ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w26 ለካቲት ገጽ 32
  • ኦብድያ—ፍርሃት ኣምላኽ ኣማዕብል

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኦብድያ—ፍርሃት ኣምላኽ ኣማዕብል
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2026
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ብእምነትን ብፍርሃት ኣምላኽን ዚፈሪ ትብዓት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • ንየሆዋ ኽንፈርሆ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2023
  • ካብ ትንቢት ኦብድያን ትንቢት ዮናስን ትንቢት ሚክያስን ዚጐልሕ ነጥብታት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
  • ኣብ ፍርሃት የሆዋ ሓጐስ ክትረክብ ምምሃር
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2026
w26 ለካቲት ገጽ 32

ገጸ ባህርይ መጽሓፍ ቅዱስ

ኦብድያ—ፍርሃት ኣምላኽ ኣማዕብል

ኦብድያ ኣመሓዳሪ ቤት ንጉስ ኣከኣብ እዩ ነይሩ። ኣከኣብ ከኣ ነታ ምድሪ ብኣምልኾ በዓል ዝመልኣ እኩይ ንጉስ እዩ ነይሩ። ኰይኑ ግና፡ ኦብድያ “ኻብ ንእስነቱ ኣትሒዙ” ፍርሃት የሆዋ ኣማዕበለ። (1 ነገ. 18:1-13) ስለዚ፡ ንግስቲ ኢዛቤል ንዅሎም ነብያት የሆዋ ኸተጥፍኦም ምስ ተላዕለት፡ ኦብድያ ንውዲታ ንምፍሻል ብትብዓት ስጕምቲ ወሰደ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ንሓደ ነብዪ ምሕባእ ሓደገኛ ተግባር እዩ ነይሩ። ኦብድያ ግና 100 ነብያት ሓብአ፣ ብርቱዕ ጥሜት ኣብ ዝነበረሉ እዋን ድማ ይቕልቦም ነበረ። እቶም ንንጉስን ንንግስትን ዜገልግሉ ዝነበሩ ኣማእታት ናይ ሓሶት ነብያት ከይርእይዎ እናተጠንቀቐ ነዚ ተግባር እዚ ምግባር ቀሊል ከም ዘይነበረ ኽንግምቶ ንኽእል ኢና።—1 ነገ. 18:19።

ካብዚ ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበሮ ሰብ እዚ እንታይ ንምሃር፧ ኦብድያ ንኣከኣብ ይፈርሆ እኳ እንተ ነበረ፡ ንኣምላኽ ግና ብዝያዳ ይፈርሆ ነበረ። በዚ ኸምዚ ኸኣ ንኣሕዋቱ ንምዕቋብ ህይወቱ ኣብ ሓደጋ ኼእቱ ዜኽእሎ ትብዓት ረኸበ። ንሕና እውን ዋላ እኳ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኣብ እተኣገደሉ ዓዲ እናነበርና፡ ፍርሃት ኣምላኽ ከነማዕብል ንኽእል ኢና። እዚ ፍርሃት እዚ ድማ፡ ኣብ ትሕቲ ፈተና ንዘለዉ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ንምድጋፍ ብርታዐ ይዀነና።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ