ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ijwyp ዓንቀጽ 109
  • ክጥመቕዶ፧—1ይ ክፋል፦ ትርጉም ጥምቀት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ክጥመቕዶ፧—1ይ ክፋል፦ ትርጉም ጥምቀት
  • መንእሰያት ዚሓትትዎ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ጥምቀት እንታይ እዩ፧
  • ወፈያ እንታይ እዩ፧
  • ጥምቀት ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
  • ክትጥመቕ ተዳሊኻ ዲኻ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2020
  • ጥምቀት—ኣገዳሲ ሸቶ!
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • ኣቱም መንእሰያት፡—ንጥምቀት ተዳሊኹም ዲኹም፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)—2016
  • ጥምቀት—ክርስትያናት ኬማልእዎ ዘለዎም ብቕዓት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2018
ዝያዳ ርአ
መንእሰያት ዚሓትትዎ
ijwyp ዓንቀጽ 109
ሓደ መንእሰይ ኣብ ኣኼባ ዞባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ይጥመቕ።

መንእሰያት ዚሓትትዎ

ክጥመቕዶ፧—1ይ ክፋል፦ ትርጉም ጥምቀት

ኣብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ስድራ ቤት ዝዓበዩ ብዙሓት መንእሰያት፡ ኣብ ዓዓመት ይጥመቑ ኣለዉ። እሞኸ ነዚ ስጕምቲ እዚ ንምውሳድ ትሓስብዶ ኣለኻ፧ ትሓስብ እንተ ኣሊኻ፡ ፈለማ ወፈያን ጥምቀትን እንታይ ትርጉም ከም ዘለዎ ኽትርዳእ ኣሎካ።

  • ጥምቀት እንታይ እዩ፧

  • ወፈያ እንታይ እዩ፧

  • ጥምቀት ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

  • መዛኑኻ እንታይ ይብሉ፧

  • ግጉይ ርድኢትን ሓቅን

ጥምቀት እንታይ እዩ፧

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዚርከብ ዓይነት ጥምቀት፡ ማይ ብምንጻግ ዘይኰነስ፡ ኣብ ማይ ምሉእ ብምሉእ ብምጥሓል ወይ ብምጥላቕ እዩ ዚግበር፣ እዚ ድማ ዓብዪ ትርጉም ኣለዎ።

  • ክትጥመቕ ከለኻ ኣብ ትሕቲ ማይ ምእታውካ፡ ድሕሪ ደጊም ንዓኻ ባህ ዚብለካ ጥራይ ንምግባር ከም ዘይትነብር ንሰባት የርኢ።

  • ካብ ማይ ምውጻእካ፡ ንኣምላኽ ባህ ዜብሎ ነገራት ኣብ ምግባር ዘተኰረ ሓድሽ ህይወት ከም ዝጀመርካ የርኢ።

ስለዚ፡ ክትጥመቕ ከለኻ፡ የሆዋ መለክዒታት ቅኑዕን ጌጋን ንምስራዕ ስልጣን ከም ዘለዎ ኣብ ቅድሚ ሰባት ተርኢ፡ ነቲ ንሱ ኽትገብሮ ዚደልየካ ዘበለ ብፍታውካ ኽትገብር ከም እተመባጻዕካ ብዕሊ ተፍልጥ።

ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ስለምንታይ ኢኻ ኣብ ህይወትካ ንየሆዋ እዙዝ ኴንካ ንምምልላስ ክትቈርጽ ዘሎካ፧ 1 ዮሃንስ 4:19ን ራእይ 4:11ን ርአ።

ወፈያ እንታይ እዩ፧

ቅድሚ ምጥማቕካ፡ ብብሕትኻ ርእስኻ ንየሆዋ ኽትውፊ ኣሎካ። ብኸመይ፧

ብብሕቲ ብእተቕርቦ ጸሎት ኣቢልካ፡ ንየሆዋ ንዘለኣለም ከተገልግሎ ኸም እትደሊ፡ ዜጋጥመካ ዅነታትን ካልኦት ዚገብርዎን ብዘየገድስ ከኣ ንሱ ዚደልዮ ኸም እትገብር ትመባጻዕ።

ጥምቀት ነቲ ብውልቅኻ ዝገበርካዮ ወፈያ ኣብ ቅድሚ ሰባት እተርእየሉ ኣጋጣሚ እዩ። ድሕሪ ደጊም ንርእስኻ ኸም ዘይትውንናን ናይ የሆዋ ኸም ዝዀንካን ኢኻ ንሰባት እተርኢ።—ማቴዎስ 16:24።

ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ናይ የሆዋ ኽትከውን ከለኻ፡ ህይወትካ ዚመሓየሽ ስለምንታይ እዩ፧ ኢሳይያስ 48:17, 18ን እብራውያን 11:6ን ርአ።

ጥምቀት ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

የሱስ፡ ደቀ መዛሙርቱ ኪዀኑ ዚደልዩ ዘበሉ ኺጥመቑ ኸም ዚግባእ ሓቢሩ እዩ። (ማቴዎስ 28:19, 20) ስለዚ፡ ክርስትያናት ኪጥመቑ ኣለዎም። ከም ሓቂ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብጥምቀት ከም እንድሕን ይገልጽ እዩ።—1 ጴጥሮስ 3:21።

እንተዀነ ግና፡ በቲ ንየሆዋ ዘሎካ ፍቕርን ሞሳን ተለዓዒልካ ኢኻ ኽትጥመቕ ዘሎካ። ከምቲ ሓደ ዘማሪ ዝነበሮ ኣረኣእያ ኺህልወካ ኣለዎ፣ ንሱ ኸምዚ ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ፦ “ኣብ ክንዲ እቲ ዅሉ ዝገበረለይ ጽቡቕሲ፡ ንየሆዋ እንታይ ውሬታ ኽመልሰሉ እየ፧ . . . ስም የሆዋ ድማ ክጽውዕ እየ። ኣብ ቅድሚ ዅሎም ህዝቡ፡ ንየሆዋ መብጽዓታተይ ክፍጽመሉ እየ።”—መዝሙር 116:12-14።

ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ የሆዋ እንታይ ጽቡቕ ገይሩልካ ኣሎ፧ እንታይ ውሬታኸ ኽትመልሰሉ ትኽእል፧ ዘሁልቍ 10:12, 13ን ሮሜ 12:1ን ኣንብብ።

መዛኑኻ እንታይ ይብሉ፧

ሚጂን።

“ወፈያ ኺብሃል ከሎ፡ ንየሆዋ እትኣትወሉ መብጽዓ እዩ፣ እዚ ኸኣ ኣርዚንካ ኺርአ ይግባእ። እንተዀነ ግና፡ ውፉይ ኣገልጋሊ የሆዋ ምስ ኰንካ ዚህልወካ ህይወት፡ ብዙሕ በረኸት ኣለዎ። ስለምንታይሲ፡ ካብቲ ንሕና ንርእስና እንገብሮ ንላዕሊ፡ ንሱ ኺከናኸነና ይኽእል እዩ።”—ሚጂን።

ኤምበር።

“የሆዋ ንዓኻ ዘለዎ ፍቕሪ ኣርእዩ እዩ። ክትጥመቕ ከለኻ ኸኣ፡ ንስኻ ንዕኡ ዘሎካ ዓሚቝ ፍቕሪ ኢኻ እተርኢ። ጥምቀት ዓብዪ መሰልን ዓብዪ በረኸትን እዩ!”—ኤምበር።

ጁልያን።

“ርእስኻ ንኣምላኽ ምውፋይን ምጥማቕን፡ ሓደ ሰብ ኪገብሮ ዚኽእል ካብ ኵሉ ዝዓበየ ውሳነ እዩ። እዚ ግና ኬፍርሃካ የብሉን። እንተ ተዳሊኻሉን ብቕኑዕ ምኽንያት ትገብሮ እንተ ኣሊኻን፡ ብሉጽ ውሳነ ኢኻ እትገብር ዘለኻ።”—ጁልያን።

ግጉይ ርድኢትን ሓቅን

ግጉይ ርድኢት — ዓበይቲ ጥራይ እዮም ንጥምቀት ዜድሊ ብስለት ኪህልዎም ዚኽእል።

ሓቂ — ብስለት ብቐዳምነት ብዕድመ ዘይኰነስ፡ በቲ ሓደ ሰብ ንየሆዋ ዘለዎ ፍቕርን ተኣዛዝነትን እዩ ዚውሰን። ዮሴፍን ሳሙኤልን ዮስያስን ገና ብንእስነቶም ኣብ ከምዚ ዓይነት ብስለት በጺሖም እዮም። ሎሚ እውን ብዙሓት ሰባት ብንእስነቶም ናብ ብስለት ይበጽሑ እዮም።

መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “ቈልዓ እኳ ጠባዩ ንጹህን ቅኑዕን እንተ ዀይኑ፡ ብተግባራቱ ይፍለጥ እዩ።”—ምሳሌ 20:11።

ግጉይ ርድኢት — ኣዕሩኽካ ይጥመቑ እንተ ኣልዮም፡ ንስኻ እውን ክትጥመቕ ኣሎካ።

ሓቂ — ርእስኻ ንምውፋይን ንምጥማቕን እትገብሮ ውሳነ፡ ብፍታውካ ኽትገብሮ ዚግባእ ናይ ብሕቲ ውሳነ እዩ። ካልኦት ስለ ዝገበርዎ ኢልካ ወይ ካልኦት ትጽቢት ስለ ዝገበሩልካ ኢልካ ዚግበር ወይ ኣብ እተወሰነ ዕድመ ስለ ዝበጻሕካ ጥራይ ዚግበር ኣይኰነን።

መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “[ኦ ኣምላኽ፡] ህዝብኻ ፈትዩ ኺመጽእ እዩ።”—መዝሙር 110:3።

ግጉይ ርድኢት — እንተ ዘይተጠሚቕካ፡ ብተግባራትካ ተሓታቲ ኣይትኸውንን ኢኻ።

ሓቂ — ኣብ ቅድሚ የሆዋ ተሓታቲ እትኸውን፡ ምስ ተጠመቕካ ዘይኰነስ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ቕኑዕን ጌጋን ዘበለ ምስ ፈለጥካ እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “እቲ ቕኑዕ ምግባር ዚፈልጥ እሞ ዘይገብሮ፡ ንዕኡ ሓጢኣት ይዀኖ እዩ።”—ያእቆብ 4:17።

ምኽሪ፦ ርእሱ ዝወፈየን እተጠምቀን ክርስትያን ምዃን እምብዛ ኸቢድ ኰይኑ እንተ ተራእዩካ፡ ፍርህኻ ንምስናፍ ስለምንታይ ስጕምትታት ዘይትወስድ፧ ከምኡ ንምግባር፡ ኣብታ መንእሰያት ዚሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን፡ 2ይ ጥራዝ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ምዕራፍ 37 ኣንብብ።

ክለሳ፦ ጥምቀት ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

  • የሱስ፡ ደቀ መዛሙርቱ ኪዀኑ ዚደልዩ ዘበሉ ኺጥመቑ ኸም ዚግባእ ሓቢሩ እዩ።

  • ድሕነት ንምርካብ፡ ክንጥመቕ ኣሎና።

  • ርእሱ ዝወፈየን እተጠምቀን ክርስትያን ኴንካ ንየሆዋ ምግልጋል ዓብዪ መሰል እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ