ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mrt ዓንቀጽ 38
  • ሃይማኖት ኣብ ፖለቲካ ኺኣቱ ይግባእ ድዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሃይማኖት ኣብ ፖለቲካ ኺኣቱ ይግባእ ድዩ፧
  • ተወሳኺ ርእሰ ነገራት
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • የሱስ ኣብ ፖለቲካ ኢዱ ኣእትዩ ድዩ፧
  • ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ኣብ ፖለቲካ ኢዶም ኣእትዮም ድዮም፧
  • ኣብዚ እዋን እዚ ዘሎ ክርስትያናዊ ገለልትነት
  • ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ኣብ ፖለቲካ ይኣትዉ ነይሮም ድዮም፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • የሱስ ኣብ ፖለቲካ ዘይኣተወ ስለምንታይ እዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • የሱስ ብዛዕባ ፖለቲካ እንታይ ዓይነት ኣረኣእያ ነበሮ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ኣቕሽሽቲ ኣብ ፖለቲካ ኺኣትዉስ ግቡእ ድዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
ዝያዳ ርአ
ተወሳኺ ርእሰ ነገራት
mrt ዓንቀጽ 38
ሃይማኖታውን ፖለቲካውን መራሕቲ ተሓቛቚፎም ኢዶም እናኣወዛወዙ ንህዝቢ ሰላም ይብሉ።

ሃይማኖት ኣብ ፖለቲካ ኺኣቱ ይግባእ ድዩ፧

ኣብ ብዘላ ዓለም፡ ‘ሰዓብቲ የሱስ ክርስቶስ ኢና’ ዚብሉ ሰባት፡ ኣብ ፖለቲካ ኣጸቢቖም ጥሒሎም እዮም። ነቲ ዘለዎም ሃይማኖታዊ እምነትን ስነ ምግባራዊ ስርዓታትን ንምስፍሕፋሕ ንገሊኦም ናይ ምርጫ ሕጹያትን ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ይድግፉ። እቶም ፖለቲካውያን ብወገኖም፡ መብዛሕትኡ ግዜ ነቶም ሃይማኖታውያን ኣብ ኢዶም ምእንቲ ኼእትውዎም ሃይማኖታዊ ወይ ስነ ምግባራዊ ጕዳያት ይጥቀሙ እዮም። መራሕቲ ሃይማኖት ንፖለቲካዊ ስልጣን ኪወዳደሩ ልሙድ ነገር እዩ። ኣብ ገሊኡ ሃገራት፡ ገሊአን ኣብያተ ክርስትያናት ከም ሃገራዊ ሃይማኖት እየን ዚፍለጣ።

እንታይ ይመስለካ፧ ሰዓብቲ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ፖለቲካዊ ጕዳያት ኢዶም ኬእትዉ ይግባእ ድዩ፧ መልሲ እዚ ሕቶ እዚ ምእንቲ ኽትረክብ የሱስ ዝገደፎ ኣብነት ርአ። ንሱ፡ “ከምቲ ኣነ ዝገበርኩልኩምሲ፡ ንስኻትኩም እውን ክትገብሩ፡ ኣርኣያ ሂበኩም ኣለኹ” በለ። (ዮሃንስ 13:15) ንፖለቲካ ብዚምልከት የሱስ እንታይ ኣርኣያ ገዲፉልና፧

የሱስ ኣብ ፖለቲካ ኢዱ ኣእትዩ ድዩ፧

ኣይፋልን። የሱስ ኣብ ናይ ዓለም ፖለቲካ ኢዱ ኣየእተወን።

የሱስ ፖለቲካዊ ስልጣን ንምርካብ ኣይተመጣጠረን። ሰይጣን ድያብሎስ፡ ‘ንዅለን መንግስትታት ዓለም’ ብምቕራብ፡ ገዛኢ ሰብኣውያን መንግስትታት ኪኸውን ዕድመ ምስ ኣቕረበሉ፡ የሱስ ነጺግዎ እዩ። (ማቴዎስ 4:8-10)a ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ፡ ነቲ የሱስ ዘለዎ ናይ ኣመራርሓ ኽእለት ዝረኣዩ ሰባት፡ ናብ ፖለቲካ ኺደፋፍእዎ ፈቲኖም እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “የሱስ ድማ፡ መጺኦም ብሓይሊ ሒዞም ኬንግስዎ ኸም ዝደለዩ ፈሊጡ፡ ከም ብሓድሽ በይኑ ናብ ከረን ኣልገሰ።” (ዮሃንስ 6:15) የሱስ ከምቲ እተጸበይዎ ኣይገበረን፡ ከመይሲ ኣብ ፖለቲካዊ ጕዳያት ኢዱ ኼእቱ ኣይደለየን።

የሱስ ኣብ ፖለቲካዊ ጕዳያት ወገን ኣይሓዘን። ንኣብነት፡ እቶም ኣብ ግዜ የሱስ ዝነበሩ ኣይሁድ ንመንግስቲ ሮሜ ግብሪ ምኽፋል ከም ዘይፍትሓዊ ጾር ገይሮም ይርእይዎ ስለ ዝነበሩ፡ የቘጥዖም ነይሩ እዩ። የሱስ ብዛዕባ ፍትሓውነት ምኽፋል ግብሪ፡ ወገን ኪሕዝ ጸቕጢ ኺግበረሉ ኸሎ እውን ከይተረፈ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ኽርክራት ኣይኣተወን። እኳ ደኣስ፡ “ናይ ቄሳር ንቄሳር፡ ናይ ኣምላኽ እውን ንኣምላኽ ሃቡ” በለ። (ማርቆስ 12:13-17) ኣብቲ ፖለቲካዊ ጕዳያት ገለልትነቱ ሓልዩ እዩ። ይኹን እምበር፡ ነቲ ቄሳር፡ ማለት ሲቪላዊ ምምሕዳር ሮሜ ዚሓትቶ ግብሪ ኪኽፈል ከም ዚግባእ ኣርእይዎም እዩ። በቲ ሓደ ወገን ከኣ፡ ንመንግስታዊ ስልጣናት ኪውሃብ ዘለዎ ተኣዛዝነት ደረት ከም ዘለዎ ኣርእይዎም እዩ። ሓደ ሰብ፡ እቲ ንኣምላኽ ጥራይ ኪውሃብ ዚግብኦ ተወፋይነትን ኣምልኾን ንሃገር ኪህብ የብሉን።—ማቴዎስ 4:10፣ 22:37, 38።

የሱስ ንሰማያዊ ምምሕዳር፡ ማለት ንመንግስቲ ኣምላኽ እዩ ዚድግፍን ዚምህርን ነይሩ። (ሉቃስ 4:43) ነቲ ኣምላኽ ንምድሪ ዘለዎ ዕላማ ኽትፍጽም እትኽእል፡ መንግስቲ ኣምላኽ እምበር መንግስትታት ደቂ ሰብ ከም ዘይኰና ስለ ዚፈልጥ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ጕዳያት ኢዱ ኣየእተወን። (ማቴዎስ 6:10) የሱስ፡ መንግስቲ ኣምላኽ መንግስትታት ደቂ ሰብ ከም እትትክአን ደኣ እምበር፡ ብእአን ኣቢላ ኸም ዘይትዓዪ ይርድኦ ነይሩ እዩ።—ዳንኤል 2:44።

ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ኣብ ፖለቲካ ኢዶም ኣእትዮም ድዮም፧

ኣየእተዉን። ሰዓብቲ የሱስ፡ ነቲ፡ “ካብ ዓለም ኣይኰንኩምን” ዚብል ትእዛዙ ስዒቦምዎ እዮም። (ዮሃንስ 15:19) ኣብነቱ ብምስዓብ ካብ ፖለቲካዊ ጕዳያት እዛ ዓለም እዚኣ ተፈልዮም እዮም። (ዮሃንስ 17:16፣ 18:36) ኣብ ፖለቲካዊ ጉዳያት እዛ ዓለም እዚኣ ኣብ ክንዲ ዚኣትዉ፡ ነቲ የሱስ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኪሰብኩን ኪምህሩን ዝሃቦም ዕዮ እዮም ዚፍጽሙ ነይሮም።—ማቴዎስ 28:18-20፣ ግብሪ ሃዋርያት 10:42።

ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዚነብሩ ዝነበሩ ክርስትያናት ኣብ ህይወቶም ንኣምላኽ ምእዛዝ እዮም ዜቐድሙ ነይሮም። ይኹን እምበር፡ ንሰበ ስልጣን ኬኽብሩ ኸም ዘለዎም ይፈልጡ ነይሮም እዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 5:29፣ 1 ጴጥሮስ 2:13, 17) ነቲ ሕግታት ይእዘዝዎ፡ ግብሪ እውን ይኸፍሉ ነይሮም እዮም። (ሮሜ 13:1, 7) ኣብ ፖለቲካዊ ጕዳያት ኢዶም ዘየእትዉ እኳ እንተ ነበሩ፡ ነቲ መንግስትታት ዚህባኦ ዝነበራ ሕጋዊ ዕቝባን ኣገልግሎትን ይጥቀሙሉ ነይሮም እዮም።—ግብሪ ሃዋርያት 25:10, 11፣ ፊልጲ 1:7።

ቀዳሞት ክርስትያናትን ፖለቲካን—ጸሓፍቲ ታሪኽ ዘቕረብዎ ጸብጻብ

  • “ክርስትያናት ኣብ ገለ ኻብቲ ዜጋታት ሮሜ ዚገብርዎ ዝነበሩ ንጥፈታት ምስታፍ ይኣብዩ ነይሮም እዮም። . . . ፖለቲካዊ ስልጣን ኣይቅበሉን ነይሮም።”—ኦን ዘ ሮድ ቱ ሲቪላይዜሽን—ኤ ዎርልድ ሂስትሪ፡ ገጽ 238።

  • “የሱስ ወተሃደራዊ ወይ ፖለቲካዊ ስልጣን ንምርካብ ህንጥዮት ከም ዝነበሮ ኽንሓስብ ዚገብረና ቕንጣብ መርትዖ የለን። ደቀ መዛሙርቱ እውን ልክዕ ከምኡ እዮም ነይሮም።”—ጂሰስ ኤንድ ጁዳይዝም ገጽ 231

  • “ንሓደ ክርስትያን፡ ሃይማኖቱ ኻብ ፖለቲካ እተፈልየን ዝለዓለ ኣገዳስነት ዘለዎን እዩ ነይሩ። እቲ ዝለዓለ ተኣማንነቱ ንክርስቶስ ደኣ እምበር ንቄሳር ኣይነበረን።”—ሲዛር ኤንድ ክራይስት፡ ገጽ 647።

  • “[ሃዋርያ] ጳውሎስ ከም ሮማዊ ዜጋ መጠን ዝነበሮ መሰል፡ ነቲ ኣብ ፍርዳዊ መስርሕ ዚውሃብ ሕጋዊ ዕቝባን ኣገልግሎትን ኪሓትት ፍቓደኛ እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ ፖለቲካዊ ጕዳያት ኣይደገፈን፡ ካልኦት ከምኡ ኺገብሩ እውን ኣይጐስጐሰን። . . . ቀዳሞት ክርስትያናት ንሰበ ስልጣን ኬኽብሩ ኸም ዘለዎም ይፈልጡ እኳ እንተ ነበሩ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ጕዳያት ኪኣትዉ ኸም ዘይብሎም እዮም ዚኣምኑ ነይሮም።”—ቢዮንድ ጉድ ኢንተንሽንስ—ኤ ቢብሊካል ቪው ኦቭ ፖለቲክስ፡ ገጽ 122-123።

  • “ብዙሓት ክርስትያናት ፖለቲካዊ ስልጣን ኪሕዙ ኸም ዘይብሎም እዮም ዚኣምኑ ነይሮም። . . . ኣብ መጀመርታ ሳልሳይ ዘመን፡ ሂፖሊተስ፡ ‘ሓደ ፖለቲካዊ ስልጣን ዝነበሮ ሰብ፡ ክርስትያን ኪኸውን እንተ ደልዩ፡ ንዝነበሮ ፖለቲካዊ ስልጣን ኪገድፍ ትጽቢት ይግበረሉ ነይሩ’ ይብል።”—ኤ ሂስትሪ ኦቭ ክርስችያኒቲ፡ ቀዳማይ ጥራዝ፡ ገጽ 253

ኣብዚ እዋን እዚ ዘሎ ክርስትያናዊ ገለልትነት

መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሱስ ኰነ እቶም ቀዳሞት ሰዓብቱ ኣብ ፖለቲካዊ ጕዳያት ኢዶም ፈጺሞም ከም ዘየእተዉ ብንጹር እዩ ዚሕብር። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ኣብ ብዘላ ዓለም ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ክርስትያናት መጠን ምሉእ ብምሉእ ገለልተኛታት እዮም። ልክዕ ከምቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት፡ ነቲ የሱስ ዝኣዘዞም “ብስራት መንግስቲ” ናይ ምስባኽ ዕዮ እዮም ዚፍጽሙ ዘለዉ።—ማቴዎስ 24:14።

a የሱስ ነዚ ዕድመ እዚ ኺነጽጎ ኸሎ፡ ‘ሰይጣን ነዘን መንግስትታት እዚአን ኪውፊ ስልጣን የብሉን’ ኢሉ ኣይተኸራኸረን። ጸኒሑ እኳ ደኣስ ንሰይጣን፡ “ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ” ኢሉ ጸዊዕዎ ኣሎ።—ዮሃንስ 14:30።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ