ወፈያኻ ኣብ ምንታይ መዓላ ይውዕል፧
ጽገና ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ
1 ሚያዝያ 2024
ኣብ ኮሎምብያ እትነብር ኒኮል ዝስማ መንእሰይ ሓብቲ፡ “ንኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽና እፈትዎ እየ፣ ምስ መንፈሳውያን ስድራ ቤተይ ክኸውን ዜኽእለኒ ቦታ እዩ” ትብል። ንዓኻኸ ኸምኡ ድዩ ዚስምዓካ፧
ኣብ መላእ ዓለም፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዳርጋ ኣብ 63,000 ዚኸውን ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ይእከቡ እዮም። እዚ ህንጻታት እዚ፡ ንኣምላኽ እነምልኸሉ ምሹእ ቦታ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ካልእ ጥቕሚ እውን ኣለዎ። ኣብ ኮሎምብያ ዚነብር ዳቪድ ዝስሙ ስሩዕ ፈላሚ፡ “ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽና ንትምህርትና ይስልሞ እዩ። ብዙሓት ኣጋይሽ፡ ነዚ ህንጻ ብጽቡቕ መገዲ ኸም እንሕዞ ምስ ርኣዩ ድማ ይድነቑ እዮም” ኢሉ ኣሎ። እዚ ብኣጋጣሚ ዝዀነ ነገር ኣይኰነን። ከመይሲ፡ ንኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽና ንምጽራይን ንምጽጋንን ብዙሕ ንጽዕር ኢና። ብኸመይ ኢና ነዚ እንገብሮ፧
ዕዮ ጽገና ዚውደብ ብኸመይ እዩ፧
ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ምጽጋን ሓላፍነት፡ ናይተን ዚጥቀማሉ ጉባኤታት እዩ። ስለዚ፡ ኣሕዋትን ኣሓትን ንኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኾም ብስሩዕ የጽርይዎ እዮም። ብዘይካዚ፡ ቅድመ ጽገናን ንኣሽቱ ጽገናን ይገብሩ እዮም።
ክፍሊ ኸባብያዊ ንድፊ/ህንጸት (LDC) ጉባኤታት ንኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኸን ኪጽግና ንምሕጋዝ፡ ኣሰልጠንቲ ጽገና ዀይኖም ዜገልግሉ ኣሕዋት ይምድብ እዩ። ነፍሲ ወከፍ ኣሰልጣኒ ጽገና ድማ፡ ካብ ሽዱሽተ ኽሳብ ዓሰርተ ዚኸውን ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ይከታተል። ነተን ኣዳራሻት ይበጽሐንን ኣብታ ጉባኤ ንዘለዉ ኣስፋሕቲ ንኣዳራሾም ብኸመይ ከም ዚከናኸንዎ የሰልጥኖምን እዩ። ኣብ ሰሰለስተ ዓመት፡ ነቲ ህንጻ ይግምግሞን ናይ ድሕንነትን ናይ ጽገናን ጸገማት እንተ ኣልዩ ይከታተልን እዩ።
ኣሰልጠንቲ ጽገና ንኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽና ብጽቡቕ ክንሕዞ ይሕግዙና እዮም
ኣሕዋትን ኣሓትን ነቲ ኣሰልጣኒ ጽገና ዚህቦም ስልጠና የማስውሉ እዮም። ኣብ ህንዲ እትነብር ኢንዱማቲ ዝስማ ሓብቲ ኸምዚ ትብል፦ “እቲ ስልጠና ዜደንቕ እዩ። ንኣዳራሽና ብጽቡቕ መገዲ ብኸመይ ከም እንሕዞ ምስልጣንና ፍሉይ መሰል እዩ።” ኢቫንስ ዝስሙ ኣብ ኬንያ ዚነብር ሓው ድማ፡ “ንኣሽቱ ጸገማት ናብ ዓበይቲ ጸገማት ቅድሚ ምብጻሑ ምትዕርራይ ብምግባር፡ ካብ ዓበይቲ ወጻኢታት ብኸመይ ከም እንስተር ተማሂርና ኢና” ይብል።
ወጻኢታት ምሽፋን
ሓደ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ንምጽጋኑን ንምክንኻኑን ዚወጽእ ዓመታዊ ወጻኢታት፡ ብመሰረት ዝርከበሉ ቦታ፡ ዕድሚኡ፡ ቍጽሪ እተን ዚጥቀማሉ ጉባኤታት፡ ወጻኢታቱ ኻብ ኣማእታት ክሳብ ኣሽሓት ዶላራትa ኪበጽሕ ይኽእል እዩ። እዚ ወጻኢታት ዚሽፈን ብኸመይ እዩ፧
ጽገና ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ወፈያ ብዚርከብ ገንዘብ እዩ ዚምወል። ኣብ ካዛክስታን ዚነብር ኣለክሳንደር ዝስሙ ሓው ከምዚ ይብል፦ “ገለ ኽፋል እቲ ወፈያ ንኸም ኣገልግሎት ኢንተርነትን ማይን ኤለክትሪክን ይውዕል እዩ። ካልእ ክፋል ከኣ ንኸም ልስሉስ ወረቐትን (ሶፍት) ጓንትን ናውቲ ጽሬትን ቦያን ዝኣመሰለ ኣገዳሲ ነገራት ንምዕዳግ ይውዕል እዩ።” እቲ ዝተረፈ ገንዘብ ድማ፡ ኣብ መላእ ዓለም ይካየድ ንዘሎ ዝሰፍሐን ዝያዳ ወጻኢታት ዜድልዮን ፕሮጀክትታት ጽገና ንምሕጋዝ ይውዕል።
ሰፊሕ ፕሮጀክትታት ጽገና
ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ጽገና እንተ ኣድልይዎ፡ ግናኸ፡ እቲ ወጻኢታት ካብቲ እታ ጉባኤ ንኽልተ ወይ ንሰለስተ ወርሒ ነቲ ኣዳራሽ ንምክንኻን ዝመደበቶ ገንዘብ ዚሓልፍ እንተ ዀይኑ፡ ሽማግለታት ነቲ ኣሰልጣኒ ጽገና ኽፍሊ ኸባብያዊ ንድፊ/ህንጸት (LDC) ኬማኽርዎ ኣለዎም። ክፍሊ ኸባብያዊ ንድፊ/ህንጸት (LDC) ነቲ ፕሮጀክት ኪዕየ ፍቓድ እንተ ሂቡ ድማ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ንዓለምለኻዊ ዕዮ ኻብ እተወፈየ ወፈያ እዩ ዚምወል። ኣብ ዓመት ኣገልግሎት 2023፡ 8,793 ዚኸውን ፕሮጀክትታት ተዓሚሙ እዩ፣ ነዚ ድማ 76.6 ሚልዮን ዶላር ወጺኡ እዩ። ክልተ ፕሮጀክት እስከ ንርአ።
ኣብ ኣንጎላ፡ ሓደ 15 ዓመት ዝገበረ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ብዙሕ ጸገማት ነይርዎ። እቲ ናይ ኤለክትሪክ መስመር ኣመና ኣሪጉን መንደቑ ነቒዑን ነይሩ፣ እቶም ጐረባብቲ ድማ ናብ መንበሪኦም ማይ ከም ዚፈስሶም ሓቢሮም ነይሮም። ስለዚ፡ ክፍሊ ኸባብያዊ ንድፊ/ህንጸት (LDC) ናይ ጽገና ፕሮጀክት ወዲቡ። እዚ ድማ 9,285 ዶላር ወጻኢ ሓቲቱ። እቶም ጐረባብቲ ኣመስጊኖም፡ በቲ ዕዮ ድማ ተመሲጦም እዮም።
ኣብ ኣንጎላ ዚርከብ እተሓደሰ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ
ኣብ ፖላንድ፡ ናይ ሓደ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ናሕሲ ማይ የልሕዅ፡ ምንጻፉ ድማ ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ዀይኑ ነይሩ። ክፍሊ ኸባብያዊ ንድፊ/ህንጸት (LDC) እቲ ናሕሲ ማይ ብዘየልሕዅ መገዲ ኺጽገን፡ እቲ ምንጻፍ ድማ ኪቕየር ፍቓድ ሂቡ። እዚ ድማ 9,757 ዶላር ወጻኢ ሓቲቱ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ እዚ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ሰፊሕ ምሕዳስ ከየድለዮ ንነዊሕ ዓመታት ኪጸንሕ ይኽእል እዩ።
ዚሕደስ ዘሎ ኣብ ፖላንድ ዚርከብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ
ንየሆዋ ኽብሪ ዜምጽእ ጽገና
ጽገና ወጻኢታት ይንኪ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንየሆዋ እውን ውዳሰ የምጽኣሉ እዩ። ኣብ ቶንጋ ዚነብር ሾን ዝስሙ ሓው ከምዚ ይብል፦ “ሳላ ዕዮ ጽገና፡ ንየሆዋ ኣብ ጽሩይን ምዕሩይን ምሹእን ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ከነምልኾ ኽኢልና ኢና፣ እዚ ድማ፡ ኣብ ማሕበረ ሰብና ስም ኣምላኽና ኸም ዚኽበር ገይሩ እዩ። ሕጂ፡ ንሰባት ናብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽና ኽንዕድሞም ከለና ሓበን ይስምዓና እዩ።”
ብኸመይ ክትሕግዝ ትኽእል፧
ኵላትና ንቦታ ኣምልኾና ኣብ ምጽራይን ኣብ ምጽጋንን እጃምና ኸነበርክት ንኽእል ኢና። ኣብ ኣውስትራልያ ዚነብር ማሪኖ ዝስሙ ኣሰልጣኒ ጽገና ኸምዚ ይብል፦ “ኵላትና ኣብ ክንክን ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ምክፋል ዜደንቕ መሰል ኣሎና። ከምዚ ኽንገብር ከለና፡ ነቲ ብወፈያ እተረኸበ ገንዘብ ንቝጥብ ኢና ዘለና፡ በዚ ኸምዚ ድማ፡ እቲ ወፈያ ዝያዳ ኣብ ዜድልየሉ መዓላ ኺውዕል ይኽእል እዩ።”
ኣብ ህንዲ ዚነብር ጆኤል ዝስሙ ሓው፡ ኣብ ጽገና ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ምክፋል ባህ እዩ ዚብሎ። ከምዚ ኸኣ ኢሉ ኣሎ፦ “ምስ ኣሕዋተይ ሓቢረ ምዕያየይ፡ ቅምሶ ሓዳስ ዓለም እዩ።” እታ ኣቕዲማ እተጠቕሰት ኒኮል ድማ፡ “ኣብ ቀረባ ግዜ፡ ኣሕዋት ነቲ ዚልሕዅ ዝነበረ ሽቓቕ ኪጽግንዎ ኸለዉ፡ ኣነ ድማ ነቲ ባይታ ኣብ ምውልዋል ሓጊዘ እየ። ዋላ እኳ እንተ ዘይጸገንኩ፡ ሓደጋ ኸየጋጥም ግና ሓጊዘ እየ” ትብል።
ብወለንታ ኣብ ጽገና ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽካ ኽትሕግዝ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ጉባኤኻ ንዚርከቡ ሽማግለታት ኣዘራርቦም። ብተወሳኺ፡ ወፈያኻ ንኣዳራሽኩም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ መላእ ዓለም ንዚርከብ ካልኦት ኣዳራሻት ንምጽጋን እውን ይውዕል እዩ። ወፈያ ኣብ ሳጹናት ውጽኢት፡ ወይ ብdonate.jw.org ኪግበር ይከኣል እዩ። ስለቲ ልግስኹም ኣዚና ነመስግነኩም።
ኵላትና ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽና ኣብ ምክንኻን ክንሕግዝ ንኽእል ኢና
a ኵሉ እቲ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ተጠቒሱ ዘሎ ዶላር ናይ ሕ.መ.ኣ. ዶላር የመልክት።