ምኽሪ መጽናዕቲ
ዛንታታት መጽሓፍ ቅዱስ ብኣእምሮኻ ስኣል
ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣገዳሲ ትምህርትታት ዝሓዘ ሓያሎ ታሪኻዊ ዛንታታት ኣሎ። ነዚ ዛንታታት እዚ ብኣእምሮና ኽንስእሎ እንተ ኽኢልና፡ ነቲ እነንብቦ ብዝሓሸ ኽንርድኦ፡ ካብኡ እውን ብዝያዳ ኽንጥቀም ንኽእል ኢና። ሕጂ እምበኣር፡ ገለ ኻብቲ ንዛንታታት መጽሓፍ ቅዱስ ብኣእምሮና ኽንስእሎ ዚሕግዘና ነጥብታት እስከ ንርአ።
ዓው ኢልካ ኣንብብ። ዓው ኢልካ እንተ ኣንቢብካ፡ ነቲ ዛንታ ብዝሓሸ ኽትስእሎ ትኽእል ኢኻ። ብስድራ ቤት መጽሓፍ ቅዱስ ከነንብብ ከለና፡ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ነናቱ ገጸ ባህርይ እንተ መዲብናሉ፡ እቲ ዛንታ ህያው ኪዀነልና ይኽእል እዩ።
ነቲ ትዕይንቲ ብኣእምሮኻ ስኣሎ። ንሓሳባትን ንስምዒታትን እቶም ገጸ ባህርያት ክትርድኦ ጽዓር። ንኣብነት፡ ‘እዚ ሰብ እዚ ኸምዚ ኢሉ እተዛረበ ወይ ከምዚ ዝገበረ ስለምንታይ እዩ፧ ኣነ ኣብቲ ዅነታት እቲ እንተ ዝኸውን፡ እንታይ ኢለ ምሓሰብኩ ወይ እንታይ ምተሰምዓኒ፧’ ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ሕተት።
ኣብ ወረቐት ስኣል። ንገሊኡ ዛንታታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ወረቐት እንተ ስኢልካዮ፡ ዋላ እኳ እቲ ስእሊ ብሉጽ እንተ ዘይኰነ፡ ነቲ ዛንታ ብኣእምሮኻ ምእንቲ ኽትስእሎን ብዝሓሸ ምእንቲ ኽትዝክሮን ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።