ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ijwbq ዓንቀጽ 68
  • መን እዮም ናብ ሲኦል ዚኣትዉ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መን እዮም ናብ ሲኦል ዚኣትዉ፧
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሲኦልን ገሃነምን ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ እዩ፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ብዛዕባ ሲኦል ዝነበረ ኣረኣእያ ይቕየር ኣሎ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
  • ብሓቂ ግን ሲኦል እንታይ ኢዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
  • ሲኦል እንታይ ዓይነት ቦታ ኢዩ፧
    ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ
ዝያዳ ርአ
መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
ijwbq ዓንቀጽ 68

መን እዮም ናብ ሲኦል ዚኣትዉ፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

ሲኦል (ኣብ በዅሪ ቛንቋታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ሲኦል” ወይ “ሃደስ” ዚብሃል) ተራ መቓብር ደኣ እምበር፡ ሰባት ብሓዊ ዚሳቐዩሉ ቦታ ኣይኰነን። እሞ ደኣ መን እዮም ናብ ሲኦል ዚኣትዉ፧ ቅኑዓትን ክፉኣትን ሰባት ናብ ሲኦል ይኣትዉ እዮም። (እዮብ 14:13፣ መዝሙር 9:17) መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ሓፈሻዊ መቓብር ደቂ ሰብ እዚ፡ “ኵሉ ህያው ዚራኸበሉ ቤት” ኢሉ ጸዊዕዎ ኣሎ።—እዮብ 30:23።

የሱስ እኳ ምስ ሞተ ናብ ሲኦል ኣትዩ እዩ። ይኹን እምበር፡ ኣምላኽ ካብ ምዉታት ስለ ዘተንስኦ፡ “ነፍሱ ኣብ ሲኦል ከም ዘይትተርፍ” ተገሊጹ ኣሎ።—ግብሪ ሃዋርያት 2:31, 32፡ ትርጉም 1956።

ሲኦል ዘለኣለማዊ ድዩ፧

ኵሎም እቶም ናብ ሲኦል ዚኸዱ፡ ካብኡ ኺወጹ እዮም፣ የሱስ ብሓይሊ ኣምላኽ ገይሩ ኼተንስኦም እዩ። (ዮሃንስ 5:28, 29፣ ግብሪ ሃዋርያት 24:15) ኣብ ራእይ 20:13 ዚርከብ ትንቢት ብዛዕባ እቲ ናይ መጻኢ ትንሳኤ ኺገልጽ ከሎ፡ “ሞትን ሲኦልንውን ኣባታቶም ዘለዉ ምዉታት ወፈዩ” ይብል እዩ። (ትርጉም 1956) ሲኦል ጥራዩ ምስ ኰነ፡ ደጊም ኣይኪህሉን እዩ፣ ‘ደጊም ሞት ስለ ዘይከውን’ ድማ፡ ድሕሪኡ ናብ ሲኦል ዚኸይድ ኣይኪህሉን እዩ።—ራእይ 21:3, 4፣ 20:14።

ይኹን እምበር፡ ኵሉ ሰብ ኣይኰነን ናብ ሲኦል ዚኣቱ። ገሊኦም ሰባት ኣመና እኩያት ካብ ምዃኖም እተላዕለ፡ ናብ ንስሓ ኺበጽሑ ዚኽእሉ ዘይምዃኖም መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። (እብራውያን 10:26, 27) ከምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት ምስ ሞቱ፡ ናብ ሲኦል ዘይኰነስ፡ ናብ ገሃነም እዮም ዚኣትዉ፣ ገሃነም ከኣ ንዘለኣለማዊ ጥፍኣት እዩ ዜመልክት። (ማቴዎስ 5:29, 30) ንኣብነት፡ ገሊኦም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ግቡዛት መራሕቲ ሃይማኖት ናብ ገሃነም ከም ዚኣትዉ፡ የሱስ ሓቢሩ እዩ።—ማቴዎስ 23:27-33።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ