ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mrt ዓንቀጽ 12
  • ናይ ጥንቲ ማሕተም እንታይ እዩ ነይሩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ናይ ጥንቲ ማሕተም እንታይ እዩ ነይሩ፧
  • ተወሳኺ ርእሰ ነገራት
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ማሕተም፡ ስልጣን ንምሃብ የገልግል ነይሩ
  • ትፈልጥዶ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)—2016
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
ተወሳኺ ርእሰ ነገራት
mrt ዓንቀጽ 12

ናይ ጥንቲ ማሕተም እንታይ እዩ ነይሩ፧

ማሕተም መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ካይላ ወይ ስምዒ ንምሕታም ዜገልግል ውቑር ገጽ ዘለዎ ንእሽቶ ንዋት እዩ። ማሕተም እተፈላለየ መልክዕ ኪህልዎ ይኽእል እዩ፣ ንኣብነት፡ ኣጕዶ መሰል፡ ትርብዒት፡ ሲልንደር፡ ወይ ርእሲ እንስሳ ኺመስል ይኽእል እዩ። እቲ ማሕተም ዚሓድጎ ሕታም ንዋንነት ወይ ንሓቅነት ሰነድ ዜረጋግጽ ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ ከረጺት ወይ መእተዊታት ንምዕሻግ፡ ንኣብነት መዓጹ ወይ ኣፍ ደገታት መቓብር ንምዕሻግ እውን የገልግል እዩ።

ዳርዮስ ቀዳማይ ገዛኢ ፋርስ እናሃደነ ዜርኢ ሲልንደራዊ ማሕተምን እቲ ማሕተም ዝሓደጎ ሕታምን

ዳርዮስ ቀዳማይ ገዛኢ ፋርስ እናሃደነ ዜርኢ ሲልንደራዊ ማሕተምን እቲ ማሕተም ዝሓደጎ ሕታምን

ማሕተም ካብ እተፈላለየ ነገራት፡ ማለት ካብ ዓጽሚ፡ እምኒ ኖራ፡ ብረት፡ ሓውሲ ኽቡር እምኒ፡ ወይ ካብ ዕንጨይቲ እዩ ዚስራሕ ነይሩ። ሓድሓደ ግዜ፡ ስማት እቲ ዋናን ኣቦኡን ኣብቲ ማሕተም ይቕረጽ ነይሩ እዩ። ኣብ ገሊኡ ማሕተም ከኣ መዓርግ እቲ ዋና ይርከብ እዩ።

ዋና እቲ ማሕተም ንሓቅነት ሓደ ሰነድ ንምምስካር፡ ኣብ ካይላ፡ ስምዒ፡ ወይ ካልእ ልምሉም ነገር ቀሪጹ ምስቲ ሰነድ የጣብቖ ነይሩ። (እዮብ 38:14) ድሕሪኡ፡ እቲ ልምሉም ነገር ይነቅጽ እሞ ካልእ ሰብ ነቲ ሰነድ ንምትንካይ ቀንጠብጠብ ከይብል ይዓግቶ።

ኣብ ሰነድ ማሕተም ንምሕታም እተገልግል ቀለቤት

ማሕተም፡ ስልጣን ንምሃብ የገልግል ነይሩ

ማሕተም ንኻልእ ሰብ ኣሕሊፍካ ኺውሃብ ይከኣል ነይሩ እዩ፣ በዚ ኸምዚ ድማ፡ እቲ ዋናኡ ስልጣኑ ንኻልእ ይህብ ነይሩ። እቲ ፈርኦን ጥንታዊት ግብጺ ነቲ እብራዊ ዝዀነ ዮሴፍ ወዲ ያእቆብ ዝገበረሉ ነገር ሓደ ኣብነት ኪኸውን ይኽእል እዩ። ዮሴፍ ኣብ ግብጺ ባርያ እዩ ነይሩ። ድሕሪኡ፡ ብዘይፍትሓዊ መገዲ ተኣስረ። ጸኒሑ ግና፡ ፈርኦን ካብ ቤት ማእሰርቲ ፈቲሑ፡ ናብ ደረጃ ቐዳማይ ሚኒስተር ክብ ኣበሎ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ፡ “ሽዑ፡ ፈርኦን ቀለቤት ማሕተሙ ኻብ ኢዱ ኣውጺኡ ኣብ ኢድ ዮሴፍ ገበረሉ” ይብል። (ዘፍጥረት 41:42) እታ ቐለቤት ማሕተም ወግዓዊ ማሕተም ስለ ዝነበራ፡ ዮሴፍ ካብኡ ንደሓር ነቲ ኣገዳሲ ዕዮ እቲ ንምፍጻም ስልጣን ረኺቡ እዩ።

ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረት ንግስቲ ኢዛቤል ከኣ፡ ብማሕተም ሰብኣያ ገይራ ንቕትለት ናቦት ዚብሃል ሰብኣይ ውዲት ኣለመት። ብስም ንጉስ ኣከኣብ ድማ፡ ነቲ ንጹህ ዝነበረ ናቦት ንኣምላኽ ጸሪፉ ኢሎም ኪኸስስዎ ናብ ዓበይቲ ኸተማ ደብዳበታት ጸሓፈት። ነተን ደብዳበታት ከኣ ብማሕተም ንጉስ ሓተመተን፡ ኣብቲ እኩይ ውዲታ እውን ተዓወተት።—1 ነገስት 21:5-14።

ኣሓሽዌሮስ ንጉስ ፋርስ ከኣ ንወግዓዊ ትእዛዛቱ ኸም መረጋገጺ ምእንቲ ኪኸውን ኢሉ፡ ቀለቤት ማሕተም ይጥቀም ነበረ።—ኣስቴር 3:10, 12።

ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ ነህምያ ድማ፡ መሳፍንትን ሌዋውያንን ካህናትን ብማሕተሞም ንሓደ ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ ኺዳን ኸም ዘረጋገጽዎ ገሊጹ ኣሎ።—ነህምያ 1:1፣ 9:38።

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ማሕተም ንመእተዊታት ንምዕሻግ ከም ዘገልገለ እተሓበረሉ ኽልተ ኣጋጣሚታት ኣሎ። ነብዪ ዳንኤል ናብ ጕድጓድ ኣናብስ ምስ ተደርበየ፡ “ሓደ እምኒ ኣምጺኦም ኣብ ኣፍ እቲ ጕድጓድ ኣንበርዎ” ዚብል ነንብብ ኢና። ድሕሪኡ፡ እቲ ገዛኢ ሜዶንን ፋርስን ዝነበረ ንጉስ ዳርዮስ፡ “ብዛዕባ ዳንኤል ገለ እኳ ኸይልወጥሲ፡ ብቐለቤት ማሕተሙን ብቐለቤት ማሕተም ልዑላኑን ሓተሞ።”—ዳንኤል 6:17።

ሬሳ የሱስ ክርስቶስ ኣብ መቓብር ምስ ተነብረ ኸኣ፡ ጸላእቱ “ነቲ እምኒ ብምሕታም፡” ማለት ነቲ ተንከባሊሉ ንኣፍ እቲ መቓብር ዝዓጸዎ እምኒ ብምሕታም፡ “ነቲ መቓብር ብጽኑዕ ሓለውዎ።” (ማቴዎስ 27:66) ዴቪድ ሊንተን ተርነር ብዛዕባ ማቴዎስ ኣብ ዝጸሓፎ ርእይቶ፡ እቲ መቓብር ብስልጣን ሃጸይ ወግዓዊ ማሕተም ተገይሩሉ እንተ ዀይኑ፡ “እቲ ማሕተም፡ ኣብ መንጎ እቲ . . . እምንን ኣፍ እቲ መቓብርን ንዘሎ ነቓዕ ዚዓብስ ካይላ ወይ ስምዒ እዩ ነይሩ” ኢሉ ገሊጹ ኣሎ።

ናይ ጥንቲ ማሕተማት ብዛዕባ ሕሉፍ ስለ ዚነግረና፡ ተመራመርቲ ስነ ጥንትን ጸሓፍቲ ታሪኽን ብዙሕ ይግደሱሉ እዮም። ስለዚ ድማ፡ ሲጂሎግራፊ ዚብሃል መጽናዕቲ ማሕተማት፡ ሰፊሕ ዓውዲ መጽናዕቲ ዀይኑ ኣሎ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ