መንእሰያት ዚሓትትዎ
ከመይ ገይረ እየ እኹል ድቃስ ክረከብ ዝኽእል፧
ናይ ሕሳብ መርመራ እንተ ዘይሓሊፍካ፡ ኣበርቲዕካ ኸተጽንዕ ከም ዘሎካ ትሓስብ ትኸውን። ኣብ ስፖርት እንተ ዘይነፊዕካ እውን፡ ብዝያዳ ልምምድ ክትገብር ከም ዘሎካ ይመስለካ ይኸውን። እዚ ኽልቲኡ ግና፡ ብሰንኪ ዋሕዲ ድቃስ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ስለምንታይ ከምኡ ኸም እንብል እስከ ንርአ።
ስለምንታይ እዩ ድቃስ ዜድልየካ፧
መብዛሕትኦም መንእሰያት ኣብ ሓደ ለይቲ ኻብ ሸሞንተ ኽሳዕ ዓሰርተ ሰዓት ዚኣክል ድቃስ ኪረኽቡ ኸም ዘለዎም ክኢላታት ይገልጹ እዮም። ስለምንታይ ኢኻ ግና እኹል ድቃስ ክትረክብ ዘሎካ፧
ድቃስ ንኣእምሮኣዊ ኽእለትካ ይስሕሎ። ድቃስ “ናይ ሓንጐል ምግቢ” ተባሂሉ ኣሎ። ኣብ ትምህርትኻ ኽትነፍዕ፡ ስፖርታዊ ኽእለትካ ኸተመሓይሽ፡ ጸገማት ድማ ክትፈትሕ ይሕግዘካ እዩ።
ድቃስ ንኣረኣእያኻን ንጠባይካን የመሓይሾ። ድቃስ ዝሰኣኑ ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ጠባዮም ይቀያየር፡ ጓሂ ወይ ጭንቀት ይስምዖም፡ ምስ ሰብ ምርድዳእ እውን ይሽገሩ።
ድቃስ ካብ ሓደጋታት ይሰትረካ። ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ እተገብረ መጽናዕቲ ኸም ዚሕብሮ፡ ካብ 16 ኽሳዕ 24 ዝዕድሚኦም መራሕቲ ማኪና ምስቶም ካብ 40 ኽሳዕ 59 ዝዕድሚኦም መራሕቲ ማኪና ኺነጻጸሩ ኸለዉ፡ “ኣብ እዋን ግጭት፡ ዳርጋ ዕጽፊ ዚዀኑ ትኽስ ይብሉ እዮም።”
ድቃስ ጥዕና ይህበካ። ድቃስ ንሰብነትካ ገዛእ ርእሱ ኺሕድስ፡ ንዋህዮታትካን ንኣካሊትካን ንሰራውር ደምካን ድማ ገዛእ ርእሱ ኺጽግን የኽእሎ። ጽቡቕ ድቃስ ንኽራሸን ንሕማም ሽኮርያን ንወቕዕን ዘሎካ ተቓላዕነት ይንክዮ።
ከምቲ ሞባይል ተሌፎንካ ምእንቲ ኽትዓዪ ባትሪኣ ኺምላእ ዘለዎ፡ ንስኻ እውን ምሉእ ዓቕምኻ ኽትጥቀመሉ እንተ ዄንካ እኹል ድቃስ ክትረክብ ኣሎካ
እንታይ እዩ እኹል ድቃስ ከም ዘይትረክብ ዚገብረካ ዘሎ፧
ድቃስ፡ እዚ እተጠቕሰ ጥቕምታት እናሃለዎ ኽነሱ፡ ብዙሓት መንእሰያት እኹል ድቃስ ኣይረኽቡን እዮም። ንኣብነት፡ 16 ዓመት ዝዕድሚኣ ኢሊያን ከምዚ ትብል፦
“መምህረይ ሰዓት ክንደይ ከም እንድቅስ ሓቲታትና። መብዛሕትኦም ለይቲ ሰዓት 2:00 ንድቅስ ኢሎም። ገሊኦም ከኣ ወጋሕታ ሰዓት 5:00 ንድቅስ ኢሎም። ሓደ ተምሃራይ ጥራይ እዩ ምሸት ሰዓት 9:30 ከም ዚድቅስ ተዛሪቡ።”
ብእዋኑ ምእንቲ ኸይትድቅስ ዕንቅፋት ኪዀነካ ዚኽእል እንታይ እዩ፧
ማሕበራዊ ህይወት። “ምናዳ ምስ መሓዙተይ ምሸት ኣብ ዝወጸሉ እዋን፡ ብቐሊሉ ኸምስን ግዜ ኸባኽንን እኽእል እየ።”—ፓመላ።
ሓላፍነታት። “ድቃስ እፈቱ እየ፣ ብዙሕ ስራሕ ስለ ዘሎኒ ግና፡ እኹል ድቃስ ኣይረክብን እየ።”—ኣና።
ተክኖሎጂ። “ንድቃሰይ ዕሽሽ ከም ዝብሎ እትገብር ቀንዲ ምኽንያት፡ ተሌፎነይ እያ። ኣብ ዓራት ምስ ኰንኩ፡ ተሌፎነይ ዘይምርኣይ ይኸብደኒ እዩ።”—ኣኒሳ።
ከመይ ጌርካ ኢኻ እኹል ድቃስ ክትረከብ እትኽእል፧
ነቲ ብዛዕባ ድቃስ ዘሎካ ኣረኣእያ መርምሮ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ካብ ክልተ ዕማዅ ጻዕርን ደድሕሪ ንፋስ ምጕያይንሲ፡ ሓደ ዕማዅ ዕረፍቲ ይሓይሽ” ይብል። (መክብብ 4:6፡ እግረ ጽሑፍ) ድቃስ ናይ ግድን ዜድሊ ደኣ እምበር፡ ምስ ተረፈካ እትገብሮ ነገር ኣይኰነን። ብዘይ ድቃስ፡ ስራሕካን ሓጐስካን ይንኪ እዩ።
ንድቃስ ዕንቅፋት ዚዀነካ ዘሎ ቐንዲ ነገር ኣለሊ። ንኣብነት፡ ምስ ኣዕሩኽካ ተምሲ ዲኻ፧ ናይ ቤት ትምህርትኻ ዕዮ ገዛ ወይ ኣብ ቤትካ እትዓይዮ ነገራት ይበዝሓካ ድዩ፧ ብሰንኪ ተሌፎንካ ኻብቲ ኽትድቅሰሉ ዚግባእ ሰዓታት ንላዕሊ ተምሲ ዲኻ፧ ወይ ተሌፎንካ ኣብ መንጎ ድቃስ ተበራብረካ ድያ፧
ብዛዕባ እዚ ሕሰብ፦ ነቲ ንዓኻ ዜሸግረካ ዝዓበየ ዕንቅፋት ምስጋር ጻዕሪ ዚሓትት እኳ እንተ ዀነ፡ ፍሪኡ ግና ኪኽሕሰካ እዩ። ምሳሌ 21:5፡ “ውጥናት ትጉህ ብርግጽ ናብ ኣሳልጦ ይመርሕ” ትብል።
ልክዕ እዩ፡ ንሓደ ሰብ ዚሕግዞ ነገር፡ ንኻልእ ኣይሕግዞን ይኸውን። ንኣብነት፡ ገሊኦም ሰባት ኣብ ቀትሪ ንእሽቶ ቐም ምባል፡ ለይቲ ኺድቅሱ ኸም ዚሕግዞም ይዛረቡ እዮም። ገሊኦም ግና ናይ ቀትሪ ቐምታ ለይቲ ድቃስ ከም ዚኸልኦም እዮም ዚኣምኑ። ንዓኻ ዚሕግዘካ ነገር ኣየናይ ምዃኑ ኣለሊ። እዚ ዚስዕብ ርእይቶታት ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ፦
ግዜ ወሲድካ ተዛነ። ናብ ዓራትካ ቕድሚ ምድያብካ ኽትዛነ እንተ ጀሚርካ፡ ቀልጢፉ ድቃስ ኪወስደካ ይኽእል እዩ።
“ኣብ ዓራትካ ምስ ደየብካ ምእንቲ ኸይትጨነቕ፡ ኣብ ቤት ዘሎካ ስራሓትን ካልእ ሓላፍነታትን ብኣጋኡ እንተ ወዲእካዮ ጽቡቕ እዩ።”—ማሪያ።
ኣርሒቕካ ብምሕሳብ ስጕምቲ ውሰድ። ኵነታትካ ኺቈጻጸረካ ኣብ ክንዲ እትፈቅድ፡ ንስኻ ንመደባትካ ተቘጻጸሮ፣ በዚ ኸምዚ ድማ፡ ዜድልየካ ድቃስ ክትረክብ ትኽእል።
“ኣብ ለይቲ እንተ ወሓደ ሸሞንተ ሰዓት ክድቅስ ኣሎኒ። ኣቐዲመ ኽትንስእ እንተ ኣሎኒ፡ ሰዓት ክንደይ ክድቅስ ከም ዚግብኣኒ እጽብጽብ እየ።”—ቪንሰንት።
ልማድካ ንምሕላው ጽዓር። ሰብነትካ ብተፈጥሮ ዘለዎ ሰዓት ኬገልግለካ ተባሂሉ እዩ ተፈጢሩ፣ ግናኸ፡ እንተ ኣሰልጢንካዮ ጥራይ እዩ ኺሰርሕ ዚኽእል። እትድቅሰሉን እትትንስኣሉን ሰዓት ንሰብነትካ ኸተልምዶ ኸም እትኽእል ክኢላታት ይመኽሩ እዮም። ንሓደ ወርሒ ፈትኖ፣ ክሳዕ ክንደይ ጽቡቕ ከም ዚስምዓካ እውን ርኣዮ።
“ምሸት ምሸት ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት ትድቅስ እንተ ዄንካ፡ ንጽብሒቱ ኣእምሮኻ ይሕደስ እዩ። እዚ ድማ ኣብ ዝዀነ ይኹን ንጥፈትካ ብዝያዳ ውጽኢታዊ ኽትከውን ይሕግዘካ እዩ።—ጃረድ።
ንማሕበራዊ ህይወትካ ሚዛናዊ ግበሮ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ሚዛናዊ ዝልማዱ” ኽትከውን የተባብዕ እዩ፣ እዚ ድማ ነቲ ኣብ ግዜ ዕረፍቲ እትገብሮ ነገራት እውን የጠቓልል እዩ።—1 ጢሞቴዎስ 3:2, 11፡ እግረ ጽሑፍ።
“ምሸት ዝነበረኒ ማሕበራዊ ንጥፈታት ክድርት ከም ዘሎኒ ተማሂረ እየ። ንመዘናግዒ ደረት እንተ ዘይገይረሉ፡ ንኻልእ ንጥፈታተይ ይሃስዮ እዩ፣ መብዛሕትኡ ድማ ንድቃሰይ እዩ ዚሃስዮ!”—ሪበካ።
ንተሌፎንካ እውን “ኣደቅሳ”! ካብቲ እትድቅሰሉ እንተ ወሓደ ሓደ ሰዓት ኣቐዲምካ፡ ኢንተርነት ምድህሳስ ወይ ምስ መሰየ ናብ ኣዕሩኽካ ተክስት ምስዳድ ሕደጎ። ካብ ተሌፎን፡ ካብ ቲቪ፡ ወይ ካብ ታብለት ዚመጽእ ብርሃን፡ ድቃስ ኬስእነካ ኸም ዚኽእል፡ ገሊኦም ክኢላታት የጠንቅቑ እዮም።
“ገሊኦም ሰባት፡ ኵሉ ሳዕ ኪረኽቡኻ ትጽቢት ይገብሩ እዮም። ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኸተዕርፍ ግና፡ ንተሌፎንካ ኸተርሕቓ ኣሎካ።”—ጁሊሳ።