ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ijwyp ዓንቀጽ 27
  • ስለምንታይ እየ ዓርኪ ዚብሃል ዘይብለይ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ስለምንታይ እየ ዓርኪ ዚብሃል ዘይብለይ፧
  • መንእሰያት ዚሓትትዎ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሕቶታት ብዛዕባ ጽምዋ
  • ሓቅታት ብዛዕባ ዕርክነትን ጽምዋን
  • ኣብቲ ቓልሲ ብኸመይ ከም እትዕወት
  • 14 ካብ ጽምዋ ብኸመይ ኢየ ክገላገል ዝኽእል፧
    መንእሰያት ዝሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን
  • ንጽምዋ ብኸመይ ከም እትጻወሮ
    ንቕሑ!—2015
  • ንጽምዋ ኽትዋጽኣሉ ይከኣል ኢዩ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
  • ንጽምዋ ብዕርክነት ተቓለሶ—መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ኪሕግዝ ይኽእል፧
    ተወሳኺ ርእሰ ነገራት
ዝያዳ ርአ
መንእሰያት ዚሓትትዎ
ijwyp ዓንቀጽ 27
ምስ ጽምዋ እትቃለስ ዘላ ጐርዞ

መንእሰያት ዚሓትትዎ

ስለምንታይ እየ ዓርኪ ዚብሃል ዘይብለይ፧

ኣብ ኦንላይን ምስ ኣተኻ፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ ሓደ ፓርቲ እተሳእለ ስእልታት ትርኢ። ኵሎም ኣዕሩኽካ ኣብኡ ኣለዉ፣ ጽቡቕ ግዜ ዘሕልፉ ዘለዉ እዮም ዚመስሉ። ንስኻ ግና ኣይተዓደምካን!

‘ንምንታይ እየ ዘይተዓደምኩ፧’ ኢልካ ትሓስብ።

ሕማቕ ኪስምዓካ ይጅምር። ኵሎም ከም ዝጠለሙኻ ዀይኑ ይስምዓካ! ኵሉ እቲ ምሕዝነትካ ኸምቲ ብጭቃ እተሰርሐ መጻወቲ ገዛ ብሃንደበት ይፈርስ። ጽምዋ ይወርረካ፣ ‘ስለምንታይ እየ ዓርኪ ዚብሃል ዘይብለይ፧’ ኢልካ እውን ገዛእ ርእስኻ ትሓትት።

  • ሕቶታት ብዛዕባ ጽምዋ

  • ሓቅታት ብዛዕባ ዕርክነትን ጽምዋን

  • ኣብቲ ቓልሲ ብኸመይ ከም እትዕወት

  • መዛኑኻ እንታይ ይብሉ፧

  • ብዛዕባ ዕርክነት ንዚስምዓካ ፍርሂ ብኸመይ ከም እተሰንፎ

ሕቶታት ብዛዕባ ጽምዋ

ቅኑዕ ወይ ጌጋ

  1. ብዙሓት ኣዕሩኽ እንተ ኣልዮምኻ፡ ጽምዋ ዚብሃል ኣይስምዓካን እዩ።

  2. ብማሕበራዊ መራኸቢ ኣቢልካ ርክባት እንተ መስሪትካ፡ ጽምዋ ዚብሃል ኣይስምዓካን እዩ።

  3. ብዙሕ ተክስት ትጸሓሓፍ እንተ ዄንካ፡ ጽምዋ ዚብሃል ኣይስምዓካን እዩ።

  4. ንሰባት ትሕግዝ እንተ ዄንካ፡ ጽምዋ ዚብሃል ኣይስምዓካን እዩ።

ናይዚ ኣርባዕተ ምሉእ ሓሳባት መልሲ፡ ጌጋ ዚብል እዩ።

ስለምንታይ፧

ሓቅታት ብዛዕባ ዕርክነትን ጽምዋን

  • ብዙሓት ኣዕሩኽ ምጥራይ፡ ጽምዋ ዚብሃል ፈጺሙ ኸም ዘይስምዓካ ኣይገብርን እዩ።

    “ንመሓዙተይ እሓልየለን እየ፣ ሓድሓደ ግዜ ግና፡ ንሳተን ዚሓልያለይ ኣይመስለንን። ብመሓዙትካ ተኸቢብካ ኽነስኻ ዘይፈትዉኻ ወይ ዘይደልዩኻ ዀይኑ እንተ ተሰሚዑካ፡ ዝኸፍአ ዓይነት ጽምዋ እዩ ዚስምዓካ።”—ኣን።

  • ብማሕበራዊ መራኸቢ ኣቢልካ ርክባት ምምስራት፡ ጽምዋ ዚብሃል ፈጺሙ ኸም ዘይስምዓካ ኣይገብርን እዩ።

    “ገሊኦም ሰባት፡ ንኣሽቱ ቕርጻ ኸም ምእካብ ገይሮም እዮም ኣዕሩኽ ዚእክቡ። እንተዀነ ግና፡ ዋላ እኳ ገዛኻ ብቕርጻታት እንተ መላእካዮ፡ ፍቕሪ ኣይስምዓካን እዩ። ትርጉም ዘለዎ ርክባት እንተ ዘይመስሪትካ፡ ኣብ ኦንላይን እትምስርቶ ዕርክነት፡ ልክዕ ከምዚ ህይወት ኣልቦ ቕርጻታት እዩ።”—ኢሌን።

  • ብዙሕ ተክስት ምጽሕሓፍ፡ ጽምዋ ዚብሃል ፈጺሙ ኸም ዘይስምዓካ ኣይገብርን እዩ።

    “ሓድሓደ ግዜ፡ ጽምዋ ኺስምዓካ ኸሎ፡ ካብ መሓዙትካ መልእኽቲ ዝሰደደልካ እንተ ኣልዩ ንምርኣይ ናብ ተሌፎንካ መመሊስካ ቝሊሕ ትብል ኢኻ። በይንኻ ኸም ዝዀንካ ኣብ ዚስምዓካ እዋን፡ ዋላ ሓደ እኳ ኺረኽበካ ኸም ዘይፈተነ ምስ እትርኢ፡ ዝገደደ ጽምዋ እዩ ዚስምዓካ!”—ሰሪና።

  • ንሰባት ምሕጋዝ፡ ጽምዋ ዚብሃል ፈጺሙ ኸም ዘይስምዓካ ኣይገብርን እዩ።

    “ንኣዕሩኸይ ኵሉ ሳዕ እየ ዝልግሰሎም፣ ንሳቶም ግና ከምኡ ኣይገብሩለይን እዮም። ለጋስ ምዃነይ ኣየጣዕሰንን እዩ፣ ከም ውሬታ፡ ሰናይ ዘይገብሩለይ ምዃኖም ግና ከም ገለ እዩ ዚስምዓኒ።”—ሪቻርድ።

ቀንዲ ነጥቢ፦ ስምዒት ጽምዋ ናይ ኣእምሮ ዅነት እዩ። ጃነት ዝስማ መንእሰይ ብዛዕባ ጽምዋ፡ “ካብ ውሽጢ ሰብ ደኣ እምበር፡ ካብ ወጻኢ ኣይኰነን ዚመጽእ” ትብል።

ዓርኪ ኸም ዘይብልካ ዀይኑ እንተ ተሰሚዑካ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

ኣብቲ ቓልሲ ብኸመይ ከም እትዕወት

ብዛዕባ ገዛእ ርእሳ ትሑት ግምት ዘለዋ ጐርዞ

ኣብ ርእሰ ምትእምማንካ ዕየ።

“ጽምዋ ኻብ ስክፍታ ኺነቅል ይኽእል እዩ። ናይ ሰብ ቈላሕታ ኸም ዘይግብኣካ ጌርካ እንተ ሓሲብካ፡ ዕርክነት ንምምስራት ኣይትፍትንን ወይ ንዕርክነት መገዲ ኣይትኸፍትን ኢኻ።”—ጃነት።

መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ።” (ገላትያ 5:14) ጽቡቕ ዕርክነት ንምምስራት፡ ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ናብ ደረጃ ትምክሕቲ ዘይበጽሕ ግቡእ ኣኽብሮት ኪህልወና ኣለዎ።—ገላትያ 6:3, 4።

ዜስተማስል ዘሎ ወዲ

ኣይተስተማስል።

“ጽምዋ ኸም ታኼላ እዩ። ኣብኡ ንዝነውሐ እዋን እንተ ጸኒሕካ፡ ካብኡ ምውጻእ እናኸበደካ እዩ ዚኸይድ። ንኣተሓሳስባኻ ኺቈጻጸሮ እንተ ፈቒድካ፡ ዋላ ሓደ ኪቐርበካ ዘይደሊ መስተማሰሊ ኢኻ እትኸውን።”—ኢሪን።

መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “ፍቕሪ . . . ጥቕሚ ርእሳ ኣይትደልን።” (1 ቈረንቶስ 13:4, 5) ኣብ ርእስና እምብዛ እንተ ኣተኲርና፡ ርሕራሐና እናነከየ ስለ ዚኸይድ፡ ብዙሓት ኣዕሩኽ ኣይንረክብን ኢና። (2 ቈረንቶስ 12:15) ናትካ ኣሳልጦ፡ በቲ ኻልኦት ዚገብርዎ ነገር እንተ ለኪዕካዮ፡ ናብ ውድቀት ኢኻ እተምርሕ ዘለኻ! “ዋላ ሓደ ኣይድውለለይን እዩ” ወይ “ዋላ ሓደ ኣይዕድመንን እዩ” ዚብል ዘረባ ንናትካ ሓጐስ፡ ኣብ ኢድ ካልኦት ኣሕሊፍካ ኸም ምሃብ እዩ። እዝስ ካልኦት እምብዛ ኺጸልዉኻ ምፍቃድ ደይኰነን፧

ሓደ መንእሰይ ሽጋራ ይኣቢ

ምስ ዝረኸብካዮ ኣይትተዓራረኽ።

“ብጽምዋ እተበልዑ ሰባት ቈላሕታ ይደልዩ እዮም፣ ነዚ ቘላሕታ ኻብ መን ከም ዚረኽብዎ ኣብ ዘይሓርዩሉ ደረጃ እውን ኪበጽሑ ይኽእሉ እዮም። ተደለይቲ ኸም ዝዀኑ ኺስምዖም ጥራይ እዮም ዚደልዩ። ገሊኦም ሰባት ግና ከም ዚደልዩኻ መሲሎም ምስ ቀረቡኻ፡ ድሕሪኡ ይብለጹልካ እዮም። ድሕርዚ፡ ዝያዳ ጽምዋ እዩ ዚስምዓካ።”—ብሪያን።

መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “ምስ ጥበበኛታት ዚመላለስ ጥበበኛ ይኸውን፣ ምስ ዓያሹ ዚሓብር ግና ክፉእ ይረክብ።” (ምሳሌ 13:20) ዝጠመየ ሰብ፡ ዝረኸቦ እዩ ዚበልዕ። ብተመሳሳሊ፡ ኣዕሩኽ ኪረኽቡ ብርቱዕ ህንጥዮት ዘለዎም ሰባት፡ ምስ ዘይኰንዎም ሰባት ኪተዓራረኹ ይኽእሉ እዮም። ኣደዳ ተበለጽቲ እውን ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም፣ ከምዚ ዓይነት ዕርክነት ንቡር ስለ ዚመስሎም ከኣ፡ ዝሓሸ ንምርካብ ትጽቢት ኣይገብሩን እዮም።

መደምደምታ፦ ደረጃኡ ደኣ እዩ ዚፈላለ እምበር፡ ኵላትና ጽምዋ ይስምዓና እዩ። ጽምዋ ሕማቕ ስምዒት እኳ እንተ ዀነ፡ ስምዒት ጥራይ ምዃኑ ግና ክንርስዕ የብልናን። ስምዒታትና ኻብ ሓሳባትና እዩ ዚነቅል፣ ንሓሳባትና ድማ ክንቈጻጸሮ ንኽእል ኢና።

ብዛዕባ ኻልኦት እውን ሚዛናዊ ትጽቢት ይሃሉኻ። እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ጃነት፡ “ኵሉ ሰብ ኣይኰነን ንሓዋሩ ናይ ቀረባ ፈታዊኻ ዚኸውን። ዚሓልየልካ ሰብ ግና ኣይትስእንን ኢኻ። ሓልዮት ድማ እኹል እዩ። እዚ እዩ ጽምዋ ዜጥፍእ” ትብል።

ተወሳኺ ሓገዝዶ ትደሊ፧ “ብዛዕባ ዕርክነት ንዚስምዓካ ፍርሂ ብኸመይ ከም እተሰንፎ” ዚብል ኣንብብ።

መዛኑኻ እንታይ ይብሉ፧

ቫነሳ

“ብዛዕባ እቲ ዚስምዓካ ጽምዋ ምስ ሰብ ተዛረብ። ስምዒታትካ ኣይትሕባእ። ከማኻ ዚስምዖም ሰባት ኣይሰኣኑን እዮም። ሓድሓደ ግዜ፡ ጽቡቕ ከም ዚስምዓካ ዚገብር ሓደ ፈታዊ ጥራይ እዩ ዜድልየካ።”—ቫነሳ።

ተይለር

“ብጽምዋኻ ወትሩ ንኻልኦት ክትወቅስ ኣይትኽእልን ኢኻ። ሓድሓደ ግዜ፡ ንስኻ ኢኻ ገዛእ ርእስኻ ኻብ ካልኦት እትፈሊ። ስለዚ፡ መሊስካ ምስ ፈተውትኻ ንምትሕውዋስ ዚከኣለካ ግበር። እዚ እንተ ዘይሰሊጡካ ኸኣ፡ ቅድሚ ሕጂ ምስ ዘይተቐራረብካዮም ሰባት ሓድሽ ዕርክነት ክትምስርት ጽዓር።”—ተይለር።

ብዛዕባ ዕርክነት ንዚስምዓካ ፍርሂ ብኸመይ ከም እተሰንፎ

“መሓዛይ ምስ ሕዱር ናይ ጽምዋ ስምዒት ትቃለስ ኣላ። ብዚሓልዩላ ሰባት ተኸቢባ እኳ እንተላ፡ ቍሊሕ ዚብላን ዚፈትዋን ዋላ ሓደ ኸም ዘየሎ እዩ ዚስምዓ። ብዛዕባ ገዛእ ርእሳ ትሑት ግምት ከም ዘይብላ ኸተምስል ትጽዕር እያ። እቲ ብርትዕቲ መሲላ ኽትርአ እትገብሮ ጻዕርታት ከኣ፡ መሓዙት ከይትረክብ ዚዓግታ ዘሎ ይመስለኒ። ምስኣ ዚራኸቡ ሰባት ምስ ሰብ ከም ዘይትሕወስ ገይሮም እዮም ዚርእይዋ፣ ከይተሓለሉ ዚጽዕሩ እንተ ዘይኰይኖም ድማ፡ እዚ ኼህድሞም ይኽእል እዩ።

“ብዘይካዚ፡ መሓዛይ ከይትጕዳእ እውን ትፈርህ እያ፣ ስለዚ፡ ሰባት ብዝያዳ ኺፈልጥዋ እንተ ጽዒሮም፡ ሕማቕ ከም ዝሓሰቡ ገይራ ትርእዮም ወይ እቲ ምሕዝነት ከም ዘይቅጽል ገይራ ትሓስብ እያ። ብዙሓት ሰባት ስለ ዘይርድእዋ፡ ጽምዋ ይስምዓ እዩ። እንተዀነ ግና፡ ስምዒታ ንሰብ ኣይተካፍልን እያ።

“ስምዒትካ ንሰባት ምክፋል፡ ከም ዜቀራርብን ካልኦት ኪርድኡኻ ኸም ዚሕግዝን፡ መሓዛይ ክትፈልጥ ኣለዋ። በዚ ኸምዚ እዮም ሰባት ኪመሓዘዉኻ ዚኽእሉ። መሓዛይ ነዚ ጸገማ ኽትሰግሮን ብዛዕባ ምሕዝነት ዘለዋ ፍርሂ ኸተሰንፍን እየ ዝምነየላ።”—ኢለይን።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ