ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ijwbq ዓንቀጽ 145
  • ሓዳስ የሩሳሌም እንታይ እያ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሓዳስ የሩሳሌም እንታይ እያ፧
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሓዳስ የሩሳሌም ብኸመይ ትልለ፧
  • እታ እተንጸባርቕ ከተማ
    ራእይ እቲ ዓቢ ፍጻሜኡ ቀሪቡ!
  • የሩሳሌም—“ከተማ እቲ ዓብዪ ንጉስ”
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
  • ሓድሽ ሰማይን ሓዳስ ምድርን
    ራእይ እቲ ዓቢ ፍጻሜኡ ቀሪቡ!
  • መን ኢዮም ናብ ሰማይ ዝኸዱ: ስለምንታይከ፧
    ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ
ዝያዳ ርአ
መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
ijwbq ዓንቀጽ 145
ኣብታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ መጽሓፍ ራእይ ተገሊጻ ዘላ ሓዳስ የሩሳሌም

ሓዳስ የሩሳሌም እንታይ እያ፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

“ሓዳስ የሩሳሌም” ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ክልተ ሳዕ ተጠቒሳ ትርከብ፣ እዛ ምሳልያዊት ከተማ እዚኣ ኸኣ፡ ምስ የሱስ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ገዛእቲ ንምዃን ናብ ሰማይ ንዚኸዱ ሰዓብቱ ተመልክት። (ራእይ 3:12፣ 21:2) እቶም ጕጅለ እቲኦም መርዓት ክርስቶስ ተባሂሎም ከም ዚጽውዑ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ።

ሓዳስ የሩሳሌም ብኸመይ ትልለ፧

  1. ሓዳስ የሩሳሌም ኣብ ሰማይ እያ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኵሉ እቲ ንሓዳስ የሩሳሌም ዝጠቐሰሉ ኣጋጣሚ፡ ካብ ሰማይ ከም እትወርድ ጠቒሱ ኣሎ፣ ብዘይካዚ፡ መላእኽቲ ንኣፍ ደገታት እታ ኸተማ ኸም ዚሕልውዎ እውን ይገልጽ እዩ። (ራእይ 3:12፣ 21:2, 10, 12) ዕቤት እታ ኸተማ ድማ ኣብ ምድሪ ኽትከውን ከም ዘይክእል የመልክት። ዙርያኣ ኺልካዕ ከሎ “12,000 ስታድያ” ዚኸውን ኩቦ ዝቕርጻ ኸተማ እያ።a (ራእይ 21:16) ስለዚ፡ ቍመታ ናብ ጠፈር 560 ኪሎ ሜተር (350 ማይል) ይዝርጋሕ እዩ።

  2. ሓዳስ የሩሳሌም በቶም መርዓት ክርስቶስ ዝዀኑ ጕጅለ ሰዓብቲ የሱስ ዝቘመት እያ። ሓዳስ የሩሳሌም፡ “መርዓት፡ ሰበይቲ እቲ ገንሸል” ተባሂላ ተጸዊዓ ኣላ። (ራእይ 21:9, 10) እቲ ኣብዚ ብምሳልያዊ መገዲ ገንሸል ተባሂሉ ዘሎ የሱስ ክርስቶስ እዩ። (ዮሃንስ 1:29፣ ራእይ 5:12) “ሰበይቲ እቲ ገንሸል” ወይ መርዓት ክርስቶስ ከኣ፡ ነቶም ምስ የሱስ ኣብ ሰማይ ዚሓብሩ ክርስትያናት እዩ ዜመልክት። መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ኣብ መንጎ የሱስን ክርስትያናትን ዘሎ ርክብ ምስቲ ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ዘሎ ርክብ የመሳስሎ እዩ። (2 ቈረንቶስ 11:2፣ ኤፌሶን 5:23-25) ብተወሳኺ፡ ኣብቲ ኣእማን መሰረት ሓዳስ የሩሳሌም፡ “12 ስማት እቶም 12 ሃዋርያት እቲ ገንሸል” ተጻሒፍዎ ነይሩ እዩ። (ራእይ 21:14) እዚ ዝርዝር ሓሳብ እዚ፡ መንነት ሓዳስ የሩሳሌም የረጋግጸልና እዩ፣ ከመይሲ፡ ናብ ሰማያዊ ህይወት እተጸውዑ ክርስትያናት ‘ኣብ መሰረት ሃዋርያትን ነብያትን እዮም ተነዲቖም።’—ኤፌሶን 2:20።

  3. ሓዳስ የሩሳሌም ክፍሊ ሓንቲ መንግስቲ እያ። ጥንታዊት የሩሳሌም ርእሲ ኸተማ እስራኤል፡ ንጉስ ዳዊትን ወዱ ሰሎሞንን ዘርኦምን “ኣብ ዝፋን የሆዋ” ዀይኖም ዚገዝኡላ እያ ነይራ። (1 ዜና መዋእል 29:23) ስለዚ፡ እታ “ቕድስቲ ኸተማ” ተባሂላ እተጸውዐት የሩሳሌም ኣብ ነቲ ወለዶ ዳዊት ዝገዛእቱ ግዝኣት ኣምላኽ እትውክል እያ ነይራ። (ነህምያ 11:1) እታ “ቕድስቲ ኸተማ” ተባሂላ እተጸውዐት ሓዳስ የሩሳሌም እውን፡ በቶም ምስ የሱስ ኣብ ሰማይ ኰይኖም ‘ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዚነግሱ’ ዘበሉ እያ ቘይማ።—ራእይ 5:9, 10፣ 21:2።

  4. ሓዳስ የሩሳሌም ኣብ ምድሪ ንዘለዉ ሰባት በረኸት ተምጽኣሎም። ሓዳስ የሩሳሌም “ካብ ሰማይ ካብ ኣምላኽ ክትወርድ ከላ” ተባሂላ ተገሊጻ ኣላ፣ እዚ ድማ ኣምላኽ ንዓኣ፡ ካብ ሰማይ ወጻኢ ንዘሎ ጕዳያት ክትጸሉ ኸም ዚፈቕደላ የርኢ። (ራእይ 21:2) እዚ ቓላት እዚ ንሓዳስ የሩሳሌም ምስ መንግስቲ ኣምላኽ የተኣሳስራ እዩ፣ ኣምላኽ ከኣ ንመንግስቱ፡ ፍቓዱ “ኸምቲ ኣብ ሰማይ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ” ንምፍጻም ይጥቀመላ እዩ። (ማቴዎስ 6:10) ኣምላኽ ነቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ሰባት ዝዓለሞ ዕላማ፡ ነዚ ዚስዕብ በረኸት የጠቓልል፦

    • ምውጋድ ሓጢኣት። “ፈለግ ማይ ህይወት” ካብ ሓዳስ የሩሳሌም ከም ዚውሕዝ፡ “ፈውሲ ኣህዛብ” ንዚዀና “ኣእዋም ህይወት” ከም ዜስትየን ተሓቢሩ ኣሎ። (ራእይ 22:1, 2) እዚ ኣካላውን መንፈሳውን ፈውሲ እዚ ንሓጢኣት ኬወግዶ እዩ፣ በዚ ኸምዚ ድማ ሰባት ከምቲ ኣምላኽ ዝሓለኖ ፍጹም ህይወት ኪረኽቡ ይኽእሉ እዮም።—ሮሜ 8:21።

    • ኣብ መንጎ ኣምላኽን ደቂ ሰብን ጽቡቕ ርክብ። ሓጢኣት ንደቂ ሰብ ካብ ኣምላኽ ኣርሒቕዎም ኣሎ። (ኢሳይያስ 59:2) ሓጢኣት ምስ ተወገደ፡ እዚ ዚስዕብ ትንቢት ምሉእ ብምሉእ ኪፍጸም እዩ፦ “ድንኳን ኣምላኽ ምስ ሰብ፡ ንሱ እውን ምሳታቶም ኪነብር እዩ፣ ንሳቶም ከኣ ህዝቡ ኪዀኑ እዮም። ኣምላኽ ባዕሉ እውን ምሳታቶም ኪኸውን እዩ።”—ራእይ 21:3።

    • መወዳእታ መከራን ሞትን። ኣምላኽ ብመንግስቱ ኣቢሉ “ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ፣ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ደጊም እውን ሓዘን ወይ ኣውያት ወይ ስቓይ ኣይኪኸውንን እዩ።”—ራእይ 21:4።

a ስታድዩም ዚብሃል መለክዒ፡ ሮማውያን ዚጥቀመሉ ዝነበሩ ዀይኑ፡ ሓደ ስታድዩም 185 ሜተር እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ