Thai Liang Lim/E+ via Getty Images
ንቕሑ!
ዓለምለኻዊ ስግኣት ብዛዕባ ጽልዋ ማሕበራዊ መራኸቢ ኣብ መንእሰያት
ብ2025 ኣብ መላእ ዓለም ዘለዋ መንግስትታት፡ ማሕበራዊ መራኸቢ ኣብ መንእሰያት ብዛዕባ ዜሕድሮ ዘሎ ጽልዋ ስግኣተን ገሊጸን። ሓንቲ ሃገር ንትሕቲ 16 ዓመት ዝዕድሚኦም መንእሰያት ማሕበራዊ መራኸቢ ኸይጥቀሙ ቐይዳ እያ፣ ካልኦት ሃገራት እውን ተመሳሳሊ ስጕምቲ ኺወስዳ ይሓስባ ኣለዋ።
እቲ ዜገርም፡ ገሊኦም መንእሰያት ማሕበራዊ መራኸቢ ጐዳኢ ጽልዋ ኸም ዘለዎ ይሓስቡ እዮም። ብሚያዝያ 2025፡ ማእከል ምርምር ፒዩ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ኣብ ዝገበሮ መጽናዕቲ፦ “ብግምት ዳርጋ ፍርቂ መንእሰያት (48%) ማሕበራዊ መራኸቢ ኣብ መንእሰያት ኣሉታዊ ጽልዋ ኸም ዘለዎ ይዛረቡ እዮም” ኢሉ ጽሒፉ።
ሰብ ሞያ ጥዕና፡ ማሕበራዊ መራኸቢ ኣብ ኣእምሮኣዊ ጥዕና መንእሰያት ጽልዋ ኸም ዘለዎ የጠንቅቑ። ዶክተር ቪቨክ ሙረዝ፡ ዩ.ኤስ. ሰርጅን ጀነራል፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ከምዚ ዚስዕብ ኢሉ፦ “መንእሰያት ህጹጽ ፍታሕ ዜድልዮ ጸገም ኣእምሮኣዊ ጥዕና የጋጥሞም ኣሎ፣ ማሕበራዊ መራኸቢ ድማ ዓብዪ ጽልዋ ኣለዎ።”
ወለዲ ንደቆም ማሕበራዊ መራኸቢ ኻብ ዜስዕቦ ሓደጋ ብኸመይ ኬዕቍብዎም ይኽእሉ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ግብራዊ ምኽሪ ይህብ እዩ።
ወለዲ እንታይ ኪገብሩ ይኽእሉ፧
ነዚ ዚስዕብ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ መርምሩ።
“ጐራሕ ግና ንስጕምትታቱ ተጠንቂቑ ይሓስበለን።”—ምሳሌ 14:15።
ማሕበራዊ መራኸቢ ሕማቕ ጽልዋ ኺህልዎ ስለ ዚኽእል ጥራይ፡ ንውሉድኩም ክትፈቕድሉ የብልኩምን ማለት ኣይኰነን። ውሉድኩም ማሕበራዊ መራኸቢ ኺጥቀም ቅድሚ ምፍቃድኩም፡ ኣብ ኣጠቓቕማ ግዜ ብሱል ምዃኑ፡ ጥዑይ ዕርክነት ዚመርጽ ምዃኑ፡ ዘይግቡእ ትሕዝቶ ዘለዎ ነገራት ዜወግድ ምዃኑ ኣረጋግጹ።
ዝያዳ ኽትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ “ንውሉደይ ማሕበራዊ መራኸቢ ኽፈቕደሉዶ፧” ከምኡ እውን “ንውሉድካ ብዛዕባ ግቡእ ኣጠቓቕማ ማሕበራዊ መራኸቢ ብኸመይ ትምህሮ፧” ዘርእስተን ዓንቀጻት ኣንብብ።
“ንግዜኹም ብዝበለጸ ተጠቐሙሉ።”—ኤፌሶን 5:16።
ንውሉድኩም ማሕበራዊ መራኸቢ ኺጥቀም እንተ ፈቒድኩምሉ፡ ስርዓታት ኣውጽእሉ፡ እዚ ብኸመይ ከም ዜዕቍቦ ድማ ግለጸሉ። ኣብ ባህርያቱ ለውጥታት እንተ ኣልዩ ብንቕሓት ተኸታተሉ፡ ኣድላዪ እንተ ዀይኑ ኣብ ኣጠቓቕማ ማሕበራዊ መራኸቢ ደረት ግበሩሉ።
በታ ንማሕበራዊ መራኸቢታት ተጠንቀቐሉ ዘርእስታ ስእሊ ሰሌዳ ጌርኩም፡ ደረት ምግባር ዘለዎ ኣገዳስነት ኪርዳእ ንውሉድኩም ሓግዝዎ።
ወለዲ እንታይ ክትገብሩ ኸም እትኽእሉ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ተወሳኺ ሓሳባት እንተ ደሊኹም፡ ነታ “ላዕለዋይ ብዓል መዚ ጥዕና ብዛዕባ እቲ ማሕበራዊ መራኸቢ ኣብ መንእሰያት ዜሕድሮ ጽልዋ ኣጠንቂቑ—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርኣዩ።
ዝያዳ ንምፍላጥ
መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ “ጽንኩር ግዜ” ንነብር ከም ዘለና ይገልጽ እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1-5) ብዘይካዚ፡ ነዚ ኽንጻወሮ ዚሕግዝ ግዜ ዘይሓልፎ ምኽሪ እውን ይህብ እዩ። ንወለድን ንውሉዳትን ዚኸውን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ልዕሊ 20 ሕታማት ኣብዛ “ምንቍልቋል ኣእምሮኣዊ ጥዕና መንእሰያት—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ተዘርዚሩ ኣሎ።