታት ምዉታት ክዛረብ ከሎ “ምዉታት . . . ገለ እኳ ኣይፈልጡን” ይብል። (መክብብ 9:5) እቲ ኣብያተ-ክርስትያን ዝምህርኦ ልሙድ ትምህርቲ ድኣ እንታይ ኢዩ፧
መብዛሕትኡ ግዜ ኣብያተ-ክርስትያን ሰባት ዘይትመውት ነፍሲ ኣላቶም: ናብ ገነት ወይ ናብ መሳቐዪ ቦታ ከይዳ ካልእ ህይወት ንኸተሕልፍ ከኣ ሞት ሓራ የውጽኣ ኢለን ይምህራ። ንኣብነት: ዘ ካቶሊክ ኢንሳይክሎፔድያ “እታ ቤተ-ክርስትያን ነቲ ዋላ ሓደ ሰብ መናፍቕ ከይኰነ ክኽሕዶ ወይ ክብድሆ ዘይክእል ኣብ ገሃነም ብዛዕባ ዘሎ ዘለኣለማዊ ስቓይ ዝገልጽ ትምህርቲ ሓቀኛ እምነት ምዃኑ ብግልጺ ኢያ እትምህር” ትብል።—ጥራዝ 7 ገጽ 209 ናይ 1913 ሕታም።
እዚ ትምህርቲ እዚ ካብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብግልጺ ዝህቦ ሓበሬታ ክሳዕ ክንደይ ኰን እተፈልየ ኢዩ! መጽሓፍ ቅዱስ ሓደ ሰብ ምስ ዝመውት: “ናብ መሬቱ ይምለስ: በታ መዓልቲ እቲኣ ሃቐናኡ ይጠፍእ” ኢሉ ኢዩ ዝምህር። (መዝሙር 146:4) ስለዚ ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ ምዉታት ዋላ ሓንቲ ስምዒት ስለ ዘይብሎም: ክሳቐዩ ኣይክእሉን ኢዮም። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኢዩ መጽሓፍ ቅዱስ “ኣብቲ እትኸዶ ሲኦልሲ [ናይ ደቅሰብ ተራ መቓብር] ዕዮን ሓሳብን ፍልጠትን ጥበብን የልቦን እዩ እሞ: ኢድካ ኽትገብሮ እትረኽቦ ዘበለ ዅሉ ብሓይልኻ ግበሮ” ኢሉ ዝመክር።—መክብብ 9:10
ምጥንቃቕ ኣድላዪ ኢዩ
ከምቲ ብዙሓት ሰባት ብሓሶት እቶም ኣብ ግዜ የሱስ ዝነበሩ ካህናት እተታለሉ: በዞም ሎሚ ዘለዉ መራሕቲ ሃይማኖት ዝዝረብ ናይ ሓሶት ትምህርትታት ናይ ምትላል ሓደጋ እውን ኣሎ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ‘ነቲ ሓቂ ኣምላኽ ናብ ሓሶት ለዊጦምዎ’ ኢዮም: ነቲ ንኸም ዘይትመውት ነፍሲ ሰብ ኣላ ከምኡውን ነፍሲ ሰብ ኣብ ገሃነም እሳት ክትሳቐ ኢያ ዝብል ዝኣመሰለ ናይ ሓሶት ትምህርትታት ድማ ይነዝሑ።—ሮሜ 1:25
ብተወሳኺውን: ሎሚ ዘለዋ ሃይማኖታት ንናይ ሰባት ልምድን ፍልስፍናን ምስ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ማዕረ ገይረን ኢየን ዝርእይኦ። (ቈሎሴ 2:8) በዚ ኸኣ: ንሓቀኛ ምዃንን ጾታዊ ጠባይን ዝምልከት ሕግታት እውን ሓዊስካ: እቲ ንስነ-ምግባር ዝምልከት ሕግታት ኣምላኽ ከም ጽኑዕ ሕጊ ገይርካ ዘይኰነስ ተዛማዲ ሕጊ ከም ዝዀነ ገይርካ ኢዩ ዝርአ። ሳዕቤኑ ድማ ከምቲ መጽሔት ታይም ዝገለጾ ኢዩ:- “ሰባት ነቲ ኣብ ንሓድሕዶም ዘርእይዎ ጠባይ ዝመርሖም ሕግታት ምርድኡ ክስእኑ ከለዉ ወይ ምስምማዕ ክኣብዮም ከሎ ኣብቲ ሕብረተሰብ ዝፍጠር ስግኣት ሓሶት ከም ዝዕምብብ ይገብር።”—ምስ ኢሳይያስ 59:14፣ ኤርምያስ 9:5 ኣረኣእዮ።
ኣብ ሓደ ሓቂ ምዝራብ ኣቕሊሉ ዝርኢ ከባቢ ምንባር: ነቲ ኣምላኽ ሓሶት ንኸይንዛረብ ዝሃበና ማዕዳ ንምስዓብ ኣጸጋሚ ይገብሮ። ኵሉ ግዜ ሓቀኛታት ንኽንከውን እንታይ ክሕግዘና ይኽእል፧
ሓቂ ንምዝራብ ጽኑዕ ኣቕዋም ምውሳድ
እቲ ንፈጣሪና ከነኽብሮ ዘሎና ባህጊ ሓቂ ዝመልኦ ኣዘራርባ ንኸነማዕብል ዝበለጸ ድራኸ ይህበና ኢዩ። እቲ ዘገርም ድማ: መጽሓፍ ቅዱስ ንፈጣሪ “ኣምላኽ ሓቂ” ኢሉ ይጽውዖ። (መዝሙር 31:5) ስለዚ: ነቲ “ሓሳዊት መልሓስ” ዝጸልእ ፈጣሪና ከነሐጕሶ ንብህግ እንተድኣ ዄንና: ንኽንመስሎ ክንድረኽ ኢና። (ምሳሌ 6:17) ነዚ ብኸመይ ኢና ክንገብሮ እንኽእል፧
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዓሚቝ መጽናዕቲ ምግባር ‘ነፍሲ ወከፍ ምስ ብጻዩ ሓቂ ንምዝራብ’ ሓይሊ ክህበና ይኽእል ኢዩ። (ኤፌሶን 4:25) ይኹን እምበር: ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ ብቕዓት ምፍላጥ ጥራይ እኹል ኣይኰነን። ልክዕ ከምቶም ሎሚ ኣብ ዓለም ዘለዉ ብዙሓት ሰባት ኵሉ ግዜ ሓቂ ንኽንዛረብ ዘይንድረኽ እንተድኣ ዄንና: ብርቱዕ ጻዕሪ ክንገብር ከድልየና ኢዩ። ናይ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብነት ክንስዕብን ንገዛእ ርእስና እንቐጽዕ ክንከውንን ከድልየና ይኽእል ኢዩ። ጳውሎስ “ንስጋይ ኤሰቅዮን ኤግዝኦን አሎኹ” ኢሉ ጸሓፈ።—1 ቈረንቶስ 9:27
ጸሎት ኣብቲ ኵሉ ግዜ ሓቂ ንኽንዛረብ እንገብሮ ቃልሲ ንምዕዋት ዝድግፍ ተወሳኺ ሓገዝ ኢዩ። የሆዋ ክሕግዘና ብምልማን: “ማእለያ ዜብሉ ሓይሊ” ክንረክብ ንኽእል ኢና። (2 ቈረንቶስ 4:7) ብርግጽ: “ሓቀኛ ኸንፈር” ምዕቃብን “ሓሳዊት መልሓስ” ምውጋድን ከቢድ ቃልሲ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። (ምሳሌ 12:19) ብሓገዝ የሆዋ ግን ክግበር ይከኣል ኢዩ።—ፊልጲ 4:13
ሓሶት ልሙድ ነገር መሲሉ ከም ዝርአ ዝገብር ሰይጣን ድያብሎስ ምዃኑ ኵሉ ግዜ ኣይትረስዓዮ። ተንኰል ዝመልኦ ሓሶት ብምዝራብ ነታ ቐዳመይቲ ሰበይቲ: ሄዋን ኣታሊልዋ ኢዩ። ይኹን እምበር: እቲ ሰይጣን ዝሕስወሉ መገድታት ሕማቕ ሳዕቤን ከም ዘለዎ ጽቡቕ ገይርና ንፈልጦ ኢና። ብሰንኪ ሓንቲ ስስዐ ዝመልኣ ሓሶትን ሰለስተ ስሱዓት ፍጡራትን—ኣዳምን ሄዋንን ሰይጣንን—ኣብ ሰብኣዊ ስድራቤት መግለጺ ዘይርከቦ ስቓይ ወሪዱ ኢዩ።
እወ: ብመሰረት እዚ ብዛዕባ ሓሶት ርኢናዮ ዘለና ጭብጥታት: ሓሶት ምስ ስሚ ዝመሳሰል ኢዩ። ለውጢ ክንገብር ንኽእል ምዃንና ግን ዘሐጕስ ኢዩ። ሓሶት ምዝራብ ኣቋሪጽና ንዘለኣለም ስምረት ናይ የሆዋ እቲ “በዓል ብዙሕ ለውሃትን ሓቅን” ዝዀነ ኣምላኽ ክንረክብ ንኽእል ኢና።—ዘጸኣት 34:6
[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]
ልክዕ ከምቲ ሳርማ እንተድኣ ወዲቑ ሕምሽሽ ዝብል: ሓሶት ምዝራብ ዘምጽኦ ሳዕቤን ድማ ከምኡ ኢዩ
[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]
ሓሶት ምስ ስሚ ዝመሳሰል ኢዩ