ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ijwcl ዓንቀጽ 9
  • “መልሲ ዘይረኸብኩሉ ብዙሕ ሕቶታት ነይሩኒ”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “መልሲ ዘይረኸብኩሉ ብዙሕ ሕቶታት ነይሩኒ”
  • መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወት ሰባት ይቕይር
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሕሉፍ ህይወተይ
  • መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወተይ ዝቐየረሉ መገዲ
  • ዝረኸብክዎ ጥቕሚ
  • ንጽሙማን ኣሕዋትካን ኣሓትካን ሓብሕቦም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ስደት—ሕልምን ጋህድን
    ንቕሑ!—2013
  • ‘የሆዋ ገጹ ኣብርሃሎም’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ኣምላኽ ንጽሙማን ዜርእዮ ሓልዮት
    ተወሳኺ ርእሰ ነገራት
ዝያዳ ርአ
መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወት ሰባት ይቕይር
ijwcl ዓንቀጽ 9
ማርዮ ኣንቱነዝ ንሰለስተ ኣሕዋት ኣብ ማሕበራዊ ምትእኽኻብ ብቛንቋ ምልክት ሆንዱራስ ይዛረቦም።

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወት ሰባት ይቕይር

“መልሲ ዘይረኸብኩሉ ብዙሕ ሕቶታት ነይሩኒ”

ማርዮ ኣንቱነዝ ዘዘንተዎ

  • ዓመተ ልደት፦ 1976

  • መበቈል ሃገር፦ ሆንዱራስ

  • ታሪኽ፦ ቀሺ

ማርዮ ኣንቱነዝ ናይ የሆዋ ምስክር ቅድሚ ምዃኑ ብንእስነቱ።

ሕሉፍ ህይወተይ

ኣብ ላ ሰይባ፡ ሆንዱራስ እየ ተወሊደ። ካብ ሓሙሽተ ውሉዳት ሕሳስ ልደ እየ ነይረ፣ ኣነ ጥራይ እየ ድማ ወዲ ነይረ። ካብ ገዛና ኣነ ጥራይ እየ ጽሙም ነይረ። ኣነን ስድራ ቤተይን ኣብ ኣዝዩ ሓደገኛ ኸባቢ ኢና እንነብር ኔርና፣ ኣዚና ድኻታት ከኣ ኢና ኔርና። ወዲ ኣርባዕተ ዓመት ከለኹ ኣቦይ ኣብ ስራሕ ብሰንኪ ዘጋጠሞ ሓደጋ ምስ ሞተ ድማ፡ ኵነታትና ብዝያዳ ኸፍአ።

ኣደይ ንዓይን ንኣሓተይን ብእተኻእላ መጠን ትናብየና ነይራ፣ ይኹን እምበር፡ ንዓይ ኽዳን መግዝኢ ዚኸውን እኹል ገንዘብ ኣይነበራን። ስለዚ፡ ዝናም ኪዘንም ከሎ ዜምውቕ ክዳውንቲ ስለ ዘይነበረኒ እቘርር ነይረ።

ምስ ዓበኹ ቛንቋ ምልክት ሆንዱራስ ተማሂረ፣ እዚ ድማ ምስ ካልኦት ጽሙማን ክዛራረብ ኣኽኢሉኒ። ኣደይን ኣሓተይን ግና ነቲ ቛንቋ ይፈልጣኦ ስለ ዘይነበራ፡ ምሳይ ንምዝርራብ እተወሰነ ኣካላዊ ምንቅስቓስን ባዕለን ዝመሃዛኦ ምልክታትን ይጥቀማ ነይረን። ኣደይ ትፈትወንን ካብ ሓደጋታት ተዕቍበንን ነይራ። በተን እትኽእለን ሒደት ምልክታት ገይራ ኻብ ከም ምትካኽ ሽጋራን ምብዛሕ ኣልኮላዊ መስተን ዝኣመሰለ ወልፍታት ክርሕቕ ተጠንቅቐኒ ነይራ። ሳላ እዚ ድማ ወልፊ ዚብሃል ኣይነበረንን።

ንእሽቶ ኸለኹ ኣደይ ናብ ናይ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ትወስደኒ ነይራ፡ ኣብኡ ናብ ቋንቋ ምልክት ዚትርጕመለይ ሰብ ስለ ዘይነበረ ግና፡ ዋላ ሓንቲ ኣይርድኣንን እዩ ነይሩ። እዚ ስለ ዝሰልከየኒ ወዲ ዓሰርተ ዓመት ምስ ኰንኩ፡ ናብ ቤተ ክርስትያን ምኻድ ሓደግክዎ። ይኹን እምበር፡ ብዛዕባ ኣምላኽ ዝያዳ ኽፈልጥ እደሊ ነይረ እየ።

ብ1999፡ ወዲ 23 ዓመት ከለኹ ምስ ሓንቲ ኣባል ወንጌላዊት ቤተ ክርስትያን ዝዀነት ካብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዝመጸት ሰበይቲ ተላለኹ። ንሳ ኸኣ ትምህርታት መጽሓፍ ቅዱስን ቋንቋ ምልክት ኣመሪካን መሃረትኒ። ነቲ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ እተምሃርክዎ ኣመና ስለ ዝፈቶኽዎ፡ ቀሺ ክኸውን ወሰንኩ። ስለዚ፡ ናብ ፖርቶ ሪኮ ግዒዘ፡ ኣብኡ ኸኣ ንጽሙማን ኣብ እተዳለወ መሰልጠኒ ክርስትያናዊ ስልጠና ኣቶኹ። ብ2002 ናብ ላ ሰይባ ምስ ተመለስኩ፡ ብሓገዝ እተወሰኑ ፈተውተይ ናይ ጽሙማን ቤተ ክርስትያን ኣቘምኩ። ፓትሪሽያ እትብሃል ሓንቲ ኻብዞም ፈተውተይ ከኣ፡ ጸኒሓ ሰበይተይ ኰነት።

ቀሺ ቤተ ክርስትያንና ስለ ዝነበርኩ፡ ብቛንቋ ምልክት ሆንዱራስ እሰብኽ፡ ስእልታት ዛንታታት መጽሓፍ ቅዱስ አርኢ፡ እቶም ጽሙማን ምእንቲ ኺርድኦም ድማ ነቲ ዛንታታት እዋስኦ ነይረ። ኣብ ቀረባ ኣብ ዚርከባ ኸተማታት ናብ ዚነብሩ ጽሙማን እናኸድኩ እውን፡ አተባብዖምን ኣብ ጸገማቶም እሕግዞምን ነይረ። ናብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካን ዛምብያን እውን ሚስዮናዊ ጕዕዞ ገበርኩ። ከም ሓቂ፡ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ኣይፈልጥን እየ ነይረ። ነቲ እተብሃልክዎን ነቲ ኻብ ስእልታት እተረዳእክዎን ጥራይ እየ ዝምህሮም ነይረ። መልሲ ዘይረኸብኩሉ ብዙሕ ሕቶታት ነይሩኒ።

ሓደ መዓልቲ ገሊኦም ኣባላት ቤተ ክርስትያን ብዛዕባይ ሓሶት ኪነዝሑ ጀመሩ። ሰኽራም ከም ዝዀንኩን ንሰበይተይ ከም ዝጠለምክዋን ገይሮም ኣውረዩለይ። በዚ ኣዝየ ጕህየን ሓሪቐን ነይረ። ነዊሕ ከይጸናሕና ኣነን ፓትሪሽያን ነታ ቤተ ክርስትያን ሓደግናያ።

መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወተይ ዝቐየረሉ መገዲ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንዓይን ንፓትሪሽያን ብዙሕ ሳዕ ይመጹና ነይሮም እዮም፣ ሰሚዕናዮም ግና ኣይንፈልጥን ኢና ኔርና። ነታ ቤተ ክርስትያንና ምስ ሓደግናያ ግና፡ ፓትሪሽያ፡ ቶማስን ሊሲን ምስ ዚብሃሉ ሰብ ሓዳር ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ጀመረት። ዋላ እኳ ጽሙማን እንተ ዘይኰኑ፡ ቋንቋ ምልክት ምፍላጦም ኣገሪሙኒ ነይሩ። ድሕሪ እተወሰነ እዋን ኣነ እውን ምስ ፓትሪሽያ ሓቢረ ኸጽንዕ ጀመርኩ።

ንእተወሰነ ኣዋርሕ ብቛንቋ ምልክት ኣመሪካ ብእተዳለወ ቪድዮታት መጽናዕቲ ገበርና። ገሊአን ፈተውትና፡ ‘ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሰባት እዮም ዚስዕቡ’ ምስ በላና ግና መጽናዕትና ደው ኣበልና። ቶማስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሰብኣውያን መራሕቲ ኸም ዘይስዕቡ ዜርኢ መርትዖ እንተ ኣቕረበለይ እኳ፡ ኣይተቐበልክዎን።

ድሕሪ እተወሰነ ኣዋርሕ፡ ፓትሪሽያ ጭንቀት ኣሕደረት እሞ፡ ኣምላኽ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብ ቤታ ኼምጽኣላ ጸለየት። ነዊሕ ከይጸነሐ ኸኣ ሓንቲ ንፓትሪሽያ ኽትበጽሕ ዝመጸት ናይ የሆዋ ምስክር ዝዀነት ጐረቤትና ንሊሲ ኽትበጽሓና ኸም እትሓትታ ነገረትና። ሊሲ ኸኣ ንፓትሪሽያ ናይ ሓቂ ፈታዊት ኰነታ። ሰሙን ሰሙን ትበጽሓን መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ተተባብዓን ነይራ እያ። ኣነ ግና ሽዑ እውን ኣብ ልዕሊ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጥርጣረ ነይሩኒ እዩ።

ብ2012 ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ብቛንቋ ምልክት ሆንዱራስ እተዳለወ ሓቂ ኽትፈልጥ ትደሊዶ፧ ዘርእስቱ ቪድዮ ንምዝርጋሕ ፍሉይ ወፈራ ገይሮም ነይሮም። ሊሲ ድማ ቅዳሕ እታ ቪድዮ ኣምጽአትልና። ኣብታ ቪድዮ እቲ ኣነ ዝምህሮ ዝነበርኩ ኸም ገሃነም እሳትን ኢመዋትነት ነፍስን ዝኣመሰለ ብዙሕ ሰረተ እምነታት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዘይርከብ ምስ ረኣኹ ኣዝየ ሰምበድኩ።

ኣብቲ ዚቕጽል ሰሙን ምስ ቶማስ ንምዝርራብ ናብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከድኩ። ምስ ረኸብክዎ ድማ፡ ናይ የሆዋ ምስክር ከይኰንኩ ንጽሙማን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ኽምህሮም ከም ዝደሊ ነገርክዎ። ሓሳበይ ንጽሙማን ዚኸውን ሓድሽን ፍሉይን ቤተ ክርስትያን ምቛም እዩ ነይሩ። ቶማስ ከኣ ስለ ቕንኣተይ ኣመስጊኑ፡ ነቲ ኣብ ኤፌሶን 4:5 ተገሊጹ ዘሎ ክርስትያናዊት ጉባኤ ሓድነት ኪህልዋ ኸም ዚግባእ ዚገልጽ ሓሳብ ኣርኣየኒ።

ብዘይካዚ፡ ቶማስ ነታ ብቛንቋ ምልክት ኣመሪካ እተዳለወት ጂሆቫስ ዊትነስስ—ፈይዝ ኢን ኣክሽን፡ ፓርት 1፦ ኣውት ኦፍ ዳርክነስ ዘርእስታ ቪድዮ ሃበኒ። እታ ቪድዮ እተወሰኑ ጕጅለ ሰባት፡ ብዛዕባ መሰረታዊ ሰረተ እምነታት ሓቂ ንምፍላጥ ብኸመይ ንመጽሓፍ ቅዱስ ተጠንቂቖም ከም ዝመርመሩ እተርኢ እያ ነይራ። ነታ ቪድዮ ኽርእያ ኸለኹ ስምዒት እቶም ሰባት ይርድኣኒ ነይሩ እዩ። ኣነ እውን ከማታቶም ንሓቂ እየ ዝደሊ ነይረ። እታ ቪድዮ እምነት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ስለ ዝዀነ፡ ንሳቶም ሓቂ ኸም ዚምህሩ ኣእመነትኒ። ስለዚ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ብሓድሽ ጀመርኩ፣ ብ2014 ድማ ኣነን ፓትሪሽያን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኴንና ተጠመቕና።

ዝረኸብክዎ ጥቕሚ

ከምቲ ኣምላኽ ንጹህ ዝዀነ፡ ጉባኤ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን ንጽህቲ ምዃና እፈትዋ እየ። እቶም ኣምለኽቲ ብዘረባኦምን ምስ ካልኦት ብዘለዎም ርክብን ንጹሃት እዮም። ኣብ መንጎኦም ሰላም ኣለዎም፡ ንሓድሕዶም ድማ ይተባብዑ እዮም። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓድነት ኣለዎም፡ ኣብ ዝዀነ ሃገር ይንበሩ ወይ ዝዀነ ቛንቋ ይዛረቡ ብዘየገድስ፡ ኵሎም ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቅታት እዮም ዚምህሩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ ከም ዚምህር ፈሊጠ እየ። ንኣብነት፡ የሆዋ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ምዃኑን ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ልዑል ምዃኑን ፈሊጠ እየ። ንሱ ንጽሙማን ኰነ ንዚሰምዑ የፍቅሮም እዩ። እቲ ኣምላኽ ንዓይ ዘለዎ ፍቕሪ የሐጕሰኒ እዩ። ምድሪ ጽብቕቲ ገነት ከም እትኸውንን ምስ ምሉእ ጥዕና ንዘለኣለም ክንነብር ከም እንኽእልን እውን ተማሂረ እየ። ነቲ እዋን እቲ ተሃንጥየ እየ ዝጽበዮ!

ማርዮ ኣንቱነዝ ምስታ ኣብ ጐድኑ ዘላ ሰበይቱ ፓትሪሽያ ዀይኑ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ንሓደ መንእሰይ ብቛንቛ ምልክት ሆንዱራስ የዘራርቦ።

ኣነን ፓትሪሽያን ንሰባት ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ምንጋር የሐጕሰና እዩ። ሕጂ ምስ ገሊኦም ኣባላት ናይ ቀደም ቤተ ክርስትያንና ዝነበሩ ሰባት ነጽንዕ ኣለና። ሕጂ ግና ከምቲ ቐሺ ኸለኹ ዝሽገሮ ዝነበርኩ፡ ብዛዕባ እቲ ዝምህሮ ሕቶታት የብለይን። ኣብ መወዳእታ፡ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብምጽናዕ፡ ንሕቶታተይ መልሲ ረኺበሉ እየ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ