ንቕሑ!
ሃይማኖትን ውግእን ኣብ ዩክረይን—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧
ገለ ኻብቲ ብዛዕባ ምርኡያት መራሕቲ ሃይማኖትን ኣብ ዩክረይን ዘሎ ውግእን ዝቐረበ እዋናዊ ጸብጻብ ርአ፦
“መራሒ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ሩስያ፡ ፓትርያርክ ክሪል፡ ብዛዕባ እቲ ሩስያ እትገብሮ ዘላ ወተሃደራዊ ጐንጺ፡ ሓንቲ ቓል እኳ ኣየውስአን። . . . ቤተ ክርስትያኑ ኣንጻር ዩክረይን ዝገበረቶ ጐስጓስ፡ ፑቲን ነቲ ዝጀመሮ ውግእ ኣብቲ ህዝቢ ተቐባልነት ምእንቲ ኽረክብ ተጠቒምሉ እዩ።”—ኢዩኦብዘርቨር፦ 7 መጋቢት 2022።
“ፓትርያርክ ክሪል፡ ነቲ ግርጭት ከም ቃልሲ ኣንጻር ሓጢኣት ገይሩ ብምግላጽ፡ ነቲ ሃገሩ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን እትገብሮ ዘላ ወራር፡ ከም ቅቡል ገይሩ ዚገልጽ ሓያል መልእኽቲ እዩ ኣመሓላሊፉ።”—ኤፒ ኒውስ፦ 8 መጋቢት 2022።
“መራሒ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ዩክረይን፡ ኢፒፋነስ ቀዳማይ ሊቃነ ጳጳስ ክየቭ፡ ብሰኑይ ንህዝቡ ኣንጻር ወራር ሩስያ ኺቃለሱ ባሪኽዎም። . . . ብዘይካዚ፡ ንወተሃደራት ሩስያ ምቕታል፡ ሓጢኣት ከም ዘይኰነ ገሊጹ እዩ።”—ጀሩሳሌም ፖስት፦ 16 መጋቢት 2022።
“ንሕና [ቤት ምኽሪ ኣብያተ ክርስትያናትን ሃይማኖታዊ ውድባትን ዩክረይን (ዩ.ሲ.ሲ.ኣር.ኦ.)]፡ ንወተሃደራዊ ሓይልታት ዩክረይንን ንዅሎም ዕጡቓትን ንድግፎም ኢና። ነቲ ንዩክረይን ካብ ወራር ንምክልኻል ዚገብርዎ ቓልሲ ንባርኾ፡ ምእንታኦም እውን ንጽሊ ኢና።”—መግለጺ ዩ.ሲ.ሲ.ኣር.ኦa፦ 24 ለካቲት 2022።
እንታይ ይመስለካ፧ ‘ሰዓብቲ የሱስ ክርስቶስ ኢና’ ዚብላ ሃይማኖታት፡ ንምእመናነን ናብ ውግእ ኪደፋፍኣኦም ይግባእዶ፧ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧
ሃይማኖት ኣብ ውግእ ዘለዎ ታሪኽ
ታሪኽ ከም ዜረጋግጾ፡ ሃይማኖታት ንሰላም ዚዓይያ እናመሰላ፡ ንውግእ ዕሽሽ ኪብላኦ፡ ከም ቅቡል ገይረን ኬቕርባኦ፡ አረ ሕሉፍ ሓሊፈን ኬተባብዓ ተራእየን እየን። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኸምዚ ዝኣመሰለ ሃይማኖታዊ ግብዝና፡ ንሓያሎ ዓመታት ኼቃልዕዎ ጸኒሖም እዮም። ኣብ ሕታማትና እተጠቕሰ ገለ ኣብነታት እስከ ንርአ።
“ዘ ክሩሴድስ—ኤ ትራጂክ ኢሉዢን” ዘርእስታ ዓንቀጽ፡ ሮማዊት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ብስም ኣምላኽን ብስም ክርስቶስን ንእተገብረ ጃምላዊ ቅትለት ተሓታቲት ምዃና ትገልጽ።
“ዘ ካቶሊክ ቸርች ኢን ኣፍሪካ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ከኣ፡ ሃይማኖታት ዓሌታዊ ውግእን ጃምላዊ ቅትለትን ኪፍጸም ከሎ፡ ደው ንምባል ስጕምቲ ኸም ዘይወሰዳ ዚገልጽ ኣብነት ትህብ።
“ኢዝ ረሊጂን ቱ ብሌም፧” “ረሊጂንስ ሮል ኢን ማንስ ዎርስ፡” “ረሊጅን ቴክስ ሳይድስ” ዘርእስተን ዓንቀጻት፡ መራሕቲ ሃይማኖት ካቶሊክን ኦርቶዶክስን ፕሮተስታንትን ክልተ ተጻረርቲ ሃገራት፡ ኣብ ሓያሎ ውግኣት ከም ዝደገፉ ይገልጻ።
‘ክርስትያናት ኢና’ ዚብላ ሃይማኖታት ንውግእ ኪድግፋ ይግባእዶ፧
የሱስ እንታይ ምሂሩ፧ “ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ።” (ማቴዎስ 22:39) “ጸላእትኹም ኣፍቅሩ።”—ማቴዎስ 5:44-47።
ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ሓንቲ ሃይማኖት ንምእመናና ኣብ ውግእ ንሓድሕዶም ኪቀታተሉ እናኣተባብዐት፡ ነቲ የሱስ ብዛዕባ ፍቕሪ ዝሃቦ ትእዛዝ ከም እትስዕብ ክትገልጽ ትኽእል ድያ፧ መልሱ ንምርካብ “ትሩ ክርስችያንስ ኤንድ ዎር፡” “ኢዝ ኢት ፖሲብል ቱ ላቭ ዋንስ ኤነሚ፧” ዘርእስተን ዓንቀጻት ኣንብብ።
የሱስ እንታይ ኢሉ፧ “መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰነትን። መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ እንተ ትኸውንሲ፡ ንኣይሁድ ከይውሃብ፡ ገላዎይ ምተጋደሉለይ ነይሮም።” (ዮሃንስ 18:36) “ሰይፊ ዜልዕሉ ዅሎም፡ ብሰይፊ ኺጠፍኡ እዮም።”—ማቴዎስ 26:47-52።
ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ክርስትያናት ንየሱስ ኪከላኸልሉ ኢሎም ካብ ዘይተቓለሱ፡ ብዝዀነ ይኹን ካልእ ምኽንያት ኣጽዋር ኪዕጠቑ ይግባእዶ፧ ቀዳሞት ክርስትያናት ንኣብነት የሱስን ንትምህርትታቱን ብተኣማንነት ብኸመይ ከም ዝሰዓቡ ምእንቲ ኽትርኢ፡ “ውግእ ምስ ክርስትና ይቃዶ ድዩ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ኣንብብ።
ውግእ ዜተባብዓ ሃይማኖታት እንታይ ኬጋጥመን እዩ፧
‘ንየሱስ ንውክል ኢና’ እናበላ ንትምህርታቱ ዘይስዕባ ሃይማኖታት፡ ኣምላኽ ከም ዚነጽገን መጽሓፍ ቅዱስ ይምህር እዩ።—ማቴዎስ 7:21-23፣ ቲቶስ 1:16።
መጽሓፍ ራእይ ኣምላኽ ነዘን ሃይማኖታት እዚአን ‘ብደም እቶም ኣብ ምድሪ እተሓርዱ ዘበሉ ዅሎም’ ከም ዚሓትተን ትገልጽ። (ራእይ 18:21, 24) ምኽንያቱ ኽትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ “ዓባይ ባቢሎን እንታይ እያ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ኣንብብ።
የሱስ፡ ልክዕ ከምቲ ሕማቕ ፍረ ዚፈሪ ኦም ‘ተቘሪጹ ናብ ሓዊ ዚድርበ፡’ ኵለን እተን ብኣምላኽ እተነጽጋ ሃይማኖታት፡ ብሰንኪ እቲ ሕማቕ ተግባራተን ኪጠፍኣ ምዃነን ምሂሩ እዩ። (ማቴዎስ 7:15-20) እዚ ብኸመይ ከም ዚፍጽም ምእንቲ ኽትፈልጥ፡ “ጥፍኣት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ቀሪቡ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ኣንብብ።
Photo credits, left to right: Photo by Sefa Karacan/Anadolu Agency/Getty Images; Maxym Marusenko/NurPhoto via Getty Images
a ቤት ምኽሪ ኣብያተ ክርስትያናትን ሃይማኖታዊ ውድባትን ዩክረይን (ዩ.ሲ.ሲ.ኣር.ኦ.)፡ ንኦርቶዶክስን ንናይ ግሪኽን ንናይ ሮማን ካቶሊክን ንፕሮተስታንትን ንወንጌላውያንን ዚውክላ 15 ኣብያተ ክርስትያንን ንሃይማኖታት ኣይሁድን እስላምን ዝሓቘፈ እዩ።