ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ijwyp ዓንቀጽ 48
  • ኣከዳድናይ እንታይ ዓይነት እዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣከዳድናይ እንታይ ዓይነት እዩ፧
  • መንእሰያት ዚሓትትዎ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሰለስተ ዓበይቲ ጌጋታት ቅድን ብኸመይ ከም እተወግዶን
  • 11 ክዳውንተይ ነቲ ናይ ሓቂ እንታይነተይ ዝገልጽ ድዩ፧
    መንእሰያት ዝሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን
  • ኣከዳድናኻ ንኣምላኽ የኽብሮ ድዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)—2016
  • ምስ ውሉድካ ብዘይ ቈይቊ ተዘራረብ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
መንእሰያት ዚሓትትዎ
ijwyp ዓንቀጽ 48
መንእሰያት ክዳውንቲ ይዕድጉ

መንእሰያት ዚሓትትዎ

ኣከዳድናይ እንታይ ዓይነት እዩ፧

ብዛዕባ ኣከዳድናኻ ኽትግደስ ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧ ምኽንያቱ፡ ኣከዳድና መልእኽቲ የመሓላልፍ እዩ። ኣከዳድናኻ እንታይ ዓይነት መልእኽቲ እዩ ዜመሓላልፍ፧

  • ሰለስተ ዓበይቲ ጌጋታት ቅድን ብኸመይ ከም እተወግዶን

  • መዛኑኻ እንታይ ይብሉ፧

ሰለስተ ዓበይቲ ጌጋታት ቅድን ብኸመይ ከም እተወግዶን

ጌጋ ቊጽሪ 1፦ ሚድያ ኣከዳድናኻ ኺውስነልካ ምፍቃድ

ተረሳ እተባህለት ጐርዞ፡ “ሓድሓደ ግዜ ብዙሕ መወዓውዒታት ስለ ዝርኢ፡ እሰሓብ እየ ድሕሪ ምባላ፡ ኣእምሮኻ ብምስሊ ሓደ ዓይነት ቅዲ ዚኽደኑ ሰባት እንተ መሊኡ፡ ክትስዕቦም ትፍተን ኢኻ” ትብል።

ብመወዓውዒ ዚጽለዋ ኣዋልድ ጥራይ ኣይኰናን። ዘ አቭሪ ቲንግ ጋይድ ቱ ረይዚንግ ኣዶለሰንት ቦይስ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ “ኣወዳት እውን ብቕዲ ይጽለዉ እዮም” ድሕሪ ምባላ፡ “ንሳቶም እውን ዕላማ ነጋዶ ኻብ ምዃን ኣየምልጡን እዮም” ትብል።

ዝበለጸ መገዲ፦ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ገርሂ፡ ኵሉ ቓል ይኣምን፣ ጐራሕ ግና ንስጕምትታቱ ተጠንቂቑ ይሓስበለን” ይብል። (ምሳሌ 14:15) ምስዚ መሰረታዊ ስርዓት እዚ ብምስምማዕ፡ ንመወዓውዒ ኣድቂቕካ መርምሮ። ንኣብነት፡ ምስ ክዳን እተተሓሓዘ መወዓውዒ ኪቐርብ ከሎ፡ ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተታ፦

  • “ነዚ ቕዲ እዚ እንተ ስዒበ መን እዩ ዚረብሕ፧”

  • “እቲ ቕዲ ምስ ኣየኖት ሰባት እዩ ዜመድበኒ፧”

  • “ብዛዕባይን ብዛዕባ መትከላተይን ብልክዕ ይገልጽ ድዩ፧”

ጠቓሚ ምኽሪ፦ ንሓደ ሰሙን ዚኸውን ንመወዓውዒ ኽዳውንትን ኣብ ቅዲ ንዘተኰረ ገሊኡ ሚድያን ተጠንቂቕካ ኣቕልበሉ። ብዛዕባ እንታይ ዓይነት ኣነባብራ ዘለዎም ሰባት እዩ ዜወዓውዕ፧ ሓደ ዓይነት ኣነባብራ ኽትስዕብ ከም ዜድልየካ ዜመሓላልፍ ስዉር መልእኽቲ ሒዙዶ ኣሎ፧ ካረን እተባህለት መንእሰይ፡ “ብሉጽ መሲልካ ኽትርአን ብሉጽ ክዳን ክትክደንን ብሉጽ ክፋል ሰብነትካ ኸተርእን ከቢድ ጸቕጢ እዩ ዚግበረልካ” በለት። ኣስዕብ ኣቢላ እውን፡ “ነዚ ዚግንዘቡ መወዓዋዕቲ ንመንእሰያት ብቕሊሉ ኺጸልዉዎም ከም ዚኽእሉ ይፈልጡ እዮም” በለት።

ጌጋ ቊጽሪ 2፦ ተቐባልነት ምእንቲ ኽትረክብ ከም ሰብካ ተኸደን

ማኑዌል እተባህለ መንእሰይ፡ “ሓደ ዓይነት ቅዲ ኽዳን እንተ መጺኡ፡ ኵሉ ሰብ ኪኽደኖ እዩ ዚደሊ። እንተ ዘይተኸዲንካዮ ኸኣ ሰባት ከም ስግንጢር እዮም ዚርእዩኻ” በለ። ኣና እተባህለት መንእሰይ እውን ምስዚ ሓሳብ እዚ ብምስምማዕ፡ “ዝያዳ ዜተሓሳስበካ እቲ ቕዲ ዘይኰነስ ተቐባልነት ምርካብ እዩ” በለት።

ብሉጽ መገዲ፦ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ደጊም በዚ ስርዓት እዚ ኣይትቀረጹ” ይብል። (ሮሜ 12:2) ምስዚ ምኽሪ እዚ ብምስምማዕ፡ እንዳ ኽዳውንትኻ ብምርኣይ ንርእስኻ ኸምዚ ዚስዕብ ኢልካ ሕተታ፦

  • ‘ብቐዳምነት ንኣመራርጻ ኽዳውንተይ ዚጸልዎ ረቛሒታት እንታይ እዩ።’

  • ‘ብሓደ ህቡብ ትካል እተሰርሐ ቕዲ፡ ክሳዕ ክንደይ እዩ ዜገድሰኒ፧’

  • ‘ብኣከዳድናይ ቀልቢ ሰባት ኪስሕብ እፍትን ድየ፧’

ጠቓሚ ምኽሪ፦ ኣብ ክንዲ ኣብ ክልተ ኣማራጺታት፡ ማለት ሰዓቢ ቕዲ ኽትከውንን ተቐባልነት ክትረክብን ወይ ከኣ ድሑር ክትከውንን ክትግለልን ጥራይ ኣብ ክንዲ ትሓስብ፡ ሳልሳይ ኣማራጺ እውን፡ ማለት ርእሰ ተኣማንነትን ውሕስነትን ዘለዎ ኣማራጺ እውን ሕሰብ። ብዛዕባ ርእስኻ ዝያዳ ምትእምማን ኪህልወካ ኸሎ፡ ብዛዕባ ተቐባልነት ምርካብ ክሳዕ ክንድቲ ኣየተሓሳስበካን እዩ።

ጌጋ ቊጽሪ 3፦ ስምዒት ዜላዕል ክዳን፡ ዝሓሸ ኽዳን እዩ ኢልካ ምሕሳብ

ጀኒፈር እተባህለት ጓል፡ “ግደ ሓቂ ሓድሓደ ግዜ ሰብነትካ ዜቃልዕ፡ ማለት ኣመና ሓጺር፡ ወይ ኣመና ጥብቕ ዝበለ፡ ወይ ኣመና ረቂቕ ክዳን ክትክደን ትፍተን ኢኻ” በለት።

ዝበለጸ መገዲ፦ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ስልማትክን ደጋዊ፡ ኣይኹን፣ የግዳስ፡  . . . ኣብ ልቢ ዘሎ ሕቡእ ሰብ ይኹን” ይብል። (1 ጴጥሮስ 3:3, 4) ምስዚ ምኽሪ እዚ ብምስምማዕ፡ ዝያዳ ማራኺ ዚብሃል እንታይ ዓይነት ኣከዳድና ምዃኑ ሕሰብ፡ ንዓይኒ ዚማርኽዶ ወይስ ንልቢ ዚማርኽ፧

ጠቓሚ ምኽሪ፦ ዜጸብቐልካ ነገር ትሕትና እዩ። ኣብዚ ግዜ እዚ ትሕትና ፍትውቲ ቓል ከም ዘይኰነት ፍሉጥ እዩ። ግናኸ፡ ብዛዕባኣ ኸምዚ ዚስዕብ ኢልካ ሕሰብ፦

ምስ ሓደ ብዙሕ ዚዛረብ እሞ፡ ብዛዕባ ርእሱ ጥራይ ዚዛረብ ሰብ ተዘራሪብካዶ ትፈልጥ፧ እቲ ዘሕዝን ግና፡ እቲ ሰብ እቲ፡ ይጐስየካ ኸም ዘሎ ምንም ኣየስተብህልን ይኸውን።

ሓደ መንእሰይ ኣብ ክዳውንቱ ኣቓልቦ ንምስሓብ ኪጽዕር ከሎ፡ ካልኦት መንእሰያት ቅጭ ይመጾም

ኣከዳድና፡ ልክዕ ከም ኣዘራርባ፡ ኣብ ጥቓኻ ንዘለዉ ሰባት ኣርሒቑ፡ ኣብ ርእስኻ ጥራይ ከም እተተኵር ኪገብረካ ይኽእል እዩ።

ትሕትና ዘየንጸባርቕ ክዳን እንተ ተኸዲንካ፡ ነቲ ሰብ እቲ ኢኻ እትመስል። ከምዚ ዓይነት ኣከዳድና፡ ‘ጠምቱኒ!’ ዚብል መልእኽቲ እዩ ዜመሓላልፍ። እዚ ኸኣ፡ ብርእስኻ ዘይትተኣማመን ወይ ከኣ ኣብ ርእስኻ ጥራይ እተተኵር ኬምስለካ ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ፡ ዝዀነ ይኹን ቈላሕታ—ግጉይ ዓይነት እውን ከይተረፈ—ኪግበረልካ ኸም እትደሊ ኼምስለካ ይኽእል እዩ።

ንዘይትሸጦ ነገር ኣብ ክንዲ እተወዓውዕ፡ ትሕትና ኽትለብስ ጸዓር። ሞኒካ እተባህለት ጐርዞ፡ “ትሕትና ምልባስ ኪብሃል ከሎ፡ ከም ዓባይካ ክትለብስ ኣሎካ፡ ማለት ኣይኰነን፡ የግዳስ፡ ንርእስኻን ንኻልኦትን ምኽባር ማለት እዩ” በለት።

መዛኑኻ እንታይ ይብሉ

ብሪያና

“ስለ ዝረጐድኩ ዘይኰነስ፡ ኣብ ሰብነተይ ዚጠብቕ ክዳውንቲ ክኽደን ስለ ዘይደሊ፡ ግፍሕ ዝበለ ክዳውንቲ ዓደግኩ። እሞኸ፡ እንታይ ዘጋጠመኒ ይመስለኩም፧ ሰባት ‘ነኪኺ ዲኺ’ ኢሎም ኪሓቱኒ ጀሚሮም። ትሕትና ዜንጸባርቕ ክዳን ክትክደን ከለኻ የጸብቐልካ እዩ።”—ብሪያና

ከረን

“ከም ሓቂ ትሕትና ዜንጸባርቕ ክዳን ክኽደን እዩ ዚብርሃኒ። እዚ ኸኣ፡ የጸብቕለይ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ዝኸድኩ ኸይደ ክርስትያን ምዃነይ ክዛረብ ስለ ዝኽእልን ትርኢተይ ምስ እምነተይ ከይጋጮ ስለ ዘየሰክፈንን ፍኹስ እዩ ዝብለኒ።”—ከረን

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ