ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ijwfq ዓንቀጽ 31
  • ናይ የሆዋ መሰኻኽር መናፍቕ ድዮም፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ናይ የሆዋ መሰኻኽር መናፍቕ ድዮም፧
  • ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብተደጋጋሚ ዚሕተት ሕቶታት
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መናፍቕ እንታይ እዩ፧
  • ብስም ጐይታ ዝግበር ምስጢራውነት
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ኑፋቐ ኣመሪካውያን ዲኹም፧
    ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብተደጋጋሚ ዚሕተት ሕቶታት
  • ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንታዎት እዮም፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • ጽቡቕ መሪሕነት ኣበይ ክንረክብ ንኽእል፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
ዝያዳ ርአ
ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብተደጋጋሚ ዚሕተት ሕቶታት
ijwfq ዓንቀጽ 31
ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ንጕጅለ ሰባት ትምህርቲ ንባብን ጽሕፈትን ይምህር።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር መናፍቕ ድዮም፧

ኣይፋልን፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መናፍቕ ኣይኰንናን። የግዳስ፡ ንትምህርታትን ንኣብነትን የሱስ ክርስቶስ ክንስዕብ እንጽዕር ክርስትያናት ኢና።

መናፍቕ እንታይ እዩ፧

እታ “መናፍቕ” እትብል ቃል፡ እተፈላለየ ትርጉም እዩ ዚውሃባ። ይኹን እምበር፡ ብዛዕባ መናፍቕ ዚገልጽ ክልተ ኣረኣእያ እስከ ንርአ። ስለምንታይ ንዓና ኸም ዘይምልከተና ድማ ክንርኢ ኢና።

  • ገሊኦም ሰባት፡ ኑፋቐ ኺብሃል ከሎ፡ ሓድሽ ምጻእ ወይ ካብ ወግዒ ዝወጸ ሃይማኖት ከም ዝዀነ እዮም ዚሓስቡ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓድሽ ሃይማኖት ኣይፈጠሩን። እኳ ደኣስ፡ ኣምልኾና ኣሰር እቶም ኣብነቶምን ትምህርትታቶምን ኣኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዚርከብ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ዝሰዓበ እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17) ቅቡል ኣገባብ ኣምልኾ ኣየናይ ምዃኑ ኺውስን ስልጣን ዘለዎ ቕዱሳት ጽሑፋት ከም ዝዀነ ኢና እንኣምን።

  • ገሊኦም ሰባት፡ ኑፋቐ ኺብሃል ከሎ፡ ሰብኣዊ መራሒ ዘለዎ ሓደገኛ ሃይማኖታዊ ጕጅለ ኸም ዝዀነ እዮም ዚሓስቡ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ሰብኣዊ መራሒ የብሎምን። የግዳስ፡ ነቲ የሱስ ንሰዓብቱ፡ “መራሒኹም ሓደ፡ ንሱ ኸኣ ክርስቶስ እዩ” ኢሉ ዝሰርዓሎም ስርዓት እዮም ዚስዕቡ።—ማቴዎስ 23:10።

ሃይማኖት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓደገኛ ኑፋቐ ዘይኰነስ፡ ንኣባላቱን ንማሕበረሰብን ዚጠቅም ሃይማኖት እዩ። ንኣብነት፡ ኣገልግሎትና ንሓያሎ ሰባት ከም ምውሳድ ሓሽሽን ምብዛሕ ኣልኮላዊ መስተን ዝኣመሰለ ጐዳኢ ወልፍታት ኬሰንፉ ሓጊዝዎም እዩ። ብዘይካዚ፡ ኣብ መላእ ዓለም ናይ ምንባብን ምጽሓፍን ትምህርቲ ብምሃብ፡ ንኣሽሓት ሰባት ፊደል ኪቘጽሩ ንሕግዝ ኢና። ዕንወት ኬጋጥም ከሎ ድማ ኣብ ዕዮ ረድኤት ንነጥፍ ኢና። ከምቲ የሱስ ንሰዓብቱ ኺገብሩ ዝኣዘዞም፡ ኣብ ካልኦት ኣወንታዊ ጽልዋ ኸነሕድር ንጽዕር ኢና።—ማቴዎስ 5:13-16።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ