ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w25 መስከረም ገጽ 14-19
  • ንሰብ ኣኽብሩ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንሰብ ኣኽብሩ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንሰብ ምኽባር ኪብሃል ከሎ፡ እንታይ ማለት እዩ፧
  • ንኣባላት ስድራ ቤትካ ኣኽብር
  • ንክርስትያናት ብጾትካ ኣኽብር
  • ካብ ጉባኤ ወጻኢ ንዘለዉ ሰባት ኣኽብር
  • ኣኽብሮት ኣበይ ጠፊኡ፧
    ንቕሑ!—2024
  • ብምኽባር ትቀዳደም ዲኻ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ንስልጣን ከነኽብር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
    ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ብኸመይ ትጸንዕ፧
  • ኣኽብሮት ብኸመይ ከም እተርኢ
    ንቕሑ!—2016
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
w25 መስከረም ገጽ 14-19

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 38

መዝሙር 120 ከም ክርስቶስ ልኡማት ንኹን

ንሰብ ኣኽብሩ

“ክብሪ ኻብ ብሩርን ወርቅን ይሓይሽ።”—ምሳ. 22:1።

ኣትኵሮ

ንሰብ ስለምንታይ ከነኽብር ከም ዘሎና፡ ኣብ ትሕቲ ኣጸጋሚ ዅነታት እውን ብኸመይ ንሰብ ከም እነኽብር ተምሃር።

1. ሰባት ክብሪ ዚደልዩ ስለምንታይ እዮም፧ (ምሳሌ 22:1)

ኣኽብሮት ክትረክብ ከለኻ ባህ ይብለካዶ፧ ባህ ከም ዚብለካ ኣየጠራጥርን እዩ። ኵሎም ሰባት ክብሪ ይደልዩ እዮም። ኣኽብሮት ክንረክብ ከለና፡ ጽቡቕ ይስመዓና እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ክብሪ ኻብ ብሩርን ወርቅን ይሓይሽ” ኪብል እምበኣር ሓቁ እዩ።—ምሳሌ 22:1 ኣንብብ።

2-3. ንሰብ ምኽባር ወትሩ ቐሊል ዘይከውን ስለምንታይ እዩ፧

2 ንሰብ ምኽባር፡ ወትሩ ቐሊል ከይከውን ይኽእል እዩ። ብቐዳምነት፡ ጕድለታት እቶም ኣብ ከባቢና ዘለዉ ሰባት ንርኢ ኢና። ብተወሳኺ ድማ፡ ኣኽብሮት ዘይብሎም ሰባት ኣብ ዚመልእዎ እዋን ኢና እንነብር ዘለና። ንሕና ግና ካባታቶም እተፈለና ኽንከውን ኣሎና። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ የሆዋ፡ “ንዅሉ ዓይነት ሰብ” ከነኽብር እዩ ዚደልየና።—1 ጴጥ. 2:17።

3 ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ንሰብ ከነኽብር ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት ምዃኑ ኽንምርምር ኢና። ብተወሳኺ ድማ፡ (1) ንኣባላት ስድራ ቤትና፡ (2) ንክርስትያናት ብጾትና፡ (3) ካብ ጉባኤና ወጻኢ ንዘለዉ ሰባት ብኸመይ ከም እነኽብር ክንርኢ ኢና። ኣብ ትሕቲ ኣጸጋሚ ዅነታት ብኸመይ ንሰብ ከም እነኽብር እውን ከነተኵረሉ ኢና።

ንሰብ ምኽባር ኪብሃል ከሎ፡ እንታይ ማለት እዩ፧

4. ንሰብ ምኽባር ኪብሃል ከሎ፡ እንታይ ማለት እዩ፧

4 “ኣኽብሮት” ወይ “ክብሪ” ንዚብል ቃላት ብኸመይ ምገለጽካዮ፧ እዚ ቓላት እዚ፡ ብዛዕባ ሰባት እንታይ ከም እንሓስብን ንሰባት ብኸመይ ከም እንሕዞምን ይሕብር። ንሰባት ብምኽንያት ባህርያቶም፡ ተግባራቶም፡ ወይ ስልጣኖም ነኽብሮም ኢና። ኰይኑ ግና፡ ኣኽብሮት ናይ ሓቂ ምእንቲ ኪኸውን፡ ካብ ልቢ ኺነቅል ኣለዎ።—ማቴ. 15:8።

5. እንታይ ነገር እዩ ንሰባት ንምኽባር ዚሕግዘና፧

5 የሆዋ ንሰብ ከነኽብር ይደልየና እዩ። ንኣብነት፡ ነቶም ‘ኣብ ልዕሌና ዘለዉ ሰበ ስልጣን’ ከነኽብሮም ትእዛዝ ሂቡና ኣሎ። (ሮሜ 13:1, 7) ገሊኦም ግና፡ “ዜኽብር ነገር ንዚገብሩ ሰባት አኽብር እየ” ይብሉ ይዀኑ። እዚ ኣተሓሳስባ እዝስ ቅኑዕ ድዩ፧ ከም ኣገልገልቲ የሆዋ መጠን፡ ኵሉ እቲ ንሰባት ዚውሃብ ኣኽብሮት ኣብ ተግባራቶም ጥራይ ተመርኲስካ ኸም ዘይኰነ ንፈልጥ ኢና። የግዳስ፡ ኣብ ዝዓመቘ ነገር፡ ማለት ኣብቲ ንየሆዋ ዘሎና ፍቕርን ንዕኡ ባህ ንምባል ዘሎና ድሌትን ተመርኲስና ኢና እነኽብሮም።—እያ. 4:14፣ 1 ጴጥ. 3:15።

6. ንዘየኽብረካ ሰብ ከተኽብር ትኽእልዶ፧ ግለጽ። (ስእሊ እውን ርአ።)

6 ገሊኦም ሰባት፡ ‘ንዘየኽብረካ ሰብ ከተኽብር ትኽእልዶ፧’ ኢሎም ይሓትቱ ይዀኑ። መልሱ ‘እወ’ ዚብል እዩ። ገለ ኣብነታት እስከ ንርአ። ሓደ እዋን፡ ንጉስ ሳኦል ንወዱ ዮናታን ኣብ ቅድሚ ሰብ ኣዋረዶ። (1 ሳሙ. 20:30-34) ይኹን እምበር፡ ዮናታን ንኣቦኡ ኽሳዕ ዕለተ ሞቱ ኣብ ውግእ ደገፎ። (ዘጸ. 20:12፣ 2 ሳሙ. 1:23) ኤሊ እቲ ሊቀ ኻህናት ንሃና ኸም ዝሰኸረት ገይሩ ወቐሳ። (1 ሳሙ. 1:12-14) ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ እስራኤላውያን፡ ኤሊ ሕማቕ ኣቦን ሕማቕ ሊቀ ኻህናትን ከም ዝዀነ ይፈልጡ እኳ እንተ ነበሩ፡ ሃና ግና ብኣኽብሮት ተዛረበቶ። (1 ሳሙ. 1:15-18፣ 2:22-24) ሰብ ኣቴና ንሃዋርያ ጳውሎስ “ዓጃው” ኢሎም ነቐፍዎ። (ግብ. 17:18) እንተዀነ ግና፡ ጳውሎስ ብኣኽብሮት ተዛረቦም። (ግብ. 17:22) እምበኣር፡ ንየሆዋ ዘሎና ዓሚቝ ፍቕርን ንዕኡ ንዘይምጕሃይ ዘሎና ፍርሃትን፡ ኣብ ኣጸጋሚ እዋናት እኳ ንሰብ ከነኽብር ይድርኸና እዩ። ቀጺልና፡ መን ኣኽብሮትና ኸም ዚግብኦም፡ ስለምንታይ እውን ከነኽብሮም ከም ዚግባእ ንርአ።

ኣብ ዓውደ ውግእ፡ ዮናታንን ሳኦልን ሰብ እስራኤልን፡ ኣስያፍን ኲናውትን ዋላቱን ሒዞም ይዋግኡ።

ሳኦል ንዮናታን እኳ እንተ ኣዋረዶ፡ ዮናታን ግና ንኣቦኡ ይከላኸለሉን ይድግፎን ነበረ (ሕጡብ ጽሑፍ 6 ርአ)


ንኣባላት ስድራ ቤትካ ኣኽብር

7. እንታይ ጸገም እዩ ንኣባላት ስድራ ቤትና ኸም ዘይነኽብር ኪገብረና ዚኽእል፧

7 ጸገም። ምስ ኣባላት ስድራ ቤትና ሰፊሕ ግዜ ኢና እነሕልፍ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ብርታዐኦምን ድኽመቶምን ንፈልጥ ኢና። ገሊኦም ብኸቢድ ሕማም ስለ ዚሳቐዩ ንዚናብዮም ሰብ የሸግርዎ ይዀኑ፡ ወይ ብዙሕ ይጭነቑ ይዀኑ። ገሊኦም ከኣ ዚጐድኣና ነገር ይዛረቡ ወይ ይገብሩ ይዀኑ። ንቤትና ቦታ ዕረፍትን ሰላምን ኣብ ክንዲ ዚገብርዋ፡ ኣኽብሮት ዝጐደሎ ነገር ብምግባር ህውከት ይፈጥሩ ይዀኑ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ስኒት ኣይህሉን። ከምቲ ሕማም ሪሕ ኣካላት ሰብነትና ንሓድሕዱ ተሳንዩ ኸይዓዪ ዕንቅፋት ዚኸውን፡ ኣኽብሮት ዘይምህላው እውን ንኣባላት ስድራ ቤት ብሓድነት ከም ዘይዓይዩ ይገብሮም እዩ። እንተዀነ ግና፡ ካብ ሕማም ሪሕ ባዕልና ምሉእ ብምሉእ ክንሓዊ ዘይንኽእል እኳ እንተ ዀንና፡ ነቲ ኣብ መንጎ ስድራ ቤት ዘሎ ርክብ ኬልምስ ዚኽእል ዘይምክብባር ግና ከነወግዶ ንኽእል ኢና።

8. ንኣባላት ስድራ ቤትና ኸነኽብር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ (1 ጢሞቴዎስ 5:4, 8)

8 ስለምንታይ ነኽብሮም፧ (1 ጢሞቴዎስ 5:4, 8 ኣንብብ።) ጳውሎስ ኣብታ ናብ ጢሞቴዎስ ዝለኣኻ ቐዳመይቲ መልእኽቱ፡ ኣባላት ስድራ ቤት ኪተሓላለዩ ኸም ዘለዎም ሓቢሩ ኣሎ። ንቤተ ሰቦም ዜኽብሩሉ ቐንዲ ምኽንያት፡ ካብ ግዴታ ተላዒሎም ዘይኰነስ፡ ካብቲ “ንኣምላኽ ዘለዎም ተወፋይነት” ተላዒሎም ምዃኖም ገሊጹ ኣሎ። “ንኣምላኽ ዘለዎም ተወፋይነት” ኪብሃል ከሎ፡ ነቲ ንኣምላኽ ብተኣማንነት እነቕርበሉ ኣምልኾን ኣገልግሎትን እዩ ዜመልክት። ንስርዓት ስድራ ቤት ዝሰርዖ፡ የሆዋ እዩ። (ኤፌ. 3:14, 15) ስለዚ፡ ንኣባል ስድራ ቤትና ኸነኽብር ከለና፡ ነቲ መስራቲ ስድራ ቤት ዝዀነ የሆዋ ኢና እነኽብሮ ዘለና። (1 ጢሞ. 5:4) እዝስ ንኣባላት ስድራ ቤትና ኸነኽብር ዚድርኽ ከመይ ዝበለ ሓያል ምኽንያት ኰን እዩ!

9. ሰብኣይን ሰበይትን ብኸመይ እዮም ንሓድሕዶም ኪከባበሩ ዚኽእሉ፧ (ስእልታት እውን ርአ።)

9 ብኸመይ ነኽብሮም፧ ንሰበይቱ ዜኽብር ሰብኣይ፡ ብውልቂ ዀነ ኣብ ቅድሚ ሰባት ይሕብሕባ እዩ። (ምሳ. 31:28፣ 1 ጴጥ. 3:7) ኣይወቕዓን፡ ኣየዋርዳን፡ ወይ ከም ዘይትረብሕ ኰይኑ ኸም ዚስምዓ ኣይገብርን እዩ። ኣብ ኣርጀንቲና ዚነብር ኣሬልa ዚብሃል ሰብኣይ ከምዚ ይብል፦ “ሰበይተይ ብሰንኪ ሕማማ ሓድሓደ ግዜ ዚጐድኣኒ ነገር ትዛረብ እያ። ከምኡ ኼጋጥመኒ ኸሎ፡ እዚ ናይ ልባ ኸም ዘይኰነ እየ ዝዝክር። ውጥረት ኪሰፍን ከሎ ኸኣ፡ 1 ቈረንቶስ 13:5 እየ ዝዝክር። እዛ ጥቕሲ እዚኣ ብዜቈናጽብ መገዲ ዘይኰነስ፡ ብኣኽብሮት ሓሳበይ ክገልጽ ተለዓዕለኒ እያ።” (ምሳ. 19:11) ሰበይቲ ብዛዕባ ሰብኣያ ጽቡቕ ብምዝራብ፡ ንዕኡ ዘለዋ ኣኽብሮት ተርኢ እያ። (ኤፌ. 5:33) ሽምጠጣ፡ ላግጺ፡ ወይ ጸርፊ ኻብ ኣፋ ኣይወጽእን እዩ። ከምዚ ዓይነት ዘረባ ንሓዳር ኬመርቶ ኸም ዚኽእል ትፈልጥ እያ። (ምሳ. 14:1) ኣብ ኢጣልያ እትነብር ምስ ጭንቀት ዚቃለስ ሰብኣይ ዘለዋ ሓንቲ ሓብቲ ኸምዚ ትብል፦ “ሓድሓደ ግዜ፡ እቲ ንሰብኣየይ ዜተሓሳስቦ ነገር እተጋነነ ዀይኑ ይስምዓኒ እዩ። ኣብ ሕሉፍ ግዜያት፡ ንዕኡ ኸም ዘየኽብሮ ኣብ ቃላተይን ኣብ ገጸይን ይንበብ ነይሩ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ንሰብ ብኣኽብሮት ምስ ዜዛራርቡ ሰባት ብዝያዳ ብእተቐራረብኩ መጠን፡ ንሰብኣየይ ከኽብሮ ብዝያዳ ኣለዓዒሉኒ እዩ።”

ስእልታት፦ ሰብኣይን ሰበይትን ንሓድሕዶም ይከባበሩ። 1. ኣብ ክሽነ ዀይኖም ምግቢ ኼዳልዉ ኸለዉ፡ እቲ ሰብኣይ ንሰበይቱ ብለውሃት ይዛረባ። 2. እቲ ሰብኣይ ንሓደ ብዕድመ ዝደፍአ ሓው ምግቢ ኼሳስዮ ኸሎ፡ ሰበይቱ ኣብ ቅድሚ እቶም ኣጋይሽ ንሰብኣያ ትንእዶ።

ንኣባላት ስድራ ቤትና እንተ ኣኽቢርናዮም፡ ነቲ ርእሲ ስድራ ቤትና ዝዀነ የሆዋ ኢና እነኽብሮ (ሕጡብ ጽሑፍ 9 ርአ)


10. መንእሰያት ንወለዶም ከም ዜኽብሩ ብኸመይ ኬርእዩ ይኽእሉ፧

10 ኣቱም መንእሰያት፡ ነቲ ወለድኹም ዝሰርዑልኩም ናይ ስድራ ቤትኩም ሕግታት ሓልውዎ። (ኤፌ. 6:1-3) ንወለድኹም ብኣኽብሮት ተዛረብዎም። (ዘጸ. 21:17) ወለድኹም ብዕድመ እናደፍኡ ምስ ከዱ፡ ብዝያዳ ቘላሕታኹም ኬድልዮም ይኽእል እዩ። ንምክንኻኖም ዚከኣለኩም ግበሩ። ንኣብነት፡ ብዛዕባ ማሪያ እስከ ንርአ። ኣቦኣ ናይ የሆዋ ምስክር ኣይኰነን፣ ምስ ሓመመ ድማ፡ ብዙሕ የሸግራ ነበረ። ንሳ ኸምዚ ብምባል ተዘክሮኣ ትገልጽ፦ “ንኣቦይ ኣኽብሮት ኪህልወኒ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነዚ ኣኽብሮተይ እውን ክገልጸሉ ጸልየ እየ። የሆዋ፡ ንወለደይ ከኽብር ካብ ኣዘዘኒ፡ ከምኡ ንምግባር ዜኽእለኒ ብርታዐ ኺህበኒ ከም ዚኽእል እየ ሓሲበ። እናሓደረ ድማ፡ ዋላ እውን ኣቦይ ጠባዩ እንተ ዘይቀየረ፡ ብኸመይ ብኣኽብሮት ክሕዞ ኸም ዝኽእል ፈሊጠ እየ።” እወ፡ ንኣባላት ስድራ ቤትና ምስ ጕድለታቶም ነኽብሮም እንተ ዄንና፡ ነቲ የሆዋ ዝሰርዖ ስርዓት ከም እነኽብር ነርኢ ኢና።

ንክርስትያናት ብጾትካ ኣኽብር

11. ንክርስትያናት ብጾትና ብኣኽብሮት ምሓዝ ኣጸጋሚ ኪኸውን ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧

11 ጸገም። ክርስትያናት ብጾትና ብመለክዒታት መጽሓፍ ቅዱስ እዮም ዚመላለሱ። ሓድሓደ ግዜ ግና፡ ገሊኦም ኪብድሉና፡ ብጌጋ ኺፈርዱና፡ ወይ ኬበሳጭዉና ይኽእሉ እዮም። ኣብ ሓደ ክርስትያን ብጻይና “ቕር ዜብል ነገር” እንተ ኣልዩና፡ ብድሕሪኡ ብኣኽብሮት ንምሓዝ ንሽገር ንኸውን። (ቈሎ. 3:13) እሞ ደኣ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

12. ንክርስትያናት ብጾትና ምኽባር ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (2 ጴጥሮስ 2:9-12)

12 ስለምንታይ ነኽብሮም፧ (2 ጴጥሮስ 2:9-12 ኣንብብ።) ጴጥሮስ ኣብታ ብድራኸ መንፈስ ዝጸሓፋ ኻልአይቲ መልእኽቱ፡ ገሊኦም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዝነበሩ ሰባት ብዛዕባ “ኽቡራት፡” ማለት ብዛዕባ ክርስትያን ሽማግለታት ብንዕቀት ከም ዚዛረቡ ጠቒሱ ኣሎ። እሞ ደኣ ነዚ ዝረኣዩ እሙናት መላእኽቲ እንታይ እዮም ገይሮም፧ “ንየሆዋ ኻብ ዘለዎም ኣኽብሮት እተላዕለ፡” ብዛዕባ እቶም ገበርቲ ኽፉእ ዋላ ሓንቲ ቓል ጸርፊ ኣየውስኡን። ሕስብ እሞ ኣብሎ። እቶም ፍጹማት ዝዀኑ መላእኽቲ እኳ ብዛዕባ እቶም ትዕቢተኛታት ሰባት ሕማቕ ነገር ኣይተዛረቡን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ፍርድን መግናሕትን ናብ የሆዋ እዮም ሓዲጎምዎ። (ሮሜ 14:10-12፣ ምስ ይሁዳ 9 ኣረኣኢ።) እሞ ደኣ ካብዞም መላእኽቲ እንታይ ንምሃር፧ ንተጻረርቲ እኳ ብንዕቀት ዘይንሕዝ ካብ ኰንና፡ ንክርስትያናት ብጾትና ብንዕቀት ንዘይምሓዝ ግዳ ብዝያዳ ኽንጥንቀቕዶ ኣይግባእን፧ ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ ንዓታቶም ንምኽባር ‘ቀዳሞት ንኹን።’ (ሮሜ 12:10) በዚ ኸምዚ፡ ንየሆዋ ኣኽብሮት ከም ዘሎና ኸነርኢ ኢና።

13-14. ኣብ ጉባኤ ንዘለዉ ሰባት ብኸመይ ኢና ኸነኽብሮም እንኽእል፧ ኣብነታት ሃብ። (ስእልታት እውን ርአ።)

13 ብኸመይ ነኽብሮም፧ ኣቱም ሽማግለታት፡ ወትሩ ብፍቕሪ ምሃሩ። (ፊሞ. 8, 9) ምኽሪ ኽትህቡ ኸለኹም፡ ብብስጭት ዘይኰነስ፡ ብለውሃት ግበርዎ። ኣትን ኣሓት ድማ፡ ኣብ ኣሉታዊ ወረ ወይ ኣብ ሕሜት ብዘይምስታፍ፡ ኣብ ጉባኤ ናይ ኣኽብሮት ሃዋህው ምእንቲ ኺፍጠርን እዚ ምእንቲ ኺዕቀብን እጃምክን ከተበርክታ ትኽእላ ኢኽን። (ቲቶ. 2:3-5) ሽማግለታት ጉባኤ፡ ንኣኼባታት ንምምራሕ፡ ንዕዮ ስብከት ንምውዳብ፡ ‘ንዝሰሓተ’ ዘበለ እውን ንምሕጋዝ ብዙሕ ይዓይዩ እዮም። ስለዚ፡ ኵላትና ምሳታቶም ብምትሕብባርን ምስጋናና ብምግላጽን፡ ንዓታቶም ዘሎና ኣኽብሮት ከነርኢ ንኽእል ኢና።—ገላ. 6:1፣ 1 ጢሞ. 5:17።

14 ሮሲዮ ዝስማ ሓብቲ ንሓደ ምኽሪ ዝሃባ ሽማግለ ኸተኽብሮ ኣይከኣለትን። ብዛዕባ እዚ ኽትገልጽ ከላ፡ “ከም ዘኽበደለይ ኰይኑ እዩ ተሰሚዑኒ” ትብል። ኣስዕብ ኣቢላ ድማ፡ “ኣብ ገዛ ብዛዕባኡ ኣሉታዊ ነገር ተዛሪበ። ነዚ ኣብ ልበይ ክሕዞ እኳ እንተ ጸዓርኩ፡ ንውሽጣዊ ድራኸኡ ግና ጥርጣረ ነበረኒ፣ ንምኽሩ እውን ኣይተቐበልክዎን” ትብል። እሞ ደኣ እንታይ ሓጊዝዋ፧ ከምዚ ብምባል ትገልጽ፦ “ኣብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱሰ፡ ን1 ተሰሎንቄ 5:12, 13 ኣንቢበያ። ነቲ ሓው እቲ ኣኽብሮት ከም ዘይብለይ ምስ ተገንዘብኩ፡ ሕልናይ ኪርብሸኒ ጀሚሩ። ንኣረኣእያይ ንምእራም ዚሕግዘኒ ሓበሬታ ንምርካብ፡ ናብ የሆዋ ጸልየ፡ ኣብ ጽሑፋትና እውን ምርምር ገይረ። ኣብ መወዳእታኡ፡ እቲ ጸገም ብሰንኪ እቲ ሓው ዘይኰነስ፡ ብሰንኪ ትዕቢተይ ከም እተፈጥረ ተገንዚበ። ኣብ መንጎ ትሕትናን ንሰብ ምኽባርን ምትእስሳር ከም ዘሎ ሕጂ ተረዲኡኒ እዩ። ገና ኸመሓይሾ ዘሎኒ ነገራት እኳ እንተሎ፡ ንሰብ ንምኽባር ግና እጽዕር እየ። ሕጂ ምስ የሆዋ ሰላም ከም ዘሎኒ እዩ ዚስምዓኒ።”

ስእልታት፦ ሓንቲ ብዕድመ ዝደፍአት ሓብቲ መጽሓፍ ቅዱስ እናኣንበበት ብዛዕባ እቲ ሽማግለታት ዚዓይይዎ ዕዮታት ትሓስብ። 1. ሓደ ሽማግለ ኣብ ኣኼባ ጉባኤ መደረ የቕርብ። 2. ንሓደ ብብሽክለታ ስንኩላን ዚንቀሳቐስ ሓው ይድግፎ። 3. ኣብ ወጻኢ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ እተዀመረ ውርጪ የጽሪ።

ኵላትና ምስ ሽማግለታት ጉባኤ ብምትሕብባርን ስለቲ ጻዕሮም ብምምስጋንን፡ ንዓታቶም ዘሎና ኣኽብሮት ከነርኢ ንኽእል ኢና (ሕጡብ ጽሑፍ 13-14 ርአ)


ካብ ጉባኤ ወጻኢ ንዘለዉ ሰባት ኣኽብር

15. ካብ ጉባኤ ወጻኢ ንዘለዉ ሰባት ንምኽባር፡ ኣጸጋሚ ኪዀነና ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧

15 ጸገም። ኣብ ኣገልግሎት ብዛዕባ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ግዲ ዘይብሎም ሰባት ብዙሕ ሳዕ የጓንፉና እዮም። (ኤፌ. 4:18) ገሊኦም ብሰንኪ ኣተዓባብያኦም እዮም ከምኡ ዚገብሩ። ብዘይካዚ፡ ገሊኦም ኣስራሕትና ወይ መምህራንና ኣሸገርቲ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ገሊኦም መሳርሕትና ወይ መማህርትና ኸኣ ሕማቕ ጠባይ ኪህልዎም ይኽእል እዩ። እናሓደረ ንዓታቶም ዘሎና ኣኽብሮት ስለ ዚንኪ፡ ጽቡቕ ጌርና ኸይንሕዞም ንኽእል ኢና።

16. ነቶም ንየሆዋ ዘየገልግሉ ሰባት ብኣኽብሮት ምሓዝ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (1 ጴጥሮስ 2:12፣ 3:15)

16 ስለምንታይ ነኽብሮም፧ የሆዋ ንዘይኣመንቲ ብኸመይ ከም እንሕዞም ይዕዘብ እዩ። ሃዋርያ ጴጥሮስ ንክርስትያናት፡ ገሊኦም ሰባት ነቲ ሰናይ ኣካይዳኦም ርእዮም ‘ንኣምላኽ ከም ዜሞግስዎ’ ኣዘኻኺርዎም እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ብዛዕባ እምነቶም ንዚሓትቶም ዘበለ “ብልእመትን ብብዙሕ ኣኽብሮትን” ምላሽ ንምሃብ ድሉዋት ኪዀኑ ምዒድዎም እዩ። (1 ጴጥሮስ 2:12፣ 3:15 ኣንብብ።) ክርስትያናት ምእንቲ እምነቶም ኣብ ፍርዲ ኪቐርቡ ኸለዉ፡ ወይ ምስ ሰብ ብዛዕባ እምነቶም ኪዛራረቡ ኸለዉ፡ ንዘይኣመንቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከም ዘለዉ ዀይኖም እዮም ኪሕዝዎም ዚግባእ። ስለምንታይሲ፡ የሆዋ ንዘረባና ዀነ ንኣዘራርባና ይዕዘቦን ይሰምዖን እዩ። እዝስ ነቶም ካብ ጉባኤ ወጻኢ ዘለዉ ብኣኽብሮት ንምሓዝ ዜለዓዕል ሓያል ምኽንያት ደይኰነን፧

17. ካብ ጉባኤ ወጻኢ ንዘለዉ ሰባት፡ ብኸመይ ኢና እነኽብሮም፧

17 ብኸመይ ነኽብሮም፧ ናብ ኣገልግሎት ምስ ወፈርና፡ ነቶም ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ፍልጠት ዘይብሎም ወይ ጠሪስካ ፍልጠት ዘይብሎም ሰባት ከም እንንዕቖም ዜምስል ነገር ክንገብር ኣይንደልን ኢና። ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክቡራት ከም ዝዀኑ፡ ካባና እውን ከም ዚበልጹ ጌርና ኢና ኽንርእዮም እንደሊ። (ሃጌ 2:7፣ ፊል. 2:3) ሓደ ሰብ ብምኽንያት እምነትካ እንተ ጸሪፉካ፡ ብናይ ሽምጠጣ ቓላት ተረካብ ዘረባ ብምዝራብ ዓጸፌታ ኣይትምለስ። (1 ጴጥ. 2:23) ዜጣዕሰካ ነገር እንተ ተዛሪብካ ድማ፡ ብኡብኡ ይቕረታ ሕተት። ኣብ ስራሕከ ብኸመይ ኢኻ ኣኽብሮት ከተርኢ እትኽእል፧ ትጉህ ሰራሕተኛ ኹን፡ ብዛዕባ መሳርሕትኻን ብዛዕባ ኣስራሒኻን እውን ጽቡቕ ኣረኣእያ ኸተማዕብል ጽዓር። (ቲቶ. 2:9, 10) ብቕንዕናን ብትግሃትን ብምሉእ ነፍስኻን እትዓዪ እንተ ዄንካ፡ ሰብ ብኣኻ ባህ ኪብሎ ወይ ከይብሎ ይኽእል እዩ፣ ኣምላኽ ግና ብርግጽ ብኣኻ ባህ ይብሎ እዩ።—ቈሎ. 3:22, 23።

18. ንሰባት ኣኽብሮት እነማዕብልን እነርእን እንተ ዄንና፡ ብኸመይ ኢና እንከሓስ፧

18 ንሰባት ኣኽብሮት ከነማዕብልን ከነርእን ዚድርኸና ብዙሕ ጽቡቕ ምኽንያታት ኣሎና። ኣብዛ ዓንቀጽ ከም ዝረኣናዮ፡ ንስድራ ቤትና ኸነኽብር ከለና፡ ነቲ ርእሲ ስድራ ቤት ዝዀነ የሆዋ ኢና እነኽብሮ። ንመንፈሳውያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ከነኽብር ከለና ኸኣ፡ ነቲ ሰማያዊ ኣቦና ኢና እነኽብሮ። ነቶም ካብ ጉባኤ ወጻኢ ዘለዉ ሰባት ከነኽብሮም ከለና ድማ፡ ንሳቶም ነቲ ዓብዪ ኣምላኽና ምእንቲ ኬኽብርዎ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኢና እንኸፍተሎም። ዋላ እውን ገሊኦም ሰባት ስለቲ ኣኽብሮትና መሊሶም እንተ ዘየኽበሩና፡ ንሰባት ኣኽብሮት እነማዕብልን እነርእን እንተ ዄንና፡ እዚ ይኽሕሰና እዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ የሆዋ ይባርኸና እዩ። ንሱ፡ “ነቶም ዜኽብሩኒ ከኽብሮም [እየ]” ኢሉ ቓል ኣትዩ ኣሎ።—1 ሳሙ. 2:30።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

  • ከመይ ጌርና ኢና ንኣባላት ስድራ ቤትና እነኽብሮም፧

  • ከመይ ጌርና ኢና ንክርስትያናት ብጾትና እነኽብሮም፧

  • ከመይ ጌርና ኢና ኻብ ጉባኤ ወጻኢ ንዘለዉ ሰባት እነኽብሮም፧

መዝሙር 129 ክንጻወር ኢና

a ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ