ንቕሑ!
ሩስያ ንዩክረይን ወሪራታ
መራሕቲ ዓለም፡ ውግእ ደው ንምባል ጻዕርታት እኳ እንተ ገበሩ፡ ብ24 ለካቲት 2022 ኣብ ሰዓታት ንግሆ፡ ሩስያ ንዩክረይን ክትወርራ ጀሚራ። እዚ ወተሃደራዊ ግርጭት ንዓለም ብኸመይ ኪጸልዋ ይኽእል፧ ቅድሚ ሒደት መዓልትታት፡ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረስ፡ “እዚ ኣብ ደቂ ሰብ ዜሕድሮ ስቓይን መከራን ከምኡ እውን ንድሕንነት ኤውሮጳ ዀነ ንድሕንነት ዓለም ዜሕድሮ ጽልዋ ኽትግምቶ ዚከኣል ኣይኰነን” በለ።
ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ፍጻመታት እንታይ ትርጉም ኣለዎ፧
የሱስ ክርስቶስ፡ “ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ፡ መንግስቲ ድማ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኺልዓል እዩ” ኢሉ ተነብዩ ነይሩ እዩ። (ማቴዎስ 24:7) ሎሚ ዜጋጥም ዘሎ ውግእ፡ ፍጻመ ትንቢት የሱስ ምዃኑ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም ዚሕብር ንምፍላጥ፡ “ምልክት ‘ዳሕሮት መዓልትታት’ እንታይ እዩ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ኣንብብ።
እታ ኽፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነት መጽሓፍ ራእይ ንውግእ ከም ሓደ፡ ‘ንሰላም ካብ ምድሪ ዜርሕቕ፡’ ኣብ ‘ሓመር ፈረስ እተወጥሐ ፈረሰኛ’ ገይራ ገሊጻቶ ኣላ። (ራእይ 6:4) እዚ ትንቢት እዚ ሎሚ ንዚፍጸም ዘሎ ውግእ ብኸመይ ከም ዜመልክት ንምፍላጥ፡ “እቶም ኣርባዕተ ፈረሰኛታት እንታዎት እዮም፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ኣንብብ።
መጽሓፍ ዳንኤል ኣብ መንጎ ‘ንጉስ ሰሜንን ንጉስ ደቡብን ምቅንቓን’ ከም ዚህሉ ተነብያ ነይራ እያ። (ዳንኤል 11:25-45) ሩስያን ተሓባበርታን ንጉስ ሰሜን ዝዀናሉ ምኽንያት ንምፍላጥ፡ እተፈጸመ ትንቢት—ዳንኤል ምዕራፍ 11 ዘርእስታ ቪድዮ ርአ።a
ብዘይካዚ፡ መጽሓፍ ራእይ ብዛዕባ “ውግእ እታ ዓባይ መዓልቲ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ” ትገልጽ እያ። (ራእይ 16:14, 16) እዚ ግና፡ ነቲ እንርእዮ ዘሎና ኣብ መንጎ ሃገራት ዚግበር ውግእ ዜመልክት ኣይኰነን። ብዛዕባ እቲ መጻኢ እቲ ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ፡ “ውግእ ኣርማጌዶን እንታይ እዩ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ኣንብብ።
ብዛዕባ መጻኢ ብሩህ ተስፋ ኺህልወካ ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧
ኣምላኽ ‘ንውግእ ኣብ ብዘላ ምድሪ መወዳእታ ኸም ዚገብረሉ፡’ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። (መዝሙር 46:9) ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ዘተስፈዎ መጻኢ ብዝያዳ ንምፍላጥ፡ “ኣብዚ ቐረባ ጊዜ ዚፍጸም ናይ ሓቂ ተስፋ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ኣንብብ።
የሱስ ንሰዓብቱ ብዛዕባ ምምጻእ መንግስቲ ኣምላኽ ኪጽልዩ ምሂርዎም እዩ። (ማቴዎስ 6:9, 10) እታ መንግስቲ እቲኣ፡ ሰማያዊት መንግስቲ እያ፣ ነቲ ዓለምለኻዊ ሰላም ዜጠቓልል ፍቓድ ኣምላኽ ድማ ኣብ ምድሪ ኸም ዚፍጸም ክትገብር እያ። መንግስቲ ኣምላኽ ብኸመይ ከም እትጠቕመካ ምእንቲ ኽትፈልጥ፡ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧ ዘርእስታ ቪድዮ ርአ።
ኣብ ዩክረይን፡ ልዕሊ 129,000 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣለዉ። ልክዕ ከምቶም ኣብ ካልኦት ሃገራት ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ኣብ ዩክረይን ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን ኣብ ፖለቲካዊ ጕዳያት ገለልትነቶም ብምሕላውን ኣብ ውግእ ብዘይ ምስታፍን ንየሱስ ይመስልዎ እዮም። (ዮሃንስ 18:36) ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ንሽግራት ደቂ ሰብ፡ እንተላይ ንውግእ ፍታሕ እትመጽእ መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዝዀነት ‘የበስሩ’ እዮም። (ማቴዎስ 24:14) ብዛዕባ ተስፋ ዚገልጽ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዝያዳ ምእንቲ ኽትፈልጥ፡ ምሳና ኽትራኸብ ንዕድመካ።
a ብዛዕባ እዚ ትንቢት እዚ ምሉእ ሓበሬታ ንምርካብ፡ “‘ንጉስ ሰሜን ብግዜ መወዳእታ’ ኸምኡ እውን ‘ሎሚ ንጉስ ሰሜን መን እዩ፧’” ዘርእስተን ዓንቀጻት ርአ።