ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ijwhf ዓንቀጽ 1
  • ንቝጥዓኻ ብኸመይ ትቈጻጸሮ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንቝጥዓኻ ብኸመይ ትቈጻጸሮ፧
  • ንስድራ ቤት
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ክትፈልጦ ዘሎካ ነገር
  • ክትገብሮ እትኽእል ነገራት
  • መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ቝጥዓ እንታይ ይብል፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ኣብ ሓዳር ዘይምስምማዕ ምስ ዚፍጠር
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
  • ምእንቲ ከይትሓጥእ ቍጥዓኻ ተቘጻጸር
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ‘ምስትውዓል ንሰብ ንቝጥዓ ደንጓዪ ይገብሮ’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
ዝያዳ ርአ
ንስድራ ቤት
ijwhf ዓንቀጽ 1
ሓንቲ ሰበይቲ፡ ንሳ ኣቕሑ ኽትሓጽብ ከላ፡ ሰብኣያ ተለቪዥን ይርኢ ብምህላዉ ትቝጣዕ

ንስድራ ቤት

ንቝጥዓኻ ብኸመይ ትቈጻጸሮ፧

መጻምድትኻ ዜቘጥዓካ ነገር ይዛረብ ወይ ይገብር፣ ንስኻ ድማ ንቝጥዓኻ ኽትዓብጦ ትፍትን። ግናኸ፡ መጻምድትኻ ገለ ኸም ዝዀንካ ኣስተብሂሉ፡ ኪትዅትዀካ ይፍትን። እዚ ኸኣ ብዝያዳ የበሳጭወካ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ዅነታት ከመይ ጌርካ ንቝጥዓኻ ኽትቈጻጸር ትኽእል፧

  • ክትፈልጦ ዘሎካ ነገር

  • ክትገብሮ እትኽእል ነገራት

ክትፈልጦ ዘሎካ ነገር

  • ቍጥዓኻ ምፍናውካ፡ ንጥዕናኻ ይሃስዮ። ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ዝዀነ ቝጥዓ ንልዑል ጸቕጢ ደምን ንሕማም ልብን ንሕዱር ጭንቀትን ንጸገማት ምሕቃቕ ምግብን ከም ዜቃልዕ፡ ምርምራት ይሕብር እዩ። ቍጥዓ ምስ ምስኣን ድቃስን ምብዛሕ ጭንቀትን ጸገማት ቈርበትን ወቕዕን እውን ምትሕሓዝ ከም ዘለዎ ይግለጽ እዩ። እምበኣር፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ናብ ክፉእ ጥራይ እዩ ኺመርሕ ዚኽእል እሞ፡ ኣይትሕረቕ” ኪብል ሓቁ እዩ።—መዝሙር 37:8፡ እግረ ጽሑፍ።

  • ቍጥዓኻ ምዕባጥካ እውን፡ ኪጐድኣካ ይኽእል። ንቝጥዓኻ ኣብ ውሽጥኻ እንተ ሒዝካዮ፡ ብውሽጢ ውሽጢ ኸም ዚጐድእ ሕማም ኪዀነካ ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ኣሉታዊ ወይ ነቐፌታዊ ኣረኣእያ ኸተማዕብል ትኽእል ኢኻ። እዚ ኣረኣእያ እዚ ድማ ንህይወትካ ኣጸጋሚ ኺገብሮን ንሓዳርካ ኺጐድኦን ይኽእል እዩ።

ክትገብሮ እትኽእል ነገራት

  • ኣብ ጽቡቕ ባህርያት መጻምድትኻ ኣተኵር። ንመጻምድትኻ እትንእደሉ ሰለስተ ነገር ዘርዝር። ኣብ ዚቕጽል ብመጻምድትኻ ኽትቍጣዕ ከለኻ፡ ብዛዕባ እተን ባህርያቱ ሕሰብ። እዚ ኸኣ ንቝጥዓኻ ንምቍጽጻር ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።

    ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ኣመስገንቲ . . . ኩኑ።”—ቈሎሴ 3:15።

    ሓንቲ ስራሕ ዝበዝሓ ሰበይቲ፡ ሰብኣያ ኣብ ዕዮ ገዛ ብኸመይ ከም ዚሕግዛን ሓሳባታ ብኸመይ ከም ዚሰምዓን ምስ ሓመመት ብኸመይ ከም ዚከናኸናን ትሓስብ
  • ይቕረ በሃሊ ኹን። ፈለማ፡ ነቲ ጕዳይ ብዓይኒ መጻምድትኻ ኽትርእዮ ፈትን። እዚ ድማ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “እትደናገጹ . . . ኹኑ” ብምባል ዝጠቐሶ ባህርይ ከተማዕብል ኪሕግዘካ እዩ። (1 ጴጥሮስ 3:8) ድሕሪኡ፡ ንርእስኻ፡ ‘እቲ እተቘጣዕኩሉ ምኽንያት ክሳዕ ክንድቲ ዓብዪ ስለ ዝዀነ ድየ ይቕረ ኽብል ዘይክእል፧’ ኢልካ ሕተታ።

    ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “በደል ዕሽሽ ምባል . . . [ንሰብ] የጸብቐሉ።”—ምሳሌ 19:11።

  • ስምዒትካ ብለውሃትን ብሜላን ግለጽ። ኣብ ስምዒትካ ኣተኲርካ ተዛረብ። ንኣብነት፡ “ተሌፎን ደዊልካ ኣበይ ከም ዘለኻ ዘይምንጋርካ፡ ከም ዘይትሓሊ እዩ ዜርኢ” ኣብ ክንዲ እትብል፡ “ከተምሲ ኸለኻ፡ ‘ደሓን ድዩ፧’ ኢለ እሻቐል እየ” በል። ሓሳባትካ ብልእመት ምስ እትገልጽ፡ ንቝጥዓኻ ኽትቈጻጸሮ ትኽእል ኢኻ።

    ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ዘረባኹም ብጨው እተቓመመ፡ ኵሉ ሳዕ ጥዑም ይኹን።”—ቈሎሴ 4:6።

  • ተጠንቂቕካ ስማዕ። ሓሳባትካ ምስ ገለጽካ፡ ንመጻምድትኻ ኸይኰለፍካ ስምዓዮ። መጻምድትኻ ተዛሪቡ ምስ ወድአ፡ ነቲ እተባህለ ብልክዕ ከም እተረዳእካዮ ንምርግጋጽ፡ መሊስካ ብኻልእ ቃላት ጥቐሶ። ክትሰምዕ ፍቓደኛ ምዃንካ፡ ቍጥዓኻ ኣብ ምቍጽጻር ዓብዪ ግደ ኣለዎ።

    ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ኵሉ ሰብ ንምስማዕ ቅልጡፍ፡ ንምዝራብ ደንጓዪ . . . ይኹን።”—ያእቆብ 1:19።

ቲምን ጀኒፈርን

“ቍጥዓኻ እንተ ዓቢጥካዮ፡ እቲ ጸገም መመሊሱ እዩ ዚቕልቀል፡ ኣብ መወዳእታኡ ድማ ትትኰስ። ነቲ ጸገም ብኣኽብሮት እንተ ተመያየጥካሉ ይሓይሽ። ኣነን ሰብኣየይን፡ ብዛዕባ ሓደ ጸገም ተዛራሪብና ምስ ወዳእና፡ ‘ሕጂ ናብ ቀደምና ንመለስ’ እብሎ እየ።”—ጀኒፈር ምስ ብዓል ቤታ ቲም።

ጄድን ኮሪን

“ገለ ኻብቲ ንሰብኣየይ ብዙሕ ዘመስግነሉ ነገር፡ ወትሩ ይሰምዓንን ንዜተሓሳስበኒ ነገር ይቕበሎን እዩ። ዋላ እኳ ምሳይ እንተ ዘይተሰማምዐ፡ ንኣረኣእያይ ኣብ ግምት የእትዎ እዩ። ብምኽንያት ስምዒተይ፡ ከም ዝዓሸኹ ገይሩ ርእዩኒ ኣይፈልጥን እዩ።”—ጄድ ምስ ብዓል ቤታ ኮሪ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ