Photo by Stringer/Getty Images
ንቕሑ!
ውግእ ማእከላይ ምብራቕ—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧
ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ሰባት በቲ ኣብ መንጎ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካን እስራኤልን ኢራንን ተላዒሉ ዘሎ ግጭት ተጨኒቖም ኣለዉ። እቲ ዅነታት ናብ ዝሰፍሐ ውግእ የምርሕዶ ይኸውን፧ መንግስትታትከ ዕንወት ኣወጊደን ነባሪ ሰላም ኬስፍና ይኽእላዶ ይዀና፧
ገሊኦም ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ኣንቢቦም ዚፈልጡ ሰባት፡ “እዚ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ተላዒሉ ዘሎ ግጭት፡ ምጅማር እቲ ኣብ መጽሓፍ ራእይ ተጠቒሱ ዘሎ ውግእ ኣርማጌዶን ደዀን ይኸውን፧” ኢሎም ይሓስቡ ይዀኑ።
መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧
መንግስትታት ንውግእ ማእከላይ ምብራቕ ደው ኬብላኦ ይኽእላ ድየን፧
መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “ብመሳፍንቲ ዀነ፡ በቲ ኼድሕን ዘይክእል ወዲ ሰብ ኣይትተኣመኑ።”—መዝሙር 146:3።
መንግስትታት፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሰላም ኬስፍና ዚኽእላ እንተ ዀይነን ወይ እንተ ዘይኰይነን ምስ ግዜ ኽንርእዮ ኢና። ይኹን እምበር፡ ንውግእ መወዳእታ ኺገብረሉን ነባሪ ሰላም ኬስፍንን ዚኽእል ፖለቲካዊ መራሒ ዀነ፡ ጕጅለ ዀነ፡ ወይ ሰብኣዊ መንግስቲ ከም ዘየሎ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር ይሕብረና እዩ። “ንውግእ ኣብ ብዘላ ምድሪ መወዳእታ” ኺገብረሉ ዚኽእል፡ ኣምላኽ ጥራይ እዩ።—መዝሙር 46:9።
ዝያዳ ንምፍላጥ፡ “ውግእ ኬብቅዕ እዩ—ብኸመይ፧” ዘርእስታ መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ኣንብብ።
ውግእ ማእከላይ ምብራቕ መፈጸምታ ትንቢት ድዩ፧
መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “ውግእን ወረ ውግእን ክትሰምዑ ኢኹም፣ . . . ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ፡ መንግስቲ ድማ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኺልዓል እዩ።”—ማቴዎስ 24:6, 7።
እዚ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኣጋጢሙ ዘሎ ግጭት፡ ኣብቲ መጽሓፍ ቅዱስ “መደምደምታ እቲ ስርዓት” ከምኡ እውን “ዳሕሮት መዓልትታት” ኢሉ ዝገልጾ ግዜ ንነብር ከም ዘለና ዚሕብር ተወሳኺ መርትዖ እዩ። (ማቴዎስ 24:3፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:1) እዚ ሎሚ ንርእዮ ዘለና ውግኣት፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣምላኽ ንውግእን ነቲ ንደቂ ሰብ ዜሳቒ ዘሎ ኻልእ ሽግራትን መወዳእታ ኸም ዚገብረሉ ዚሕብር እዩ።
ዝያዳ ንምፍላጥ፡ “ምልክት “ዳሕሮት መዓልትታት” እንታይ እዩ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ኣንብብ።
ውግእ ኣርማጌዶን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ድዩ ኺጅምር፧
መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “ንሳቶም ከኣ ናብቲ ብእብራይስጢ ኣርማጌዶን ዚብሃል ቦታ ኣከብዎም።”—ራእይ 16:16።
ውግእ ኣርማጌዶን፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዚጅምር ኣብ መንጎ ሰብኣውያን መንግስትታት ዚግበር ውግእ ኣይኰነን። የግዳስ፡ ኣብ መንጎ ዅሎም ሰብኣውያን መንግስትታትን ኣብ መንጎ ኣምላኽን ዚግበር ዓለምለኻዊ ውግእ እዩ።
ዝያዳ ንምፍላጥ፡ “ውግእ ኣርማጌዶን እንታይ እዩ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ኣንብብ።
ነዚ ዜጨንቕ እዋናት ምእንቲ ኽንዋጽኣሉ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧
መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “ብዛዕባ ዅሉ ነገር ደኣ ልማኖኹም ብጸሎትን ብምህለላን ምስ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ እምበር፡ ብዛዕባ ገለ እኳ ኣይትጨነቑ።”—ፊልጲ 4:6።
የሆዋa ኣምላኽ ናብኡ ኽንጽሊ ዓዲሙና ኣሎ። ንጸሎትና ይሰምዖ፡ ንጭንቀትና ምእንቲ ኽንዋጽኣሉ ኸኣ ይሕግዘና እዩ፣ ከመይሲ ኣምላኽ ይሓልየልና እዩ። (1 ጴጥሮስ 5:7) ሓደ ኻብቲ ሓልዮቱ ዘርኣየሉ መገዲ ድማ ውግእ ስለምንታይ ከም ዝበዝሐ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብኸመይ ከም ዜብቅዕ እውን ብምግላጽ እዩ፣ ብዘይካዚ፡ ንስቓይናን ንመከራናን ኪድብሶ እዩ።—ራእይ 21:3, 4።
ኣምላኽ ብኸመይ ከም ዚሕግዘና ብዝያዳ ንምፍላጥ፡ “ምጽንናዕ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ክረክብ እኽእል ድየ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ኣንብብ።
a የሆዋ ብሕታዊ ስም ኣምላኽ እዩ።—መዝሙር 83:18።