ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ijwbq ዓንቀጽ 78
  • ኣምላኽ ኣሎ ድዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣምላኽ ኣሎ ድዩ፧
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • ኣምላኽ ኣሎ ድዩ፧ ብዛዕባ እዚ ምፍላጥካ ዚጸልወካ ብኸመይ እዩ፧
    ንቕሑ!—2015
  • ናይ ዝለዓለ ጥበብ እንኮ ምንጪ
    ዕላማ ህይወት እንታይ ኢዩ፧ ብኸመይ ክትረኽቦ ትኽእል፧
  • ፈጣሪ ንህይወትካ ትርጕም ዘለዎ ክገብሮ ይኽእል ኢዩ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • እቲ ጸሎት ዚሰምዕ ኣካል መን እዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
ዝያዳ ርአ
መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
ijwbq ዓንቀጽ 78
ጩራ ጸሓይ ንደበናታት ሰንጢቑ ይሓልፍ

ኣምላኽ ኣሎ ድዩ፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

እወ፣ መጽሓፍ ቅዱስ ኣምላኽ ከም ዘሎ ዚሕብር ሓያል መርትዖ የቕርብ እዩ። ንሃይማኖታዊ እምነታት ብዕሙትና ኽንኣምኖ ዘይኰነስ፡ ‘ኣእምሮና ተጠቒምና’ ኣብ ኣምላኽ እምነት ከነሕድር እዩ ዜተባብዓና። (ሮሜ 12:1፣ 1 ዮሃንስ 5:20፡ እግረ ጽሑፍ) ነዚ ዚስዕብ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ መርትዖታት እሞ ንርአ፦

  • ህይወት ሒዙ ዚርከብ ብስርዓት ዚዓዪ ዩኒቨርስ ምህላዉ፡ ፈጣሪ ኸም ዘሎ ዚሕብር እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ቤት ዘበለትሲ ሰራሒኣ ኣለዋ፣ እቲ ንዅሉ ዝሰርሐ ግና ኣምላኽ እዩ” ይብል። (እብራውያን 3:4) እዚ ቐሊል ሓሳባት እኳ እንተ ዀነ፡ ብዙሓት ምሁራት ሓያል ስነ መጐት ኰይኑ ረኺቦምዎ እዮም።a

  • ከም ሰብ መጠን፡ ትርጉምን ዕላማን ህይወት ናይ ምፍላጥ ተፈጥሮኣዊ ባህጊ ኣሎና፣ እዚ ኸኣ እቲ ብስጋ ዜድልየና ነገራት ምስ ተማልኣልና እውን ከይተረፈ ዚቕጽል ዓይነት ህርፋን እዩ። እዚ ሓደ ኽፋል እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚጠቕሶ ‘መንፈሳዊ ህርፋን’ ኰይኑ፡ ነቲ ንኣምላኽ ክንፈልጦን ከነምልኾን ዘሎና ባህጊ ዜጠቓልል እዩ። (ማቴዎስ 5:3፣ ራእይ 4:11) እዚ ንመንፈሳዊ ነገራት ዘሎና ህርፋን፡ ኣምላኽ ከም ዘሎ መርትዖ ይዀነና ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነዚ ህርፋን እዚ ኸነዕግቦ ዚደልየና ፈቃር ፈጣሪ ኸም ዝዀነ እውን ዚሕብር እዩ።—ማቴዎስ 4:4።

  • እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ዝርዝር ሓበሬታ ዝሓዘ ትንቢታት፡ ቅድሚ እቲ ፍጻመ ዘመናት ኣቐዲሙ እኳ እንተ ተጻሕፈ፡ ብልክዕ ግና ተፈጺሙ እዩ። ኣብቲ ትንቢታት ዘሎ ልክዕነትን ዝርዝር ሓበሬታን፡ እቲ ትንቢታት ካብ ልዕለ ሰብኣዊ ምንጪ ዝመጸ ኸም ዝዀነ ዚሕብር እዩ።—2 ጴጥሮስ 1:21።

  • ምድሪ ኻብ ጠፈር ክትርአ ኸላ

    ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ ዘመኖም ዝነበሩ ሰባት ዘይነበሮም ስነ ፍልጠታዊ ምርዳእ ነይርዎም እዩ። ንኣብነት፡ ጥንቲ ዝነበሩ ብዙሓት ሰባት፡ ምድሪ ብኸም ሓርማዝ፡ መፍለስ፡ ወይ ብዕራይ ዝኣመሰሉ እንስሳታት ከም እተደገፈት እዮም ዚኣምኑ ነይሮም። ብኣንጻሩ ግና መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ “ንምድሪ ኣብ ገለ ዘይብሉ የንጠልጥላ” እዩ ዚብል። (እዮብ 26:7) ብተመሳሳሊ፡ ቅርጺ ምድሪ፡ “ድምብልብሎ” ኸም ዝዀነ ብልክዕ ይገልጽ እዩ። (ኢሳይያስ 40:22፡ እግረ ጽሑፍ) ብዙሓት ሰባት ከም ዚኣምኑሉ፡ ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ዝኣመሰለ ምዕቡል ምርዳእ ኪህልዎም ዝኸኣለሉ ርትዓዊ ምኽንያት፡ ነዚ ሓበሬታ እዚ ኻብ ኣምላኽ ስለ እተቐበልዎ እዩ።

  • መጽሓፍ ቅዱስ ንሓያሎ ኻብቲ ዜዕግብ መልሲ እንተ ዘይረኺቡ ንሓደ ሰብ ኣምላኽ ከም ዘየለ ናብ ምእማን ኪመርሖ ዚኽእል ከቢድ ሕቶታት ይምልስ እዩ። ገለ ኻብዚ ሕቶታት እዚ፦ ኣምላኽ ፈቃርን ሓያልን እንተ ዀይኑ፡ ኣብ ዓለም መከራን እከይን ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧ ሃይማኖት መብዛሕትኡ እዋን ኣብ ክንዲ ጽቡቕ፡ ሕማቕ ጽልዋ እትገብር ዘላ ስለምንታይ እያ፧—ቲቶስ 1:16።

a ንኣብነት፡ ኣለን ሳንዴጅ ዚብሃል ተመራማሪ ስነ ኰዀብ ብዛዕባ ዩኒቨርስ ከምዚ ኢሉ እዩ፦ “ከምዚ ዝኣመሰለ ስርዓት ብሃውሪ ኺመጽእ ዘይከውን እዩ። ስርዓት ዘትሓዞ ኣካል ኪህሉ ኣለዎ። ንዓይ ኣምላኽ ምስጢር እኳ እንተ ዀነ፡ ነቲ ተኣምር ዝዀነ ህላወ ኻበይ ከም ዝመጸ፡ ማለት ነገራት ኪህሉ ዝኸኣለ ስለምንታይ እዩ ንዚብል ሕቶ መልሲ ዚዀነኒ ግና ንሱ ጥራይ እዩ።”

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ