ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ijwhf ዓንቀጽ 28
  • ንፉዕ ኣቦ ክትከውን እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንፉዕ ኣቦ ክትከውን እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧
  • ንስድራ ቤት
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣቦ ዘለዎ ግደ እንታይ እዩ፧
  • ኣቦ ዘለዎ ግደ ወሳኒ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
  • ኣቦታትን ኣዋልድ ደቆምን
  • ውሉዳት ኣብ ሓዳር ዘለዎም ጽልዋ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ንፉዕ ኣቦ ኽትከውን እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧
    ንቕሑ!—2013
ንስድራ ቤት
ijwhf ዓንቀጽ 28
ኣቦን ጓልን እናዕለሉ ይኸዱ።

ንስድራ ቤት | ኣተዓባብያ ቘልዑ

ንፉዕ ኣቦ ክትከውን እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ

  • ኣቦ ዘለዎ ግደ እንታይ እዩ፧

  • ኣቦ ዘለዎ ግደ ወሳኒ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

  • ኣቦታትን ኣዋልድ ደቆምን

  • ምኽሪ ንኣቦታት

ኣቦ ዘለዎ ግደ እንታይ እዩ፧

  • ውሉድካ ቕድሚ ምውላዱ። እቲ ሕጂ ንብዓልቲ ቤትካ እትገብሮ ኣተሓሕዛ፡ ድሓር ምስ ወለድካ እንታይ ዓይነት ኣቦ ኸም እትኸውን ዜርኢ እዩ። እታ ዱ ፋዘርስ ማተር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ ከምዚ ትብል፦

    “ሓደ ንጥንስቲ ብዓልቲ ቤቱ ዜድልያ ዚዕድገላ፡ ናብ ሕክምና ዜመላልሳ፡ ነቲ ዕሸል ኣብ ማሕጸን ኣዲኡ ኸሎ ብኦልትራሳውንድ ዚርእዮ፡ ወይ ከኣ ህርመት ልቡ ዚሰምዖ ኣቦ፡ እቲ ቘልዓ ምስ ተወልደ ንመጻምድቱን ነቲ ቘልዓን ጽቡቕ ገይሩ ይኣልዮም እዩ።”

    “ብዓልቲ ቤተይ ጥንስቲ ኸላ፡ ንበይና ሃለኽለኽ ክትብል ስቕ ኢለ ኣይርእያን እየ ነይረ። ብእተኻእለኒ መጠን እሕግዛ እየ ነይረ፡ መደቀሲ ቘልዓ ኸይተረፈ ብሓንሳብ ኰይንና ኢና ኣዳሊናዮ። ክሳዕ እታ መዓልቲ ሕርሲ እትኣክል፡ ብሓንሳብ ጽቡቕ ኢና ተዳሊና።”—ጄምስ።

    ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ንጥቕሚ ኻልኦት እውን እምበር፡ ንጥቕሚ ርእስኹም ጥራይ ኣይትጠምቱ።”—ፊልጲ 2:4።

  • ውሉድካ ምስ ተወልደ። ንህጻን ውላድካ ብምሕቋፍን ምስኡ ብምጽዋትን ጥቡቕ ርክብ ከተማዕብል ትኽእል ኢኻ። ኣብ ምክንኻን እቲ ቘልዓ ግደ ይሃሉኻ፡ ከምኡ ምግባርካ ኸኣ ኣብ ዕቤት ውላድካ ዓብዪ ጽልዋ ኺህልዎ እዩ። ምስኡ ጥቡቕ ርክብ ምምዕባልካ፡ ማዕረ ኽንደይ ከም እተፍቅሮ እዩ ዜርኢ።

    “ምስ ውላድካ ከም መዘናኡ ዄንካ ተጻወት፡ ምስኡ ስሓቕ። ንፈለማ ግዜ ፍቕሪ ዚምሃር ከኣ ካባኻ ኻብ ወላዲኡ እዩ።”—ሪቻርድ።

    ሓደ ኣቦ ንህጻን ውላዱ ይራሩ።

    ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “እንሆ፡ ውሉዳት ካብ የሆዋ እተዋህቡ ርስቲ እዮም፣ ፍረ ኸርሲ ኸኣ ዓስቢ እዩ።”—መዝሙር 127:3።

  • ውሉድካ ምስ ዓበየ። ሓደ መጽናዕቲ ኸም ዚሕብሮ፡ ምስ ኣቦኦም ጥቡቕ ርክብ ዘለዎም ውሉዳት፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ንፉዓት ይዀኑ፡ ብዙሕ ስምዒታዊ ጸገማት ኣይህልዎምን፡ ሓሽሽ ኣይጥቀሙን ወይ ገበን ኣይፍጽሙን እዮም። ምስ ውሉድካ ጽቡቕ ርክብ መታን ኪህልወካ፡ ምስኡ እኹል ግዜ ኣሕልፍ።

    “ወደይ ካብ ገዛ ምስ ወጸ፡ እቲ ንነዊሕ መገዲ ብማኪና እናተዛወርና ወይ ኣብ እዋን ድራር እነዕልሎ ዝነበርና ዕላላት፡ ኣዝዩ ኺናፍቖ ምዃኑ ገሊጹለይ። ኣብ ከምዚ ኣጋጣሚታት ብዛዕባ ኣዝዩ ኣገዳሲ ጕዳያት ከነዕልል ክኢልና ኢና።”—ደኒስ።

    ኣቦን ወድን ኣብ ጃልባ ተሓጒሶም የዕልሉ።

    ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ከም ዓያሹ ዘይኰነስ፡ ከም ለባማት ከመይ ከም እትመላለሱ ኣጸቢቕኩም ተጠንቀቑ . . . ንግዜኹም ብዝበለጸ ተጠቐሙሉ።”—ኤፌሶን 5:15, 16።

ኣቦ ዘለዎ ግደ ወሳኒ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

መብዛሕትኡ እዋን፡ ኣቦታት ንስድራ ቤቶም፡ ዜድሊ ነገራት የማልኡን ዑቝባ ይዀኑን እዮም። ኣዴታት ድማ ንስድራ ቤተን ርሕራሐ ብምርኣይ እየን ዚፍለጣ። (ዘዳግም 1:31፣ ኢሳይያስ 49:15) ኣብ ገለ ስድራ ቤታት እቲ ኣቦ ግደ ናይ ኣደ ወይ እታ ኣደ ግደ ናይ ኣቦ ኺዓምሙ ይርኣዩ እዮም። ኣቦን ኣደን ውሉዳቶም ኣብ ምዕባይ ነናቶም ፍሉይ እጃም ከም ዜበርክቱ ተመራመርቲ ይገልጹ እዮም።a

ተማራማሪት ስድራ ቤት ዝዀነት ጁዲዝ ወለርስቲን ነዚ ሓሳብ ዜራጕድ ናይ ብሕታ ተመክሮ ኸምዚ ብምባል ኣዘንትያ ኣላ፦ “ጓል ዓሰርተ ኽልተ ዓመት ጓለይ ሓደጋ ማኪና ምስ ኣጋጠማ፡ ናብ ሆስፒታል ብኣምቡላንስ ክትከይድ ከላ፡ መታን ዑቝባ ኺስምዓ ኣቦኣ ምስኣ ኪኸውን ደልያ። ደሓር ናብ ሆስፒታል ምስ በጻሕና ግና፡ ምእንቲ ኽእብዳ ምስኣ ኽውዕል ደልያትኒ።”b

“ሓደ ኣቦ ንስድራ ቤቱ ብእተወሰነ ደረጃ ዕቑባን ጽላልን ኪዀኖም ይኽእል እዩ። ሓንቲ ኣደ ግና ነዚ በይና ኽትገብሮ ኪኸብዳ ይኽእል እዩ። ብወገና እታ ኣደ ብድንጋጽ ጽን ኢላ ስለ እትሰምዕ፡ ኣብቲ ስድራ ቤት ፍቕሪ ዘለዎ ሃዋህው ክትፈጥር ትኽእል እያ። በዚ ኸምዚ ኽልቲኦም ብሓድነት ይዓይዩ።”—ዳንኤል።

ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ወደየ፡ ተግሳጽ ኣቦኻ ስማዕ፣ ትምህርቲ ኣዴኻ ድማ ኣይትሕደግ።”—ምሳሌ 1:8።

ኣቦታትን ኣዋልድ ደቆምን

ከም ኣቦ መጠን ንጓልካ፡ ደቂ ተባዕትዮ ብኸመይ ኪሕዝዋ ኸም ዚግባእ ምሃራ። ነዚ ትምህርቲ እዚ፡ በዚ ዚስዕብ ክልተ መገዲ ኽትምሃሮ ትኽእል እያ፦

  • በቲ ነዲኣ እትሕዘሉ መገዲ። ንብዓልቲ ቤትካ ኸተፍቅራን ከተኽብራን ከለኻ፡ ጓልካ ኣብ መጻኢ መጻምድታ ኪኸውን እትመርጾ ሰብ፡ ኪህልዎ ዚግባእ ኣገዳሲ ባህርያት እንታይ ምዃኑ ኽትፈልጥ እያ።—1 ጴጥሮስ 3:7።

    ሓንቲ ጐርዞ ኣብ እዋን ድራር ወለዳ ኼዕልሉ ተሓጒሳ ትዕዘብ። ኣቦኣ ኢድ ኣዲኣ ሒዙ ይስሕቁ።
  • በቲ ንዓኣ እትሕዘሉ መገዲ። ንጓልካ ከተኽብራ ኸለኻ፡ ንገዛእ ርእሳ ከተኽብር ኢኻ ትምህራ ዘለኻ። ካልኦት ደቂ ተባዕትዮ እውን ከምኡ ገይሮም ኬኽብርዋ ኸም ዘለዎም ክትምሃር እያ።

    ብኣንጻሩ ግና ንሓንቲ ጓል ብቐጻሊ እንተ ኣቈናጺብካያ፡ ዘይትረብሕ ኰይኑ ይስምዓ እሞ፡ ተቐባልነት ንምርካብ ምስ ዘይጠቕምዋ ደቂ ተባዕትዮ ክትቀራረብ እያ።

    “ሓንቲ ኻብ ኣቦኣ ፍቕርን ደገፍን እትረክብ ጓል፡ ምስ ሓደ ንሓዳር ዚኸውን ጽቡቕ ባህርያት ዘይብሉ ሰብ ፍቕሪ ኣይሕዛን እዩ።”—ወይን።

a ብዙሓት ኣዴታት ብዘይ ሓገዝ ብዓል ቤተን፡ ደቀን ኣብ ምዕባይ ተዓዊተን እየን።

b ካብ ዘ ኣን ኤክስፔክትድ ሌጋሲ ኦፍ ዲቮርስ ዘርእስታ መጽሓፍ እተወስደ።

ምኽሪ ንኣቦታት

ግሪጎሪ ምስ ጓሉ ኦሊቭያን ምስ ብዓልቲ ቤቱ ኦድሪን።

“ጓልካ ምስ ጐርዘወት፡ ምስኣ ዝያዳ ግዜ ኣሕልፍ። ከምቲ ብንእሽቶኣ ኸላ እተፍቅራ ዝነበርካ፡ ሕጂ እውን ኣዚኻ ኸም እተፍቅራ ግለጸላ። ከምዚ ምግባርካ ቕሳነት ኪስምዓን ከይተሰከፈት ክትዛረበካን ይገብር። ንዓኣ ዝኸውን ግዜ ኸም ዘይብልካ ዀይኑ ምስ ዚስምዓ ግና፡ ካብ ካልኦት ቆላሕታ ኽትደሊ እያ።”—ግሪጎሪ ምስ ጓሉ ኦሊቭያን ምስ ብዓልቲ ቤቱ ኦድሪን።

ክለሳ፦ ንፉዕ ኣቦ ክኸውን ዝኽእል ብኸመይ እየ፧

  • ውሉድካ ቕድሚ ምውላዱ ኣብ ዚግበር ምድላዋት ተሳተፍ። እቲ ብዓልቲ ቤትካ ጥንስቲ ኸላ እትገብረላ ኣተሓሕዛ፡ ድሓር እንታይ ዓይነት ኣቦ ኸም እትኸውን ዜርኢ እዩ።

  • ውሉድካ እናዓበየ ኪኸይድ ኸሎ፡ ምስኡ ጽቡቕ ርክብ ይሃሉኻ። ምስ ኣቦኦም ጥቡቕ ርክብ ዘለዎም ውሉዳት፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ንፉዓት ይዀኑ፡ ብዙሕ ስምዒታዊ ጸገማት ኣይህልዎምን፡ ኣልኮላዊ መስተ ኣየብዝሑን ወይ ሓሽሽ ኣይወስዱን እዮም።

  • ንፉዕ ሰብኣይ ኩን። ንብዓልቲ ቤትካ ፍቕርን ኣኽብሮትን ምርኣይካ፡ እዚ ንጓልካ ኻልኦት ደቂ ተባዕትዮ ብኸመይ ኪሕዝዋ ኸም ዚግባእ ይምሃራ እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ