ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ijwbq ዓንቀጽ 74
  • 666 እንታይ ማለት እዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • 666 እንታይ ማለት እዩ፧
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • ነቲ ኣራዊትን ነቲ ማሕተሙን ምፍላጡ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
  • 666 ሰፊሕ ትርጕም ዘለዎ ቝጽሪ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
  • ምስ ክልተ ጨካናት ኣራዊት ምግጣም
    ራእይ እቲ ዓቢ ፍጻሜኡ ቀሪቡ!
  • ራእይ—ንጸላእቲ ኣምላኽ ዘለዎ ትርጉም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2022
ዝያዳ ርአ
መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
ijwbq ዓንቀጽ 74
እቲ 666 ዝስሙ ኣራዊት ካብ ባሕሪ ይወጽእ

666 እንታይ ማለት እዩ፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

ብመሰረት እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ ናይ መወዳእታ መጽሓፍ፡ 666 ነቲ ሸውዓተ ርእስን ዓሰርተ ቐርንን ዘለዎ ኣራዊት ቍጽሩ ወይ ስሙ እዩ። (ራእይ 13:1, 17, 18) እቲ ኣራዊት እቲ ኸኣ ምልክት እቲ ኣብ ልዕሊ “ዅሎም ነገድን ህዝብን ቋንቋን ኣህዛብን” ዚገዝእ ዓለምለኻዊ ስርዓት ፖለቲካ እዩ። (ራእይ 13:7) እቲ 666 ዚብል ስም ድማ ፖለቲካዊ ስርዓት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣመና ጐደሎ ጌርካ ኸም ዚርአ ይሕብር። ከመይ ጌርና ኸምኡ ንብል፧

መጸውዒ ጥራይ ኣይኰነን። ኣምላኽ ዜውጽኦ ስማት፡ ትርጉም ኣለዎ። ንኣብነት፡ ኣምላኽ ንኣብርሃም “ኣቦ ብዙሓት ኣህዛብ” ኪገብሮ ምዃኑ ኼተስፍዎ ኸሎ፡ ነቲ ኣብራም ማለት “ኣቦ ልዑል እዩ” ዝትርጉሙ ስሙ፡ ናብ ኣብርሃም ማለት “ኣቦ ህዝቢ” ዝትርጉሙ ስም ለዊጡሉ እዩ። (ዘፍጥረት 17:5፡ እግረ ጽሑፋት) ብተመሳሳሊ፡ ኣምላኽ ነቲ ኣራዊት 666 ኢሉ ኺጽውዖ ኸሎ፡ ንባህርያቱ እዩ ዚገልጾ ነይሩ።

ቍጽሪ ሽዱሽተ ንዘይፍጽምና ተመልክት። ብዙሕ ግዜ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ቍጽሪ ኸም ምልክት ኰይኑ የገልግል እዩ። ሸውዓተ ንምሉእነት ወይ ንፍጽምና ተመልክት። ሽዱሽተ ኸኣ ካብ ሸውዓተ ሓንቲ ዝጐደለት ብምዃና፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ኣምላኽ ንዘይምሉእ ወይ ንጐደሎ ተመልክት፣ ምስ ጸላእቲ ኣምላኽ እውን ብዙሕ ግዜ ትተኣሳሰር እያ።—1 ዜና መዋእል 20:6፣ ዳንኤል 3:1።

ሰለስተ ሳዕ ንምጕላሕ የመልክት። ሓድሓደ ግዜ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንሓደ ነገር ሰለስተ ሳዕ ብምድግጋም የጕልሕ እዩ። (ራእይ 4:8፣ 8:13) ስለዚ፡ እቲ 666 ዚብል ስም፡ ኣምላኽ ንፖለቲካዊ ስርዓት ሰብ ኣመና ጐደሎ ገይሩ ኸም ዚርእዮ የጕልሕ። ፖለቲካዊ ስርዓት ሰብ ነባሪ ሰላምን ድሕነትን ኬምጽእ ኣይከኣለን፣ መንግስቲ ኣምላኽ ጥራይ እያ ነዚ ኸተምጽእ እትኽእል።

ምልክት እቲ ኣራዊት

ሰባት ነቲ ኣራዊት ‘ተገሪሞም’ ስለ ዚስዕብዎ፡ ሕሉፍ ሓሊፎም እውን ስለ ዚሰግዱሉ፡ “ምልክት እቲ ኣራዊት” ከም ዘለዎም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ኣሎ። (ራእይ 13:3, 4፣ 16:2) ነዚ ኸኣ ንሃገሮም፡ ንኣርማ ሃገሮም፡ ወይ ንወተሃደራዊ ሓይሎም ክሳዕ ኣምልኾ ዚበጽሕ ክብሪ ብምሃብ እዮም ዚገብርዎ። ዘ ኢንሳክሎፔድያ ኦቭ ረሊጅን ከም ዚብሎ፡ “ኣብ ዘመናዊ ዓለም፡ ሃገራውነት ዓብላሊ ዓይነት ሃይማኖት ኰይኑ ኣሎ።”a

ምልክት እቲ ኣራዊት ኣብ የማናይ ኢድ ወይ ኣብ ግምባር ዚግበር ብኸመይ እዩ፧ (ራእይ 13:16) ኣምላኽ ንህዝቢ እስራኤል፡ ነቲ ዝሃቦም ትእዛዛት፡ “ከም መዘኻኸሪ ድማ ኣብ ኢድኩም እሰርዎ፣ ኣብ ግምባርኩም ከኣ ከም ክታብ ይኹን” ኢልዎም ነይሩ እዩ። (ዘዳግም 11:18) ከምዚ ኺብሃል ከሎ፡ እስራኤላውያን ቃል ብቓሉ ኣብ ኢዶምን ኣብ ግምባሮምን ምልክት ኪገብሩ ዘይኰነስ፡ ቃል ኣምላኽ ንዅሉ ተግባሮምን ሓሳቦምን ኪመርሖ እዩ ትእዛዝ ዚውሃቦም ነይሩ። ብተመሳሳሊ ኸኣ፡ ምልክት እቲ ኣራዊት ከም ውቃጦ ቓል ብቓሉ 666 ተባሂሉ ኣብ ሰብነት ዚጽሓፍ ኣይኰነን፣ የግዳስ፡ እቶም ህይወቶም ብፖለቲካዊ ስርዓት ኪምራሕ ዚፈቕዱ ሰባት ብምሳልያዊ መገዲ ዚልለዩሉ ነገር እዩ። እቶም ምልክት እቲ ኣራዊት ዘለዎም ዘበሉ፡ ተጻረርቲ ኣምላኽ እዮም ዚዀኑ።—ራእይ 14:9, 10፣ 19:19-21።

a ናሽናሊዝም ኢን ኤ ግሎባል ኢራ፡ ገጽ 134፡ ከምኡ ድማ ናሽናሊዝም ኤንድ ዘ ማይንድ፦ ኢሰይስ ኦን ሞደርን ካልቸር፡ ገጽ 94 እውን ርአ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ