ዓንቀጽ መጽናዕቲ 27
መዝሙር 73 ኣትብዓና
ከም ጻዶቅ ተባዕ ኩን
“እቲ ጅግናን ተባዕን ጐበዝ ዝነበረ ጻዶቅ።”—1 ዜና 12:28።
ኣትኵሮ
እቲ ጻዶቅ ዝሓደጎ ኣብነት፡ ተባዓት ክንከውን ብኸመይ ከም ዚሕግዘና።
1-2. ጻዶቅ መን እዩ ነይሩ፧ (1 ዜና መዋእል 12:22, 26-28)
ነዚ እሞ ብኣእምሮኻ ስኣሎ። ንዳዊት ኣብ ልዕሊ ዅሉ እስራኤል ንምንጋስ ልዕሊ 340,000 ሰባት ተኣከቡ። ንሰለስተ መዓልቲ ኣብቲ ኣኻውሕ ዝመልኦ ዅርባታት ኬብሮን ወኻዕታን መዝሙር ውዳሰን ሰሓቕን የቃልሕ ነበረ። (1 ዜና 12:39) ኣብ መንጎ እቲ ህዝቢ፡ ጻዶቅ ዚብሃል ጐበዝ ነበረ። ብዙሓት ሰባት ነዚ ሰብ እዚ ፍሉይ ኣትኵሮ ኣይምገበሩሉን። የሆዋ ግና ጻዶቅ ኣብኡ ምህላዉ ኸም እንፈልጥ ገበረ። (1 ዜና መዋእል 12:22, 26-28 ኣንብብ።) ጻዶቅ መን እዩ ነይሩ፧
2 ጻዶቅ ምስ ኣብያታር እቲ ሊቀ ኻህናት ብቐረባ ዚዓዪ ዝነበረ ኻህን እዩ ነይሩ። ብዘይካዚ፡ ረኣዪ ብምንባሩ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ኬስተውዕል ይኽእል ነይሩ እዩ፡ ፍሉይ ልቦና እውን ነይርዎ እዩ። (2 ሳሙ. 15:27) ጥበባዊ ምኽሪ ንምርካብ፡ ሰባት ናብኡ ይኸዱ ነይሮም እዮም። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ፡ ተባዕ እዩ ነይሩ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ኸኣ፡ ነዚ መዳይ ስብእናኡ ኢና ኸነተኵረሉ።
3. (ሀ) ኣምለኽቲ የሆዋ ተባዓት ኪዀኑ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧ (ለ) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንመያየጥ፧
3 ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት፡ ሰይጣን ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣምላኽ ዜውርዶ መጥቃዕቲ የጻዕጽዖ ኣሎ። (1 ጴጥ. 5:8) ስለዚ፡ የሆዋ ንሰይጣንን ንእኩይ ስርዓቱን መወዳእታ ኺገብረሉ ኽንጽበ ኸለና፡ ተባዓት ክንከውን ኣሎና። (መዝ. 31:24) እምበኣር፡ ከም ጻዶቅ ተባዓት ክንኰነሉ እንኽእል ሰለስተ መገድታት ንርአ።
ንመንግስቲ ኣምላኽ ደግፍ
4. ህዝቢ የሆዋ ንመንግስቲ ኣምላኽ ንምድጋፍ ትብዓት ዜድልዮም ስለምንታይ እዩ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)
4 ህዝቢ የሆዋ ስለ ዝዀንና፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ብምሉእ ልብና ንድግፋ ኢና። ከምኡ ንምግባር ግና መብዛሕትኡ ግዜ ትብዓት የድልየና እዩ። (ማቴ. 6:33) ንኣብነት፡ ኣብዚ እኩይ ስርዓት፡ በቲ የሆዋ ዝሰርዖ መለክዒታት ንምምልላስን ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንምስባኽን ትብዓት የድልየና እዩ። (1 ተሰ. 2:2) ኣብዚ እናተኸፋፈለ ዚኸይድ ዘሎ ስርዓት፡ ካብ ፖለቲካዊ ጕዳያት ገለልተኛ ምዃን እውን ትብዓት ይሓትት እዩ። (ዮሃ. 18:36) ብዙሓት ካብ ህዝቢ የሆዋ ኣብ ፖለቲካዊ ወይ ወተሃደራዊ ንጥፈታት ምስታፍ ብምእባዮም፡ ተወጺዖም፡ ተገፊዖም፡ ወይ ተኣሲሮም እዮም።
ሰባት ኣብ ፖለቲካ ምስ ሓዲኡ ኺውግኑ ኸለዉ፡ ንስኻ እንታይ ኢኻ እትገብር፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 4 ርአ)
5. ጻዶቅ ንዳዊት ንምድጋፍ ትብዓት ዜድልዮ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧
5 ጻዶቅ ናብ ኬብሮን ዝኸደ፡ ንንግስና ዳዊት ንምጽምባል ጥራይ ኣይነበረን። ተዓጢቑን ንውግእ ተዳልዩን እዩ ኸይዱ። (1 ዜና 12:38) ንዳዊት ስዒቡ ናብ ውግእ ንምውፋርን ንእስራኤል ካብ ጸላእቱ ንምክልኻልን ድሉው እዩ ነይሩ። ጻዶቅ ምናልባት ኣብ ውግእ ክሳዕ ክንድቲ ምኩር እኳ እንተ ዘይነበረ፡ ብሓቂ ግና ተባዕ እዩ ነይሩ።
6. ዳዊት ንጻዶቅ ጽቡቕ ኣብነት ትብዓት ዝሓደገሉ ብኸመይ እዩ፧ (መዝሙር 138:3)
6 ጻዶቅ ካህን ክነሱ፡ ነዚ ትብዓት እዚ ኻበይ እዩ ረኺብዎ፧ ሓያላትን ተባዓትን ብዝዀኑ ሰባት እዩ ተኸቢቡ ነይሩ። ካብ ኣብነቶም ከም እተጠቕመ ኣየጠራጥርን እዩ። ንኣብነት፡ እቲ ዳዊት ‘ንእስራኤል ኣብ ወፈራታቱ ኺመርሖ’ ኸሎ ዘርኣዮ ትብዓት፡ ንዅሉ እስራኤል ብምሉእ ልቡ ኺድግፎ ኣለዓዒልዎ እዩ። (1 ዜና 11:1, 2) ዳዊት ምስ ጸላእቱ ኣብ ዚዋግኣሉ እዋን፡ ወትሩ ብየሆዋ እዩ ዚእመን ነይሩ። (መዝ. 28:7፣ መዝሙር 138:3 ኣንብብ።) ብዘይካዚ፡ ንጻዶቅ ኣብነት ትብዓት ዚዀኑ ኻልኦት ሰባት እውን ነይሮም እዮም፣ ከም እኒ የሆያዳን እቲ ጅግና ወዱ በናያን 22 ኣሕሉቕ ማይ ቤትን ኣብ ጐድኒ ዳዊት ቈይሞም እዮም። (1 ዜና 11:22-25፣ 12:26-28) ኵሎም እዞም ሰባት እዚኦም፡ ንንግስና ዳዊት ንምድጋፍ፡ ወሳኒ ስጕምቲ ወሲዶም እዮም።
7. (ሀ) ኣብዚ ግዜና ኻብ ዚርከቡ እንታይ ኣብነታት ትብዓት ኢና ኽንምሃር እንኽእል፧ (ለ) ካብቲ ኣብታ ቪድዮ እተዘንተወ ታሪኽ ሓውና ንሲሉ እንታይ ንምሃር፧
7 ንሕና እውን ብዛዕባ እቶም ንግዝኣት የሆዋ ብትብዓት ዝደገፉ ኣብነታት ክንሓስብ ከለና፡ ብርታዐን ትብዓትን ኢና እንረክብ። ንኣብነት፡ ንጉስና ክርስቶስ የሱስ ነቲ ኣብ ናይ ሰይጣን ፖለቲካዊ ስርዓት ኪሳተፍ ዝቐረበሉ ጸቕጢ፡ ብጽኑዕ ተቓወሞ። (ማቴ. 4:8-11፣ ዮሃ. 6:14, 15) ብርታዐ ንምርካብ ከኣ ወትሩ ብየሆዋ ይእመን ነበረ። ኣብዚ ግዜና እውን፡ ኣብ ወተሃደራዊ ዀነ ፖለቲካዊ ንጥፈታት ምስታፍ ዝኣበዩ ብዙሓት መንእሰያት ኣለዉና። እሞ ደኣ ነቲ ኣብ jw.org ዝወጸ ተመክሮታቶም ስለምንታይ ዘይነንብቦ፧a
ንኣሕዋትካ ሓግዞም
8. ሽማግለታት ንኣሕዋቶም ግብራዊ ሓገዝ ንምሃብ ትብዓት ዜድልዮም መዓስ ኪኸውን ይኽእል፧
8 ህዝቢ የሆዋ ንሓድሕዶም ምትሕግጋዝ ይፈትዉ እዮም። (2 ቈረ. 8:4) ሓድሓደ ግዜ ግና፡ እዚ ነገር እዚ ትብዓት ይሓትት እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ እዋን ውግእ፡ ንኣሕዋትን ንኣሓትን መተባብዒ፡ ደገፍ፡ ምናልባት እውን መንፈሳዊ ዀነ ኣካላዊ ምግቢ ኸም ዜድልዮም ሽማግለታት ይፈልጡ እዮም። ነተን ኣባጊዕ ካብ ዘለዎም ፍቕሪ ተላዒሎም ከኣ፡ ገዛእ ርእሶም ኣብ ሓደጋ ኣእትዮም ዜድልየን ዘበለ የማልኡለን እዮም። (ዮሃ. 15:12, 13) በዚ ኸምዚ፡ ከም ጻዶቅ ተባዓት እዮም ዚዀኑ።
9. ኣብ 2 ሳሙኤል 15:27-29 ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ ዳዊት ንጻዶቅ እንታይ ኪገብር እዩ መምርሒ ዝሃቦ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)
9 ኣብ ሓደ እዋን፡ ህይወት ዳዊት ኣብ ሓደጋ ነበረ። ወዱ ኣቤሴሎም ነታ መንግስቲ ኻብኡ ኺምንዝዓ ተላዕለ። (2 ሳሙ. 15:12, 13) ዳዊት ካብ የሩሳሌም ብኡብኡ ኺወጽእ ነበሮ! ንገላዉኡ ጸዊዑ ድማ፡ “ዋላ ሓደ ኻባና ኻብ ኣቤሴሎም ኣይኬምልጥን እዩ እሞ፡ ተንስኡ ንህደም!” በሎም። (2 ሳሙ. 15:14) ገላዉኡ ምስ ነቐሉ፡ ብዛዕባ ውጥን ኣቤሴሎም ዚነግሮ ሰብ ከም ዜድልዮ ሓሰበ። ስለዚ፡ ሰለይቲ ዀይኖም ኬገልግልዎ ኢሉ ንጻዶቅን ንኻልኦት ካህናትን ናብታ ኸተማ መለሶም። (2 ሳሙኤል 15:27-29 ኣንብብ።) ንሳቶም ብጥንቃቐ ኺመላለሱ ነበሮም። እቲ ዳዊት ነቶም ካህናት ዝሓተቶም ነገር፡ ሓደገኛ እዩ ነይሩ፣ ምናልባት እውን ንህይወቶም ዜስግእ ነገር እዩ ነይሩ። እቲ ምኩሕን ቂመኛን ጠላምን ዝዀነ ኣቤሴሎም፡ ጻዶቅን እቶም ካህናትን ንዳዊት ይስልዩሉ ኸም ዘለዉ እንተ ዚፈልጥ፡ እንታይ ኪገብሮም ይኽእል ከም ዝነበረ እሞ ገምቶ!
ዳዊት ንጻዶቅ ሓደገኛ ተልእኾ ሃቦ (ሕጡብ ጽሑፍ 9 ርአ)
10. ጻዶቅን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰባትን ንዳዊት ካብ ጕድኣት ዝሰተርዎ ብኸመይ እዮም፧
10 ዳዊት ንጻዶቅን ሑሻይ ንዚብሃል እሙን ፈታዊኡን፡ ኣብ ውጥኑ ኺሕግዝዎ ሓተቶም። (2 ሳሙ. 15:32-37) ሑሻይ ከምቲ ዝወጠንዎ፡ ንኣቤሴሎም ከም ደጋፊኡ መሲሉ ቐረቦ፣ ንዳዊት ኪዳሎ ዜኽእሎ ወተሃደራዊ ስልቲ እውን መኸረ። ድሕርዚ፡ ሑሻይ ንጻዶቅን ንኣብያታርን ብዛዕባ እቲ እተሓስበ ነገር ነገሮም። (2 ሳሙ. 17:8-16) ጻዶቅን ኣብያታርን ከኣ ንዳዊት መልእኽቲ ለኣኹሉ። (2 ሳሙ. 17:17) ብሓገዝ የሆዋ፡ ጻዶቅን ብጾቱ ኻህናትን ንህይወት ዳዊት ካብ ጕድኣት ኣብ ምስታር ኣገዳሲ ግደ ተጻወቱ።—2 ሳሙ. 17:21, 22።
11. ንኣሕዋትና ኽንሕግዝ ከለና፡ ከመይ ጌርና ኢና ኸም ጻዶቅ ተባዓት ክንከውን እንኽእል፧
11 ንሕና እውን ኣብ ሓደገኛ ግዜያት ንኣሕዋትና ኽንሕግዞም ምስ እንሕተት፡ ከመይ ጌርና ኢና ኸም ጻዶቅ ተባዓት ክንከውን እንኽእል፧ (1) መምርሒ ስዓብ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ዅነታት፡ ሓድነትና ንዓቅብ። ምስቲ ኻብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ዚመጽእ መምርሒ ንተሓባበር። (እብ. 13:17) ሽማግለታት ነቲ ንሓደጋ ድሉው ንምዃን ዚግበር መሰናድዎን ነቲ ሓደጋ ኣብ ዚመጸሉ እዋን እንታይ ክንገብር ከም ዚግባእ ብዚምልከት ካብ ውድብ ዝመጸ መምርሕን ብስሩዕ ኪኽልስዎ ኣለዎም። (1 ቈረ. 14:33, 40) (2) ተባዕ ግናኸ ጥንቁቕ ኩን። (ምሳ. 22:3) ለባም ኩን። ብዘየድሊ ገዛእ ርእስኻ ኣብ ሓደጋ ኣይተእቱ። (3) ብየሆዋ ተኣመን። የሆዋ ንዓኻን ንኣሕዋትካን ኣጸቢቑ ኸም ዚሓልየልኩም ዘክር። ንኣሕዋትካ ብውሑስ መገዲ ምእንቲ ኽትሕግዝ፡ ንሱ ኺረድኣካ እዩ።
12-13. ካብ ቪክቶርን ቪታሊን እንታይ ትምሃር፧ (ስእሊ እውን ርአ።)
12 ንኣብነት፡ ኣብ ዩክረይን፡ ቪክቶርን ቪታሊን ዚብሃሉ መንፈሳውያን ኣሕዋት ንክርስትያናት ብጾቶም ምግብን ማይን ኣብ ምብጽጻሕ ኣገልገሉ። ቪክቶር ከምዚ ይብል፦ “ምግቢ ንምርካብ ላዕልን ታሕትን ኢና ኢልና። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ኣብ ከባቢና ተዅሲ ንሰምዕ ኔርና ኢና። ሓደ ሓው ካብ መኽዝኑ፡ ምግቢ ለጊሱልና። ሳላ እዚ ወፈያ እዚ ኸኣ፡ ብዙሓት ኣስፋሕቲ ነቲ ግዜ እቲ ብህይወት ንምንባር ዜድልዮም ነገር ኪረኽቡ ኽኢሎም። ዜድሊ ነገራት ናብ ማኪናና እናጸዓንና ኸለና፡ ተወንጫፊ ኻባና ኣስታት 20 ሜተር ኣቢሉ ወዲቑ። ንኣስፋሕቲ ንምሕጋዝ ዜድልየኒ ትብዓት ምእንቲ ኽረክብ፡ ምሉእ መዓልቲ እየ ንየሆዋ ኽልምኖ ውዒለ።”
13 ቪታሊ ድማ፡ “ብዙሕ ትብዓት እዩ ዜድልየና ነይሩ። ቀዳማይ ጕዕዞይ 12 ሰዓት እዩ ወሲዱለይ። ኣብ ምሉእ እቲ ጕዕዞ፡ ናብ የሆዋ እጽሊ ነይረ” ይብል። ቪታሊ ተባዕ ግናኸ ጥንቁቕ እዩ ነይሩ። ኣስዕብ ኣቢሉ ኸምዚ ይብል፦ “ጥበብን ትሕትናን ኪህበኒ፡ ናብ የሆዋ ብቐጻሊ እጽሊ ነይረ። በቲ ሰበ ስልጣን ዝፈቐድዎ መገድታት ጥራይ እየ ዝጕዓዝ ነይረ። ኣሕዋትን ኣሓትን ተሓባቢሮም ምዕያዮም ዜምጽኦ ጥቕሚ ብዓይነይ ርእየዮ እየ። ካብ መገዲ ዕንቅፋታት ኣወጊዶምልና፡ ሰብኣዊ ረድኤት ኣብ ምእካብን ኣብ ምጽዓንን ሓጊዞምና፡ ኣብ መገዲ ድማ ምግብን መዕረፍን ሂቦምና እዮም።”
ኣብ ሓደገኛ ግዜያት፡ ንኣሕዋት ክትሕግዝ ከለኻ፡ ተባዕ ግናኸ ጥንቁቕ ኩን (ሕጡብ ጽሑፍ 12-13 ርአ)
ንየሆዋ እሙን ኩን
14. እንፈትዎ ሰብ ንየሆዋ እንተ ዚሓድጎ፡ እዚ ብኸመይ ኪጸልወና ይኽእል፧
14 ኣባል ቤተ ሰብና ወይ ናይ ቀረባ ፈታዊና ንየሆዋ ኺሓድጎ ኸሎ፡ ኣዝዩ ኸቢድ ፈተና እዩ ዚዀነና። (መዝ. 78:40፣ ምሳ. 24:10) ምስቲ ሰብ ብዝያዳ እንቀራረብ እንተ ኔርና፡ ነቲ ዅነታት ምቕባሉ ብዝያዳ እዩ ዚኸብደና። ከምዚ ዝበለ ስቓይ እንተ ኣሕሊፍካ፡ ካብ ተኣማንነት ጻዶቅ ብርታዐ ኽትረክብ ትኽእል ኢኻ።
15. ጻዶቅ ንየሆዋ እሙን ኰይኑ ንምምልላስ ትብዓት ዘድለዮ ስለምንታይ እዩ፧ (1 ነገስት 1:5-8)
15 ኣብ ሓደ እዋን፡ እቲ ናይ ቀረባ ዓርኪ ጻዶቅ ዝነበረ ኣብያታር ጠላም ኰነ። ኣብቲ ግዜ እቲ ግና፡ ጻዶቅ ካብቲ ንየሆዋ ዘለዎ ተኣማንነት ፈልከት ኣይበለን። እዚ ነገር እዚ፡ ኣብ መወዳእታ ንግስና ዳዊት እዩ ዀይኑ። ዳዊት ሞቱ ቐሪቡ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ወዱ ኣዶንያ ነቲ የሆዋ ንሰሎሞን ዝመደቦ ዝፋን ኪምንዝዕ ፈተነ። (1 ዜና 22:9, 10) ኣብቲ እዋን እቲ፡ ኣብያታር ንኣዶንያ ደገፎ። (1 ነገስት 1:5-8 ኣንብብ።) በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ንዳዊት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንየሆዋ እውን ጠለሞ! ሽዑ ጻዶቅ ክሳዕ ክንደይ ከም ዝሓዘነን ከም ዝጐሃየን እሞ ገምቶ! ንልዕሊ 40 ዓመት፡ ንሱን ኣብያታርን ካህናት ኰይኖም ብሓባር ኣገልጊሎም እዮም። (2 ሳሙ. 8:17) “ታቦት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ” ይከናኸኑ ነይሮም እዮም። (2 ሳሙ. 15:29) ኣብ ፈለማ፡ ክልቲኦም ንንግስና ዳዊት ደጊፎም፡ ብዙሕ ካልእ ኣበርክቶ እውን ገይሮም እዮም።—2 ሳሙ. 19:11-14።
16. ጻዶቅ ተኣማንነቱ ሓልዩ ንምምላስ እንታይ ሓጊዝዎ ኪኸውን ይኽእል፧
16 ኣብያታር ሕማቕ ውሳነ እኳ እንተ ገበረ፡ ጻዶቅ ግና ንየሆዋ ዘለዎ ተኣማንነት ሓለወ። ዳዊት ንተኣማንነት ጻዶቅ ፈጺሙ ኣብ ሕቶ ኣየእተዎን። ውዲት ኣዶንያ ምስ ተቐልዐ፡ ዳዊት ንሰሎሞን ናይ ምቕባእ ሓላፍነት ንጻዶቅን ንናታንን ንበናያን ሃቦም። (1 ነገ. 1:32-34) ጻዶቅ ካብቶም ከም ናታንን ካልኦት ደገፍቲ ንጉስ ዳዊትን ዝኣመሰሉ እሙናት ኣምለኽቲ የሆዋ፡ ብርታዐን መተባብዕን ረኺቡ ኪኸውን ኣለዎ። (1 ነገ. 1:38, 39) ዝዀነ ዀይኑ፡ ሰሎሞን ምስ ነገሰ፡ “ንኻህን ጻዶቅ ኣብ ክንዲ ኣብያታር ሸሞ።”—1 ነገ. 2:35።
17. ቀረባኻ ሰብ ንየሆዋ እንተ ሓዲግዎ፡ ከመይ ጌርካ ኢኻ ንጻዶቅ ክትመስሎ እትኽእል፧
17 እሞ ደኣ ኸመይ ጌርካ ኢኻ ንጻዶቅ ክትመስሎ እትኽእል፧ ቀረባኻ ሰብ ንየሆዋ ኺሓድጎ እንተ ወሲኑ፡ ንስኻ እውን ውሳነኻ ንጹር ግበረሉ። (እያ. 24:15) የሆዋ ብርታዐን ትብዓትን ኪህበካ እዩ። ብጸሎት ናብኡ ተጸጋዕ፡ ናብ ክርስትያናት ብጾት እውን ልገብ። የሆዋ ንተኣማንነትካ ኣኽቢሩ እዩ ዚርእዮ፣ ዓስብኻ እውን ኪህበካ እዩ።—2 ሳሙ. 22:26።
18. ካብ ተመክሮ ማርኮን ሲድሰን እንታይ ትምሃር፧
18 ማርኮን ሰበይቱ ሲድሰን ክልተ ብጹሓት ኣዋልዶም ካብ ሓቂ ምስ ወጻ እንታይ ከም ዝገበሩ እስከ ንርአ። ማርኮ ኸምዚ ይብል፦ “ካብታ ደቅኻ ዚውለዱላ ዕለት ኣትሒዝካ፡ ኣዚኻ ኢኻ እትፈትዎም። ካብ ጕድኣት ንምሕላው፡ ዚከኣለካ ዘበለ ዅሉ ኢኻ እትገብረሎም። ስለዚ፡ ንየሆዋ ኺሓድግዎ ምስ ወሰኑ፡ ልብኻ እዩ ዚስበር።” ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ፡ “የሆዋ ግና ካብ ጐድንና ኣይተፈልየን። ኣነ ኽደክም ከለኹ፡ ሰበይተይ ከም እትብርዕ፡ ንሳ ኽትደክም ከላ ኸኣ፡ ኣነ ኸም ዝብርትዕ ገይሩ እዩ” ይብል። ሲድሰ ኸኣ ከምዚ ትብል፦ “የሆዋ ዜድልየና ዘበለ ብርታዐ እንተ ዘይህበና ነይሩ፡ ክንጻወር ኣይምኸኣልናን ኔርና። እቲ ነገር ናተይ ጕድለት ከም ዝዀነ ገይረ እሓስብ ነይረ፣ ስለዚ፡ ከመይ ከም ዚስምዓኒ ንየሆዋ ነጊረዮ። ድሕሪ ሓጺር ግዜ፡ ንሓያሎ ዓመታት ዘይረኣኽዋ ሓብቲ ናባይ መጺኣ ኣእዳዋ ኣብ መንኵበይ ገይራ ዓይኒ ዓይነይ እናጠመተት፡ ‘ሲድሰ፡ ናትኪ ጕድለት ኣይኰነን!’ ኢላትኒ። ብሓገዝ የሆዋ፡ ኣብ ኣገልግሎቱ ሓጐሰይ ዓቂበ ኽመላለስ ክኢለ እየ።”
19. እንታይ ንምግባር ኢኻ ቘሪጽካ ዘለኻ፧
19 የሆዋ ንዅሎም ኣምለኽቱ፡ ከም ጻዶቅ ተባዓት ኪዀኑ እዩ ዚደልዮም። (2 ጢሞ. 1:7) ኰይኑ ግና፡ ብብርታዐና ኽንእመን ኣይደልየናን እዩ። የግዳስ፡ ብእኡ ኽንእመን እዩ ዚደልየና። ስለዚ፡ ትብዓት ዚሓትት ኵነታት ኬጋጥመካ ኸሎ፡ ኣብ የሆዋ ተወከል። ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ከም ጻዶቅ ተባዕ ከም ዚገብረካ ኽትተኣማመን ትኽእል ኢኻ!—1 ጴጥ. 5:10።
መዝሙር 126 ንቕሑ፡ ጽንዑ፡ ሰብኡት ኩኑ
a ኣብ jw.org ናይ ሓቂ ክርስትያናት ትብዓት የድልዮም—ገለልትነት ንምሕላው ዘርእስታ ቪድዮ ርአ።