ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ijwyp ዓንቀጽ 118
  • ንኽልተ ዓይነት ህይወት ብኸመይ ደው አብሎ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንኽልተ ዓይነት ህይወት ብኸመይ ደው አብሎ፧
  • መንእሰያት ዚሓትትዎ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ክልተ ዓይነት ህይወት ምንባር ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧
  • ክልተ ዓይነት ህይወት ምንባር ክፉእ ሰብ ይገብረኒ ድዩ፧
  • ክልተ ዓይነት ህይወት ምንባር ደው ከብል ዝኽእል ብኸመይ እየ፧
  • ክልተ ዓይነት ህይወት—ስለምንታይ እየ ዝነግር፧
    መንእሰያት ዚሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን፡ 2ይ ጥራዝ
  • 9 ንናይ መዛኑ ጸቕጢ ብኸመይ ኢየ ክዋጽኣሉ ዝኽእል፧
    መንእሰያት ዝሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን
  • ምስ ገሊኦም ተመሳሲለ ኽነብር እንተ ዘይክኢለኸ፧
    መንእሰያት ዚሓትትዎ
  • ከም ወላዲ መጠን ንውሉድካ ብኸመይ መምርሒ ትህቦ፧
    ንስድራ ቤት
ዝያዳ ርአ
መንእሰያት ዚሓትትዎ
ijwyp ዓንቀጽ 118
ሓንቲ መንእሰይ ሓብቲ ግዜኣ ብኸመይ ከም እተሕልፎ ዜርኢ ኣንጻር ስእልታት። 1. እታ ሓብቲ ምስ መሓዙታ ትዘናጋዕ፡ ገሊኦም ይሰትዩን ሽጋራ የትክኹን። ሓደ ወዲ ሓቚፉዋ። 2. እታ ሓብቲ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ምዕሩግ ክዳን ተኸዲና ምስ ጉባኤኣ ሓቢራ ትዝምር።

መንእሰያት ዚሓትትዎ

ንኽልተ ዓይነት ህይወት ብኸመይ ደው አብሎ፧

ሓድሓደ ግዜ፡ ገሊኦም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ምምልላስ ጥቕሚ ዘይብሉ ዀይኑ ይስምዖም። (መዝሙር 73:2, 3) በዚ ኸምዚ ምስ ሕግታት የሆዋ ዚጋጮ ነገራት ኪገብሩ ይጅምሩ፡ ነቲ ሕማቕ ባህርያቶም ብምሕባእ ከኣ ንኻልኦት ኣገልገልቲ ኼታልሉ ይፍትኑ።

እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ነቶም ከምዚ ዓይነት ህይወት ዜሕልፉ ግናኸ፡ ነቲ ናይ ምትላል ተግባሮም ደው ኬብሉ ዚደልዩ ንምሕጋዝ ተባሂላ እያ ተዳልያ።

ኣብዛ ገጽ እዚኣ፦

  • ክልተ ዓይነት ህይወት ምንባር ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

  • ክልተ ዓይነት ህይወት ምንባር ክፉእ ሰብ ይገብረኒ ድዩ፧

  • ክልተ ዓይነት ህይወት ምንባር ደው ከብል ዝኽእል ብኸመይ እየ፧

  • መዛኑኻ እንታይ ይብሉ

ክልተ ዓይነት ህይወት ምንባር ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

ክልተ ዓይነት ህይወት ምምራሕ ኪብሃል ከሎ፡ ምስቶም ንየሆዋ ዘይእዘዙ መዛኑኻ ኽትከውን ከለኻ፡ ነቲ ጌጋ ምዃኑ እተፈልጦ ነገራት ትገብር፣ ምስ ኣመንቲ ብጾትካ ኽትከውን ከለኻ ግና፡ ንየሆዋ ኸም እተገልግል ኴንካ ትቐርብ። ኣብ ክልቲኡ መዳይ ነቲ ናይ ሓቂ መንነትካ እናሓባእካ ምንባር እዩ።

“ክልተ ዓይነት ህይወት ክትመርሕ ከለኻ፡ ካብ ክልቲኦም ወገናት፡ ሓደ ነገር ትሓብእ ኣለኻ። ስለዚ፡ እቲ ናይ ሓቂ መንነትካ ኣይፍለጥን እዩ። ክልተ ዓይነት ህይወት ተሕልፍ እንተ ኣሊኻ፡ ምስ ኵሉ ሰብ ብዘይ ቅንዕና ትመላለስ ኣለኻ ማለት እዩ።”—ኢሪን።

ትፈልጥዶ፧ ክልተ ዓይነት ህይወት ምንባር ነቲ በይንኻ ኽትከውን ከለኻ የሆዋ ዚጸልኦ ነገራት ምግባር እውን ዜጠቓልል እዩ።

“ወዲ 14 ከለኹ፡ ኣብ ኢንተርነት ርኹስ ስእልታት ክርኢ ጀሚረ፡ ምስ ካልኦት ክኸውን ከለኹ ስእለ ጽዩፍ ከም ዝፍንፍን ኰይነ እየ ዝቐርብ፡ ብልበይ ግና ከም ዘይጸልኦ እፈልጥ ነይረ እየ።”—ኖላን።

ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ንኽልተ ጐይተት ኪግዛእ ዚኽእል ሓደ እኳ የልቦን። ወይ ነቲ ሓደ ጸሊኡ፡ ነቲ ሓደ ይፈቱ፣ ወይ ከኣ ናብቲ ሓደ ለጊቡ፡ ነቲ ሓደ ይንዕቕ።”—ማቴዎስ 6:24።

ክልተ ዓይነት ህይወት ምንባር ክፉእ ሰብ ይገብረኒ ድዩ፧

ከምኡ ማለት ኣይኰነን። ርግጽ እዩ፡ ገሊኦም ሰባት ብመለክዒታት መጽሓፍ ቅዱስ ከይመላለሱ ወሲኖም እዮም። ንስኻ ግና ብሓቂ ኸምኡ ዓይነት ሰብ ዲኻ፧ ወይስ ክልተ ዓይነት ህይወት ከም እትመርሕ ዚገብረካ ረቛሒታት ኣሎ እዩ። ንኣብነት፡-

  • ካብ መዛኑኻ ፍልይ ዝበልካ ምዃን የሕፍረካ ይኸውን።

  • ካብ ምስቶም ኣብ ጉባኤኻ ዘለዉ ምስ መማህርትኻ ዝያዳ ዜቀራርበካ ነገር ዘሎ ዀይኑ ይስምዓካ ይኸውን።

  • ንዅሉ ትእዛዛት ኣምላኽ ክትሕሉ ሓይልን ክእለትን ዘይብልካ ዀይኑ ይስምዓካ ይኸውን።

“ገሊኦም መንእሰያት ክልተ ዓይነት ህይወት ዚመርሑ፡ ምስቶም ንክርስትያናዊ ስርዓታት ዘይቅበሉ መንእሰያት ኪዀኑ ኸለዉ ፍዅስ ስለ ዚብሎም እዩ። ከመይሲ፡ ብመሳቱኦም ተቐባልነት ኪረኽቡ ስለ ዚደልዩ እዩ።”—ዴቪድ።

ርግጽ እዩ፡ ከምዚ ዓይነት ረቛሒታት ክልተ ዓይነት ህይወት ክትነብር ተቐባልነት ዘለዎ መመኽነይታ ኣይኰነን። ይኹን እምበር፡ ጥዑያት ሰባት ኪጋገዩ ኸም ዚኽእሉ ንኽንርዳእ ኪሕብረና ይኽእል እዩ። ከምኡ እንተ ኣጋጢሙካ፡ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

ክልተ ዓይነት ህይወት ምንባር ደው ከብል ዝኽእል ብኸመይ እየ፧

  1. 1. እንታይ ዓይነት ህይወት ትነብር ከም ዘለኻ መርምር። ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተታ፦ ‘ብሓቅዶ ኸምዚ ዓይነት ሰብ ክኸውን እየ ዝደሊ፧ ከምዚ እንተ ቐጺለ ሳዕቤኑ እንታይ እዩ ዚኸውን፧’

    ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ጐራሕሲ ሓደጋ ይርኢ . . . ዘይለበሙ ግና ህሩግ ይብሉ እሞ ብሳዕቤናቱ ይጕድኡ።”—ምሳሌ 27:12።

  2. 2. ብቕንዕና ተመላለስ። ንዅነታትካ ምስ ወለድኻ ወይ ምስ ሓደ ንሕግታት የሆዋ ዜኽብር ብሱል ፈታዊ ተመያየጠሉ። ሓገዝ ደሊኻ ናባታቶም ብምምጻእካ ኺሕጐሱ እዮም። ቅኑዕ ክትገብር ምድላይካ ምፍላጦም ድማ ኬሐብኖም እዩ።

    ሓደ እተጨነቐ መንእሰይ፡ ካብ ውሽጢ ጕድጓድ ናብ ሓደ ኣብ ላዕሊ ጫፍ እቲ ጕድጓድ ዘሎ እሞ ኺሕግዞ ዝደለየ ሰብኣይ ኢዱ ኺሰድድ ይመጣጠር።

    ክልተ ዓይነት ህይወት ብምምራሕ ኣብ ዓሚቝ ጕድጓድ ጥሒልካ እንተ ኣለኻ ሓገዝ ሕተት

    “ንጌጋታተይ ኣብ ቅድሚ ኻልኦት ምእማን ኣዝዩ እዩ ኸቢዱኒ ነይሩ፡ ንጌጋታተይ ምስ ተኣመንኩሉ ግና ዓብዪ እፎይታ እየ ረኺበ።”—ኖላን።

    ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ኣበሳኡ ዚሓብእ፡ ኣይሰልጦን፣ ዚናዘዘሉን ዚሓድጎን ግና፡ ምሕረት ይረክብ።”—ምሳሌ 28:13።

  3. 3. ሳዕቤናቱ ተቐበል። ካብ ወለድኻን ካብ ጉባኤን ሓደ ነገር ትሓብእ እንተ ኣሊኻ፡ ንኺኣምኑኻ ኸም ዜጸግሞም ኣይትረስዕ። ከም ሳዕቤኑ ኸኣ ወለድኻ ወይ ሽማግለታት ጉባኤ ገለ ቐይድታት ኪገብሩልካ ይኽእሉ እዮም። ነቲ ሳዕቤናት ተቐበሎ፡ ‘ብዅሉ ቕንዕና ኽትነብር’ ድማ ቈራጽነት ግበር።—እብራውያን 13:18።

    ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ኣብ መጻኢኻ ጥበበኛ ምእንቲ ኽትከውንሲ፡ ምኽሪ ስማዕ፡ ተግሳጽ እውን ተቐበል።”—ምሳሌ 19:20።

  4. 4. ኣምላኽ ከም ዜፍቅረካ ድልዱል እምነት ይሃሉኻ። የሆዋ ስለ ዜፍቅረና ንዅሉ ተግባራትና ይዕዘቦ እዩ። ስለዚ፡ ክልተ ዓይነት ህይወት ትነብር እንተ ኣሊኻ፡ ይፈልጦ እዩ፡ የጕህዮ እውን እዩ። በቲ ሓደ ወገን ግና ‘ስለ ዚሓልየልካ’ ኣካይዳኻ ኸተዐሪ ኺሕግዘካ ይደሊ እዩ።—1 ጴጥሮስ 5:7።

    ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ኣዒንቲ የሆዋስ፡ ስለ እቶም ልቦም ምሉእ ብምሉእ ናብኡ ዝዀነ ብርታዐኡ ምእንቲ ኼርኢ፡ ኣብ ብዘላ ምድሪ እየን ዚዞራ።”—2 ዜና መዋእል 16:9።

መዛኑኻ እንታይ ይብሉ

መሲ።

“ከም መማህርተይ ክኸውን እየ ዝደሊ ነይረ፣ ምስ ክርስትያናት ብጾተይ ዘለኒ ዕርክነት ከደልድል ምስ ጀመርኩ ግና ኣረኣእያይ ተቐይሩ። ናብቶም ንየሆዋ ዜፍቅሩ ብዝያዳ እናቐረብኩ ብዝኸድኩ መጠን፡ ካብ መማህርተይ ብዝያዳ ኽርሕቕ ጀሚረ።”—መሲ።

ኣልባን።

“ክልተ ዓይነት ህይወት ክመርሕ ተፈቲነዶ ነይረ፧ እወ፡ እቶም ኣብ ማእከላይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ዝነበሩ ቘልዑ በላሕቲ፡ ከምኡ እውን ሕጉሳት እዮም ዚመስሉ ነይሮም። ጸኒሖም ግና ብዙሓት ካባታቶም ሓሽሽ ኪወስዱን ኣልኮላዊ መስተ ኪሰትዩን ጀሚሮም። እቶም በላሕቲ ዀይኖም ዚርኣዩ ዝነበሩ ቘልዑ፡ ዓያሹ ዀይኖም ጸኒሖምኒ።”—ኣልባን።

ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ተመክሮ እተን ሓደ እዋን ክልተ ህይወት ዚመርሓ ዝነበራ እሞ ደሓር ግና ናብ የሆዋ እተመልሳ፡ ኤሊን ሊሳን ዚብሃላ ኽልተ መንእሰያት ኣንብብ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ