ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mrt ዓንቀጽ 81
  • ኣምላኽ ንጽሙማን ዜርእዮ ሓልዮት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣምላኽ ንጽሙማን ዜርእዮ ሓልዮት
  • ተወሳኺ ርእሰ ነገራት
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣምላኽ ብዛዕባ ጽሙማን ዘለዎ ኣረኣእያ
  • ሎሚ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንጽሙማን ዚገብሩሎም ሓገዝ
  • መጽሓፍ ቅዱስ ንምምሃር ዜግልግል እንታይ ናውቲ ኢና ኣዳሊና ዘለና፧
  • ‘የሆዋ ገጹ ኣብርሃሎም’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ንጽሙማን ኣሕዋትካን ኣሓትካን ሓብሕቦም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ኣብ ዞባኻ ንዘለዉ ጸማማት ንምርካብ ትኩር ኩን
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2001
  • ቅድሚ ምስባኽካ፡ ከተናዲ የድልየካ ይኸውን
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2012
ዝያዳ ርአ
ተወሳኺ ርእሰ ነገራት
mrt ዓንቀጽ 81
ኣብ ሓደ ካፈ፡ ሓንቲ ናይ የሆዋ ምስክር ንሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ብቛንቋ ምልክት እተዳለወ ቪድዮ ተርእያ። እታ ጓል ኣንስተይቲ ነታ ቪድዮ ተሓጒሳ ትርእያ።

ኣምላኽ ንጽሙማን ዜርእዮ ሓልዮት

ሎሚ ኣብ ዓለም ኣስታት 70 ሚልዮን ጽሙማን ኣለዉ። መብዛሕትኦም ከኣ ካብቲ 200 ቛንቋ ምልክት ብሓዲኡ ይጥቀሙ እዮም። እቲ ዜሕዝን ግና፡ ኣብዚ ዚስዕብ ጸብጻብ ተሓቢሩ ኸም ዘሎ፡ ጽሙማን ግዳያት ግፍዒ ይዀኑ እዮም፦

  • “መሰላት ጽሙማንን ናይ ምስማዕ ጸገም ዘለዎም ሰባትን ኣብ ብዘላ ዓለም ዕሽሽ ይብሃል እዩ።”—ሃገራዊ ማሕበር ጽሙማን (ሕ.መ.ኣ.)።

  • “ኣብተን ኣብ ምምዕባል ዚርከባ ሃገራት ዚነብሩ ጽሙማን፡ ትምህርትን ስራሕን ሓበሬታን ብቐሊሉ ስለ ዘይረኽቡ፡ ካብ ድኻታት እቶም ዝደኸዩ እዮም።”—ፈደረሽን ጽሙማን ዓለም።

ኣምላኽ ብዛዕባ ጽሙማን እንታይ ይስምዖ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ጽሙማን እንታይ ይብል፧ ሎሚ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንጽሙማን ብኸመይ ይሕግዝዎም ኣለዉ፧

ኣምላኽ ብዛዕባ ጽሙማን ዘለዎ ኣረኣእያ

የሆዋa ኣምላኽ ንጽሙማን ከም ዚሓልየሎም መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። ፍትሓዊ ኣተሓሕዛ ኺረኽቡን ካብቲ ንሱ ዘቕረቦ ትምህርቲ ኺጥቀሙን ይደሊ እዩ።

ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ንጸማም ኣይትርገሞ።”—ዘሌዋውያን 19:14።

ትርጉሙ፦ እቲ የሆዋ ንጥንታውያን እስራኤላውያን ዝሃቦም ሕጊ፡ ንመሰላት ጽሙማን ዚሕሉ ነበረ።

ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ኣምላኽ ከም ዘየዳሉ ሕጂ ብሓቂ ተረዲኡኒ።”—ግብሪ ሃዋርያት 10:34።

ትርጉሙ፦ የሆዋ በበይኑ ባህልን ድሕረ ባይታን ቋንቋን ንዘለዎም ሰባት፡ እንተላይ ንጽሙማን ይሓልየሎም እዩ።

ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ፦ “የሱስ . . . ብስራት መንግስቲ እናሰበኸ . . . ኣብ ኵሉ ኸተማታትን ኣቝሻትን ዞረ።”—ማቴዎስ 9:35።

ትርጉሙ፦ የሱስ ንሰባት ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ንምምሃር፡ ከምኡ እውን እታ መንግስቲ ንደቂ ሰብ ብሓፈሻ፡ እንተላይ ንጽሙማን እንታይ ከም እትገብር ንምሕባር እዩ ናብ ምድሪ መጺኡ።—ማቴዎስ 6:10።

ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ፦ የሱስ “ጸማማት ከም ዚሰምዑ፡ ዓባሳት ከኣ ከም ዚዛረቡ ገይሩ።”—ማርቆስ 7:37።

ትርጉሙ፦ የሱስ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ንጽሙማን ኣእዛኖምን ኣፎምን ብምኽፋት እንታይ ከም እትገብረሎም እዩ ኣርእዩ። ኣብዚ ኣጋጣሚ እዚ፡ ንሓደ ጽሙም ከም ዚሰምዕን ከም ዚዛረብን ቅድሚ ምግባሩ፡ ብምልክት ገይሩ ተዛረቦ።—ማርቆስ 7:31-35።

ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ኣእዛን ጸማማት . . . ጋህ ኪብላ እየን።”—ኢሳይያስ 35:5።

ትርጉሙ፦ ጽሙማን ኣብ መጻኢ ኺሰምዑ ኸም ዚኽእሉ፡ የሆዋ ተነብዩ እዩ።—ኢሳይያስ 29:18።

ሎሚ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንጽሙማን ዚገብሩሎም ሓገዝ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ኻብ ኣምላኽ ዝመጸ መልእኽቲ ተስፋ ኣብ ብዘላ ዓለም ንዘለዉ ጽሙማን ይነግርዎም ኣለዉ። እሞኸ ኣብዚ መዳይ እዚ እንታይ ንገብር ኣለና፧ ብልዕሊ 100 ቛንቋ ምልክት፡ መጽሓፍ ቅዱስን መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ ዚሕግዝ ቪድዮታትን ነዳሉ ኣለና። ብዘይካዚ፡ ብቛንቋ ምልክት ዚቐርብ ትምህርትን ክርስትያናዊ ኣኼባታትን ንውድብ ኣለና። ነዚ ዅሉ ኸኣ፡ ካብ ኣምላኽ ሓገዝ ንዚደሊ ዘበለ ብዘይ ክፍሊት ኢና እነቕርበሉ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ የሱስ፡“ብናጻ ተቐቢልኩም ኢኹም እሞ፡ ብናጻ ሃቡ” ኢሉ ኣዚዙና እዩ።—ማቴዎስ 10:8።

ነዚ ድማ ኣብ ኦንላይን ክትረኽቦ፡ ወይ ከኣ ካብዚ ዚስዕብ ናብ ሞባይልካ ወይ ናብ ታብለትካ ኸተራግፍ ትኽእል ኢኻ፦

ምስሊ ቋንቋታት jw.org።

JW.ORG። ብሓደ ቛንቋ ምልክት ሓበሬታ ንምርካብ፡ ኣብ ላዕሊ ኣብቲ ንቛንቋ ዜመልክት ምስሊ ጠውቕ።

ምስሊ ኣፕሊኬሽን “JW Library”።

ኣፕሊኬሽን JW Library። ኣብ ሞባይልካ ወይ ኣብ ታብለትካ ነዚ ናጻ ዝዀነ ኣፕ ጽዓን እሞ ብልዕሊ 100 ቛንቋ ምልክት፡ ቪድዮታት ከተራግፍ ወይ ክትርኢ ትኽእል ኢኻ።

መጽሓፍ ቅዱስ ንምምሃር ዜግልግል እንታይ ናውቲ ኢና ኣዳሊና ዘለና፧

ብቛንቋ ምልክት እተዳለወ መጽሓፍ ቅዱስ። ብቛንቋ ምልክት ኣመሪካ እተዳለወ መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም፡ ኣብ ዓለም ብቛንቋ ምልክት ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ እተዳለወሉ ናይ መጀመርታ ቛንቋ እዩ። ሕጂ ትርጉም ሓዳስ ዓለም ብምሉእ ወይ ብኸፊል ብብዙሕ ቋንቋታት ምልክት ተዳልዩ ኣሎ፣ ኣብ ዓዓመት ከኣ ብዙሕ ቋንቋታት ይውሰኽ ኣሎ። (ዝርዝር እቲ ቛንቋታት ወይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኦንላይን ንምርኣይ፡ “ብቛንቋ ምልክት እተዳለወ ትርጉም ሓዳስ ዓለም” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።)

  • መጽሓፍ ቅዱስ ብቛንቋ ምልክት ኣብ ዚዳለወሉ እዋን እንታይ ዕዮ ኸም ዚዕየ ንምፍላጥ፡ The Complete New World Translation Is Available in ASL ዘርእስታ ቪድዮ ርአ።

  • ኣብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ምእንቲ ኺሕግዘካ፡ ኣፕሊኬሽን JW Library ጽዓን። እዚ ኣፕ እዚ፡ ብቛንቋ ምልክት ኣብ እተዳለወ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ዝደለኻዮ ፍቕድታት ክትርኢ የኽእለካ እዩ።

  • ድሚትሮን ቪታን ጽሙማን ወለዲ እዮም፣ ደቆም ከኣ ኪሰምዑ ይኽእሉ እዮም። እዞም ስድራ እዚኦም፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብቛንቋ ምልክት ብምርኣይ ብኸመይ ከም ዚጥቀሙ ርአ።

ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር ቪድዮታት። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብቛንቋ ምልክት ቪድዮታት ኣዳልዮም ኣለዉ። እዚ ቪድዮታት እዚ ዚህቦ ግብራዊ ምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ነዞም ዚስዕቡ ጕጅለታት ይኸውን እዩ፦

  • ሰብ ሓዳርን ስድራ ቤታትን

  • መንእሰያት

  • ቈልዑ

በብውልቂ ዚግበር ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ። ብውልቂ ብዚምህረካ መምህር እናተሓገዝካ ብቛንቋ ምልክት መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ተምሃር። እዚ ብናጻ ዚግበር ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከመይ ምዃኑ ንምፍላጥ ሕተት።

ጄሰን ሰናሆኖን ኣብ ፊሊፒንስ እዩ ዚነብር። ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ኣምላኽ ናይ ቀረባ ዕርክነት ንምምዕባል ብኸመይ ከም ዝሓገዞ ርአ።

ማርዮ ኣንቱነዝ ብቛንቋ ምልክት ይዛረብ።

ማርዮ ኣንቱነዝ ኣብ ሆንዱራስ ዚነብር ቀሺ እዩ ነይሩ። “መልሲ ዘይረኸብኩሉ ብዙሕ ሕቶታት ነይሩኒ” ኣብ ዘርእስታ ዓንቀጽ ታሪኹ ኼዘንቱ ኸሎ፡ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ንዝነበሮ ሕቶታት ብኸመይ መልሲ ኸም ዝረኸበሉ ርአ።

ኣኼባታት። ኣብ ብዘላ ዓለም፡ ጽሙማን ኣብ ሰሰሙን ተኣኪቦም ዚምሃሩሉን ኣምልኾ ዜካይዱሉን ጉባኤታትን ጕጅለታትን ምልክት ቋንቋ ኣሎና። ኣብ ዓዓመት ከኣ፡ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚቐርበሉ ብቛንቋ ምልክት ዚግበር ዓበይቲ ኣኼባታት ነዳሉ ኢና። ኣብቲ ኣኼባታትና፡ ነቶም ጽሙማንን ዕዉራትን ዝዀኑ ሰባት ኣብ ኢዶም ምልክት ብምግባር ንምህሮም ኢና። ብብረይል ዚዳሎ ጽሑፋት እውን ብዘይ ክፍሊት ነዳሉ ኢና።

  • ዚቐርበካ ጉባኤ ድለ።

  • ብዛዕባ ዓመታዊ ዓበይቲ ኣኼባታት ፍለጥ።

  • ኣብቲ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዝዀነ በዓል ዝኽሪ ሞት የሱስ ተኣከብ።

ሆሴ ሉዊስ ኣያላ ኣብ መክሲኮ እዩ ዚነብር። ንሱ ጽሙም ኰይኑ እዩ ተወሊዱ፣ ደሓር ድማ ዓዊሩ። እንተዀነ ግና፡ ከመይ ገይሩ ንፉዕ መምህር መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝዀነ ርአ።

ብቛንቋ ምልክት እተዳለወ ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ክሳዕ 1 ጥሪ 2026 ኣብ ዝነበረ እዋን፡ እዚ ንምርዳኡ ቐሊል ዝዀነ ትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ በዚ ዚስዕብ ቋንቋታት ብምሉእ ወይ ብኸፊል ተዳልዩ ኣሎ።

ምስሊ እተቐልዐት መጽሓፍ ቅዱስ።

ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ

  • ቋንቋ ምልክት መክሲኮ

  • ቋንቋ ምልክት ሩስያ

  • ቋንቋ ምልክት ብራዚል

  • ቋንቋ ምልክት ኢጣልያ

  • ቋንቋ ምልክት ኣመሪካ

  • ቋንቋ ምልክት ኮሎምብያ

  • ቋንቋ ምልክት ኮሪያ

ምስሊ እተቐልዐት መጽሓፍ ቅዱስ።

ክርስትያናዊ ቕዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ (“ሓድሽ ኪዳን”)

  • ቋንቋ ምልክት ህንዲ

  • ቋንቋ ምልክት ማላዊ

  • ቋንቋ ምልክት ስጳንኛ

  • ቋንቋ ምልክት ብሪጣንያ

  • ቋንቋ ምልክት ቨነዝወላ

  • ቋንቋ ምልክት ቺለ

  • ቋንቋ ምልክት ኢንዶነዥያ

  • ቋንቋ ምልክት ኣርጀንቲና

  • ቋንቋ ምልክት ኣንጎላ

  • ቋንቋ ምልክት ኤኳዶር

  • ቋንቋ ምልክት ዚምባብወ

  • ቋንቋ ምልክት ዛምብያ

  • ቋንቋ ምልክት ደቡብ ኣፍሪቃ

  • ቋንቋ ምልክት ጀርመን

  • ቋንቋ ምልክት ጃፓን

  • ቋንቋ ምልክት ፈረንሳ

  • ቋንቋ ምልክት ፐሩ

  • ቋንቋ ምልክት ፖላንድ

ምስሊ እተቐልዐት መጽሓፍ ቅዱስ።

ገሊኡ መጻሕፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ

  • ቋንቋ ምልክት ሞዛምቢክ

  • ቋንቋ ምልክት ቻይና

  • ቋንቋ ምልክት ናይጀርያ

  • ቋንቋ ምልክት ኣውስትራልያ

  • ቋንቋ ምልክት ኩባ

  • ቋንቋ ምልክት ጋና

  • ቋንቋ ምልክት ፊሊፒንስ

ብኻልእ ቋንቋታት ምልክት ከኣ፡ እተወሰነ ፍቕድታት መጽሓፍ ቅዱስ ይርከብ እዩ።

a የሆዋ ብሕታዊ ስም ኣምላኽ እዩ። (መዝሙር 83:18) “የሆዋ መን እዩ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ