ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ijwbq ዓንቀጽ 119
  • ቃል ኣምላኽ መን ወይ እንታይ እዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ቃል ኣምላኽ መን ወይ እንታይ እዩ፧
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • የሱስ ወዲ ኣምላኽ ተባሂሉ ዚጽዋዕ ስለምንታይ እዩ፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ብዛዕባ ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ
    መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧
  • የሱስ ክርስቶስ መን እዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
  • የሱስ ክርስቶስ መን እዩ፧
    መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧
ዝያዳ ርአ
መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
ijwbq ዓንቀጽ 119
የሱስ ጥቕላል ሒዙ ይዛረብ

ቃል ኣምላኽ መን ወይ እንታይ እዩ፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

እታ “ቓል ኣምላኽ” እትብል ሓረግ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ንሓደ ወይ ንእኩብ መልእኽቲ ኣምላኽ እያ እተመልክት። (ሉቃስ 11:28) ኣብ ሒደት ኣጋጣሚታት ድማ፡ “ቃል ኣምላኽ” ወይ “ቃል” ከም ብሕታዊ መዓርግ ኰይኑ ተዓይዩሉ ኣሎ።—ራእይ 19:13፣ ዮሃንስ 1:14።

መልእኽቲ ኣምላኽ። ነብያት መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ዜብጽሕዎ ዝነበሩ መልእኽቲ፡ ቃል ኣምላኽ ከም ዝዀነ ይገልጹ ነይሮም እዮም። ንኣብነት፡ ኤርምያስ ነቲ ትንቢታዊ መልእኽቱ ኼላሊ ኸሎ፡ “ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ መጸኒ” ኢሉ እዩ። (ኤርምያስ 1:4, 11, 13፣ 2:1) ነብዪ ሳሙኤል ንሳኦል፡ ኣምላኽ ንጉስ ኪኸውን ከም ዝሓረዮ ቕድሚ ምንጋሩ፡ “ቃል ኣምላኽ ከስምዓካስ፡ ሕጂ ደው በል” ኢልዎ እዩ።—1 ሳሙኤል 9:27።

ብሕታዊ መዓርግ። እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ፡ “ቃል” እትብል መጸውዒ ነቲ ኣብ ሰማይ መንፈሳዊ ፍጡር፡ ኣብ ምድሪ ድማ ወዲ ሰብ ኰይኑ ዚነብር ዝነበረ የሱስ ክርስቶስ እተዋህበቶ መዓርግ እያ። ኣብዚ መደምደምታ እዚ ዜብጽሓና ምኽንያታት እስከ ንርአ፦

  • ቃል ቅድሚ ዝዀነ ይኹን ፍጡር ይነብር ነይሩ። “ቃል ብመጀመርታ ነበረ፣ . . . እዚ ብመጀመርታ ምስ ኣምላኽ ነበረ።” (ዮሃንስ 1:1, 2) የሱስ፡ “በዅሪ ዅሉ ፍጥረት እዩ . . . ንሱ ድማ ቅድሚ ዅሉ እዩ።”—ቈሎሴ 1:13-15, 17።

  • ቃል፡ ወዲ ሰብ ኰይኑ ናብ ምድሪ መጺኡ። “እቲ ቓል ስጋ ዀነ፡ ኣብ መንጎና እውን ነበረ።” (ዮሃንስ 1:14) ክርስቶስ የሱስ፡ “ገዛእ ርእሱ ባዶ ገይሩ፡ መልክዕ ባርያ ወሲዱ፡ ሰብ እውን ኰይኑ እዩ።”—ፊልጲ 2:5-7።

  • ቃል፡ ወዲ ኣምላኽ እዩ። ሃዋርያ ዮሃንስ ከምቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቐሰ፡ “እቲ ቓል ስጋ ዀነ” ድሕሪ ምባሉ፡ ቀጺሉ፡ “ክብሩ ድማ ከምቲ ንኣቦኡ ሓደ ዝዀነ ወዲ ዚረኽቦ ኽብሪ ረኣና” ኢሉ እዩ። (ዮሃንስ 1:14) ብዘይካዚ፡ ዮሃንስ፡ “የሱስ ወዲ ኣምላኽ” ምዃኑ ገሊጹ እዩ።—1 ዮሃንስ 4:15።

  • ቃል ባህርያት ኣምላኽ ኣለዎ። “እቲ ቓል እውን መለኮታዊ ባህርይ ዘለዎ [ወይ፡ “ኣምላኽነት ዘለዎ”] ነበረ።” (ዮሃንስ 1:1፡ እግረ ጽሑፍ) የሱስ፡ “ነጸብራቕ ክብሪ ኣምላኽን ልክዕ ምስሊ ባህርዩን እዩ።”—እብራውያን 1:2, 3።

  • ቃል፡ ንጉስ ኰይኑ ይገዝእ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ ርእሲ እቲ ቓል ኣምላኽ፡ “ብዙሕ ዘውድታት” ከም ዘሎ ይገልጽ እዩ። (ራእይ 19:12, 13) ብዘይካዚ፡ እቲ ቓል፡ “ንጉሰ ነገስትን ጐይታ ጐይተትን” ተባሂሉ ተጸዊዑ ኣሎ። (ራእይ 19:16) ንየሱስ እውን እዚ መዓርግ እዚ ተዋሂብዎ እዩ።—1 ጢሞቴዎስ 6:14, 15።

  • ቃል፡ ኣፈኛ ኣምላኽ ኰይኑ ይዓዪ እዩ። እታ፡ “ቃል” እትብል መዓርግ፡ እቲ በዛ ስም እዚኣ ዚጽዋዕ ኣካል፡ ኣምላኽ መልእኽቱን መምርሒኡን ንምምሕልላፍ ዚጥቀመሉ ምዃኑ ትገልጽ። የሱስ እዚ ግደ እዚ ኸም ዝነበሮ ኺገልጽ ከሎ፡ “እቲ ዝለኣኸኒ ኣቦ ባዕሉ ደኣ እንታይ ከም ዝብልን እንታይ ከም ዝዛረብን ሂቡኒ እምበር፡ ካብ ርእሰይ ኣይዛረብን እየ። . . . ስለዚ፡ እቲ ኣነ ዝዛረቦ፡ ከምቲ ኣቦ ዝነገረኒ ኸምኡ እየ ዝዛረብ” ኢሉ እዩ።—ዮሃንስ 12:49, 50።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ