ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ijwbq ዓንቀጽ 133
  • ነፊሊም እንታዎት እዮም ነይሮም፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ነፊሊም እንታዎት እዮም ነይሮም፧
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • ንዓመጸኛታት ብኣረኣእያ ኣምላኽ ዲኻ እትምልከቶም፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
  • ኖህ ሞገስ ኣምላኽ ዝረኸበ ስለምንታይ እዩ፧ ንዓና ዜገድሰናኸ ስለምንታይ እዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ኖህ ብእምነቱ ንዓለም ኰነና
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
ዝያዳ ርአ
መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
ijwbq ዓንቀጽ 133
ዓመጽቲ ነፊሊም

ነፊሊም እንታዎት እዮም ነይሮም፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

ነፊሊም፡ ብግዜ ኖህ እኩያት መላእኽቲ ምስ ሰብኣውያን ደቂ ኣንስትዮ ምስ ተዋሰቡ ዝወለድዎም ንጉዓት ዝዀኑ ዓመጽቲ ልዕለ ሰብኣውያን ውሉዳት እዮም ነይሮም።a

እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጸብጻብ፡ “እቶም ደቂ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ፡ እተን ኣዋልድ ሰባት መልክዐኛታት ምዃነን ረኣዩ” ይብል። (ዘፍጥረት 6:2) እዞም ‘ደቂ ኣምላኽ’ እዚኦም፡ እቶም ኣብ ሰማይ ንዝነበረ ‘መንበሪኦም ሓዲጎም’ ስጋ ዝለበሱ፡ “ዘዝሓረይወን ኣንስቲ” ድማ ዝወሰዱ ኻብ ኣምላኽ ዝዓለዉ መንፈሳውያን ፍጡራት እዮም።—ይሁዳ 6፣ ዘፍጥረት 6:2።

እቶም በዚ ዘይባህርያዊ መውስቦ እዚ እተወልዱ ደቓሉ፡ ከም ካልኦት ውሉዳት ኣይነበሩን። (ዘፍጥረት 6:4) ነፊሊም ንምድሪ ብዓመጻ ዝመልእዋ ጨቈንቲ ንጉዓት እዮም ነይሮም። (ዘፍጥረት 6:13) መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ስሙያት ዝነበሩ ናይ ጥንቲ ጀጋኑ” ብምባል ይገልጾም። (ዘፍጥረት 6:4) ዓመጻን ፍርህን ኣውሪሶም ድማ እዮም ሓሊፎም።—ዘፍጥረት 6:5፣ ዘሁልቍ 13:33።b

ብዛዕባ ነፊሊም ዘሎ ግጉይ ምርዳእ

ግጉይ ርድኢት፦ ነፊሊም ገና ኣብ ምድሪ ብህይወት ኣለዉ።

ሓቂ፦ የሆዋ ነታ ብዓመጻ መሊኣ ዝነበረት ዓለም ንምጥፋእ፡ ዓለምለኻዊ ማይ ኣይሂ ኣምጽአ። እቶም ነፊሊም ከኣ ምስ ኵሎም እቶም እኩያት ሰባት ተደምሰሱ። ኖህን ስድራ ቤቱን ግና ስምረት የሆዋ ስለ ዝረኸቡ፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ንበይኖም ብህይወት ተረፉ።—ዘፍጥረት 6:9፣ 7:12, 13, 23፣ 2 ጴጥሮስ 2:5።

ግጉይ ርድኢት፦ ነፊሊም ካብ ሰብኣውያን ኣቦታት እዮም ተወሊዶም።

ሓቂ፦ ኣቦታቶም፡ “ደቂ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ” ተባሂሎም ተጸዊዖም ኣለዉ። (ዘፍጥረት 6:2) መጽሓፍ ቅዱስ ንመላእኽቲ ንምምልካት፡ ነዚ መግለጺ እዚ ይጥቀም እዩ። (እዮብ 1:6፣ 2:1፣ 38:7) መላእኽቲ፡ ስጋ ሰብ ናይ ምልባስ ክእለት ነይርዎም እዩ። (ዘፍጥረት 19:1-5፣ እያሱ 5:13-15) ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ ብዛዕባ እቶም “ቀደም ብዘመን ኖህ፡ ኣምላኽ ብትዕግስቲ ኺጽበ ኸሎ፡ . . . ዘይተኣዘዙ፡” “ኣብ ቤት ማእሰርቲ እተኣስሩ መናፍስቲ” ተዛሪቡ እዩ። (1 ጴጥሮስ 3:19, 20) ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ ይሁዳ ኸኣ፡ ምስቲ ሃዋርያ ጴጥሮስ ዝጠቐሶ ዅነታት ብዚመሳሰል፡ “መንበሪኦም ዝሓደጉ እምበር፡ ቦታኦም ዘይሓለዉ” መላእኽቲ ኸም ዝነበሩ ገሊጹ እዩ።—ይሁዳ 6።

ግጉይ ርድኢት፦ ነፊሊም ነቶም ሓጥኣን መላእኽቲ እዮም ዜመልክቱ።

ሓቂ፦ ኣብ ከባቢ ዘፍጥረት 6:4 ዚርከብ ሓሳባት ከም ዚሕብሮ፡ ነፊሊም፡ መላእኽቲ ዘይኰኑስ፡ ስጋ ዝለበሱ መላእኽቲ ምስ ኣንስቲ ብዝገበርዎ ጾታዊ ርክብ እተወልዱ ደቓሉ እዮም። እቶም መላእኽቲ፡ “ዘዝሓረይወን ኣንስቲ” ምስ ወሰዱ፡ ኣብ ውሽጢ 120 ዓመት ኣብ ልዕሊ እታ ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበረት ፍርሃት ኣምላኽ ዘይነበራ ዓለም ስጕምቲ ኸም ዚወስድ የሆዋ ተዛረበ። (ዘፍጥረት 6:1-3) እቲ ጸብጻብ ቀጺሉ፡ “በተን መዓልትታት እቲአን፡” ስጋ ዝለበሱ መላእኽቲ፡ “ናብተን ኣዋልድ ሰባት” ከም ዝኣተዉ፡ “ናይ ጥንቲ ጀጋኑ፡” ማለት ነፊሊም ድማ ከም ዝወለዱ ይገልጽ።—ዘፍጥረት 6:4።

a እቶም ኣብ ዘሁልቍ 13:33 ተጠቒሶም ዘለዉ እስራኤላውያን ሰለይቲ፡ ንዛንታ እቶም ዘመናት ኣቐዲሞም ዝሞቱ ነፊሊም ዘዘኻኸርዎም ገዘፍቲ ሰባት ከም ዝረኣዩ ርዱእ እዩ።—ዘፍጥረት 7:21-23።

b ትርጉም እታ “ነፊሊም” እትንበብ ናይ እብራይስጢ ቓል፡ “ኣውደቕቲ” ኪኸውን ይኽእል እዩ። ዊልሶንስ ኦልድ ተስታመንት ዎርድ ስታዲስ ዚብሃል መዝገበ ቓላት፡ እታ ቓል ነቶም “ብዓመጻን ብዘረፋን ንሰባት ዜውድቑ” ኸም እተመልክት ይገልጽ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ