ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ijwex ዓንቀጽ 11
  • ኣብ ፈለግ ማሮኒ እተገብረ ጕዕዞ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣብ ፈለግ ማሮኒ እተገብረ ጕዕዞ
  • ተመክሮታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንጕዕዞ ምድላው
  • ህዝቢ ኣመሪካውያን ህንዳውያን ናብ ዚነብሩሉ ኸባቢ ምብጻሕ
  • ናብ ግራንድ-ሳንቲን ናብ ኣፓቱን ምሕላፍ
  • “ደጊምና ኽንዓይዮ ድሉዋት ኢና!”
  • “እነና፡ ልኣኸና!”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2020
  • “ንየሆዋ እየ ኽዓዪ ደልየ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2022
ተመክሮታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር
ijwex ዓንቀጽ 11
ጕጅለ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቶም ኣብ ወሰን ፈለግ ማሮኒ ዚነብሩ ሰባት መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንምንጋር ጕዕዞ ይገብሩ።

ኣብ ፈለግ ማሮኒ እተገብረ ጕዕዞ

እተፈላለየ ዓሌትን ቋንቋን ሃገርን ዘለዎም ሰባት፡ ካብቲ ሃታሃታን ጫውጫውታን ዝመልኦ ናብራ ኸተማ ኣዝዮም ርሒቖም ኣብቲ ኣብ ደቡብ ኣመሪካ ዚርከብ ጫካ ኣማዞን ይነብሩ እዮም። ስለዚ፡ ኣብ ሓምለ 2017፡ 13 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብ ፈለግ ማሮኒን ናብቲ ብምብራቕ ኣብ ፈረንሳይ ጊያና ዚርከብ ገባራት ወሓይዝን ጕዕዞ ጀመሩ። ሸቶኦም እንታይ እዩ ነይሩ፧ ነቲ ተስፋ ዝሓዘለ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ናብቶም ኣብ ወሰን እቲ ፈለግ ዚነብሩ ሰባት ምብጻሕ እዩ ነይሩ።

ንጕዕዞ ምድላው

እቲ ናይ 12 መዓልቲ ጕዕዞ ቕድሚ ምጅማሩ ሓደ ወርሒ ዚኸውን ኣቐዲሙ፡ ኵሎም ተሳተፍቲ ኣብቲ ንውጥን እቲ ጕዕዞ እተገብረ ኣኼባ ተሳቲፎም እዮም። ዊንስሊ፡ “ብዛዕባ እቲ ኸባብን ብዛዕባ ታሪኹን ክንፈልጥ ጽዒርና፣ ነቲ ጕዕዞ ብኸመይ ክንዳሎ ኸም እንኽእል እውን ርኢና” ይብል። ነፍሲ ወከፍ ተሳታፊ፡ ሓሓደ ሃለለን (ኣብ ክልተ ባላ ዚውጠር መደቀሲ) ሓሓደ መከላኸሊ ጣንጡ ዛንዛሬራን ዚሕዝ ማይ ዘየእቱ ኣቕሓ ተዋሂብዎ ነይሩ እዩ። እቲ ጕዕዞ፡ ክልተ በረራ ነፈርትን ብታንኳ ንነዊሕ ሰዓታት ዚግበር ጕዕዞን ዘጠቓለለ እዩ ነይሩ።

ክላውድን ሊሰተን።

ክላውድን ሊሰተን።

እቶም ናብዚ ጕዕዞ እዚ እተዓደሙ፡ ብዛዕባ እቲ ዕድመ እንታይ ተሰሚዕዎም፧ ኣብ ናይ ጡረታ ዕድመ ዝበጽሑ ክላውድን ሊሰተን ነቲ ዕድመ ቐልጢፎም እዮም ተቐቢሎምዎ። ክላውድ፡ “ኣዝየ እየ ተሓጒሰ ነይረ፣ እተወሰነ ፍርሂ ግና ነይሩኒ። ብዛዕባ እቲ ሓደገኛ ዝዀነ ፈጣን ውሕጅ ብዙሕ ሰሚዐ ነይረ እየ” ይብል። ንሊሰተ ግና ካልእ ነገር ኣሻቒልዋ ነይሩ፣ ነዚ ኽትገልጾ ኸላ ድማ፡ “ብቛንቋ ኣመሪካውያን ህንዳውያን ከመይ ገይረ ኽዛረብ ከም ዝኽእል ኣተሓሳሲቡኒ ነይሩ” ትብል።

ሚካኤል ዝስሙ ተሳታፊ እውን ተመሳሳሊ ስምዒት እዩ ነይርዎ። “ብዛዕባ እቶም ዋያና ዚብሃሉ ዓሌት ብዙሕ ኣይንፈልጥን ኢና ኔርና፣ ስለዚ፡ እተወሰነ ቓላት ምእንቲ ኽፈልጥን ንሰባት ብቛንቋኦም ሰላም ምእንቲ ኽብሎምን ኣብ ኢንተርነት ምርምር ገይረ” ድማ ይብል።

ምስ ብዓል ቤታ ዮኣን ኰይና እተጓዕዘት ሺርሊ ኸኣ፡ ዝርዝር እቲ ኣብ ወሰን እቲ ፈለግ ዚዝረብ ቋንቋታት ኣዳልያ እያ። “ብመብዛሕትኡ በዚ ቛንቋታት እዚ እተዳለወ ቪድዮታት ካብ jw.org ኣራጊፍናን መሰረታዊ ቓላት ዋያና ዝሓዘት መጽሓፍ ምሳና ተማሊእናን ኔርና” ድማ ትብል።

ህዝቢ ኣመሪካውያን ህንዳውያን ናብ ዚነብሩሉ ኸባቢ ምብጻሕ

እታ ጕጅለ ብሰሉስ 4 ሓምለ፡ ብነፋሪት ካብ ሳን-ሎራን ዱ ማሮኒ እትብሃል ከተማ ተበጊሳ ናብታ ኣብ ማእከል ፈረንሳይ ጊያና እትርከብ ማሪፓሱላ እትብሃል ንእሽቶ ኸተማ ኣተወት።

ፈለግ ማሮኒን ኣብ ከባቢኡ ዘለዋ ከተማታትን ዜርኢ ካርታ ደቡብ ኣመሪካ። እተን ከተማታት ከኣ (ካብ ሰሜን ናብ ደቡብ) ሳን-ሎራን ዱ ማሮኒ፡ ኣፓቱ፡ ግራንድ-ሳንቲ፡ ማሪፓሱላ፡ ኣቴኩም ፓታ እየን።

እታ ጕጅለ፡ ቀጺሉ ኣብ ዝነበረ ኣርባዕተ መዓልቲ፡ ፒሮግዩ ብዚብሃላ ብሞተር ዚንቀሳቐሳ ታንኳታት ገይራ ጕዕዞኣ ብምቕጻል፡ ነቶም ኣብ ላዕለዋይ ሸነኽ ፈለግ ማሮኒ ኣብ ዘሎ ኣቝሻት ዚነብሩ ሰባት ሰበኸትሎም። ኣባል እታ ጕጅለ ዝዀነ ሮላንድ፡ “ህዝቢ ኣመሪካውያን ህንዳውያን ብዛዕባ ቕዱሳት ጽሑፋት ዓሚቝ ተገዳስነት ዘለዎም ኰይኖም ኢና ረኺብናዮም። ብዙሕ ሕቶታት እዩ ነይርዎም፣ ገሊኦም ድማ ምሳና መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዑ ደልዮም እዮም” ይብል።

ኣብ ሓንቲ ቝሸት፡ ዮኣንን ሺርሊን፡ ኣብ ቀረባ እዋን ርእሳ ዝቐተለት ቤተ ሰብ ምስ ዝነበረቶም መንእሰያት ሰብ ሓዳር ተራኸቡ። ዮኣን ከምዚ ብምባል የዘንቱ፦ “ኣብ ፈነወ JW ዝወጸት ኤ ኔቲቭ ኣመሪካን ፋይንድስ ሂዝ ክርኤተር ዘርእስታ ቪድዮ ኣርኢናዮም። እቶም መንእሰያት ሰብ ሓዳር በታ ቪድዮ ኣዝዮም እዮም ተተንክዮም። ምሳና ኺጸሓሓፉ ስለ ዝደለዩ ኸኣ ናቶም ኣድራሻ ኢ-መይል ሂቦምና።”

ኣብ ላዕለዋይ ሸነኽ እቲ ፈለግ እተበጽሐት ዝረሓቐት ቦታ፡ እታ ኣቴኩም ፓታ እትብሃል ቍሸት እያ። ኣብኡ ኸኣ እቲ ጭቃ ዓዲ ናይታ ቝሸት ነቶም ደኺሞም ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ሃለለኦም ኣብ ህዝባዊ ቦታ ዘርጊሖም ኪድቅሱ ፈቐደሎም። ልክዕ ከምቶም ደቂ እቲ ዓዲ ኸኣ ኣብቲ ፈለግ ተሓጽቡ።

እታ ጕጅለ ኻብኡ ተበጊሳ ትወንኬ ናብ እትብሃል ቍሸት ኣምርሐት፣ ኣብኡ ኸኣ ተቐማጦ እታ ቝሸት ብምኽንያት ሞት ሰቦም ኪሓዝኑ ጸንሕዎም። እቲ ሓደ ኻብቶም ወደብቲ እቲ ጕዕዞ ዝዀነ ኤሪክ ከምዚ ብምባል የዘንቱ፦ “እቲ ጭቃ ዓዲ፡ ኣብታ ቝሸት እናዞርና ነቶም ሓዚኖም ዝነበሩ ሰባት ከነጸናንዕ ፈቒዱልና። ንሱን ስድራ ቤቱን ድማ ነቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ዋያና ዘንበብናሎም ጥቕስታት ፈትዮምዎ እዮም። ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ተስፋ ትንሳኤ ዜርኢ ቪድዮታት እውን ኣርኢና ኢና።”

ናብ ግራንድ-ሳንቲን ናብ ኣፓቱን ምሕላፍ

እቲ ዚቕጽል ክፋል እቲ ጕዕዞ፡ ካብ ማሪፓሱላ ተበጊስካ ናብታ ግራንድ-ሳንቲ እትብሃል ንእሽቶ ኸተማ ንምብጻሕ ብነፋሪት ዚግበር ናይ ፍርቂ ሰዓት ጕዕዞ እዩ ነይሩ። ኣብ ሰሉስን ረቡዕን እቶም ተጐዓዝቲ ንነበርቲ እቲ ኸባቢ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣካፈልዎም። ሓሙስ ድማ እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካልእ ጕዕዞ ጀመሩ፣ ብፈለግ ማሮኒ ንሓሙሽተ ሰዓትን ፈረቓን ተጓዒዞም ናብ ቍሸት ኣፓቱ በጽሑ።

ብላዕሊ እተሳእለ ስእሊ ፈለግ ማሮኒን ጫካ ኣማዞንን።

ፈለግ ማሮኒ ከምኡ እውን ኣብ መንጎ ማሪፓሱላን ግራንድ-ሳንቲን ዚርከብ ጫካ ኣማዞን

ድሮ እታ ናይ መወዳእታ መዓልቲ ጕዕዞ፡ እታ ጕጅለ ናብቲ ኣብ ጫካ ዚርከብ ኣቝሻት ማሩናውያን በጽሐት፣ ማሩናውያን ካብቶም ሱሪናም ኣብ ትሕቲ ባዕዳዊ ግዝኣት ኣብ ዝነበረትሉ ግዜ ብባርነት ናብ ደቡብ ኣመሪካ ዝመጹ ኣፍሪቃውያን እተወልዱ ዘርኢ እዮም። እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንዅሎም ሰባት ናብቲ ነቲ ኣጋጣሚ እቲ ተባሂሉ ኣብ ጫካ ኣብ እተዳለወ ዓብዪ ድንኳን ዚግበር ኣኼባ ዓደምዎም። ክላውድ፡ “ብዙሓት ሰባት ምስ መጹ ኣዚና ኢና ተሓጒስና፣ ከመይሲ፡ በታ ንግሆ እቲኣ ኢና ዓዲምናዮም” ይብል። እቲ ንፈለማ እዋን ናብቲ ኸባቢ እቲ እተጓዕዘ ካርስተን፡ “ህይወት ማለት እዚ ጥራይ ድዩ፧” ዘርእስታ መደረ ብቛንቋ ኡካን ኣቕረበ። ካብ እተፈላለየ ኣቝሻት ዝመጹ ተስዓን ሓደን ሰባት ኣብቲ ኣኼባ ተኣኪቦም ነይሮም እዮም።

ጕጅለ ሰባት ኣብቲ ኣብ ጫካ እተዳለወ ዓብዪ ድንኳን ኣብ እተኻየደ ህዝባዊ ኣኼባ ይእከቡ።

“ደጊምና ኽንዓይዮ ድሉዋት ኢና!”

ኣብ መወዳእታኡ፡ እቶም ተጓዓዝቲ ናብ ሳን-ሎራን ዱ ማሮኒ ተመልሱ። ኵላቶም በቲ ደቂ እቲ ዓዲ ዝሃብዎ ኣወንታዊ ምላሽ ኣዝዮም ተሓጒሶም ነይሮም እዮም፣ ብዙሕ ጽሑፋት ኣበርኪቶምሎምን ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተዳለወ ሓያሎ ቪድዮታት ኣርእዮምዎምን እዮም።

ሊሰተ፡ “ናብዚ ጕዕዞ እዚ ብምኻደይ እተሰምዓኒ ሓጐስ ንምግላጽ ቃላት ይሓጽረኒ” ትብል። ሲንዲ እውን ምስዚ ሓሳብ ብምስምማዕ፡ “ደጊመ ኸምኡ ኽገብር እንተ ዝኽእል፡ እቲ ኣጋጣሚ እቲ ኽውሃበኒ ምለመንኩ። ነዚ ሓጐስ እዚ ምእንቲ ኽትርድኦ፡ ክትጥዕሞ ኣሎካ” ትብል።

እዚ ጕዕዞ እዚ ንገለ ኻብቶም ተጓዓዝቲ ኺምለሱ ድሌት ኣሕዲሩሎም እዩ። ሚካኤል፡ “ደጊምና ኽንዓይዮ ድሉዋት ኢና!” ይብል። ዊንስሊ ናብ ሳን-ሎራን ዱ ማሮኒ ግዒዛ ኣላ። እቶም ኣብ 60ታት ዕድሚኦም ዚርከቡ ክላውድን ሊሰተን እውን ናብ ኣፓቱ ኺግዕዙ ወሲኖም እዮም።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ