ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ijwbq ዓንቀጽ 152
  • መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ቝጥዓ እንታይ ይብል፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ቝጥዓ እንታይ ይብል፧
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • ቍጥዓ ወትሩ ጌጋ ድዩ፧
  • ቍጥዓ ጌጋ ዚኸውን መዓስ እዩ፧
  • ንቝጥዓኻ ብኸመይ ክትቈጻጸሮ ትኽእል፧
  • ስምዒታዊ ጥዕና
    ንቕሑ!—2019
  • ቍጥዓኻ ክትቈጻጸሮ ዘድልየካ ስለምንታይ ኢዩ፧
    ንቕሑ!—1999
  • ምእንቲ ከይትሓጥእ ቍጥዓኻ ተቘጻጸር
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ‘ምስትውዓል ንሰብ ንቝጥዓ ደንጓዪ ይገብሮ’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
ዝያዳ ርአ
መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
ijwbq ዓንቀጽ 152
እተዓምኰ ኢድ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ቝጥዓ እንታይ ይብል፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዘይ ቍጽጽር ዚፍኖ ቝጥዓ ነቲ ዚቝጣዕ ኰነ ነቶም ኣብ ከባቢኡ ዘለዉ ጐዳኢ ኸም ዝዀነ ይምህር እዩ። (ምሳሌ 29:22) ሓድሓድ እዋን ምቝጣዕ ግቡእ ኪኸውን ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ብቐጻሊ “ቝጥዓ” ዘለዎም ሰባት ከም ዘይድሕኑ ግና መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። (ገላትያ 5:19-21) መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንቝጥዓና ምእንቲ ኽንቈጻጸሮ ዚሕግዘና ስርዓታት ሒዙ ኣሎ።

  • ቍጥዓ ወትሩ ጌጋ ድዩ፧

  • ቍጥዓ ጌጋ ዚኸውን መዓስ እዩ፧

  • ንቝጥዓኻ ብኸመይ ክትቈጻጸሮ ትኽእል፧

  • ብዛዕባ ቝጥዓ ዚገልጽ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ

ቍጥዓ ወትሩ ጌጋ ድዩ፧

ኣይኰነን። ቍጥዓ ግቡእ ዚዀነሉ ዅነታት ኣሎ። ንኣብነት ነህምያ፡ ኣይሁድ ብጾቱ ይግፍዑ ኸም ዘለዉ ምስ ሰምዐ፡ “ኣዝየ ተቘጣዕኩ” ኢሉ ጽሒፉ እዩ።—ነህምያ 5:6።

ኣብ ገሊኡ እዋን፡ ኣምላኽ እውን ይቝጣዕ እዩ። ንኣብነት፡ እቶም ጥንቲ ዝነበሩ ህዝቡ፡ ነቲ ንዕኡ ንበይኑ ኼምልኹ ዝኣተዉዎ ኪዳን ሓዲጎም ካልኦት ናይ ሓሶት ኣማልኽቲ ምስ ኣምለኹ፡ “ቍጥዓ የሆዋ” ኣባታቶም ነዲዱ እዩ። (መሳፍንቲ 2:13, 14) ይኹን እምበር፡ ቍጥዓ ዓብላሊ ባህርይ የሆዋ ኣምላኽ ኣይኰነን። ከመይሲ፡ የሆዋ እኹል ምኽንያት ኪህልዎ ኸሎ ጥራይ እዩ ዚቝጣዕ፡ ንቝጥዓኡ ድማ ይቈጻጸሮ እዩ።—ዘጸኣት 34:6፣ ኢሳይያስ 48:9።

ቍጥዓ ጌጋ ዚኸውን መዓስ እዩ፧

ንቝጥዓና ምስ ዘይንቈጻጸሮን ብዘይ እኹል ምኽንያት ምስ እንቝጣዕን፡ ቍጥዓና ጌጋ ይኸውን። እዚ ድማ ኣብ ዘይፍጹም ሰባት ዚርአ ጸገም እዩ። ንኣብነት፦

  • ኣምላኽ ንመስዋእቲ ቃየል ምስ ነጸጎ፡ ቃየል፡ “ኣዝዩ ተቘጥዐ።” ብቝጥዓ ስለ ዝነደደ ድማ፡ ንሓዉ ቐተሎ።—ዘፍጥረት 4:3-8።

  • ነብዪ ዮናስ፡ ኣምላኽ ንሰብ ነነዌ ኸም ዝመሓሮም ምስ ረኣየ፡ ‘ብቝጥዓ ነደደ።’ ኣምላኽ ንዮናስ፡ “ኣመና ምቝጣዕካስ ግቡእ ድዩ፧” ኢሉ ድሕሪ ምሕታት፡ ነቶም እተነስሑ ሓጥኣን ኪርሕርሓሎም ከም ዚግባእ ብምንጋር ኣረሞ።—ዮናስ 3:10–4:1, 4, 11።a

እዚ ኣብነታት እዚ፡ ንሓቅነት እቲ፡ “ቍጥዓ [ዘይፍጹም] ሰብ፡ ጽድቂ ኣምላኽ ኣይገብርን እዩ” ዚብል ቃላት ዜረጋግጽ እዩ።—ያእቆብ 1:20።

ንቝጥዓኻ ብኸመይ ክትቈጻጸሮ ትኽእል፧

  • ቍጥዓኻ ዘይምቍጽጻር ንዜስዕቦ ሓደጋ ተገንዘቦ። ገሊኦም ሰባት ቍጥዓ ምፍናው፡ ምልክት ብርታዐ ኸም ዝዀነ ይሓስቡ እዮም። ከም ሓቂ ግና፡ ከቢድ ድኽመት ዘለዎ ሰብ ጥራይ እዩ ቝጥዓኡ ኺቈጻጸር ዘይክእል። “ስምዒቱ ኺቈጻጸር ዘይክእል ሰብሲ፡ መካበብያ ኸም ዘይብላ ዝፈረሰት ከተማ እዩ።” (ምሳሌ 25:28፣ 29:11) ንቝጥዓና ምስ እንቈጻጸሮ ግና፡ ናይ ሓቂ ብርታዐን ምስትውዓልን ከም ዘሎና ኢና እነርኢ። (ምሳሌ 14:29) መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንቝጥዓ ደንጓዪ፡ ካብ ጅግና . . . ይበልጽ” ይብል እዩ።​—ምሳሌ 16:32

  • ጸኒሑ ዜጣዕሰካ ነገር ቅድሚ ምግባርካ፡ ቍጥዓኻ ተቘጻጸር። መዝሙር 37:8፡ “ቍጥዓ ሕደግ፡ ነድሪ ድማ ግደፍ፣ ሓሪቕካ እከይ ኣይትግበር” ትብል። ስለዚ፡ ዜቘጥዕ ነገር ምስ ዜጋጥመና፡ “እከይ” ምእንቲ ኸይንገብር፡ ቍጥዓና ኽንሓድጎ ንኽእል ኢና። ኤፌሶን 4:26 እውን “ተቘጥዑ፡ ግናኸ ኣይትሕጥኡ” ይብለና እዩ።

  • ዚከኣል እንተ ዀይኑ፡ ቍጥዓ ኸይተላዕለ ኸሎ ርሓቕ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ምጅማር ባእሲ ኸም ምኽፋት ኣፍ ደገ ውሒዝ እዩ፣ ቈየቛ ኸይተላዕለ ርሓቕ” ይብል። (ምሳሌ 17:14) ንፍልልያት ቀልጢፍካ ምድቃስ ጥበባዊ እኳ እንተ ዀነ፡ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ብርግኣት ንምዝርራብ ግና ፈለማ ኽልቴኹም ክትሃድኡ ኣሎኩም።

  • ቅኑዕ ሓበሬታ ይሃሉኻ። ምሳሌ 19:11፡ “ልቦና ንሰብ፡ ብርግጽ ንቝጥዓ ደንጓዪ ይገብሮ” ትብል። ስለዚ፡ ኣብ መደምደምታ ቕድሚ ምብጻሕካ፡ እተማልአ ሓበሬታ ይሃሉኻ። ነቲ ጕዳይ ብዅሉ ሸነኹ ምስ እንምርምሮ፡ ብዘይ እኹል ምኽንያት ኣይንቝጣዕን ኢና።—ያእቆብ 1:19።

  • ናይ ኣእምሮ ሰላም ክትረክብ ጸሊ። ጸሎት ነቲ፡ “ካብ ኵሉ ሓሳብ ዚበልጽ ሰላም” ኪህበካ ይኽእል እዩ። (ፊልጲ 4:7) ሓደ ኻብቲ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ እንረኽበለሉ ቐንዲ መገድታት ጸሎት እዩ፣ መንፈስ ቅዱስ ከኣ፡ ከም ሰላም፡ ዓቕሊ፡ ርእሰ ግትኣት ዝኣመሰለ ባህርያት ከነጥሪ ይሕግዘና እዩ።—ሉቃስ 11:13፣ ገላትያ 5:22, 23።

  • መዋዕልትኻ ተጠንቂቕካ ምረጽ። መብዛሕትኡ እዋን ከም መዋዕልትና ኽንከውን ኢና እንጽዕር። (ምሳሌ 13:20፣ 1 ቈረንቶስ 15:33) ስለዚ ኸኣ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ምስ ቍጡዕ ሰብ ኣይትሕበር፣ ምስ ነዳሪ ድማ ኣይትቀራረብ። መገድታቱ ኸይትምሃር፡ ንርእስኻ ኸኣ ከይተፈንጥራስ፡ ከምኡ ኣይትግበር” ኢሉ ዜጠንቅቐና።—ምሳሌ 22:24, 25።

ብዛዕባ ቝጥዓ ዚገልጽ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ

ምሳሌ 16:32፦ “ንቝጥዓ ደንጓዪ፡ ካብ ጅግና . . . ይበልጽ።”

ትርጉሙ፦ ንቝጥዓኻ ምቍጽጻር ምልክት ብርታዐ እዩ።

ምሳሌ 17:14፦ “ምጅማር ባእሲ ኸም ምኽፋት ኣፍ ደገ ውሒዝ እዩ፣ ቈየቛ ኸይተላዕለ ርሓቕ።”

ትርጉሙ፦ ሓደ ሰብ ብቝጥዓ ኺነድድ እንተ ጀሚሩ፡ ካብቲ ኸባቢ ርሕቕ።

ምሳሌ 19:11፦ “ልቦና ንሰብ፡ ብርግጽ ንቝጥዓ ደንጓዪ ይገብሮ።”

ትርጉሙ፦ ብዛዕባ ሓደ ጕዳይ ተሃዊኽና ኣብ ክንዲ እንድምድም፡ ቅድም ነቲ ጕዳይ ብዅሉ ሸነኹ ኽንምርምሮ ኣሎና፣ እዚ ድማ ብዘየድሊ ኸይንቝጣዕ ይሕግዘና።

ምሳሌ 22:24, 25፦ “ምስ ቍጡዕ ሰብ ኣይትሕበር፣ ምስ ነዳሪ ድማ ኣይትቀራረብ። መገድታቱ ኸይትምሃር፡ ንርእስኻ ኸኣ ከይተፈንጥራስ፡ ከምኡ ኣይትግበር።”

ትርጉሙ፦ ቀልጢፎም ምስ ዚቝጥዑ ሰባት እንተ ተዓራሪኽና፡ ንሕና እውን ከማታቶም ንኸውን ኢና።

ምሳሌ 29:11፦ “ዓሻ ንዅሉ ስምዒቱ ይድርጕሖ።”

ትርጉሙ፦ ስምዒታትና ኺቈጻጸረና ኣብ ክንዲ እንፈቕደሉ፡ ንስምዒታትና ኽንቈጻጸሮ ኣሎና።

ገላትያ 5:22, 23፦ “እቲ ፍረ መንፈስ ግና፡ ፍቕሪ፡ ሓጐስ፡ ሰላም፡ ዓቕሊ፡ ለውሃት፡ ሕያውነት፡ እምነት፡ ልእመት፡ ርእሰ ግትኣት እዩ።”

ትርጉሙ፦ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ወይ ንጡፍ ሓይሊ፡ ቍጥዓና ኽንቈጻጸር ዜኽእለና ባህርያት ከነጥሪ ይሕግዘና እዩ።

ኤፌሶን 4:26፦ “ተቘጥዑ፡ ግናኸ ኣይትሕጥኡ።”

ትርጉሙ፦ ከይተቘጣዕና ኽንነብር ኣይንኽእልን ኢና፡ ንቝጥዓና ኽንቈጻጸሮ ግና ንኽእል ኢና።

ያእቆብ 1:19፦ “ኵሉ ሰብ ንምስማዕ ቅልጡፍ፡ ንምዝራብ ደንጓዪ፡ ንቝጥዓ ደንጓዪ ይኹን።”

ትርጉሙ፦ ጽቡቕ ጌርና እንሰምዕ እንተ ዄንና፡ ንቝጥዓ ደንጐይቲ ኽንከውን ንኽእል ኢና።

a ዮናስ ነቲ እተዋህቦ መአረምታ ብምቕባል ካብ ቍጥዓኡ ተመሊሱ ኪኸውን ኣለዎ። ከመይሲ፡ ኣምላኽ ንዕኡ፡ ነታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ ብስሙ እትጽዋዕ መጽሓፍ ኪጽሕፍ ተጠቒሙሉ እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ