ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mrt ዓንቀጽ 66
  • መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ጥሜት እንታይ ይብል፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ጥሜት እንታይ ይብል፧
  • ተወሳኺ ርእሰ ነገራት
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ሎሚ ዘሎ ጥሜት ተነብዩ ነይሩ
  • ጥሜት ብኸመይ እዩ ኺውገድ፧
  • ውግእን ለውጢ ክሊማን ንሕጽረት ምግቢ የጋድዶ—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧
    ተወሳኺ ርእሰ ነገራት
  • ውግእ ዩክረይን ንዓለምለኻዊ ሕጽረት ምግቢ ኣጋዲድዎ
    ተወሳኺ ርእሰ ነገራት
  • ብመንፈስ ኣጸቢቕካ ትምገብዶ ኢኻ፧
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ኣብ ቅድሜና ዝበለጸ ግዜ ኣሎ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
ዝያዳ ርአ
ተወሳኺ ርእሰ ነገራት
mrt ዓንቀጽ 66
ፋርኬታን ጥራዩ ብያቲን።

Nany/stock.adobe.com

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ጥሜት እንታይ ይብል፧

“ጥሜት ዘይብላ ዓለም።” እዘን ቓላት እዚአን፡ መራሕቲ ዓለም ነቲ ኣብ ዓለም ዓብዪ ጸገም ኰይኑ ዘሎ ሕጽረት ምግቢ ንምውጋድ ዜውጽእዎ ሸቶ ዚገልጻ እየን።a ይኹን እምበር፡ ጥሜት ዘይብላ ዓለም ክትህሉ ድያ፧ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ሎሚ ዘሎ ጥሜት ተነብዩ ነይሩ

መጽሓፍ ቅዱስ ኣብዚ እንነብረሉ ዘለና “ዳሕሮት መዓልትታት” ኢሉ ዚጽውዖ ግዜ፡ ጥሜት ከም ዚህሉ ተነብዩ ነይሩ እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1) ኣምላኽ በዚ ዜጋጥም ዘሎ ጥሜት ተሓታቲ ኣይኰነን፣ ብዛዕባኡ ግና ኣቐዲሙ ኣጠንቂቑ ነይሩ እዩ። (ያእቆብ 1:13) እስከ ኽልተ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ንርአ።

“ኣብ በቦታኡ ኸኣ ጥሜት. . . ኪኸውን እዩ።” (ማቴዎስ 24:7) እዚ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ እዚ፡ ኣብ ብዙሕ ቦታታት ጥሜት ከም ዚህሉ ዚሕብር እዩ። ነዚ ብዚምልከት ብዛዕባ ፍርያትን ቀረብን ምግቢ ዜጽንዑ ሰባት ከምዚ ብምባል ጸብጻብ ጽሒፎም ኣለዉ፦ “ዓለም፡ ንጥሜትን ንሕጽረት ምግብን ንጕድለት ምግብን ከተወግድ ጻዕሪ እኳ እንተ ገበረት፡ እቲ ጸገም ግና እናገደደ እዩ ዚኸይድ ዘሎ።”b ኣብ ብዙሕ ሃገራት ዚነብሩ ብኣማእታት ሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት እኹል ምግቢ ኣይረኽቡን እዮም። እቲ ዜሕዝን ከኣ ብሰንኪ እዚ ብዙሓት ይሞቱ ኣለዉ።

ኣብ ራእይ ምዕራፍ 6 እተጠቕሰ ዝማሰነ ፈረሰኛ ኣብ ኢዱ ሚዛን ሒዙ።

“እንሆ፡ ጸሊም ፈረስ፣ እቲ እተወጥሖ ድማ ኣብ ኢዱ ሚዛን ኣለዎ።” (ራእይ 6:5 እ.ጽ.) ኣብዚ ትንቢት፡ እቲ ምሳልያዊ ፈረስን ተወጢሕዎ ዘሎን፡ ነቲ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ዘሎ ጥሜት ዜመልክቱ እዮም።c እቲ ኣብ ኢድ እቲ ፈረሰኛ ዘሎ ሚዛን፡ ምግቢ ብመቝነን ንምምዛን ዜገልግል እዩ። እቲ ፈረሰኛ እናጋለበ ኸሎ ድማ፡ ዋጋ ምግቢ ኣዝዩ ኸም ዚኸብርን ሰባት ምግቦም ኪቝጥቡ ኸም ዘለዎም ዜጠንቅቕን ድምጺ ወጸ። (ራእይ 6:6) እዚ፡ ነቲ ሎሚ ዘሎ ዓለምለኻዊ ሕጽረት ምግቢ ጽቡቕ ገይሩ እዩ ዚገልጾ፡ ከመይሲ፡ ብቢልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ጥዑይ ምግቢ ኪረኽቡ ኣይክእሉን እዮም ወይ ኪዕድጉ ዓቕሚ የብሎምን።

ጥሜት ብኸመይ እዩ ኺውገድ፧

ዓለምና ንነበርታ ዚምግብ ኣኽል ታርፍ እኽሊ ኸተብቍል ከም እትኽል ሰብ ሞያ ይገልጹ እዮም። እሞ ደኣ ጠንቂ ጥሜት እንታይ እዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ እቲ ፈጣሪና ዝዀነ የሆዋd፡ ነዚ ጸገማት እዚ ንምፍታሕ ብዛዕባ ዚወስዶ ስጕምትታት እንታይ ይብል፧

ስእሊ ኣብ ፊት መንግስታዊ ትካል ደው ኢሎም ዚቃወሙ ሰባት።

ጸገም፦ መንግስትታት ነቲ ንደቂ ሰብ ግዳይ ጥሜት ገይርዎም ዘሎ ድኽነትን ቍጠባዊ ዘይማዕርነትን ኬወግዳ ኣይከኣላን።

ፍታሕ፦ ዘይፍጹማት ሰብኣውያን መንግስትታት፡ በታ ፍጽምቲ ዝዀነት መንግስቲ ኣምላኽ ኪትካኣ እየን። (ዳንኤል 2:44፣ ማቴዎስ 6:10) ሎሚ ብዙሓት ድኻታት ሰባት ምግቢ ኪዕድጉ ዓቕሚ የብሎምን፣ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ ግና እዚ ኪቕየር እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ከምዚ ይብል፦ “ንሱስ ንዜእዊ ድኻን ረዳኢ ንዘይብሉ ትሑትን ኬናግፍ እዩ። . . . ኣብ ምድሪ ብዙሕ እኽሊ ኪኸውን፡ ኣብ ርእሲ ኣኽራን ከኣ ኣኺሉ ኺተርፍ እዩ።።”—መዝሙር 72:12, 16።

ስእሊ ካርታን ታንክን ተዋጋእቲ ነፈርትን።

ጸገም፦ ውግእ፡ ዕንወትን ቍጠባዊ ዘይምርግጋእን የስዕብ። ብሰንኪ እዚ ድማ፡ ምግቢ ናብ ኵሉ ቦታታት ኣይበጽሕን።

ፍታሕ፦ “[የሆዋ] ንውግእ ኣብ ብዘላ ምድሪ መወዳእታ ይገብረሉ። ንቐስቲ ይሰብሮ፡ ንዂናት ድማ ይቐራስሞ፣ ንሰረገላታት ብሓዊ የንድዶ።” (መዝሙር 46:9) ኣምላኽ ንኣጽዋር ውግእን ነቶም ውግእ ዜለዓዕሉ ሰባትን ኬጥፍኦም እዩ። ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ ኵሉ ሰብ ብዘይ ጸገም እኹል ምግቢ ኺረክብ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ጻድቕ ኪዕምብብ፡ . . . ሰላም ኪበዝሕ እዩ” ብምባል የተስፉ።—መዝሙር 72:7።

ስእሊ ጸሓይን ኣብ ንቑጽ መሬት ተተኺላ ዝሓረረት ተኽልን።

ጸገም፦ ሓደገኛ ዅነታት ኣየርን ባህርያዊ ሓደጋታትን ኣዝርእቲ የበላሹ፡ ማል ከኣ ይቐትል።

ፍታሕ፦ ኣምልኽ ንባህርያዊ ሓይልታት ምድሪ ብምቍጽጻር፡ ኣብ ምድሪ እኽሊ ኺበቝለሉ ዚኽእል ምሹእ ኵነታት ኪፈጥር እዩ። ነዚ ብዚምልከት መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “[የሆዋ] ንህቦብላ ንፋስ የህድኦ፣ ማዕበላት ባሕሪ ኸኣ ዝግ ይብል። . . . ንምድረ በዳ፡ ሻምብቆ ናብ ዝመልኦ ራህያታት ማይ፡ ንንቑጽ ምድሪ ኸኣ ናብ ዓይኒ ማያት ይልውጦ። . . . ንጥሙያት ኣብኡ የቐምጦም። . . . ብዙሕ ፍረ ኺፈርስ፡ ግራውቲ ይዘርኡ፡ ኣታኽልቲ ወይኒ ድማ ይተኽሉ።”—መዝሙር 107:29, 35-37።

ስእሊ ኽልተ ጉቦ ዚዋሃሃቡ ሓለፍቲ።

ጸገም፦ ስሱዓትን ብልሹዋትን ሰባት፡ ውሕስነቱ ዘይተሓለወ ምግቢ የዳልዉ፣ ምግቢ ናብ ሰባት ከይበጽሕ ድማ ይዓግቱ።

ፍታሕ፦ መንግስቲ ኣምላኽ ንዅሎም ዘይቅኑዓትን ብልሹዋትን ሰባት ከተወግዶም እያ።(መዝሙር 37:10, 11፣ ኢሳይያስ 61:8) መጽሓፍ ቅዱስ ንየሆዋ ኣምላኽ፡ “ንእተዓመጹ ፍትሒ ዜውጽኣሎም፡ ንጥሙያት እንጌራ ዚህቦም እዩ” ብምባል ይገልጾ።—መዝሙር 146:7።

ስእሊ ኣብ እንዳ ጐሓፍ እተጓሕፈ ምግቢ።

ጸገም፦ በብዓመቱ፡ ኣብ ዓለም፡ ሓደ ሲሶ ዚኸውን ምግቢ ይባኽን ወይ ይጠፍእ እዩ።

ፍታሕ፦ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ቀረብ ምግቢ ብግቡእ ኪመሓደር እዩ። የሱስ ኣብ ምድሪ ኸሎ፡ ምግቢ ኸይባኽን ተጠንቂቑ እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ንልዕሊ 5,000 ሰባት ብተኣምራዊ መገዲ መጊብዎም እዩ። ጸኒሑ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ሓንቲ እኳ ኸይትባኽን፡ ዝተረፈ ቝርስራስ ኣክብዎ” ብምባል ኣዚዝዎም እዩ።—ዮሃንስ 6:5-13።

መንግስቲ ኣምላኽ፡ ንዅሉ ጠንቂ ጥሜት ካብ ሱሩ ስለ እትምሕዎ፡ ሽዑ ሰባት ብሉጽን ጥዑይን ምግቢ ኬስተማቕሩ እዮም። (ኢሳይያስ 25:6) መንግስቲ ኣምላኽ፡ ነዚ መዓስ ከም እትፍጽሞ ንምፍላጥ፡ “መዓስ እያ መንግስቲ ኣምላኽ ንምድሪ እትገዝኣ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

a ብ2015፡ ኵለን ኣባላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት እተሰማምዓሉ ናይ 2030 ኣጀንዳ ንቐጻሊ ዕቤት።

b ትካል ምግብን ሕርሻን ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ዓለምለኻዊ ማዕከን ዕቤት ሕርሻ፡ ማዕከን ቈልዑ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ውድብ ምግቢ ዓለም፡ ውድብ ጥዕና ዓለም ብሓባር ዘውጽእዎ ጸብጻብ።

c ብዛዕባ እቶም ኣብ ራእይ ተጠቒሶም ዘለዉ ኣርባዕተ ፈረሰኛታት ዝያዳ ኽትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ “እቶም ኣርባዕተ ፈረሰኛታት እንታዎት እዮም፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

d የሆዋ ብሕታዊ ስም ኣምላኽ እዩ። (መዝሙር 83:18) “የሆዋ መን እዩ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ