ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ijwbq ዓንቀጽ 193
  • መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዳንኤል እንታይ ይብል፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዳንኤል እንታይ ይብል፧
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • ዳንኤል እንታዋይ እዩ ነይሩ፧
  • ዳንኤል—ኣብ ፍርዲ ዝቐረበት መጽሓፍ
    ንትንቢት ዳንኤል ኣቕልበሉ!
  • ካብ ትንቢት ዳንኤል ዚጐልሕ ነጥብታት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
  • መጽሓፍ ዳንኤልን ንስኻን
    ንትንቢት ዳንኤል ኣቕልበሉ!
  • ንዓለም ዝቐየራ ኣርባዕተ ቓላት
    ንትንቢት ዳንኤል ኣቕልበሉ!
ዝያዳ ርአ
መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
ijwbq ዓንቀጽ 193
ነብዪ ዳንኤል ኣብ ጕድጓድ ኣናብስ ኰይኑ ይጽሊ።

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዳንኤል እንታይ ይብል፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

ዳንኤል ኣብ ከባቢ ሻውዓይን ሻድሻይን ዘመን ቅ.ክ. ዚነብር ዝነበረ ብሉጽ ኣይሁዳዊ ነብዪ እዩ። ኣምላኽ ንዳንኤል፡ ሕልምታት ኪትርጕምን ብዛዕባ ኣብ መጻኢ ዚፍጸም ፍጻመታት ራእይ ኪርእን ነታ ብስሙ እትጽዋዕ ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነት መጽሓፍ ኪጽሕፍን ክእለት ሂብዎ እዩ።—ዳንኤል 1:17፣ 2:19።

ዳንኤል እንታዋይ እዩ ነይሩ፧

ዳንኤል ኣብታ ንኸተማ የሩሳሌምን ቤተ መቕደስ ኣይሁድን እተጠቓልል ግዝኣት ይሁዳ እዩ ዓብዩ። ብ617 ቅ.ክ. ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ንየሩሳሌም ብምሓዝ፡ ‘ንኣውራታት እታ ምድሪ’ ማሪኹ ናብ ባቢሎን ወሰዶም። (2 ነገስት 24:15፣ ዳንኤል 1:1) ኣብቲ እዋን እቲ መንእሰይ ዝነበረ ዳንኤል እውን ምስኦም ተወስደ።

ዳንኤልን ካልኦት መንእሰያትን ብሓለውቲ ንጉስ ተዓጂቦም ናብ ቤተ መንግስቲ ባቢሎን ይውሰዱ።

ዳንኤልን ካልኦት መንእሰያትን፡ እንተላይ ሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን ናብ ኣገልግሎት ንጉስ ዜእትዎም ስልጠና ንኺረኽቡ ናብ ቤተ መንግስቲ ተወስዱ። ዳንኤልን እቶም ሰለስተ ኣዕሩኽቱን ኣብ እምነቶም ኪለማለሙ ጸቕጢ እኳ እንተ ተገብረሎም፡ ንየሆዋ ኣምላኽ እሙናት ኰይኖም እዮም። (ዳንኤል 1:3-8) ዳንኤልን ኣዕሩኽቱን ንሰለስተ ዓመት ድሕሪ ምስልጣኖም፡ ንጉስ ነቡካድነጻር ‘ካብ ኵሎም እቶም ኣብ ብዘሎ ግዝኣቱ ዚርከቡ ስሒር ዚገብሩ ኻህናትን ጸዋዕቲ መናፍስትን ዓሰርተ ሳዕ በሊጾም ስለ ዝረኸቦም’ ንኣዶም። ኣብ ቅድሚ ንጉስ፡ ኣብ ቤተ መንግስቲ ኼገልግሉ ኸኣ መዘዞም።—ዳንኤል 1:18-20።

ሓያሎ ዓመታት ጸኒሑ፡ ዳንኤል ኣብ 90 ዓመት ዕድሜኡ ኣቢሉ ይኸውን፡ ኣብ ቤተ መንግስቲ ኪቐርብ ተጸዊዑ። ሽዑ ኣብ ባቢሎን ዚገዝእ ዝነበረ ቤልሻጽር ዝስሙ ንጉስ፡ ትርጉም እታ ምስጢራዊት ኢድ ኣብ መንደቕ ዝጸሓፈቶ ኽነግሮ ሓተቶ። ዳንኤል ብሓገዝ መለኮታዊ መምርሒ፡ ባቢሎን ብሜዶንን ፋርስን ክትወድቕ ምዃና ገለጸ። በታ ለይቲ እቲኣ ኸኣ፡ ባቢሎን ወደቐት።—ዳንኤል 5:1, 13-31።

ዳንኤል ኣብ መንደቕ እተጻሕፈ ጽሑፍ ይትርጉም።

ዳንኤል፡ ባቢሎን ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ሜዶንን ፋርስን ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ዝለዓለ በዓል ስልጣን ኰይኑ ተሾመ፡ ንጉስ ዳርዮስ እውን ተወሳኺ ሓላፍነት ኪህቦ ሓሰበ። (ዳንኤል 6:1-3) ቀናኣት ሰበ ስልጣን ንዳንኤል ኣብ ጕድጓድ ኣናብስ ብምድርባይ ኪቐትልዎ ውዲት ኣኳ እንተ ገበሩ፡ የሆዋ ኣድሒንዎ እዩ። (ዳንኤል 6:4-23) ዳንኤል ኣብ ከባቢ መወዳእታ ህይወቱ ሓደ መልኣኽ ተራእዮ፡ “ኣታ ኣዚኻ እተፈቶኻ ሰብ” ብምባል ድማ ክልተ ሳዕ ኣጸናንዖ።—ዳንኤል 10:11, 19።

ብዛዕባ እዚ ፍጻመታት እዚ፡ ኣብታ ዳንኤል—ምሉእ ህይወቱ ብእምነት ተመላሊሱ ዘርእስታ ኽልተ ኽፋል ዝሓዘት መጽሓፍ ቅዱሳዊ ድራማ ርአ።

ታሪኽ ብዛዕባ መጽሓፍ ዳንኤል እንታይ ይብል፧

ዳንኤል ዝጸሓፎ፦ ነቡካድነጻር ግዙፍ ምስሊ ብምቛም ተገዛእቱ ነቲ ምስሊ ኼምልኽዎ፡ ምስ ዘይእዘዙ ኸኣ ኣብ ዚነድድ እቶን ሓዊ ኺድርበዩ ኣዘዘ።—ዳንኤል 3:1-6።

ታሪኽ ዚብሎ፦ ነቡካድነጻር “ንኽብሩ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንኽብሪ ኣማልኽቲ ኸይተረፈ” ኣብ ባቢሎን ግዙፍ ናይ ህንጻታት ፕሮጀክት ከም ዝነበሮ ኢንሳይክሎፐድያ ብሪታኒካ ይገልጽ። “ንህዝቡ ነቶም ዓበይቲ ኣማልኽቲ ኸም ዚፈርሁ ዝገበሮም ንሱ ምዃኑ ይዛረብ።”

ኣብ እቶን ብምንዳድ ዚግበር መቕጻዕቲ ሞት፡ ኣብ ብዙሕ መዛግብቲ ጥንታዊት ባቢሎን ተጠቒሱ ኣሎ። እዚ ኸኣ፡ እንተላይ ነቲ በቶም ገዛእቲ ዚውሃብ ዝነበረ ፍርዲ ዜጠቓልል እዩ። ኣብ ግዜ ነቡካድነጻር እተጻሕፈ ሓደ ጥንታዊ ጽሑፍ፡ ንኣማልኽቲ ባቢሎን ዝነዓቑ ሰበ ስልጣን ብዛዕባ ዚወርዶም ዝነበረ መቕጻዕቲ ጠቒሱ ኣሎ። እቲ ጽሑፍ ከምዚ ይብል፡ “ኣጥፍእዎም፡ ኣብቲ እቶን ኣንድድዎም፡ ኣሕርርዎም፡ ትኮም ዒግ ይበል፡ ሃልሃል ብዚብል ሓዊ ኣቃብጽዎም።”a

ዳንኤል ዝጸሓፎ፦ ንጉስ ነቡካድነጻር በቲ ዝሃነጾ ህንጻታት ተዓብዩ እዩ።—ዳንኤል 4:29, 30።

ስም ነቡካድነጻር እተጻሕፎ ኣብ ባቢሎን ተዃዒቱ ዝወጸ ሕጡብ

ታሪኽ ዚብሎ፦ “እቲ ነቡካድነጻር ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ዝጸሓፎ ኸም ዜርእዮ፡ ጻድቕን ሓያልን ዝዀነ ንጉስ ከም ዝነበረ ዀይኑ እዩ ዚስምዖ ነይሩ።”b ንኣብነት፡ ኣብ ሓደ ህንጻ እተጻሕፈ ናይ ነቡካድነጻር ጃህራ ኸምዚ ይብል፦ “ብቕጥራንን ብሕጡብን ከም ጎቦ ኺነቓነቕ ዘይክእል ዓብዪ መንደቕ ሰሪሐ። ንዕርድታት ኢሳጂላን ባቢሎንን ኣደልዲለ: ንስም ንግስነተይ ከኣ ንዘለኣለም ከም ዝቐውም ገይረዮ።”c ኣብ ባቢሎን ስም ናይ ነቡካድነጻር እተጻሕፎ ብዙሕ ሕጡባት ተዃዒቱ ወጺኡ እዩ።

ዳንኤል ዝጸሓፎ፦ ንጉስ ቤልሻጽር ንዳንኤል ኣብ ግዝኣት ባቢሎን ‘ሳልሳይ ኰይኑ ኺገዝእ’ ተመባጺዑሉ እዩ።—ዳንኤል 5:1, 13-16።

ብ550 ቅ.ክ. እተጻሕፈ ስም ንጉስ ናቦኒደስን ወዱ ቤልሻጽርን ዝሓዘ ስሊንደር ኲኒፎርም

ታሪኽ ዚብሎ፦ ናቦኒደስ ኣብቲ ዳንኤል ምዕራፍ 5 እተጻሕፈትሉ እዋን ዝነበረ ንጉስ እዩ። ይኹን እምበር፡ ናቦኒደስ ዝበዝሐ እዋን ግዝኣቱ ኣብ ባቢሎን ዘይኰነስ፡ ኣብ ምድሪ ዓረብ እዩ ኣሕሊፍዎ። ናቦኒደስ ኣብ ዘይነበረሉ እዋን ንባቢሎን ዜመሓድራ ዝነበረ መን እዩ፧ ረይሞንድ ፊሊፕ ዳወርቲ እተባህለ ጸሓፊ ታሪኽ፡ ኣብታ ናቦኒደስ ኤንድ ቤልሻጽር ዘርእስታ መጽሓፉ፡ “ሓደ ጽሑፍ ኲኒፎርም፡ ናቦኒደስ ንግስነቱ ነቲ በዅሪ ወዱ ቤልሻጽር ከም ዝሃቦ ይገልጽ።” ኣስዒቡ ድማ፡ “ቤልሻጽር፡ ኣቦኡ ኣብ ዘይነበረሉ እዋን መንግስታዊ ጕዳያት ይፍጽም ከም ዝነበረ” ገሊጹ ኣሎ። ናቦኒደስን ቤልሻጽርን ኣብታ መንግስቲ ነቲ ቐዳማይን ካልኣይን ቦታ ስለ ዝሓዝዎ፡ ቤልሻጽር ንዳንኤል ሳልሳይ ቦታ ሃቦ።

a ጆርናል ኦቭ ቢብሊካል ሊትረቸር፡ ጥራዝ 128 ቍጽሪ 2፡ ገጽ 279ን 284ን።

b ባቢሎን—ሲቲ ኦቭ ዎንደርስ፡ አርቪን ፊንከልን ማይክል ሲሞርን ገጽ 17።

c ኣርኪዮሎጂ ኤንድ ዘ ባይብል፡ ብጆርጅ ባርተን ገጽ 479።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ