ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ijwbq ዓንቀጽ 38
  • ኣምላኽ እንታይ ክገብር እዩ ዚደልየኒ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣምላኽ እንታይ ክገብር እዩ ዚደልየኒ፧
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • ብዛዕባ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ትርጉም ህይወት እንታይ እዩ፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ናብ የሆዋ ልገብ
    መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧
  • የሱስ ክርስቶስ መን እዩ፧
    መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧
ዝያዳ ርአ
መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
ijwbq ዓንቀጽ 38

ኣምላኽ እንታይ ክገብር እዩ ዚደልየኒ፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

ኣምላኽ፡ ክትፈልጦን ናብኡ ኽትቀርብን ብምሉእ ልብኻ ኸተፍቅሮን ከተገልግሎን እዩ ዚደልየካ። (ማቴዎስ 22:37, 38፣ ያእቆብ 4:8) ካብ ህይወትን ትምህርትታትን የሱስ፡ ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ኽትፈልጥ ትኽእል ኢኻ። (ዮሃንስ 7:16, 17) የሱስ፡ ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምሂሩ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ህይወቱ ተግቢርዎ እዩ። ከመይሲ፡ ቀንዲ ዕላማ ህይወቱ እንታይ ምዃኑ ኺገልጽ ከሎ፡ “ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ እምበር፡ ፍቓደይ ክገብር ኣይኰንኩን” ኢሉ ኣሎ።—ዮሃንስ 6:38።

ኣምላኽ እንታይ ክገብር ከም ዚደልየኒ ምእንቲ ኽፈልጥ፡ ፍሉይ ምልክት ክርኢ ወይ ራእይ ኪግለጸለይ የድሊ ድዩ፧

ኣይፋልን። ከመይሲ፡ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ዚኸውን መልእኽቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣስፊሩ ኣሎ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ‘ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ኣጸቢቕካ እተዳለኻ’ ይገብረካ እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17) ኣምላኽ፡ ፍቓዱ እንታይ ከም ዝዀነ ምእንቲ ኽትፈልጥ፡ ‘ብኣእምሮኻ ተጠቒምካ’ መጽሓፍ ቅዱስ ክትምርምር ይደልየካ እዩ።—ሮሜ 12:1, 2፣ ኤፌሶን 5:17።

ፍቓድ ኣምላኽ ክገብር እኽእል ድየ፧

እወ፡ ትኽእል ኢኻ። ከመይሲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ትእዛዛቱ . . . ከቢድ ኣይኰነን” ይብል እዩ። (1 ዮሃንስ 5:3) ከምኡ ኺብሃል ከሎ ግና፡ ትእዛዛት ኣምላኽ ምሕላው፡ ወትሩ ቐሊል እዩ ማለት ኣይኰነን። ይኹን እምበር፡ ክትሕልዎ እንተ ጽዒርካ ብዙሕ ጥቕሚ ትረክብ ኢኻ። የሱስ፡ “ሕጉሳትሲ እቶም ቃል ኣምላኽ ዚሰምዑን ዚሕልዉን . . . እዮም!” ኢሉ እዩ።—ሉቃስ 11:28።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ