ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w25 መስከረም ገጽ 2-7
  • ‘ንሽማግለታት ይጸውዕ’

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ‘ንሽማግለታት ይጸውዕ’
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መዓስ ኢና ‘ንሽማግለታት ክንጽውዕ’ ዘሎና፧
  • ስለምንታይ ኢና ንሽማግለታት ክንጽውዕ ዘሎና፧
  • ብኸመይ እዮም ሽማግለታት ዚሕግዙና፧
  • ብሕታዊ ሓላፍነትና
  • ከመይ ጌርና ኢና ንሓጥኣን ፍቕርን ምሕረትን እነርእዮም፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2024
  • ክርስትያናዊት ጉባኤ ብኸመይ እያ ተወዲባ፧
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • ኣቱም ኣሕዋት፡ ሽማግለታት ኴንኩም ንምግልጋል ትመጣጠሩዶ ኣለኹም፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2024
  • ንጽቡቕ ህዝቢ የሆዋ ዚዓይዩ ጓሶት
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2023
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
w25 መስከረም ገጽ 2-7

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 36

መዝሙር 103 ውህበት ሰባት ዝዀኑ ጓሶት

‘ንሽማግለታት ይጸውዕ’

“ንሽማግለታት ጉባኤ ይጸውዕ።”—ያእ. 5:14።

ኣትኵሮ

ሓገዝ ኬድልየካ ኸሎ፡ ካብ ሽማግለታት ጉባኤ መንፈሳዊ ሓገዝ ርኸብ።

1. የሆዋ ንኣባጊዑ ኣኽቢሩ ኸም ዚርእየን ብኸመይ እዩ ኣርእዩ፧

የሆዋ ንኣባጊዑ ኣኽቢሩ እዩ ዚርእየን። ብደም የሱስ እዩ ዓዲግወን። ንሽማግለታት ጉባኤ ኸኣ፡ ንመጓሰኡ ኺከናኸኑ ሓላፍነት ሂብዎም እዩ። (ግብ. 20:28) ኣባጊዑ ብለውሃት ኪትሓዛ እዩ ዚደሊ። ስለዚ፡ ሽማግለታት ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ክርስቶስ ነተን ኣባጊዕ ምንጪ ዕረፍቲ ይዀንወን፡ ካብ መንፈሳዊ ሓደጋ እውን የዕቍብወን እዮም።—ኢሳ. 32:1, 2።

2. የሆዋ ምናዳ ንመን እዩ ፍሉይ ኣትኵሮ ዚገብር፧ (ህዝቅኤል 34:15, 16)

2 የሆዋ ንዅለን ኣባጊዑ ኣጸቢቑ ይሓልየለን እዩ፣ ምናዳ ግና ነተን እተጐድኣ ፍሉይ ኣትኵሮ ይገብረለን እዩ። ስለዚ ነተን ብመንፈሳዊ መዳይ እተጐድኣ፡ ብሽማግለታት ኣቢሉ ይሕግዘን እዩ። (ህዝቅኤል 34:15, 16 ኣንብብ።) ኰይኑ ግና፡ ሓገዝ ኬድልየና ኸሎ፡ ሓገዝ ክንሓትት ይደልየና እዩ። ኣብ ከምዚ ዝበለ እዋን፡ ኣብ ርእሲ እቲ ደገፍ ኣምላኽ ንምርካብ እነቕርቦ ልባዊ ጸሎት፡ ካብቶም ኣብ ጉባኤ “ጓሶትን መምህራንን” ኰይኖም ዜገልግሉ እውን ሓገዝ ንሓትት ኢና።—ኤፌ. 4:11, 12።

3. ንዕዮ ሽማግለታት ብምምርማር ኵላትና ኽንጥቀም እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

3 ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ነቲ ኣምላኽ ብሽማግለታት ኣቢሉ መንፈሳዊ ሓገዝ ክንረክብ ዝገበረልና መሰናድዎ ኽንምርምሮ ኢና። ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት እውን መልሲ ኽንረኽበሉ ኢና፦ መዓስ ኢና ኻብ ሽማግለታት ሓገዝ ክንሓትት ዘሎና፧ ስለምንታይከ ኢና ኸምኡ ኽንገብር ዘሎና፧ ንሳቶምከ ብኸመይ እዮም ዚሕግዙና፧ ኣብዚ እዋን እዚ ጸገማት የጋጥመና እኳ እንተ ዘየሎ፡ መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ ንመሰናድዎ ኣምላኽ ዘሎና ሞሳ ኼዕዝዘልና እዩ፣ ምናልባት ሓደ መዓልቲ እውን ህይወትና የድሕነልና ይኸውን።

መዓስ ኢና ‘ንሽማግለታት ክንጽውዕ’ ዘሎና፧

4. ኣብ ያእቆብ 5:14-16, 19, 20 ዘሎ ሓሳብ ብዛዕባ መንፈሳዊ ሕማም ከም ዝዀነ እንድምድም ስለምንታይ ኢና፧ (ስእልታት እውን ርአ።)

4 ያእቆብ እቲ ወደ መዝሙር ብዛዕባ እቲ መንፈሳዊ ደገፍ ንምርካብ እተገብረ መሰናድዎ ኣምላኽ ከምዚ ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ፦ “ኣብ መንጎኹም ዝሓመመዶ ኣሎ፧ ንሽማግለታት ጉባኤ ይጸውዕ።” (ያእቆብ 5:14-16, 19, 20 ኣንብብ።) ኣብ ከባቢ እዚ ቓላት እዚ ዘሎ ሓሳብ፡ ያእቆብ ብዛዕባ መንፈሳዊ ሕማም ይዛረብ ምንባሩ ይሕብር። እቲ ዝሓመመ ሰብ ንሓኪም ዘይኰነስ፡ ንሽማግለታት ኪጽውዕ እዩ ተነጊርዎ። ምስ ጠዓየ ሓጢኣቱ ኸም ዚሕደገሉ ተሓቢሩ ስለ ዘሎ እውን፡ እዚ ንመንፈሳዊ ሕማም ዚእምት እዩ። ኣብ ገሊኡ መዳያት፡ እቲ ኻብ መንፈሳዊ ሕማም ንምሕዋይ ዚግበር ስጕምትታት፡ ምስ ናይ ኣካላዊ ሕማም ይመሳሰል እዩ። ኣካላዊ ሕማም ክንሓምም ከለና፡ ናብ ሓኪም ንኸይድ፡ ምልክት ሕማምና ንነግሮ፡ ትእዛዙ እውን ንቕበል ኢና። መንፈሳዊ ሕማም ክንሓምም ከለና እውን፡ ናብ ሽማግለታት ክንከይድ፡ ብዛዕባ ዅነታትና ኽንገልጸሎም፡ ዚህቡና ቕዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ እውን ክንትግብር ኣሎና።

ስእልታት፦ 1. ሓደ ሰብኣይ ንሓኪሙ፡ መንኵቡ ኸም ዘሕመሞ ይገልጸሉ። 2. ሓደ ሓው ንሓደ ሽማግለ፡ ብዛዕባ ዅነታቱ ይገልጸሉ።

ኣካላዊ ሕማም ክንሓምም ከለና፡ ናብ ሓኪም ኢና እንኸይድ፣ መንፈሳዊ ሕማም ክንሓምም ከለና ኸኣ፡ ናብ ሽማግለታት ክንከይድ ኣሎና (ሕጡብ ጽሑፍ 4 ርአ)


5. ብመንፈሳዊ መዳይ ሓሚምና ምህላውና ወይ ዘይምህላውና ብኸመይ ክንፈልጥ ንኽእል፧

5 ኣብቲ ኣብ ያእቆብ ምዕራፍ 5 ዚርከብ መሰናድዎ፡ መንፈሳዊ ጥዕናና ይጕዳእ ከም ዘሎ እንተ ተሰሚዑና፡ ናብ ሽማግለታት ክንቀርብ ከም ዘሎና ተሓቢሩ ኣሎ። ኰይኑ ግና፡ እቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎና ርክብ ኣመና ምስ ተበላሸወ ዘይኰነስ፡ ኣቐዲምና ኢና ሓገዝ ከነናዲ ዘሎና! ገዛእ ርእስና ብቕንዕና ኽንግምግም ኣሎና። ምስ መንፈሳዊ ዅነታትና ብዚተሓሓዝ፡ ገዛእ ርእስና ኸነታልል ከም እንኽእል ቅዱሳት ጽሑፋት የጠንቅቐና እዩ። (ያእ. 1:22) ገሊኦም ኣብ ሳርዴስ ዝነበሩ ቐዳሞት ክርስትያናት ከምዚ ዓይነት ጌጋ ገይሮም እዮም። የሱስ ድማ ብዛዕባ መንፈሳዊ ዅነታቶም መጠንቀቕታ ሂብዎም እዩ። (ራእ. 3:1, 2) መንፈሳዊ ጥዕናና ኽንምርምረሉ እንኽእል ሓደ መገዲ፡ ሕጂ ንኣምልኾና ዘሎና ስምዒት ምስቲ ኣቐዲሙ ዝነበረና ውዕዉዕ መንፈስ ብምውድዳር እዩ። (ራእ. 2:4, 5) ገዛእ ርእስና ኸምዚ ኢልና ኽንሓትት ንኽእል ኢና፦ ‘መጽሓፍ ቅዱስ ብምንባብን ብዛዕባኡ ብምስትንታንን ዝረኽቦ ዝነበርኩ ሓጐስ ነክዩዶ፧ ሓሓሊፈ ጥራይ ድየ ንኣኼባታት ዝዳሎን ኣብኡ ዝእከብን፧ ንኣገልግሎት ዘሎኒ ቕንኣት ይዝሕልዶ ኣሎ፧ ተድላ ወይ ጥሪት ድዩ ንመብዛሕትኡ ግዜይን ሓሳበይን ዚቈጻጸሮ፧’ ካብዚ ሕቶታት እዚ ንሓዲኡ እኳ ‘እወ’ ኢልና እንተ መሊስና፡ እናገደደ ኪኸይድ ዚኽእል ድኽመት ከም ዘሎና ዚሕብር ኪኸውን ይኽእል እዩ። ነቲ ድኽመት እቲ ባዕልና ኸነዐርዮ እንተ ዘይክኢልና፡ ወይ መለክዒታት ኣምላኽ ክሳብ ምጥሓስ እንተ በጺሕና፡ ካብ ሽማግለታት ሓገዝ ክንሓትት ኣሎና።

6. ከቢድ ሓጢኣት ዝገበሩ ሰባት እንታይ እዮም ኪገብሩ ዚግባእ፧

6 ልክዕ እዩ፡ እቶም ካብ ጉባኤ ኼወግድ ዚኽእል ከቢድ ሓጢኣት ዝገበሩ ሰባት ናብ ሽማግለ ኪቐርቡ ኣለዎም። (1 ቈረ. 5:11-13) ኣብ ከቢድ ሓጢኣት ዝወደቐ ዘበለ ነቲ ምስ የሆዋ ዘለዎ ርክብ ንምዕራይ ሓገዝ የድልዮ እዩ። የሆዋ ብመሰረት እቲ በጃ ገይሩ ይቕረ ምእንቲ ኺብለልና ግና፡ “ንንስሓ ዚበቅዕ ግብሪ” ኽንገብር ኣሎና። (ግብ. 26:20) ሓደ ኻብዚ ግብሪ እዚ ድማ ከቢድ ሓጢኣት ኣብ እንገብረሉ እዋን ናብ ሽማግለታት ምቕራብ እዩ።

7. መን እውን እዮም ካብ ሽማግለታት ሓገዝ ዜድልዮም፧

7 ሽማግለታት ነቶም ከቢድ ሓጢኣት ዝገበሩ ጥራይ ኣይኰኑን ዚሕግዝዎም፣ ነቶም ብመንፈሳዊ መዳይ ዝደኸሙ እውን ይሕግዝዎም እዮም። (ግብ. 20:35) ንኣብነት፡ ኣብቲ ምስ ግጉይ ትምኒታትካ እትገብሮ ቓልሲ ኸይትስነፍ ትሰግእ ትኸውን። ሓቂ ቕድሚ ምፍላጥካ ወልፊ ሓሽሽ ዝነበረካ፡ ንስእለ ጽዩፍ እተቓላዕካ፡ ወይ ርኹስ ኣነባብራ እትነብር እንተ ኔርካ፡ እቲ ቓልሲ እቲ ኪኸብደካ ይኽእል እዩ። እንተዀነ ግና፡ ነዚ ጸገማት እዚ በይንኻ ኽትጾሮ የብልካን። የግዳስ፡ ንሓደ ሽማግለ ኽትነግሮ ትኽእል ኢኻ። ንሱ እውን ብዛዕባ እቲ ዘተሓሳሰበካ ነገር ክትነግሮ ኸለኻ ኺሰምዓካ፡ ግብራዊ ምኽሪ ኺህበካ፡ ከምቲ ግጉይ ትምኒታትካ ብዘይምግባርካ እውን ንየሆዋ ባህ እተብሎ ኸም ዘለኻ ኼረጋግጸልካ እዩ። (መክ. 4:12) በቲ ቓልስኻ እትጕሂ እንተ ዄንካ፡ እዚ ጓሂኻ ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎካ ርክብ ኣኽቢርካ ኸም እትርእዮ፡ ብርእስኻ እምብዛ ናይ ምትእምማን ጸገም እውን ከም ዘይብልካ ዜርኢ ምዃኑ ሽማግለታት ኬዘኻኽሩኻ ይኽእሉ እዮም።—1 ቈረ. 10:12።

8. ብዛዕባ እንታይ ዓይነት ሓጢኣት ኢና ናብ ሽማግለታት ክንቀርብ ዘየድልየና፧

8 ይኹን እምበር፡ ብዛዕባ መንፈሳዊ ጥዕናና ዜተሓሳስበና ነገር ብእተላዕለ ዘበለ ዅሉ ናብ ሽማግለታት ክንከይድ ኣሎና ማለት ኣይኰነን። ንኣብነት፡ ንሓደ ሓው ጐዳኢ ነገር ተዛሪብካዮ፡ ምናልባት እውን ቍጥዓኻ ኽትቈጻጸር ኣይከኣልካን። ናብ ሽማግለ ኣብ ክንዲ እትቐርብ፡ ነቲ የሱስ ምስ ሓውካ ብኸመይ ከም እትዕረቕ ዝሃቦ ምኽሪ ኽትትግብሮ ትኽእል ኢኻ። (ማቴ. 5:23, 24) ብዛዕባ ልእመትን ትዕግስትን ርእሰ ግትኣትን ምርምር ክትገብር እሞ ነዚ ባህርያት እዚ ብዝያዳ ንምንጽብራቕ ጻዕሪ ኽትገብር ትኽእል ኢኻ። እዚ ምስ ገበርካ ነቲ ጸገምካ ኽትፈትሖ እንተ ዘይክኢልካ ግና፡ ካብ ሽማግለ ሓገዝ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብታ ናብ ሰብ ፊልጲ ዝለኣኻ መልእኽቱ፡ ንሓደ ብስሙ ዘይተጠቕሰ ሓው፡ ንኤዎድያን ንስንጥኬን ነቲ ኣብ መንጎአን ንእተፈጥረ ፍልልያት ንምፍታሕ ኪሕግዘን ሓቲትዎ እዩ። ስለዚ፡ ኣብ ጉባኤኻ ዘሎ ሽማግለ ብተመሳሳሊ መገዲ ኺሕግዘካ ይኽእል እዩ።—ፊል. 4:2, 3።

ስለምንታይ ኢና ንሽማግለታት ክንጽውዕ ዘሎና፧

9. ብሰንኪ ሕፍረት ንሽማግለታት ካብ ምጽዋዕ ድሕር ክንብል ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧ (ምሳሌ 28:13)

9 ከቢድ ሓጢኣት ምስ ገበርና ወይ ብሕታዊ ድኽመትና ኺሕይለና ኸሎ፡ ሓገዝ ንምሕታት እምነትን ትብዓትን የድልየና። ብሰንኪ ሕፍረት ንሽማግለታት ካብ ምጽዋዕ ድሕር ክንብል የብልናን። ስለምንታይ፧ ነቲ የሆዋ ዝሰርዖ መሰናድዎ ምስ እንስዕብ፡ ኣብኡ እምነት ከም ዘሎና ኢና እነርኢ። ብዘይካዚ፡ ነቲ ጥዕና እምነትና ንምሕላውን እምነትና ንምድልዳልን ዝሃበና መምርሒ ኸም እንኣምነሉ ኢና እነርኢ። ክንወድቕ ምስ በልና ሓገዙ ኸም ዜድልየና እውን ኢና እንእመን። (መዝ. 94:18) ሓጢኣት ጌርና እንተ ዄንና ድማ፡ ንሓጢኣትና እንተ ተናዚዝናሉን እንተ ሓዲግናዮን ምሕረት ኣምላኽ ንረክብ ኢና።—ምሳሌ 28:13 ኣንብብ።

10. ሓጢኣትና ኽንሓብእ እንተ ፈቲንና፡ እንታይ እዩ ኪኸውን ዚኽእል፧

10 ሓገዝ ኣብ ዜድልየና እዋን ናብ ሽማግለ እንተ ኼድና ንባረኽ ኢና። ንሓጢኣትና ኽንሓብኦ እንተ ፈቲንና ግና፡ ነቲ ዅነታት ከነጋድዶ ንኽእል ኢና። ንኣብነት፡ ንጉስ ዳዊት ንሓጢኣቱ ኺሓብእ ምስ ፈተነ፡ ብመንፈሳውን ብስምዒታውን ብኣካላውን መዳይ ተጐድአ። (መዝ. 32:3-5) ከምቲ ንኣካላዊ ሕማምና ወይ ማህሰይትና እንተ ሓቢእናዮ ዚገድደና፡ መንፈሳዊ ጸገም ብግቡእ እንተ ዘይተታሒዙ እውን፡ መብዛሕትኡ ግዜ እናገደደ እዩ ዚኸይድ። የሆዋ ነዚ ይርድኦ እዩ። ስለዚ፡ በቲ ብመንፈሳዊ መዳይ ክንሓዊ እተገብረልና መሰናድዎ ብምጥቃም፡ ኣብቲ ምስኡ ዘሎና ርክብ ‘ነገር ከነቕንዕ’ ጻውዒት ኣቕሪቡልና ኣሎ።—ኢሳ. 1:5, 6, 18።

11. ከቢድ ሓጢኣት እንተ ሓጢእና፡ እዚ ንኻልኦት ብኸመይ ይጸልዎም፧

11 ንኸቢድ ሓጢኣትና እንተ ሓቢእናዮ፡ እዚ ንኻልኦት ኪጸልዎም ይኽእል እዩ። መንፈስ ኣምላኽ ኣብ ብዘላ እታ ጉባኤ ኸይውሕዝ ክንዓግቶ፡ ሰላም ኣሕዋትናን ኣሓትናን እውን ኣብ ሓደጋ ኸነእቱ ንኽእል ኢና። (ኤፌ. 4:30) ኣብ ጉባኤና ዘሎ ሰብ ከቢድ ሓጢኣት ከም ዝገበረ እንተ ፈሊጥና ድማ፡ ነቲ ሰብ እቲ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ንሽማግለታት ኪነግር ክንምሕጸኖ ኣሎና።a ንሰብ ከቢድ ሓጢኣቱ እንተ ሓቢእናሉ፡ ብሓጢኣቱ ተሓተቲ ኢና እንኸውን። (ዘሌ. 5:1) በቲ ንየሆዋ ዘሎና ፍቕሪ ተደሪኽና ናብ ሽማግለታት ክንቀርብን ሓቂ ክንዛረብን ኣሎና። በዚ ኸምዚ፡ ንንጽህና ጉባኤ ኣብ ምሕላው እጃምና ነበርክት፡ ንእተጋገዩ ዘበሉ እውን ነቲ ምስ የሆዋ ዘለዎም ርክብ ኬዐርዩ ንሕግዞም።

ብኸመይ እዮም ሽማግለታት ዚሕግዙና፧

12. ሽማግለታት ብመንፈሳዊ መዳይ ንዝደኸሙ ሰባት ብኸመይ እዮም ዚሕግዝዎም፧

12 ሽማግለታት ብመንፈሳዊ ንዝደኸሙ ዘበሉ ኺድግፉ መምርሒ ተዋሂብዎም እዩ። (1 ተሰ. 5:14) እንተ ተጋጊኻ፡ ንውሽጣዊ ሓሳባትካን ስምዒታትካን ቀዲሖም ምእንቲ ኼውጽእዎ፡ ብምስትውዓል ሕቶታት ይሓትቱኻ ይዀኑ። (ምሳ. 20:5) ንስኻ ድማ ኣብ ልብኻ ዘሎ ብግህዶ ብምግላጽ ክትተሓባበሮም ትኽእል ኢኻ። ብሰንኪ ባህልኻ፡ ብሰንኪ ብሕታዊ ባህርያትካ፡ ወይ ብሰንኪ እቲ ጸገምካ ዝፈጠረልካ ሕፍረት ናይ ልብኻ ምግላጽ ዚኸብደካ እኳ እንተ ዀነ፡ ከምኡ ኽትገብር ጽዓር። ንቓላትካ፡ “ቀይዲ [ኸም] ዘይብሉ ዘረባ” ገይሮም ከይርእይዎ ኣይትሰከፍ። (እዮ. 6:3) ሽማግለታት ቀልጢፎም ኣብ መደምደምታ ኺበጽሑ ኣይደልዩን እዮም። የግዳስ፡ ምኽሪ ቕድሚ ምሃቦም ኣጸቢቖም ኪሰምዑኻ፡ ነቲ ጕዳይካ እውን ብሰፊሑ ኺርድእዎ እዮም ዚጽዕሩ። (ምሳ. 18:13) ነተን መጓሰ ምጕሳይ ግዜ ኸም ዚወስድ ስለ ዚፈልጡ፡ ብሓደ ምይይጥ ጥራይ ከቢድ ጕዳያት ኪፍታሕ ትጽቢት ኣይገብሩን እዮም።

13. ሽማግለታት ብጸሎትን ብቕዱስ ጽሑፋዊ ምኽርን ኣቢሎም ብኸመይ እዮም ዚሕግዙና፧ (ስእልታት እውን ርአ።)

13 ንሽማግለታት ምስ ጸዋዕካ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ዘሎካ ስምዒት በደለኛነት ኪውስኹልካ ኣይኰኑን ዚጽዕሩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ኪጽልዩልካ እዮም። ጸሎቶም ድማ ካብቲ ኽትግምቶ እትኽእል ንላዕሊ ‘ሓያልን መስለጥን’ ኰይኑ ኽትረኽቦ ኢኻ። ብዘይካዚ፡ ‘ብስም የሆዋ ዘይቲ ኸም ዚለኽዩኻ’ ተገሊጹ ኣሎ። (ያእ. 5:14-16) እዚ “ዘይቲ” እዚ ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ሓቂ የመልክት። ሽማግለታት ንመጽሓፍ ቅዱስ ብውሕሉል መገዲ ብምጥቃም፡ ኬደዓዕሱኻን ኬጸናንዑኻን ይኽእሉ እዮም። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ነቲ ምስ የሆዋ ዝነበረካ ርክብ ከተዐሪ ይሕግዙኻ። (ኢሳ. 57:18) እቲ ዚህቡኻ ቕዱስ ጽሑፋዊ መምርሒ ነቲ ቕኑዕ ዘበለ ንምግባር ዘሎካ ቘራጽነት ኬደልድሎ ይኽእል እዩ። ስለዚ ብኣታቶም ኣቢልካ፡ “እታ መገዲ እዚኣ እያ። ብእኣ ተመላለሱ” ዚብል ድምጺ የሆዋ ኽትሰምዕ ትኽእል ኢኻ።—ኢሳ. 30:21።

ስእልታት፦ 1. እቲ ኣብታ ዝቐደመት ስእሊ ዘሎ ሓኪም ነቲ ሰብኣይ መንኵቡ ይምርምሮ። እቲ ሰብኣይ እተሳእሎ ራጂ ኣብ መንደቕ ተሰቒሉ ኣሎ። 2. እቲ ኣብታ ዝቐደመት ስእሊ ዘሎ ሽማግለ ብመጽሓፍ ቅዱስ ገይሩ ነቲ ሓው የተባብዖ። እቲ ሓው ከኣ ነቶም ሽማግለታት ተሓጒሱ ይሰምዖም።

ሽማግለታት ብመጽሓፍ ቅዱስ ገይሮም ንዝሓመመ የደዓዕሱን የጸናንዑን (ሕጡብ ጽሑፍ 13-14 ርአ)


14. ብመሰረት ገላትያ 6:1 ብኸመይ እዮም ሽማግለታት ንሓደ ‘ዝሰሓተ’ ሰብ ዚሕግዝዎ፧ (ስእልታት እውን ርአ።)

14 ገላትያ 6:1 ኣንብብ። ሓደ ክርስትያን “እንተ ስሒቱ፡” ምስቲ ኣምላኽ ዝሰርዖ መለክዒታት ጽድቂ ተሰማሚዑ ኣይኰነን ዚመላለስ ዘሎ። ኣብዚ መዳይ እዚ ስሕታን ንግጉይ ውሳነ ወይ ንኸቢድ ሓጢኣት ኬመልክት ይኽእል እዩ። ክርስትያን ሽማግለታት ብፍቕሪ ተደሪኾም ‘ንኸምዚ ዝበለ ሰብ ብልኡም መንፈስ ኬቕንዕዎ ይፍትኑ’ እዮም። እታ “ኸተቕንዕዎ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽኛ ቓል ካብ ቦታኡ ንእተመዛበለ ዓጽሚ ናብ ቦታኡ ንምምላስ እውን ከተመልክት ትኽእል እያ። ከምቲ ሓደ ኽኢላ ሓኪም ንእተሰብረ ዓጽሚ፡ ቀስ ኢሉ ብዙሕ ከየቐንዘወ ኬቕንዖ ዚጽዕር፡ ሽማግለታት እውን ብዘይ ተወሳኺ ስቓይ እዮም ካብ መንፈሳዊ ሕማም ኬሕውዩ ዚጽዕሩ። ብተወሳኺ፡ ‘ንርእሶም ኪጥንቀቑ’ መምርሒ ተዋሂብዎም ኣሎ። መገድና ኸነቕንዕ ኪሕግዙና ኸለዉ፡ ንሳቶም እውን ዘይፍጹማት ምዃኖም፡ ኪስሕቱ ኸኣ ከም ዚኽእሉ ይፈልጡ እዮም። ኪድንግጹልና ደኣ እዮም ዚጽዕሩ እምበር፡ ካባና ኸም ዚበልጹ ኼርእዩና፡ ኪመጻደቑልና፡ ወይ ኪፈርዱና ኣይፍትኑን እዮም።—1 ጴጥ. 3:8።

15. ጸገም እንተ ኣልዩና፡ እንታይ ኢና ኽንገብር እንኽእል፧

15 ንሽማግለታት ጉባኤና ኽንኣምኖም ንኽእል ኢና። ምስጢራዊ ነገራት ኪዕቅቡ፡ ዚህብዎ ምኽሪ ኣብ ርእይቶኦም ዘይኰነስ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኪምስርቱ፡ ጾርና ኽንስከም ኣብ ምሕጋዝ እውን ተኸታቲሎም ኪድግፉና ሰልጢኖም እዮም። (ምሳ. 11:13፣ ገላ. 6:2) በበይኑ ባህርያትን ተመክሮን እኳ እንተ ኣለዎም፡ ብዛዕባ ጸገምና ንምምይያጥ ግና ናብ ዝዀነ ይኹን ሽማግለ ንምቕራብ ክንስከፍ የብልናን። እቲ ኽንሰምዖ እንደልዮ ነገር ዚነግረና ኽሳዕ እንረክብ ምኽሪ እናሓተትና ፈቐዶ ሽማግለ ኽንዘውር የብልናን። ከምኡ እንተ ጌርና፡ ከምቶም “ጥዑይ ትምህርቲ” ቓል ኣምላኽ ገዲፎም “ኣእዛኖም ዚዅርኵዑሎም” ዚደልዩ ኢና እንኸውን። (2 ጢሞ. 4:3) ብዛዕባ ሓደ ጸገም ናብ ሓደ ሽማግለ ኽንቀርብ ከለና፡ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ እቲ ንኻልኦት ሽማግለታት ኣማኺርና እንተ ዄንና፡ ንሳቶም እውን እንታይ ምኽሪ ኸም ዝሃቡና ኺሓትተና ይኽእል እዩ። ብትሕትና ተደሪኹ እውን፡ ካብ ካልእ ሽማግለ ምኽሪ ኺሓትት ይኽእል እዩ።—ምሳ. 13:10።

ብሕታዊ ሓላፍነትና

16. እንታይ ብሕታዊ ሓላፍነት እዩ ዘሎና፧

16 ሽማግለታት ንኣባጊዕ ኣምላኽ ዘበልና ዚሕልዉና እኳ እንተ ዀኑ፡እንታይ ክንገብር ከም ዘሎና ግና ኣይውስኑልናን እዮም። ንኣምላኽ ተወፋይነት ከም ዘሎና ዜርኢ ህይወት ምንባር፡ ናይ ብሕትና ሓላፍነት እዩ። ብቓላትናን ብተግባራትናን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተሓተትቲ ኢና። ብደገፉ ድማ ንጽህናና ሓሊና ኽንመላለስ ንኽእል ኢና። (ሮሜ 14:12) ስለዚ፡ ሽማግለታት እንታይ ክንገብር ከም ዚግባእ ኣይኰኑን ዚነግሩና፣ የግዳስ፡ ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘሎ ኣተሓሳስባ ኣምላኽ ክንፈልጥ እዮም ዚሕግዙና። ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሰ ምኽሮም እንተ ስዒብና ኸኣ፡ ‘ንልቦናና’ ስለ እነሰልጥኖ፡ ጽቡቕ ውሳነታት ክንገብር ንኽእል ኢና።—እብ. 5:14።

17. እንታይ ንምግባር ኢና ኽንቈርጽ ዘሎና፧

17 ኣባጊዕ የሆዋ ምዃንናስ ከመይ ዝበለ ዓብዪ ኽብሪ ዀን እዩ! የሆዋ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽንረክብ ኢሉ ነቲ “ሕያዋይ ጓሳ” ዝዀነ የሱስ ምእንታና በጃ ኪኸፍል ልኢኽዎ እዩ። (ዮሃ. 10:11) በቶም ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘለዉ ሽማግለታት ኣቢሉ ድማ፡ “ከም ልበይ ዝዀኑ ጓሶት ክህበኩም እየ፣ ንሳቶም ድማ ብፍልጠትን ብልቦናን ኪምግቡኹም እዮም” ኢሉ ንዝኣተዎ ቓል ፈጺምዎ እዩ። (ኤር. 3:15) ብመንፈሳዊ መዳይ ክንደክም ወይ ክንሓምም ከለና፡ ሓገዝ ክንረክብ ኢልና ንሽማግለታት ንምጽዋዕ ድሕር ክንብል የብልናን። እምበኣር፡ ካብቲ የሆዋ ብሽማግለታት ጉባኤ ኣቢሉ ዝሰርዖ መሰናድዎ ምሉእ ብምሉእ ንምጥቃም ቈራጽነት ንግበር።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

  • መዓስ ኢና ሓገዝ ንምርካብ ‘ንሽማግለታት ክንጽውዕ’ ዘሎና፧

  • ስለምንታይ ኢና ንሽማግለታት ክንጽውዕ ዘሎና፧

  • ሽማግለታት ብኸመይ ይሕግዙና፧

መዝሙር 31 ተመላለስ ምስ ኣምላኽካ!

a ነቲ ኣባሲ እኹል ግዜ ሂብካዮ ኽነስኻ ኸምኡ እንተ ዘይገይሩ፡ ካብቲ ንየሆዋ ዘሎካ ተኣማንነት ተላዒልካ ብዛዕባ እቲ እትፈልጦ ነገር ንሽማግለታት ክትነግር ኣሎካ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ