ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • hdu ዓንቀጽ 22
  • ጽሙማን ኣይተረስዑን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ጽሙማን ኣይተረስዑን
  • ወፈያኻ ኣብ ምንታይ መዓላ ይውዕል፧
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ቪድዮታት ቋንቋ ምልክት ብኸመይ ይዳሎ፧
  • ቪድዮታት ቋንቋ ምልክት ብኸመይ ይዝርጋሕ፧
  • ‘የሆዋ ገጹ ኣብርሃሎም’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ኣብ ዞባኻ ንዘለዉ ጸማማት ንምርካብ ትኩር ኩን
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2001
  • ኣምላኽ ንጽሙማን ዜርእዮ ሓልዮት
    ተወሳኺ ርእሰ ነገራት
  • ንጽሙማን ኣሕዋትካን ኣሓትካን ሓብሕቦም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
ዝያዳ ርአ
ወፈያኻ ኣብ ምንታይ መዓላ ይውዕል፧
hdu ዓንቀጽ 22
ሓንቲ ሓብቲ ኣብ ታብለታ ብቪድዮ ቛንቋ ምልክት ገይራ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ትርኢ።

ወፈያኻ ኣብ ምንታይ መዓላ ይውዕል፧

ጽሙማን ኣይተረስዑን

1 ሓምለ 2022

የሆዋ ኣምላኽ ኵነታቶም ብዘየገድስ፡ ኵሎም ሰባት ብዛዕባኡን ብዛዕባ ሰማያዊት መንግስቱን ኪምሃሩ ይደሊ እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 2:3, 4) ስለዚ ድማ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ መጽሓፍ ቅዱስን ንመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚሕግዝ ናውትን ንብዙሓት ሰባት እንተላይ ንጽሙማን የዳልዉ እዮም። ውድብና ብኣሽሓት ዚቝጸር ቪድዮታት ቋንቋ ምልክትa ኣዳልያ እያ። እዚ ድማ ብልዕሊ 100 ቛንቋታት ምልክት ይርከብ። ነዚ ቪድዮታት እነዳልዎን እንዝርግሖን ብኸመይ ኢና፧ ምስ ግዜኸ እንታይ ምምሕያሻት ጌርና፧

ቪድዮታት ቋንቋ ምልክት ብኸመይ ይዳሎ፧

ሓንቲ ጕጅለ ትርጉም ቋንቋ ምልክት፡ ቪድዮ ብኸመይ ከም እትትርጉም ትዘራረብ።

ቪድዮታት ቋንቋ ምልክት ኣብ መላእ ዓለም ብዘለዋ ጕጅለታት ትርጉም እዩ ዚዳሎ። ፈለማ ነፍሲ ወከፍ ኣባላት እቲ ጕጅለ ነቲ ዚትርጉምዎ ቪድዮ ብጥንቃቐ ይምርምርዎ። ድሕሪኡ፡ ነቲ መልእኽቲ ብቛንቋ ምልክት ብኸመይ ብጽቡቕ ከም ዚትርጉምዎ ይውስኑ። ምስ ወሰኑ ነቲ ቪድዮ ይቐድሕዎ። ኣብዚ ግዜ እዚ፡ 60 ጕጅለታት ትርጉም ንመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚሕግዝ ናውቲ ብቛንቋ ምልክት ብስሩዕ ይትርጉማ፣ ካልኦት 40 ጕጅለታት ድማ ሓሓሊፉ ይትርጉማ እየን።

ኣብ ዝሓለፈ፡ ቪድዮታት ቋንቋ ምልክት ምድላው ኣዝዩ ኽቡር እዩ ነይሩ። ከመይሲ፡ ቪድዮ ካሜራን ካልእ ናውትን ካብዚ ሎሚ ዘለዎ ኣዝዩ ዝኸበረ እዩ ነይሩ። ብዘይካዚ፡ ቪድዮታት ኣብ ስቱድዮ እዩ ዚቕዳሕ ነይሩ፣ እዚ ድማ ንስቱድዮ ዚኸውን ቦታ ኽንሃንጽን ሓድሓድ ግዜ ድማ ዝነበረ ህንጻታት ከነሐድስን የድሊ ነይሩ እዩ። ንሓንቲ ጕጅለ ትርጉም ቋንቋ ምልክት ዜድልያ ነገራት ኵሉ ንምድላው ብድምር ልዕሊ 30,000 ዶላርb ወጻኢታት ይሓትት ነይሩ።

ወፈያታትና ኣብ ጽቡቕ መዓላ ምእንቲ ኺውዕል፡ ውድብና መስርሕ ትርጉም ኪመሓየሽን ዝቐለለ ኪኸውንን ጽዒራ እያ። ስለዚ፡ ውጽኢታውን ብዙሕ ክቡር ዘይኰነ ዘመናዊ ናውትን ንጥቀም ኢና። ጕጅለታት ትርጉም፡ ስቱድዮ ኣብ ክንዲ ዚጥቀማ፡ ቀጠልያ ሕብሪ ዘለዎ ድሕረ ባይታ ወይ ቀጠልያ ስክሪን ተጠቒመን ነቲ ቪድዮታት ይቐድሓኦ። ብዙሓት ተርጐምቲ ቛንቋ ምልክት ምስ ዜድልዩ፡ ኣሕዋትን ኣሓትን ነቲ ዚትርጉምዎ ቪድዮ፡ ኣብቲ ዚትርጐመሉ ቦታ ወይ ኣብ ገዛኦም ኰይኖም ይቐድሕዎ። ስለዚ፡ ስቱድዮ ኣየድልዮምን እዩ።

ሓንቲ ጕጅለ ትርጉም፡ ቪድዮ ቛንቋ ምልክት ትቐድሕ። ሓደ ናብ ቋንቋ ምልክት ዚትርጉም ኣብ ቅድሚ ቐጠልያ ስክሪን ደው ኢሉ።

ብዘይካዚ፡ ንተርጐምቲ ቛንቋ ምልክት ኣብ ስራሖም ዚሕግዞም ሶፍት ዌር ኣዳሊና ኢና። ከምዚ ዝኣመሰለ ምምሕያሻት ነቲ ተርጐምቲ ንኽትርጉሙ ዚወስደሎም ዝነበረ ግዜ ዳርጋ ብፍርቂ ነክይዎ እዩ። ኣሕዋትና ነዚ ምምሕያሻት እዚ የማስዉሉ እዮም። ኣሌክሳንደር እተባህለ ሓው ከምዚ ይብል፦ “ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ብዙሕ ቪድዮታት ቋንቋ ምልክት ይወጽእ ኣሎ። እዚ ብዙሕ የሐጒሱኒ እዩ። ነቲ ቪድዮታት መዓልታዊ እየ ዝርእዮ።”

ኣብዚ ግዜ እዚ፡ ንሓንቲ ጕጅለ ትርጉም ዜድልያ ነገራት ንምምላእ ትሕቲ 5,000 ዶላር እዩ ዜድሊ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ቪድዮታት ቋንቋ ምልክት ብኣዝዩ ብዙሕ ቋንቋታት ከነዳሉ ኽኢልና ኢና።

ቪድዮታት ቋንቋ ምልክት ብኸመይ ይዝርጋሕ፧

ሓንቲ ጕጅለ ትርጉም ንሓደ ቪድዮ ቛንቋ ምልክት ቀዲሓ ምስ ወድአት፡ እቲ ቪድዮ ናብቶም ዜድልዮም ሰባት ኪበጽሕ ኣለዎ። ኣብ ዝሓለፈ እዋን፡ ቪድዮ ካሴታትን ዲቪዲታትን ነዳሉ ኔርና፣ እዚ ግና ኣዝዩ ኽቡርን ግዜ ዚወስድን ብዙሕ ጻዕሪ ዚሓትትን እዩ ነይሩ። እቲ ቕድሓት ምእንቲ ኺባዛሕ ናብ ካልእ ትካላት ይለኣኽ ነይሩ። ኣብ መወዳእታ፡ እቲ ቪድዮ ካሴታታትን ዲቪዲታትን ናብ ጉባኤታት ይልኣኽ ነይሩ። ኣብ 2013 ጥራይ፡ ዲቪዲ ቛንቋ ምልክት ንምድላው ልዕሊ 2,000,000 ዶላር ኣውጺእና ኔርና።

ተንቀሳቓሲ መጻወቲ ዲቪዲን ብዲቪዲ እተዳለወ እተፈላለየ ሕታማት ቋንቋ ምልክትን።

እቶም ጽሙማን ነዚ መሰናድዎታት እዚ ኣዝዮም እዮም ዜማስዉሉ። ይኹን እምበር፡ ነቲ ቪድዮታት ክትጥቀመሉ ወትሩ ቐሊል ኣይነበረን፣ ብፍላይ ድማ ቍጽሪ ካሴታት ወይ ዲቪዲታት ኣዝዩ እናወሰኸ ምስ ከደ ነዚ ምጥቃሙ ቀሊል ኣይነበረን። ኣብ ገሊኡ ዅነታት፡ ንሓንቲ ኽፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ንምቕዳሕ፡ ብዙሕ ዲቪዲ እዩ ዜድሊ ነይሩ። ጊለኒ ዝስሙ ኣብ ብራዚል ዚነብር ሓው ከምዚ ኢሉ የዘንቱ፦ “ሓንቲ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ከነንብብ እንተ ደሊና፡ ነቲ ግቡእ ካሴት ክንደልዮ፡ ድሕሪኡ ድማ ነቲ ጥቕሲ ኽንደልዮ ነይሩና። ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ ነይሩ።” ዲቪዲ ቛንቋ ምልክት እትጥቀም ራፋየነ እትብሃል ሓብቲ ኸምዚ ትብል፦ “ብሕታዊ መጽናዕቲ ምግባር ኣዝዩ ኣድካሚ እዩ ነይሩ። ጥቕስታት ወይ መወከሲታት ክንደሊ ብዙሕ ግዜ ኢና ነጥፍእ ኔርና።” ብዘይካዚ፡ ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ ዕዮ ስብከት ኪካፈሉ ኸለዉ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ዲቪዲታት ወይ ቪድዮ ካሴታት ይማልኡ ነይሮም፣ ነዚ ድማ ኣብ ተሌቪዥን ናይቲ ተገዳስነት ዘሕደረ ሰብ ይውልዕዎ። ገሊኦም ኣሕዋት ድማ ናይ ገዛእ ርእሶም መጻወቲ ዲቪዲ ሒዞም ይኸዱ ነይሮም እዮም። ነዊሕ ከይጸንሐ ግና፡ ስክሪን ዘለዎ ተንቐሳቓሲ መጻወቲ ዲቪዲ ኺርከብ ተኻኢሉ፣ ብዙሓት ኣሕዋት ድማ ነዚ ይጥቀሙሉ ነይሮም እዮም። ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚነብር ቦቢ ዝስሙ ሓው ከምዚ ይብል፦ “ሓንቲ ጥቕሲ ምስ ኣንበብካ ኻልእ ጥቕሲ ኸተንብብ እንተ ደሊኻ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኻልእ ዲቪዲ ኢኻ እትውልዕ። እዚ ድማ ግዜ ዚወስድን መጽሓፍ ቅዱስ ክንጥቀም ኣጸጋሚ ዚገብርን እዩ ነይሩ።”

ኣብ 2013 ውድብ የሆዋ፡ JW Library Sign Language app ኣውጺኡ፣ እዚ ድማ ኣሕዋትን ኣሓትን ንቪድዮታት ቋንቋ ምልክት ኣብ ሞባይሎም ወይ ኣብ ታብለቶም ኬራግፍዎን ኪውልዕዎን ኣኽኢልዎም እዩ። እዚ ኣፕሊኬሽን ፈለማ ብቛንቋ ምልክት ኣመሪካ እዩ ወጺኡ ነይሩ። ጸኒሑ፡ ብ2017 ኵለን ቋንቋታት ምልክት ምእንቲ ኺጥቀማሉ ዘሚኑ እዩ። በዚ ድማ ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ኣሕዋትን ኣሓትን ኣዝዮም ተሓጒሶም እዮም። ጁሰሊኖ ዚብሃል ኣብ ብራዚል ዚነብር ሓው ከምዚ ይብል፦ “ፈጺመ ኽኣምን ኣይከኣልኩን። ኣመሓዳሪ ኣካል ንዓና ንጽሙማን ክሳዕ ክንደይ ከም ዜፍቅረናን ከምቶም ብቛንቋኦም ዚዛረቡ ኻልኦት ሰባት ኣብ ሓቂ ዕቤት ክንገብር ከም ዚደልየናን ብቐጻሊ እሓስብ እየ። ኣዝየ እየ ተሓጒሰ፣ እቲ ኣፕሊኬሽን መጽሓፍ ቅዱስ ዝያዳ ኼጽንዕ ደሪኹኒ እዩ።”

ሓንቲ ሓብቲ ነታ፡ “ዳንኤል፦ ምሉእ ህይወቱ ብእምነት ተመላሊሱ—2ይ ክፋል” ዘርእስታ ቪድዮ ንምርኣይ፡ ኣፕሊኬሽን “JW Library” ትጥቀም።

ኣፕሊኬሽን JW Library ምጥቃም

ሎሚ ዅሉ ቪድዮታት ቋንቋ ምልክት ብዲጂታዊ ነዳሉ፡ ኣብ ወብ ሳይትናን ኣብ ኣፕሊኬሽን JW Libraryን ድማ ንዝርግሖ። በዚ ኸምዚ፡ ቪድዮታት ቋንቋ ምልክት ንምትርጓም፡ ንምቕዳሕ፡ ንምዝርጋሕ፡ ኣዋርሕ ወይ ዓመታት ዘይኰነስ፡ ሒደት መዓልትታት ጥራይ እዩ ዚወስድ። ወረግ፡ መብዛሕትኡ ቪድዮታት ቋንቋ ምልክት ምስቲ ዚዝረብ ቋንቋታት ማዕረ እዩ ዚወጽእ።

ገሊኦም ጽሙማን ኣሕዋትን ኣሓትን ዝሃብዎ ርእይቶታት ንርአ። ኪሊዝያ ዝስማ ሓብቲ ኸምዚ ትብል፦ “ኣየነይቲ ውድብ እያ እሞ ብዛዕባ ጽሙማን እትግደስን ዜድልዮም መንፈሳዊ ነገራት ብዝቐለለ መገዲ እተቕርብን፧ውድብ የሆዋ ዝገበረትልና ነገራት ምስቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ፈጺሙ ኺወዳደር ኣይክእልን እዩ።” ቭላድሚር ከምዚ ይብል፦ “እዚ ቪድዮታት፡ የሆዋ ንዓና ንጽሙማን ከምቶም ካልኦት ሰባት ከም ዚሓልየልና ኽርዳእ ሓጊዙኒ እዩ።”

ቪድዮታት ቋንቋ ምልክት መብዛሕትኡ ግዜ ነዚ ዚስዕብ ይጠቅስ፦ “እዚ ቪድዮ ኽፍሊ እቲ ፈቲኻ ብዚግበር ወፈያ ዚድገፍ ዓለምለኻዊ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትምህርታዊ ዕዮ እዩ።” ነቲ ብdonate.jw.org. እትገብሮ ወፈያ ኣዚና ነማስወሉ ኢና። እዚ ወፈያታት እዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስን ንመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚሕግዝ ሕታማትን ንዅሎም ሰባት፡ እንተላይ ንተጠቀምቲ ቛንቋ ምልክት ንኺዳሎ ዚሕግዝ እዩ።

a ቋንቋ ምልክት ብኣእዳውን ኣብ ገጽ ብዚንበብ መግለጽን ስለ ዚጥቀም፡ ሕታማት ቋንቋ ምልክት ብጽሑፍ ዘይኰነስ፡ ብቪድዮታት እዩ ዚዳሎ።

b እቲ ኣብዛ ዓንቀጽ እተጠቕሰ ዶላር፡ ንዶላር ኣመሪካ የመልክት።

ኣብ ትርጉም ቋንቋ ምልክት እተራእየ ኣገዳሲ ፍጻመታት

1992፦ ቪድዮ ካሴት ቋንቋ ምልክት ንፈለማ እዋን ዝወጸሉ

2002፦ ዲቪዲ ቛንቋ ምልክት ንፈለማ እዋን ዝወጸሉ

2013፦ JW Library Sign Language app ዝወጸሉ

2017፦ JW Library Sign Language app ብዅሉ ቛንቋታት ምልክት ዝዘመነሉ

2020፦ ኣብ ዓለም ንፈለማ እዋን፡ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ትርጉም ሓዳስ ዓለም ብቛንቋ ምልክት ኣመሪካ ዝወጸሉ

2026፦ JW Library Sign Language app ተቛሪጹ ኽፍሊ ኣፕሊኬሽን JW Library ዀይኑ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ