10-16 ነሓሰ 2026
መዝሙር 122 ጽኑዓት፡ ዘይትነቓነቑ ኹኑ!
እምነትና ኽትፍተን ከላ፡ ብኸመይ እሙናት ንኸውን፧
“ጐይታይ፡ ንስኻ ናይ ዘለኣለማዊ ህይወት ቃል ኣሎካ፡ ናብ መን እሞ ኽንከይድ፧”—ዮሃ. 6:68።
ኣትኵሮ
ዝዀነ ይኹን ናይ እምነት ፈተና እኳ እንተ ኣጋጠመና፡ ንየሆዋ እሙናት ክንከውን ንኽእል ኢና።
1-2. የሱስ ኣብ ቅፍርናሆም ኪምህር ከሎ እንታይ እዩ ኣጋጢሙ፧
“እዚ ዘረባ እዝስ ዜሰምብድ እዩ፣ መን ኪሰምዖ ይኽእል፧” (ዮሃ. 6:60) እዚ ቓላት እዚ፡ የሱስ ኣብ ቅፍርናሆም ኣብ ዚምህረሉ ዝነበረ እዋን፡ ብዙሓት ካብ ደቀ መዛሙርቱ ንዘረባኡ ምስ ሰምዑ እተዛረብዎ ነገር እዩ። የሱስ ኣቐዲሙ፡ “ስጋ ወዲ ሰብ እንተ ዘይበሊዕኩም፡ ደሙ እውን እንተ ዘይሰቲኹም፡ ብርእስኹም ህይወት የብልኩምን” ኢልዎም ነይሩ። ኣስዕብ ኣቢሉ እውን “ስጋይ ዚበልዕ፡ ደመይ እውን ዚሰቲ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣላቶ፣ ኣነ እውን በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኸተንስኦ እየ” ኢልዎም ነይሩ።—ዮሃ. 6:53, 54።
2 እቶም ብቓላት የሱስ ዝሰምበዱ፡ ንዕኡ ምስዓብ ሓደግዎ። እሞ ደኣ ኣብ የሱስ እምነት ኣይነበሮምን ማለት ድዩ፧ ከም ሓቂ፡ ቅድሚ እቲ ፍጻመ እቲ ገሊኦም ሰባት፡ እንተላይ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ፡ ብተግባራቱ ኣስተንኪሮም ስለ ዝነበሩ፡ “እዚ ብሓቂ እቲ ናብ ዓለም ኪመጽእ ዘለዎ ነብዪ እዩ” በሉ። (ዮሃ. 6:14) እዚ ድማ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኣብ የሱስ እምነት ከም ዝነበሮም ዜርኢ መርትዖ እዩ። ግናኸ፡ እምነቶም ምስ ተፈተነት እሙናት ኪዀኑ ኣይከኣሉን።
3. ሃዋርያት የሱስ ንቓላቱ እንታይ ምላሽ እዮም ሂቦም፧ ስለምንታይከ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)
3 ሃዋርያት የሱስ ካብ ካልኦት እተፈልየ ምላሽ እዮም ሂቦም። የሱስ ኪኸዱ ዚደልዩ እንተ ዀይኖም ምስ ሓተቶም፡ ጴጥሮስ፡ “ጐይታይ፡ ንስኻ ናይ ዘለኣለማዊ ህይወት ቃል ኣሎካ፡ ናብ መን እሞ ኽንከይድ፧ ንስኻ ክርስቶስ ናይ ኣምላኽ ቅዱስ ምዃንካ ኣሚንናን ፈሊጥናን ኣለና” ኢሉ መለሰሉ። (ዮሃ. 6:68, 69) ከምኡ ኺብል ከሎ፡ ንሱን ካልኦት ሃዋርያትን ነቲ የሱስ ስጋኡ ኺበልዑን ደሙ ኺሰትዩን እተዛረቦ ቓላት ኸም እተረድኦም ኣይኰነን ዚዛረብ ነይሩ። የግዳስ፡ ዋላ እኳ እንተ ዘይተረድኦም፡ ንየሱስ እሙናት ኪዀኑ እዮም ወሲኖም። ስለምንታይሲ፡ እምነቶም ኣብቲ ዘይከሓድ ሓቂ እዩ ተመስሪቱ፣ እወ፡ የሱስ “እቲ ናይ ኣምላኽ ቅቡእ” እዩ።—ሉቃ. 9:20, 35።
ንየሱስ ብዙሓት ደቀ መዛሙርቱ እኳ እንተ ሓደግዎ፡ ጴጥሮስን ካልኦት ሃዋርያትን ግና ኣይሓደግዎን (ሕጡብ ጽሑፍ 3 ርአ)
4. እንታይ ፈተናታት እዩ ኼጋጥመና ዚኽእል፧
4 ተኣማንነትና ብእተፈላለየ መገዲ ኺፍተን ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ኣብቲ ብዛዕባ ሓንቲ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረና ርድኢት ምትዕርራይ ምስ ዚግበር፡ ወይ ኣብ ኣወዳድባ እቲ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮ ለውጢ ምስ ዚግበር እንታይ እዩ ዚስምዓና፧ ወይ ከኣ የሆዋ ንገሊኡ መከራ ስለምንታይ ከም ዝፈቐደ ምርዳኡ እንተ ኣጸጊሙና እንታይ እዩ ዚስምዓና፧ ብዘይካዚ፡ ሓደ ፈታዊና ዝዀነ ክርስትያን ኪጐድኣና ኸሎ፡ ወይ ሓደ እነኽብሮ ሰብ ብዘይፍትሓዊ መገዲ ኸም ዝሓዘና ኺስምዓና ኸሎ፡ እምነትና ትፍተን ትኸውን።
5. እምነትና ኣብ ጽኑዕ መሰረት ስለምንታይ ክትስረት ከም ዚግባእ ብምሳሌ ኣረድእ። (ቈሎሴ 1:23)
5 እምነትና ድልዱል መሰረት ከም ዜድልያ ንምብራህ ነዚ ምሳሌ ንርአ፦ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣብ ዜጋጥመሉ ዓዲ ዚህነጽ ህንጻ ድልዱል መሰረት ኪህልዎ ኣለዎ። እቲ ህንጻ ድልዱል መሰረት እንተ ዘየልይዎ፡ ጸኒዑ ኪቐውም ኣይክእልን እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ኣብታ ኣቐዲማ ዘላ ሕጡብ ጽሑፍ ከም ዝረኣናዮ፡ እምነትና እውን ኣብ ጽኑዕ መሰረት ክትህነጽ ኣለዋ። መሰረት እምነትና ድልዱል እንተ ዀይኑ፡ ኣብ እዋን ፈተና ኽንጸንዕን እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ኽንከውንን ኢና።—1 ቈረ. 15:58፣ ቈሎሴ 1:23 ኣንብብ።
6. ሃዋርያት የሱስ እሙናት ኪዀኑ ዝሓገዞም እንታይ እዩ፧
6 ካልኦት ንየሱስ ጠንጢኖምዎ ኪኸዱ ኸለዉ፡ ሃዋርያቱ እሙናት ኪዀኑ ዝሓገዞም እንታይ እዩ፧ እቶም ሃዋርያት፡ የሆዋ ፈጣሪ ዅሉ ስለ ዝዀነ ኣምልኾ ኸም ዚግብኦ፡ የሱስ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑን “ናይ ዘለኣለማዊ ህይወት ቃል” ከም ዘለዎን፡ ከምኡ እውን የሱስ ሓገዝ የሆዋ ኸም ዘይፍለዮ ይኣምኑ ነይሮም እዮም። እምበኣር፡ ንእምነትና ዚፍትን ሓያሎ ነገራት ኣብ ክንዲ እንምርምር፡ ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ይኹን ፈተና ኽንጸንዕ ዜኽእለና ስዒቡ ዘሎ ሰለስተ ሓቅታት ንርአ፦ (1) የሆዋ ፈጣሪ ዅሉ እዩ። (2) መጽሓፍ ቅዱስ ብድራኸ መንፈስ የሆዋ እተጻሕፈ እዩ። (3) ሎሚ የሆዋ ንህዝቡ ይድግፎም ኣሎ። በዚ ሰለስተ ሓቅታት ምሉእ ብምሉእ እንተ ኣሚንና፡ ኣብ ትሕቲ ፈተናታት እሙናት ክንከውን ንኽእል ኢና።
የሆዋ ፈጣሪ እዩ
7. ራእይ 4:11 እንታይ ተዘኻኽረና፧ ንእምነትናኸ እንታይ ፈተና እዩ ኼጋጥማ ዚኽእል፧
7 ራእይ 4:11 ኣንብብ። እዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ የሆዋ ፈጣሪ ዅሉ ምዃኑ ተዘኻኽረና። እዚ ሓቂ እዚ ድማ ኣምልኾ ኸም ዚግብኦ እኹል መርትዖ እዩ። ብዛዕባ እቲ ዜደንቕ ሓይሉ እንተ ኣስተንቲንና፡ ካብ ዝዀነ ይኹን ፈተና ኸም ዜናግፈና እምንቶ ነሕድር ኢና። ይኹን እምበር፡ ሰይጣን ሓሶት ብምንዛሕ ንዓለም ብህልውና ኣምላኽ ከም እትጠራጠር ገይርዋ ኣሎ። ገሊኦም ስነ ፍልጠተኛታት ከኣ፡ ህይወት ባዕሉ ኸም ዝመጸ ይዛረቡ እዮም። ንሕና እምበኣር፡ የሆዋ ፈጣሪ ዅሉ ምዃኑን ከም ዜፍቅረናን ጽኑዕ እምነት እንተ ዘየሕዲርና፡ ናይ እምነት ፈተናታት ኬጋጥመና ኸሎ ኸም ዜናግፈና ኽንጠራጠር ንኽእል ኢና።—እብ. 11:6።
8-9. የሆዋ ፈጣሪ ምዃኑ ኽትጠራጠር እንተ ጀሚርካ፡ እንታይ ኢኻ ኽትገብር ዘሎካ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)
8 የሆዋ ፈጣሪ ምዃኑ ኽትጠራጠር እንተ ጀሚርካ፡ ብኡብኡ ስጕምቲ ውሰድ። ነቲ የሆዋ ንዅሉ ኸም ዝፈጠረ ዜረጋግጽ ጽሑፋትና ኣጸቢቕካ ኣጽንዓዮ። ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ፡ እምነት ዜደልድል ሓያሎ ሕታማት ኣሎና። ንኣብነት፡ ከም ዎዝ ላይፍ ክሪኤትድ፧ ዘርእስታ ብሮሹርን ዘ ኦርጅን ኦቭ ላይፍ—ፋይቭ ኰስችንስ ዎርዝ ኣስኪንግ ዘርእስታ ብሮሹርን ኪጥቀስ ይከኣል። ኣብቲ “ተነዲፉ ድዩ፧” ዘርእስቱ ኣብ jw.org ዚርከብ ዓምዲ እውን ተወሳኺ ሓበሬታ ኣሎ። ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ እትነብር ጀሲካ ዝስማ መንእሰይ ሓብቲ ኸምዚ ትብል፦ “ነታ ኦርጅን ኦቭ ላይፍ ዘርእስታ ብሮሹር ምስ ኣንበብክዋ፡ ኣስተውዓሊ ነዳፊ ኸም ዘሎ እምነት ኣሕዲረ። ነዚ ኣቐዲመ እፈልጦ ነይረ እየ፣ እንተዀነ ግና፡ ነታ ብሮሹር ምስ ኣንበብክዋ፡ ንዝዀነ ይኹን ጥርጣረ ኼፍሽል ዚኽእል መርትዖ ረኺበ እየ።” ብዘይካዚ፡ ሓያሎ ሰባት ኣብታ ንዘለኣለም ብህይወት ንበር! ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ትምህርቲ 6ን 7ን ዘሎ ሓበሬታ፡ ከምኡ እውን “ብፈጣሪ ኽትኣምን ኣሎካዶ፧—ባዕልኻ ወስን” ኣብ ዘርእስታ ንቕሑ! ቍ. 3 2021 ዘሎ ሓበሬታ ብምንባቦም ተጠቒሞም እዮም። ንስኻ እውን ነዚ ኣንቢብካዮ ትኸውን። እሞ ደኣ ስለምንታይ ደጊምካ ዘይተንብቦ፧
9 ኣብ ብሕታዊ መጽናዕትኻ፡ ብዛዕባ ህልውና ኣምላኽ ምርምር ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ኣብ ህልውና የሆዋ ዘሎካ እምነት ኪድልድል፡ ባህርያቱ እውን ብዝያዳ ኺንጽረልካ እዩ። (ሮሜ 1:20) ብተወሳኺ ድማ፡ በቲ እተምሃርካዮ ጌርካ ኣብ ህልውና ኣምላኽ ጥርጣረ ንዘለዎም ሰባት ንምሕጋዝ ዜኽእል ዓቕሚ ኺህልወካ እዩ። እቲ ቐንዲ ነጥቢ እዚ እዩ፦ የሆዋ ንሱ ፈጣሪና ምዃኑ ዜረጋግጽ ማእለያ ዘይብሉ መርትዖ ሂቡና ኣሎ።
Nebula: IAC/RGO/David Malin Images; fish and car: Mercedes-Benz USA; plane: Kristen Bartlett/University of Florida
ነታ ዎዝ ላይፍ ክሪኤትድ፧ ዘርእስታ ብሮሹር ኣንቢብካያ ትኸውን። እሞ ደኣ ስለምንታይ ደጊምካ ዘይተንብባ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 8 ርአ)
ደራሲ መጽሓፍ ቅዱስ የሆዋ እዩ
10. ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ኣርኣእያ እዩ ዘሎና፧ (2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17)
10 ካልኣይ ጢሞቴዎስ 3:16, 17 ኣንብብ። መጽሓፍ ቅዱስ ካብ የሆዋ ናብ ሰባት እተላእከ መልእኽቲ እዩ። ኣብ ህይወት ንዚልዓል ኣገዳሲ ሕቶታት ይምልስ፡ ፍቓድ የሆዋ እንታይ ምዃኑን እንታይ ክንገብር ከም ዚደልየናን ድማ ይነግረና እዩ። ደራሲኡ የሆዋ ምዃኑ ስለ እንኣምን ድማ፡ ኣብ ህይወትና ኻብ ዝዀነ ይኹን መጽሓፍ ንላዕሊ ኣገዳሲ እዩ። ነቲ ቓሉ ኽንርድኦን ክንትግብሮን እውን ንደሊ ኢና።
11. መጽሓፍ ቅዱስ ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ ከም እተጻሕፈ ዘእመነካ እንታይ እዩ፧
11 መጽሓፍ ቅዱስ ብድራኸ መንፈስ የሆዋ ኸም እተጻሕፈ ዘእመነና እንታይ እዩ፧ ብዙሕ ምኽንያታት ኣሎና። ቃል ኣምላኽ ታሪኻዊ ልክዕነት ኣለዎ። (ሉቃ. 3:1, 2) ብዛዕባ ተፈጥሮ እውን ልክዕ ሓበሬታ እዩ ዚህብ። (እዮ. 26:7) ሰይጣን ንመጽሓፍ ቅዱስ ኬጥፍኦ ብዙሕ እናጸዓረ ኽነሱ፡ ብዝርጋሐኡ ግና ኣብ ዓለም ቀዳማይ ደረጃ እዩ ዚስራዕ። ኣብ ኣስታት 1,600 ዓመት፡ ኣስታት 40 ብዝዀኑ ሰባት እኳ እንተ ተጻሕፈ፡ ንሓድሕዱ ይሳነ እዩ። ንሚልዮናት ሰባት ኣብ መዓልታዊ ህይወቶም ዚሕግዝ ግዜ ዘይሓልፎ ምኽሪ ዝሓዘ እዩ። (ምሳ. 13:20፣ 15:21፣ ማቴ. 7:12) ብተወሳኺ፡ ብዙሕ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ተፈጺሙ ኣሎ፣ እዚ ድማ ከም እንኣምኖ ዚገብረና ኻልእ መርትዖ እዩ። (እያ. 23:14) እወ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ እዩ ተጻሒፉ።
12. መጽሓፍ ቅዱስ ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ ከም እተጻሕፈ ኽንጠራጠር እንተ ጀሚርና፡ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧
12 መጽሓፍ ቅዱስ ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ ከም እተጻሕፈ ኽንጠራጠር እንተ ጀሚርና፡ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ክንጽልን ምስ ጸሎትና ዚሳነ ስጕምቲ ኽንወስድን ኣሎና። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀኑ ወለዲ ዘዕበይዎ ጆርዳን ዝስሙ መንእሰይ ሓው፡ እንታይ ከም ዝበለ ንርአ፦ “ዚንገረኒ ነገር ኵሉ ብሃውሪ ኣይኰንኩን ዝኣምን። ብዛዕባኡ ኣጸቢቐ ኽሓስብ እደሊ እየ። ሓቂ ይሓይሽ፡ ሳሕቲ ጥርጣረታት ይስምዓኒ እዩ። ግናኸ፡ ንሕቶታተይ መልሲ ንምርካብ ኣብ ጽሑፋትና ምርምር ክገብር ከለኹ ጥርጣረታተይ ይሃፍፍ እዩ።” መጽሓፍ ቅዱስ ብድራኸ መንፈስ የሆዋ ኸም እተጻሕፈ ብዝያዳ ርግጸኛታት ብዝዀንና መጠን፡ መሰረት እምነትና ኢና እነደልድል።—1 ቈረ. 3:12, 13።
ሎሚ የሆዋ ንህዝቡ ይድግፎም ኣሎ
13. ህዝቢ ኣምላኽ መን ምዃኖም ክንጠራጠር እንተ ጀሚርና፡ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧
13 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ስምረት ኣምላኽ ከም ዘለዎም ክንጠራጠር እንተ ጀሚርና፡ ቀልጢፍና ስጕምቲ ኽንወስድ ኣሎና። ጥርጣረታትና ምእንቲ ኸነወግድ፡ ገዛእ ርእስና ኸምዚ ዚስዕብ ኢልና ኽንሓትት ንኽእል ኢና፦ ‘ብመለክዒታት መጽሓፍ ቅዱስ ንምምልላስ፡ ዚከኣሎም ዚገብሩ ዘለዉ መን እዮም፧ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ እተመስረተ እምነት ዘለዎም መን እዮም፧’ (2 ጢሞ. 4:3, 4) ‘ፍቓድ የሆዋ ዚገብሩ ዘለዉ መን እዮም፧’—ማቴ. 7:20, 21።
14. ነቲ ኣብ ማቴዎስ 24:14 ዘሎ ትንቢት ምስ ምፍጻም ብእተተሓሓዘ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንታይ እጃም ኣለዎም፧
14 ሎሚ ፍቓድ ኣምላኽ ምስ ምፍጻም ብእተተሓሓዘ፡ ገዛእ ርእስና ኸምዚ ዚስዕብ ኢልና ኽንሓትት ንኽእል ኢና፦ ‘ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ነቲ የሱስ እተነበዮ ዕዮ ስብከት ዚዓይይዎ ዘለዉ መን እዮም፧’ (ማቴ. 24:14) እቲ መልሲ ንጹር እዩ። ኣምላኽ በቶም ህዝቡ ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ገይሩ ዕዮ ስብከት ከም ዚዕየ ይገብር ኣሎ። ንሕና ጥራይ ኢና ኣብ ልዕሊ 240 ሃገራት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንሰብኽ ዘለና። ኣብ ትሕቲ መሪሕነት መንግስቲ ኣምላኽ ኴንና ድማ፡ ንልዕሊ 100 ዓመት ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ንሰብኽ ኣለና። እወ፡ ኣትኵሮና ኣብቲ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዝዀነ ዕዮ ስብከት እዩ።—ማቴ. 28:19, 20።
15. ሎሚ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ምቕዳስ ስም ኣምላኽ እንታይ እጃም ኣለዎም፧ (ማቴዎስ 6:9፣ ኢሳይያስ 43:10)
15 ማቴዎስ 6:9ን ኢሳይያስ 43:10ን ኣንብብ። በቲ ብሕታዊ ስም ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ኢና እንፍለጥ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተባሂልና ስለ እንጽዋዕ ድማ በዚ ንሕበን ኢና። ዓለም ንስም ኣምላኽ ሸለል ኣብ ዝበለትሉ እዋን፡ ንሕና ግና ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ናብቲ ግቡእ ቦታኡ መሊስናዮ ኣለና። እዚ ስም እዚ፡ ኣብ ቀንዲ ጽሑፍ ቅዱሳት ጽሑፋት ትርጉም ሓዳስ ዓለም ልዕሊ 7,000 ሳዕ ተጠቒሱ ይርከብ።
16. ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ኣብ ዮሃንስ 13:34, 35 ዚርከብ ትእዛዝ የኽብርዎ ኣለዉ እንብል ስለምንታይ ኢና፧ (ስእሊ እውን ርአ።)
16 ዮሃንስ 13:34, 35 ኣንብብ። ኣብዛ ጽልእን ክፍፍልን ዝመልኣ ዓለም፡ ፍቕርናን ሓድነትናን ዘመናዊ ተኣምር እዩ። ካብ ኵሉ ዅርናዓት ዓለም ዝመጻእና፡ እተፈላለየ ድሕረ ባይታን ኣተዓባብያን እውን ዘሎና እኳ እንተ ዀንና፡ ኣብ መንጎና ሰላምን ፍቕርን ኣሎ። ናብ ካልእ ጉባኤ ኼድካዶ ትፈልጥ፧ ኣብ መጻኢ ናብ ካልእ ጉባኤ እንተ ኼድካ፡ ኣብ መንጎ ኣሕዋትን ኣሓትን ዘሎ ፍቕርን ሓድነትን ኣስተብህለሉ። እዚ ድማ የሆዋ ንመሰኻኽሩ ፍቓዱ ኣብ ምፍጻም ይጥቀመሎም ከም ዘሎ ዜርኢ መርትዖ እዩ። ነዚ እንተ ኣስተንቲንናሉ፡ ዝዀነ ይኹን ናይ እምነት ፈተና ኼጋጥመና ኸሎ እሙናት ምእንቲ ኽንከውን ኪሕግዘና ይኽእል እዩ።
ፍቕርናን ሓድነትናን ዘመናዊ ተኣምር እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 16 ርአ)a
ንየሆዋ ኣይትሕደጎ
17-18. እንታይ ጸገማት እዩ ኼጓንፈና ዚኽእል፧ ግናኸ፡ እንታይ ኢና ብተኣማንነት ክንብል እንኽእል፧
17 ኣብዚ ጽንኩር እዋን ህይወት ቀሊል ኣይኰነን፣ ስለዚ፡ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ኵላትና ብድሆታት የጋጥመና እዩ። (2 ጢሞ. 3:1, 13) ካልእ ብድሆታት እውን የጋጥመና ይኸውን። ውድብ ኣምላኽ፡ ምሉእ ብምሉእ ኪርድኣና ዘይክእል ውሳነታት ትገብር ትኸውን። ወይ ከኣ ሓደ ክርስትያን ብጻይና ኸም ዘይተረድኣና ወይ ከም ዝጐድኣና ይስምዓና ይኸውን። ንጸገማትና ድማ ቅልጡፍ ፍታሕ ኣይረኣየናን ይኸውን፡ ወይ እንታይ ይኸውን ኸም ዘሎ ኣይርድኣናን ይኸውን።
18 ስምዒታዊ ስቓይ ዜስዕበልና ዅነታት እናኣጋጠመና ኽነሱ፡ የሆዋ ፈጣሪ ምዃኑ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ቃሉ ምዃኑ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን ህዝቡ ምዃኖም እንተ ኣሚንና፡ ወትሩ ንዕኡ እሙናት ክንከውን ንኽእል ኢና። ከምቲ ጴጥሮስ ንየሱስ፡ “ንስኻ ናይ ዘለኣለማዊ ህይወት ቃል ኣሎካ፡ ናብ መን እሞ ኽንከይድ፧” ዝበሎ፡ ንሕና እውን ንየሆዋ ኸምኡ ኽንብሎ ንኽእል ኢና።
መዝሙር 123 ንቲኦክራስያዊ ስርዓት ብተኣማንነት ንገዛእ
a መግለጺ ስእሊ፦ ብኣውቶቡስ ዚሓልፋ ዘለዋ ኣደን ጓላን ኣብ ኣገልግሎት ንዘለዉ ክርስትያናት ብጾተን ምስ ረኣያ ባህ ይብለን።