NASA Photo
ንቕሑ!
ንምድርና ኸተመሓድር እትኽእል ቀዋሚት መንግስቲ ኣላዶ፧—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧
ኣብ ብዘላ ዓለም ዘለዋ መንግስትታት ይናወጻ ኣለዋ። ኣብተን እተረጋግኣ ዚመስላ ሃገራት ዘለዋ መንግስትታት እኳ፡ ብብልሽውና፡ ተቐራራቢ ውጽኢት ብዘለዎ ምርጫ፡ ብፖለቲካዊ ኽፍፍላት፡ ብህዝባዊ ናዕቢ ይናወጻ ኣለዋ።
ሓንቲ ቐዋሚት መንግስቲ ኸም ዘላ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። ብዛዕባ እታ መንግስቲ እቲኣ ሰሚዕካ ትኸውን ኢኻ። የሱስ ክርስቶስ ንዓኣ ኣብቲ ኣብነት ዚኸውን ጸሎቱ ጠቒስዋ ኣሎ።
“ንስኻትኩምሲ ኸምዚ ኢልኩም ደኣ ጸልዩ፦ ‘ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና፡ ስምካ ይቀደስ። መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን።’”—ማቴዎስ 6:9, 10።
መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እታ መንግስቲ እቲኣ እንታይ ይብል፧
መንግስቲ ኣምላኽ ቀዋሚት መንግስቲ እያ
መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ሰማይ ኰይና እያ እትገዝእ።
የሱስ ነታ መንግስቲ እቲኣ፡ “መንግስተ ሰማያት” ኢሉ ጸዊዕዋ ኣሎ። (ማቴዎስ 4:17፣ 5:3, 10, 19, 20) ስለዚ ድማ፡ “መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰነትን” ኢሉ ተዛሪቡ እዩ።—ዮሃንስ 18:36።
መንግስቲ ኣምላኽ ንሰብኣውያን መንግስትታት ክትትክአን እያ።
መጽሓፍ ቅዱስ፡ “እዛ መንግስቲ እዚኣ . . . ንዅለን እዘን [ሰብኣውያን] መንግስትታት እዚአን ክትሕምሽሸንን ከተጥፍአንን እያ፣ ንሳ በይና ኸኣ ንዘለኣለም ክትቀውም እያ” ይብል።—ዳንኤል 2:44።
እዛ የሱስ ክርስቶስ ዝንጉሳ መንግስቲ ኣምላኽ ከቶ ኣይክትጠፍእን እያ።
መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ግዝኣቱ ዘይሓልፍ ዘለኣለማዊ ግዝኣት እዩ፣ መንግስቱ እውን ከቶ ኣይክትጠፍእን እያ” ይብል።—ዳንኤል 7:13, 14።
መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ሰላምን ደሓንን ከተምጽእ እያ።
መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ነፍስ ወከፍ ኣብ ትሕቲ ተኽሊ ወይኑን ኣብ ትሕቲ ኦም በለሱን ተቐሚጡ ብሰላም ኪነብር እዩ፣ ዜፍርሆ ኸኣ የልቦን” ይብል።—ሚክያስ 4:4፡ ትርጉም 1990።
ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ብዝያዳ ፍለጥ
የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ መብዛሕትኡ ግዜኡ ‘ንስብከት መንግስቲ ኣምላኽ’ እዩ ወፍይዎ ነይሩ። (ማቴዎስ 9:35) ከምዚ ዚስዕብ ኢሉ እውን ተነብዩ ነይሩ፦
“እዚ ብስራት መንግስቲ ኸኣ፡ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ኵላ ዓለም ኪስበኽ እዩ፣ ሽዑ፡ መወዳእታ ኺመጽእ እዩ።”—ማቴዎስ 24:14።
ሎሚ፡ እዚ ብስራት መንግስቲ እዚ ኣብ ልዕሊ 240 ሃገራት ይስበኽ ኣሎ። ብዛዕባ እታ መንግስቲ እቲኣን ብዛዕባ እቲ ኻብ ግዝኣታ እትረኽቦ ጥቕምን ብዝያዳ ኽትፈልጥ ብኽብሪ ንዕድመካ።
ብዛዕባ እዚ ንምፍላጥ፡ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧ ዘርእስታ ቪድዮ ርአ።